All updates

4. ቍራቦ ካብ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ

24/09/2018
ይርጋኣለም ፍስሃ* ON 13-SEP-2018
ራብዓይን መወዳእታን ክፋል

መፈጸምታ ናይቲ መጀመሪ

ነቲ እናወደቕኩ እናተንሳእኩ᎓ ተስፋ እናቘረጽኩ ሓቦ እናጸፈኹ᎓ ከምኡ’ውን እናነባዕኩ ሳሕቲ ከኣ እናተተስፈኹ᎓ ዝሓለፍኩዎ ህይወት እናሰሓቕኩ ከዘንትወሉ ስለ ዝበቓዕኩ ንፈጣርየይ አመስግን። ንኵሉ ደላይ ሰላምን ደጋፊ ውጹዕን ኣኽብሮተይ እገልጽ። ናባይ ብምድዋልን ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ሓሳብኩም ብምስፋር ኰነ ደገፍኩም ብምግላጽ ሞራል ዝሃብኩምኒ ኣንበብቲ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ። ኣብዚ ስለስተ ክፋላት ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ከዳሉ ዝቐሰበኒ ቀንዲ ምኽንያት᎓ እታ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ሃገርና ንዝርከቡ እሱራት ንምዝካር ዝተወፈየት ወርሒ መስከረም ብስቕታ ክሓልፋ ስለ ዘይመረጽኩ’የ።

ስመይ ካብ ዝርዝር እሱራት ካብ ዝወጽእ᎓ ምስ ዘከርቲ እሱራት ተጸንቢረ ዘሕልፋ ዘለኹ ናይ ፈለማ መስከረም ብምዃና᎓ ነቲ እሱራት ዘሕልፉዎ ህይወት እናሓሰብና ንኽንዝክሮም᎓ ኣብ ልዕሊ’ቲ መብዛሕትና እንፈልጦ ህይወት ቤት ማእሰርቲ᎓ ገለ ስእሊ እንተወሰኸት ብምባል’የ። ከምቲ ኣብ ጽሑፈይ ጠቒሰዮ ዘለኹ᎓ እዚ “ቍራቦ” ካብቲ ዛንታን ናይ ውሑዳት መዓልታት ፍጻመን’ዩ። ከከም እዋኑን ብዝሰፍሐን ክጽሕፎ ምዃነይን ካልኦት ድማ ብተመሳሳሊ ዛንታኦም ክጸውዩን ከኣ እትስፎ። ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዘቕረብኩዎ ኣብነት ደኣ’ምበር እቲ ዝኸፈአን ዝኸበደን’ውን ኣይኰነን። ኣብያተ-ማእሰርቲ ሃገርና ኣፍ ምስ ከፈታ ዝብልኦ ንምስማዕ ግዜኡ ርሑቕ ኣይከውንን’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። 

ስለምንታይ ስም “መርመርቲ” ክጠቅስ ዘይደለኹ ሕቶ ብዙሓት ኣንበብቲ እዛ ጽሕፍቲ ምዃኑ ፈሊጠ’ለኹ። ኣነ ግን ስም እቶም ኣብቲ ጸላም ባና᎓ ኣብቲ ጸበባ ተስፋ᎓ ኣብቲ ቃንዛ ድማ ትንፋስ ዝህቡ ገበርቲ ሰናይ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ስሞም ጠቒሰ ከመስግኖም እንተዝኽእል ዝያዳ ሩፍታ ምተሰምዓኒ። ግዜኡ ስለ ዘይኣኸለ ግን ንሎሚ ብድብዱቡ ክሓልፎ መሪጸ።

ከም መጠቓለሊ ናይዛ ጽሑፍ ክትከውን᎓ ናብቶም ኣብቲ ጸልማት ኰይኖም መዓልቲ ብርሃን ብሃንቀውታ እናተጸበዩ ዕድመኦም ዝቘጽሩ ዘለዉ እሱራት ዝቐንዐት ደብዳቤ ከስዕብ። ከም ዘይትበጽሖም እናፈለጥኩ፣ ግን ከም ትበጽሖም እናሓሰብኩ ዝጸሓፍኩዋ’ያ። ኣብ መንጎናን መንጎምን ንዝተሃንጸ ናይ ሓሳብ መስመር ተኸቲልኩም ንደቓይቕ ምስኦም እናኣዕለልኩም ከተንብቡዋ ተስፋ እገብር።

ናብ...

ናባኹም ናብቶም ኣብ ሸላታትን ኮንቴነራትን ማይ-ስርዋ ዝጸናሕኩምኒ᎓ ኣብኡ ድማ ዝገደፍክኹም እሱራት᎓ ደብዳቤ ክጽሕፍ ደልየ። ብኸመይን ብምንታይን ከም ዝጅምር ሕርብት ኢሉኒ። መዓስ ኢኹም’ከ ከተንብብዎ? እንድዒ! ኣብ ዝወጻእኩምሉ ግዜ᎓ ዋናኡ ዘየንበቦ᎓ ተቐባሊኡ ዘይተረከቦ ክርታትያ ደብዳቤ ኰይኑ ኣብ ገጻት ፈይስ-ቡክን ኢንትርነትን ክጸንሓኩም’ዩ።

እዋይ! ፈይስ-ቡክ ከኣ’ባ ብድሕሬኹም’ዩ መጺኡ? ፈይስ-ቡክ ማለት፣ ኩሉ ሰብ ድላዩ ዝብለሉ ሰፊሕ ግን ብዓይኒ ዘይረአ ኣደራሽ’ዩ። ክትስእሉዎ ከም ዝኸብደኩም ይርድኣኒ። “ቤት ማሕቡስ፡ ኣብታ ትሕምበብ ዓለም ደው ዝበለት ነጥቢ’ያ” እንድዩ ዝበለ ነልሰን ማንዴላ። ዕድልና ግዲ ከፊኡስስ᎓ ሃገርና ንባዕላ እታ ደው ዝበለት ነጥቢ ኰይና’ላ። ስለዚ እቲ “ምስ ወጻእና ኵሉ ነገር ከይእግመናን ምስ ሰብና ምርድዳእ ከይንጽገምን” ዝነበረና ሻቕሎት ቦታ ኣይትሃቡዎ። ኤርትራ ምስታ ትሕንበብ ዓለም ከይትውንጨፍ ስለዝተጻዕረ᎓ ኵሉ ሰብ ኣብቲ ዝገደፍናዮ’ዩ ዘሎ። ንድሕሪት ዝተመልሰ’ውን ኣይሰኣንን።

ዘኽብረኩምን ዝናፍቐኩምን ናይ ሽግርን ጸበባን ስድራይ! ብሓሳብ ናብቲ ምሳኹም ዝነበርኩሉ ግዜ ክምለስ ከለኹ᎓ኣስማትኩም᎓ ቍጽሪ ሸላኹም᎓ ጥዕናዊ ጸገምኩም᎓ ሓቦኹምን ባህርያትኩምን ቅጅል ይብለኒ። ናብራ ኣብ ጸላም!! ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ስድራኹም ዝተጸንበርኩም ውሑዳት ከም ዘለኹም ተስፋ ብምግባር፣ እንቋዕ ሓጐሰኩም እብል። ዝተረፉ ድማ የርህወሎም!

ኣቱም! ሰላም ምባል’ኳ ስለ ዘይፍቀድ᎓ ብቈላሕታ ዓይንኹምን ብምልክታት ገጽኩምን ሞራለይ ክብ᎓ ቅናተይ ሽጥ ዘበልኩም፣ ንስንፍናይ ጎሲኹም ንሓቦይ ዘድመቕኩም፣ ጥዕናኹም ብኸቢዱ ብጥዕናይ ዝተሻቐልኩም፣ ኣዴኹም᎓ሓፍትኹም᎓ ጓልኩም ኣብ ገጸይ እናሰኣልኩም ብኣንስታውነተይ ዝደንገጽኩም፣ ከመይ ኣለኹም? ንቡር ከይተርፍ ደኣ ሓቲተ‘ምበር ከመይ ከም ትህልዉ’ዶ ጠፊኡኒ? እቲ ጸላም! እቲ ጽምዋ! እቲ ግፍዒ! እቲ ብድዐ.... እቲ መምስ ዝመጸ ሓድሽ ሓበሬታት 03 ዝኽርትት ተስፋታት! ዝትንስእን ዝመውትን ስምዒታትን ሻቕሎታትን፣ ኵሉ እቲ ተስፋ ዘይህብ ናብራ… በብሓደ ይሰኣለኒ። ብዘይካ ድንጋጸ ውሑዳት ካልእ እንታይ ዝንገር ጽቡቕ ኣለዎ?

እዚ ደብዳቤ ብምኽንያት እታ ብሓባር ንእሱራት ንምዝካር ዝተወፈየት ወርሒ መስከረም’የ ዝጽሕፎ ዘለኹ። ብዛዕባ መስከረምስ ኣበይ ክትፈልጡ’ልኩም? ኣብዛ ወርሒ᎓ ወርሒ መስከረም᎓ ኵሉ በደል የሕዋቱ ዘሕምሞ፣ ወጽዓ ወገኑ ዘቐንዙዎ፣ ስም እሱራት እናጸውዐ ፍትሒ ይሓትት። ብዛዕባ እሱራት እናሓሰበ ዓመጽ ይዅንን፣ ኣብ ክንዲ እሱራት ድምጹ የስምዕ! ጸገማና ንምፍታሕ ንወሃሃድ ኢሉ ይልምን! ኮታ ነታ ኣብታ ትሕንበብ ዘላ ዓለም፣ ደው ዝበለት ኤርትራ ከንቀሳቕስ ሒዅ  ይብል።

ኣብ ውሽጢ ቤቶም ኰይኖም ስለ ዝተሓንበቡ ኤርትራ ትሕንበብ ዘላ ዝመስሎም᎓ ውድቅትን ዕንወትን ሃገሮም ፈጺሙ ዘይራኣዮም᎓ ስድሪ ከይተረፈት ኣብ ጎደና ምዕባለ ትግስግስ ምህላዋ ዝሓስቡ “ሰብ ጽቡቕ ባህጊ” እውን ኣለዉ። ሃገር᎓መንግስቲ᎓ ሰልፊ᎓ ፕረሲደንት… ሓደ ትርጕም ዝህቡዎን ዝተሓዋወሶምን ኣሕዋት’ውን ኣለዉና። ከስዐ’ደ...!!

ክገርመኩም ብዘይሕጊ ማእሰርቲ ከም ዘየለ᎓ ኵሎም እሱራት ገበነኛት ምዃኖም᎓ ሃገርና ብዓንቀጻት ሰብኣዊ መሰላት ከም ትቕየድ... ዝምድሩ፣ ብዘይ እግሮም ጓህሪ ረጊጾም᎓ ብዘይ ስኖም ደንጐላ ዝግህጹ፣ ሕቶ መሰልን ፍትሕን ገበን ዝሓስቡዎ፣ ባህሊ ርኢኻ ከም ዘይረእኻ ከስርጹ ዝርህጹ፣ ጸገም ኣብ ገዝኦም ክሳብ ዘይኣተወ ጸገም ዘይመስሎም ከኣ’ለዉ። እቲ ቀደምሲ “ጎረቤትካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” እዩ ዝበሃል ዝነበረ።

ዘኪረ ከኣ’ባ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ግዜ ጸገምና ደሃይ ስለ ዘይገበሩ ንሕዘሎም ዝነበርና መቕርብ᎓ ፈተውትን ቤተሰብን ምሕሳብ ይትረፍኩም። ምስ ወጻኣኩም እትፈልጡዎ ብዙሕ ሰለሎ ኣሎ። ንሳቶም’ውን ናይ በበይኑ ጕዳይ እሱራት’ዮም ኰይኖም። ዝገጠሞምን ዘሕለፍዎን ሽግራት ምስ ነገርኹም ክትሓዝኑ ኢኹም። ዘይተጸበኽሞምን ዘይትሓስብዎን ሰብ ውዕለትኩም፣ ክንደይ ዕዉታት ሰባት’ውን ክጸንሕኹም’ዮም።

ብዛዕባ’ቶም ኣብ ምእሳርኩም ኢድ ዝነበሮምን ኣቃጠርቲን እሞ ከኣ ፈጺምኩም ኣይትሕሰቡ። ምስ ወጻእኩም᎓ ኣብ መንጐ ኣመና ምቕራብን ኣመና ምርሓቕን ከዕገሽግሹን ወልደፍደፍ ክብሉን ባዕሎም ክቕጽዑ ክትዕዘብዎም ኢኹም። እዚ ምርኢት እዚ እቲ ኣዘናጋዕን መስሓቕን ኰይኑ ክትረኽቡዎ ኢኹም።

ቀንዲ ዘሻቕለኩም መዓስ ከም እትወጹ ዘይምፍላጥን ደሃይ ስድራ ዘይምርካብን ምዃነን እፈልጠን’የ። ከምቲ ስድራና ከመይ ከም ዝህልዉ እንጭነቖ፣ ንሳ’ቶም’ውን እሱር ንናይ ዓመታት ማእሰርቲ ከመይ ከም ዝሓልፎ ምስኣሉ’ዩ ዘርዕዶም። እሱር ብዛዕባ ስድራ፣ ስድራ ድማ ብዛዕባ እሱር ክትሓስብ ኩልኻ ትእሰር! ስድራ ምሉእ - ሃገር ምሉእ!

እቲ ዝገርም፣ ከምቲ ንማእሰርቲ ዝኸኣልኩሞ ስድራቤታት’ውን ንጓህን ሻቕሎትን ክኢለንኦ’የን። ካሕሳ ከርተተንን ስቓየንን ግና ኣብ ኢድኩም’ዩ ዘሎ። ሞራልኩምን ጥዕናኹም ከይጉዳእ ሓደራ! ከም ወትሩ ብርታዐኹም ኣብ ቦትኡ ይሃሉ! “ምውጻእ ባዕላ ትምጻእ” እናበልካ᎓ ጥዕናኻ ምክንኻን᎓ ሞራልካ ዘይምጉዳል᎓ ዝመሃርኩሙኒ ንስኹም ባዕልኹም እንዲኹም?! ዓስቢ ስድራቤትን ፈተውትን ንሱ ስለዝዀነ! ደላይ እከይ ዝስዓረሉ ኣጽዋር’ውን ንሱ’ዩ!!

ተፈጸመ

_________________________________________________ 

*ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ደራሲት ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዛ ኣብ ስደት ትርከብ።

---------------------------

Source: PEN Eritrea