All updates

3. ቍራቦ ካብ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ

13/09/2018
ይርጋኣለም ፍስሃ* ON 10-SEP-2018
ሳልሳይ ክፋል

“ሰለስተ ሰብኡት ኣይመድለዩን፣ ብሽጉጥ ክትቀትሉኒ ትኽእሉ ኔርኩም”

ሓሙስ 21/10/2010 ንሓካይም ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ᎓ ሓንቲ ካብተን ዘይጥዑማት ዕለታት ምንባራ እግምት። ቅድሚኡን ድሕሪኡን᎓ ሎሚ ክጠቕሶ ግዜኡ ዘይኣኸለ᎓ ብዙሕ ኣሰቃቒ ትርኢታት ከም ዝርኣዩ ርግጸኛ’የ። ምስ ምሉእ ጕልበቱን ጥዕናኡን ናብ መርመራ ክውሰድ ዝረኣኻዮ ጐበዝ ድሕሪ ገለ ሰዓታት᎓ ብወተሃደራት ተጸይሩ ወይ ተደጊፉ ክምለስ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ናተይ ከኣ ሓደ ኣብነት ናይቲ ተመሳሳሊ መስርሕ ደኣ’ምበር እቲ ዝኸፍአ ትርኢት ኣይነበረን። 

ኣብዛ እዋን እዚኣ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ እቲ መዓስከር ኰንኩ። ሃለዋተይ ኣታዊን ወጻኢን ነበረ። ኵሉ ነብሰይ ስለ ዝቘሰለ᎓ በትሪ ዘይዓለቦ ክፋል ድማ ከብደይን ኣፍ-ልበይን ጥራይ ብምንባሩ᎓ ሓንሳብ ብኸብደይ ምስ ደቀስኩ᎓ ክግምጠልስ ይትረፍ ሳዕሪ’ኳ ክትትንክፈኒ ዘየፍቅድ መጠኑ ዝሓለፈ ሕበጥን ቃንዛን ተሰኪመ᎓ ምሉእ ለይቲን መዓልቲን ብሓካይም እቲ ቤት-ማእሰርቲ እናተሓለኹ፣ ሓሙስን ዓርቢን ሓሊፈን ቀዳም’ውን ተፋረቐት። ኵነታተይ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይዓርግ ምንባሩ ጸብጻብ የመሓላልፉ ከም ዝነብሩ እግምት።

ዕለት 23/10/2010 ሆስፒታል ሓሊበት እትወስደኒ መኪና ተላእከት።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ᎓ ሽዑ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝተቐበለኒ ሓኪም᎓ ኣዝየ ተዳኺመን መላእ ሰብነተይ ሓቢጡን ስለ ዝነበረ᎓ ገላቢጡ ክርእየኒስ ይትረፍ ደም ክወስደለይ᎓ ኢንፊጅን ክገብረለይ (ክቕይረለይ) ኣዝዩ ተጸጊሙን ሰንቢዱን ከሎ ይዝከረኒ። እዚ ሓኪም’ዚ ኣብ ተሓከምቲ-እሱራት ብዘርእዮ ምድንጋጽ᎓ ኣብ ስራሑ ጸገም ከም ዘጋጠሞ’ውን ሰሚዐ’ለኹ።

ሆስፒታል ሓሊበት - ፕሪዝን ዋርድ ከም ዝድቅስ ተገብረ። መርመራታት ተገይሩለይ፣ መድሃኒታት ተኣዘዘለይ። ንዓይ ንጹር ብዘይነበረ ውጽኢት ሕክምናዊ መርመራይ ንዋርድያታትን እሱራትን ዘስግእን ዘሻቕልን ኰይነ ቀጸልኩ። ስሞም ክነግሩ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ᎓ ኵነታተይ ዝከታተሉ ደወልቲ፣ ዓሚል ቴለፎን ፕሪዝን ዋርድ’ውን ነበሩ።

ሓደ ካብ ውጽኢት ሕክምናዊ መርመራይ᎓ ብህጹጽ ደም የድልየኒ ምንባሩ ኣመልከተ’ሞ᎓ ዓይነት ደመይ ዝውንን ሰብ ንምርጋካብ ጋዳ ኰነ።

ነፍሲ-ወከፍ እሱር ማይ-ስርዋ ዓይነት ደሙ ተሓተተ--“ኣይተረኽበን” ተባህለ። እሱራት ዓዲ-ኣበይቶ፣ ኣባላትን ገለ መርመርትን’ውን ከም ዝተሓተቱ ደሓር ብዕላል ሰሚዐ። ደም ናይ ምድላይ መስርሕ ነቲ ምስጢር ንኸይወጽእ ተባሂሉ ዝተነፍገኒ᎓ ናይ ሕክምና ዕድል ፈንጢሱ᎓ ወረይ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ንኽበጽሕ ተራ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ እታ ጸገም ብኸመይ ተፈቲሓ ኣይፈልጥን፣ እቲ ዝተደልየ ደም ከም ዝዋሃበኒ ተገብረ።

ኣብዛ እዋን ኣብ ፕሪዝን ዋርድ ዝነበሩ እሱራት-ተሓከምቲ፣ ዋርድያታትናን ሓካይምናን ብሰንከይ ንዘሕለፉዎ ኣሰቃቒ ግዜ እንታይ ክብሎም ከም ዝኽእል ኣይፈለጥን። ብጸሎት᎓ ብሞራል᎓ ብሞያን ርህራሀን ንዘርኣዩኒ ክንክን ኰነ ደገፍ ፈጺመ ከም ዘይርስዖ ግን ምስ ልዑል ምስጋና ክነግሮም እደሊ። ሓካይም ኣብ ዝቀያየሩሉ ሰዓት፣ ፈለማ ተግባር ወይ ሕቶ - ብህይወት ሓዲረዶ? ውዒለዶ? ምርግጋጽ ዝነበረሉ ግዜ’ውን ተሓሊፉ። ብሰንኪ ሃለዋተይ ምጥፋእ ብዙሕ ዘይዝክሮ ነገራት ነይሩ’ዩ።

ድሕሪ ከቢድ ስግኣትን ሳላ ሓያል ጻዕሪ ሓካይምን ትንፋስ ረኸብኩ። ክዛረብን እኽሊ ክለክፍን ምጅማረይ ዝያዳ ኵሉ ንመርመርቲ ዓቢ ዜና ነበረ። ኣብዚ እዋን ሓላፊ ቤት ማእሰርትታት ዓዲ-ኣበይቶን ማይ-ስርዋን ክርእየኒ መጸ።

“መግቢ ጀሚራዶ?” ናብ እሱራትን ዋርድያን ዝቐንዐ ሕቶ ሓተተ።

“እወ ጽሟቕ ጀሚራ᎓” ተመለሰሉ።

“ከመይ ኣለኺ?” ናባይ ቀንዐ።

ብቐጥታ ሕቶኡ ኣይመለስኩን። ነታ ኣጋጣሚ ክጥቀመላ ስለ ዝደለኹ ሓይለይ ኣኻኸብኩ። “ፈለማ ምስ ተኣሰርና ንስኻ እንዲኻ መርማርየይ ዝነበርካ?” ሕቶ ደኣ ኣጥዒመዮ’ምበር ሕቶ ኣይነበረን።

“ደሓን ሕጂ ውራይ ጥዕናኺ ግበሪ። ካልእ ግዜ ክመጽእ’የ። ሽዑ ክትብልዮ ትደልዪ ክሰምዓኪ’የ᎓” ክሃድም’ዩ ደልዩ። ኣብቲ ክፍሊ 5-6 እሱራት ተሓከምቲን ዋርድያን ነበርና።

“ዝባን ስውኣት! ዘረባይ ከይወዳእኩ ካብ ጥቓይ ከይትኸይድ᎓” ኣብ ሓደ ኢደይ ኢንፊዩጅን ኣብታ ካልኣይቲ ድማ ደም ተሰቒሉለይ ነበረ። ብግብሪ ድሮ ዝተጣሕሰት ኣይሰግራን ይኸውን ዝበልኩዋ ሓጹር ኣንበርኩ። ክልተ-ክልተ ኰይኑ ደው በለ።

“እቲ ዝተሓተትኩዎ ሕቶታት ፈጺሙ ከም ዘይምልከተኒ ትፈልጥ ኢኻ። ክቕተል ድየ ተደልየ? ሰለስተ ሰብኡት ኣይመድለዩን፣ ብሽጉጥ ክትቀትሉኒ ትኽእሉ ኔርኩም።”

“ደሓን ሕጂ’ሞ ሕክምናኺ ግበሪ...”

“ኣይወዳእኩን...” ስሙ ረቚሐ ቀጸልኩ።

“እተን ሕቶታትኩም ብኣኻ ተሓቲተየን’የ። ኣብ ግዜኡ ከኣ መሊሰየን። ክልተ ዓመተይ ኰይኑ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይወጽእ እናበልኩ፣ እንታይ ሓድሽ’ዩ ተረኺቡ? እዞም ሰባት ሓቂ ክፈልጡ ዘይኰነ᎓ ከመይ ገበነኛ ይገብሩኒ’ዩ ነይሩ ጻዕሮም። ገበን ምስ ተፈጸመ ዲኹም ገበነኛ ትደልዩ? ወላስ ንዝደለኹሞ ሰብ ኣሲርኩም ኢኹም ገበን ትደልይሉ? መርመርቲ ሓቂ ዘውጽኡ’ምበር ገበን ዝሰርሑ ሞያውያን ይመስሉኒ ኣይነበሩን...” ከም ዝመጸልይን ዝኸኣልኩዎን ሓሳባተይ እናተቘራረጸን፣ ብቐንዱ ከኣ ንኽዛኣረብ ትንፋስ እናመለስኩ ተዛረብኩ። ንሱ ግና ክሰምዓኒ’ምበር ክምልስ ድሉዊ ኣይነበረን፣ ኣነ’ውን መልሲ ኣይተጸበኹን።

ምጥዓይ’ዶ ዘይምጥዓይ?

ኣብ ዝሰዓበ ሰሙናት ለውጢ ኣርእየ። ዋርድያታትን እሱራትን ኣብ ዓረብያ ሰቒሎም ከንቀሳቕሱኒንን ክምግቡንን ጀሚሮም። ጎድኒ-ጎድኒ እዚ ዘርእዮ ዝነበርኩ ናይ ምሕዋይ ኣንፈት፣ ምንጩን ጸዋሪኡን ዘይፍለጥ ብዙሓት ወረታት ተናፈሱ። ክወጽእ ንዘሎኒ ተኽእሎ ኣንፈት ዝህቡ ኰይኖም፣ ገለ ካብኦም፤ “ከውጽኡኺ’ዮም”፣ “ኣብ ኢዶም ከይትሞቲ ተሻቒሎም ኣለዉ”፣ “ቀልጢፍኪ እንተሓዊኺ ከውጽኡኺ ግን ንዘለዎም መደብ ክስርዙዎ ይኽእሉ’ዮም᎓” ካብ መዓስከር’ዩ ዝናፈስ።

እንትርፎ ብርሃን ጸሓይ ንምርኣይ ሃንቀው ምባል᎓ ወሳኒት ዕድለይ ዘይምንባረይ ግን ካብ ምትስፋው ዝሓልፍ ውጽኢት ኣይነበሮን። ነብሰይ ፈሊጠ᎓ ከመዛዝንን ክርዳእን ምስ ከኣልኩ’ውን ከምዚኦም ብዝኣመሰሉ ነጥብታት ተሸገርኩ። ምጥዓይ ድዩ ዘይምጥዓይ’ዩ ዘዋጻኣኒ ምፍላይ ሓርበተኒ።

ካብቲ ሰብ ዘዝመሰሎ ዝዛረበሉ ዘይተጨበጠ ወረ ወጺአ ክሓስብ ደለኹ። ብዘይካ ሓካይም ዝፈልጡዎ ውሽጣዊ ጸገማት፣ ዝዀነ ሰብ ዝርእዮ፣ ናይ ሕቖ ማህሰይትን ቃንዛን ከምኡ’ውን ምስናፍ ጸጋመይቲ እግረይ ስዒቡ ነበረ። ምእንቲ ክወጽእ--ንሱ’ውን ምናልባት’ዩ--ዓራት እንተሒዘ ዝበኣሰ ክስዕብ ይኽእል’ዩ።

“ክሕከም’ኳ ምስጢር ከይወጽእ ኢሎም ዝኸልከሉንስ ምስ ስንክልናይን በሰላይን ከውጽኡኒ ትብዓት ኣይህሉዎምን’ዩ። ክንዲ ዝዀነ᎓ ሕጂ ብዛዕባ ምውጻእ ዘይኰንኩ᎓ ብዛዕባ ምጥዓይ ክሓስብ ኣሎኒ። መድሃኒት ብግቡእ ክወስድ᎓ ብግቡእ ክምገብ᎓ ክትንስእን ነብሰይ ክሕግዝን ኣሎኒ...” ምስ ውሽጠይ ወዳእኩ።

ፍቓድ ፈጣሪ ኰይኑ᎓ ተበግሶይ᎓ ሓገዝ ምሳይ ዝነበሩ ሰባትን ጻዕሪ ሓካይምን ተደማሚሩ᎓ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጥዕናይ ተመሓየሸ። ካብ ዓረብያ ናብ ተደጊፍካ እትንቀሳቐሰሉ ሓጺን ተሰጋገርኩ። በብቝሩብ ሓጺን ገዲፍካ ሰብ እናተደገፍኩ ሰለይ ምባል በጺሐ። ጸኒሐ ቃንዛኻ ክኢልካ ብዘይ ደገፍ ምስጓም ጀመርኩ።

ምዕባለታት ቀጸለ…

ኣብ ፕሪዝን ዋርድ᎓ ብዘይካ ነርሳትን ተሓጋገዝቲ ነርሳትን᎓ እቶም ቀንዲ ሓካይም ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ’ዮም ዝቀያየሩ’ሞ፣ ኵሎም ዓይነት ሓካይም ማለት ደንገጽትን ሓገዝትን በቲ ካልእ ድማ ዘይግዱሳትን ጨካናትን እናረኣኹ᎓ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ዑቝባ እዚ ሆስፒታል ጸናሕኩ።

ናይ ምውጻእ ተስፋታት ወረ ኰይኑ ተረፈ።

ድሕሪ’ዚ ምምላስ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ኰነ። ከም ሓዳስ እስርቲ ወይ ከም ደጊመ ዝተፈጠርኩ ሰብ!

(ይቕጽል)

______________________________________

*ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ደራሲት ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዛ ኣብ ስደት ትርከብ።

[End of article: (Source) PEN Eritrea]