About us

Eri-Platform AISBL, an international non-profit association, avails a forum for inclusive dialogue on important national, regional and international issues and events affecting Eritrea and the Horn of Africa.

It advocates positive national conversation through online discussions and in-person seminars, to help mediate conflict, bridge divides, cultivate a shared vision in the pursuit of common goals among diverse political, civil, human rights, and media groups as well as individuals. It aims to promote multifaceted national discourse to, inter alia, nurture a shared understanding of, respect for and commitment to the rule of law, democratic principles and human rights.
ኤሪ-ፕላትፎርም AISBL ኣብ ኣገደስቲ ንኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዚጸልዉ ሃገራዊ: ዞባውን ኣህጕራውን ጕዳያትን ፍጻሜታትን ንዅሉ ዘሳትፍ መድረኽ ዘተ ዘጣጥሕ ኣህጕራዊ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ኢዩ።

ናይ ሓባር ዕላማታት ሸቶኡ ከም ዚወቅዕ ንምግባር፣ ኣብ መንጎ ዚተፈላለዩ ፖለቲካዊ: በርጌሳውን ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ጕጅለታት ይዅን ውልቀሰባት፣ ቅርሕንቲ ንምውጋድ: ፍልልያት ንምጽባብ: ሓባራዊ ራእይ ንምዅስኳስ ዚዓለመ፣ ብመንገዲ ክትዓት ኢንተርነትን ህያው ሰሚናራትን ዚሰላሰል ኣወንታዊ ሃገራዊ ዝርርብ ንኪካየድ የተባብዕ። ንካልኦት ነገራት ዚሕውስ፣ ብዛዕባ ግዝኣተ-ሕጊ: ደሞክራስያዊ መትከላትን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ናይ ሓባር መረዳእታ: ኣኽብሮትን ተወፋይነትን ዚዅስኵስ ኵሉ-መዳያዊ ሃገራዊ ልዝብ ንኬስፋሕፍሕ ይድርኽ። 

Our mission - ተልእኾና

1

Promote inclusive dialogue through online interaction and in-person seminars and open discourse to foster a common understanding of the past, a mutual appraisal of the present and a shared vision of the future among Eritrean political, civil, human rights, and media groups, and individuals at home and in the Diaspora.

1

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዳያስፖራን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ: በርጌሳዊ: ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራኸቢ ብዙሃንን ጕጅለታት ይኹን ውልቀሰባት፣ ሓባራዊ መረዳእታ ናይቲ ዚሓለፈ: ሓባራዊ ገምጋም ናይቲ ህሉው: ሓባራዊ ራእይ ናይቲ መጻኢ ንምዅስኳስ፣ ብመንገዲ መስመር ኢንተርነትን ሓባራዊ ሰሚናራትን ዚሰላሰል: ንዅሉ ዘሳትፍ ዘተ ንኺካየድ የተባብዕ።

2

Raise international and regional awareness of the present political, economic, social, and human rights situation in Eritrea, promote solidarity with the Eritrean people’s aspirations for freedom, justice and prosperity and gain support for a peaceful democratic transition.

2

ኣህጕራውን ዞባውን ኣፍልጦ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ: ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታትን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ክብ ምባል፣ ምስ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት: ፍትሕን ራህዋን ምሕዝነት ምትብባዕ፣ ንሰላማዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ደገፍ ምርካብ።

Our vision

Engage, via inclusive dialogue, Eritrean political, civil, human rights and media groups and individuals, at home and abroad, to build mutual trust and unity of purpose based on a shared vision. Promote respect for the rule of law, democratic principles, human rights and a culture of peace in Eritrea and the Horn of Africa.

ራእይና

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ: በርጌሳዊ: ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት: መራኸቢ ብዙሃንን ጕጅለታትን ውልቀሰባትን፣ ንዅሉ ዘሳትፍ ዘተ ብምክያድ፣ ኣብ ናይ ሓባር ራእይ ዚተመስረተ: ሓባራዊ ምትእምማንን ሓድነት ዕላማን ምህናጽ። ኣብ ኤርትራን ቀርኒ እፍሪቃን ኣኽብሮት ግዝኣተ-ሕጊ: ደሞክራስያዊ መትከላት: ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሰላም ባህልን ምስፍሕፋሕ።

Our core values

Our core values are inclusiveness, objectivity and fairness in the service of a dynamic national conversation through adherence to a consensual code of conduct that values civil discourse, mutual tolerance and respect for diversity.

ቀንዲ ክብርታትና

ቀንዲ ክብርታትና፣ ንልዙብ ዝርርብ: ንሓድሕዳዊ ምጽውዋር ኰነ ንኣኽብሮት ብዙሕነት ልዑል ግምት ዚህብ፣ ብሓባራዊ ስምምዕ ብዚተወሰነ ስርዓተ-ኣከያይዳ ዚምራሕ፣ ኣገልግሎት ማዕባሊ መስርሕ ሃገራዊ ልዝብ ኣብ ምዅስኳስ፣ ንዅሉ ዘሳትፍ: ዘይሻራውን ፍትሓውን ምዃን፣ ኢዮም።
The Daero and Shibakha trees symbolise dialogue in Eritrean society. The Baito Adi (village assembly) meets in the shade of their lush foliage to resolve issues, mediate disputes and manage communal affairs in line with customary laws.

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ዳዕሮን ሽባኻን፡ትእምርቲ ዘተ ኢየን። ባይቶ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ’ቲ ዕሙር ቈጽለን ተኣኪቡ፡ ብመሰረት ሕጊ እንዳባ፡ ሽግራት ይፈትሕ፡ ነገራት ይሽምግል፡ ኮማዊ ጕዳያት የመሓድር።