All updates

2. ቍራቦ ካብ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ

12/09/2018
ይርጋኣለም ፍስሃ* ON 06-SEP-2018
ካልኣይ ክፋል


“ወርሓዊ ጽግያት ኣለኒ... መዓልቲ’ባ ቀይረለይ በጃኻ”

ረቡዕ 20/10/2010 ሰዓታት ቍርሲ ሓሊፉ። ተሓዚ መፍትሕ᎓ ሸላና እናኸፈተ᎓ ስመይ ረቝሐ።  

“ትጽውዒ’ለኺ።”

ብድድ ኢለ ነቐልኩ።

ምጽዋዕ ዝተፈላለየ ስምዒታት’ዩ ዝፈጥር--ፍርሒን ተስፋን። “እንታይ’ኮን ከምጽኡለይ’ዮም? ብኸመይ ትሓልፈለይ ትኸውን?” ዝብሉ ሕቶታት ኣናዊጾም ፍርሒ ክፈጥሩልካ ከለዉ᎓ ጕዳዮም ዘይፈለጡን ሓታቲ ዘይረኸቡን᎓ እሱራት ስለ እትፈልጥ፣ ምጽዋዕካ ከም ብልጫ ወሲድካ ትትስፎ። ኣብቲ እዋን እሱራት በዚሖም᎓ ሸላታት ንኸዋልዱ᎓ ናባይ ዝጸንበሩዋ ኣደ ነበረት’ሞ መሪቓን ኣተባቢዓን ኣፋነወትኒ።

መመርመሪ ክፍሊ ምስ በጻሕና ዋርድያ ኣረኪቡኒ ከደ። ሓደ ካብቶም ኣብ ምድላብ ተመኵሮ ዝነበሩ መርመርቲ ኣቐዲሙ’ውን መርሚሩኒ ዝነበረ᎓ ምስ ሓደ ኣቐዲመ ዝፈልጦ’ሞ ኣብኡ ከም ዝሰርሕ ምስ ተኣሰርኩ ዝፈለጥኩ ሰብ ጸንሑኒ። ወረቓቕቲ᎓ ፌሮ᎓ ኣባትርን ጎማታትን ኣስተብሃልኩ።

ድሕሪ ሰላምታ ፈላጥየይ ዘረባ ጀመረ፤ “ሓፍተይ’ያ፣ ቅድሚ ከቢድ መርመራ ባዕለይ ከረዳኣን ከዘራርባን’የ ኢለ’የ መጺአ᎓” በለኒ።

“የቐንየለይ᎓” መለስኩ ስሙ ረቚሐ።

“ስለዚ ኣብ ከቢድ መርመራ ከይተኣትወ ሓቂ ተዛረቢ᎓” ምኽሪ ኣምሲሉ የርዕደኒ’ዩ ነይሩ ዝኸውን።

“ጽሑፋትኪ ኣንጻር ሃገርን መንግስቲን’ዩ። ንምንታይ ኢኺ ከምኡ ትጽሕፊ?” ቀንዲ መርማርየይ መድረኽ ተረከበ።

“ኣነ ኣንጻር ሃገርን መንግስቲን ኣይጽሓፍኩን።”

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መርመራ’ዩ ሕቶታት ዝቀያየር። ቅድሚኡ ኣባላት ሬድዮ ባና᎓ ምስ ናይ ተቓወምቲ ሬድዮታት እናተኸፈልና ከም እንሰርሕ᎓ ኣብ ዝብል ዓንኬል ዘተኰረ’ዩ ነይሩ።

“እዚ ጽሑፋትኪ ንድዩ?” ቅድሓት ግጥምታተይን “50 ቅርሺ” ዘርእስታ ሓጻር-ዛንታን ጠቐሰለይ።

“እወ ግን ከምዚ ዝወሃቦ ዘሎ ትርጕም ሓሲበ ኣይጽሓፍኩዎን።”

“ሓሳዊት ኴንኪ። ጥዕይቲ እንተትዀኒ ንኣብነት እዛ 50 ቅርሺ ትብል ዛንታ 50 ናቕፋ ምገበርክያ።”

“ኣነ ዘይኰንኩስ ኣብታ ዛንታ ዘላ ሰበይቲ ቅርሺ ኢላ’ያ ትጽውዖ፣ ከም ብዙሓት ኣዴታት።”

“እንታይ ለውጢ ኣለዎ? ግን ንስኺ ኢኺ ጽሒፍኪዮ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ኣማሓዳሪኸ? ሓለፍቲናን ኣመሓደርቲናን ክሳብ ክንድኡ ጨካናት’ዮም?”

“ኵሎም ከምኡ ኣይኰኑን፣ እዚ ኣብዛ ዛንታ ዘሎ ግን ከምኡ’ዩ።”

እዛ ዛንታ ክፍትሹ ኣብ ላፕቶበይ’ያ ጸኒሓቶም።

“ንምንታይ ደኣ ኣብነታዊን ንፉዕን ሓላዪ ህዝቡን ኣመሓዳሪ ጌርኪ ዛንታ ዘይትሰርሒ? መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ስግረ-ዶብ ከይከዱ ዝጕስጕስ ዘይትጽሕፊ?” ዘዋጠረኒ’ዩ መሲሉዎ ዝኸውን። እታ ናይ ኣመሓዳሪስ ሓዲገያ። “ከምቲ ትብሎ ዘለኻ ሓላፊ ኣይረኸብኩን” ክብሎ ድፍረት ኣይነበረንን።

ነታ ካልኣይቲ ግን፤ “እታ ዛንታኮ ከምኡ’ያ ትጕስጕስ፡ እዛ ሰበይቲ ወዳ ካብ ሳዋ ክመጽእሞ ከተመርዑዎ ትሓስብ ነይራ፡ መመርዓዊ ወዳ ተለቓቒሓ ምስ ሸማመተት፡ ኣብ ምምሕዳር ተጸዊዓ፣ ወዳ ስግረ-ዶብ ከም ዝኸደን፣ 50 ሽሕ ክትከፍልን ተነጊራ። ተደናጊሩዋ። ‘50 ቅርሺ ዲኹም ትብሉ’ ኢላቶም፣ መብርሂ ተዋሂቡዋ። ምኻድ ወዳን ዕዳኣን ተደማሚሩ ሃለዋታ ኣጥፊኡላ፡ ዕዳ ክትከፍል እንታይ ከም ትገብር ሓርቢቱዋ ከሎ ከኣ ወዳ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ከም ዝሞተ መርድእ መጺኡዋ። እዛ ዛንታ መንእሰይት ስግረ-ዶብ ክኸዱ ከም ዘይብሎም ክመሃሩ’የ ጽሒፈዮ᎓” በልኩዎ።

ነዛ ዛንታ ነናትና ትርጕም ከነልብሳ ክንሰማማዕ ስለዘይከኣልና፡ በትሪ ኣልዒሉ ክዳጕረኒ ጀመረ። ፈለማ ሰንበድኩ። ድሓር ግን ክከላኸል ወስ ንዘበልኩወን ኣእዳወይ እናቐርሰመ ካብ ክሳደይ ንታሕቲን ካብ ብርኪ እግረይ ንላዕሊን ኣብ ዘሎ ኣካላተይ ተሳህለኒ።

“ሓንሳብ ሓንሳብ...” ተደሃኹ’ሞ᎓ ምህራም ኣቋረጸ።

“ትኣምኒ’ዶ ጽሑፋትኪ ኣንጻር ሃገር ምዃኖም?” እናላህለሀ ሓተተኒ።

“ወርሓዊ ጽግያት ኣለኒ፡ ደም ድማ በርቲዑኒ ኣሎ። መዓልቲ’ባ ቀይረለይ በጃኻ᎓” ተለማለምኩ።

“በዓለዴኺ ትፈልጢ᎓” ካልእ ተስፋ ግዲ ጸኒሑዎ ብነድሪ ምቕጥቃጠይ ቀጸሎ። ብኣውያት ንከባብየይ ኣናወጽኩዎ። ንመርማርያይ ኣሰንዩ ዝመጸ ፈላጥየይ (ዓርኪ ቤተ-ሰበይ) ሰላሕ ኢሉ ንግዳም ወጸ።

ሓያሎ ኣባትር ኣብ ዝባነይ ድሕሪ ምዕላበን ብግዳም ኰይኑ ተዳህዮ። ቍሩብ ትንፋስ ረኸብኩ። ኣካላተይ ክእርንብ ፈተንኩ። እንታይ ተበሃሂሎም እዝጊ ዋናኦም፣ መርማርየይ ተመልሰ።

በትሩ ኣልዒሉ ምህራመይ ቀጸለ።

“ውጺ ውጺ.. ኪዲ..” ኣብ ዘዘርከቦ ኣካለይ በትሩ እናዕለበ ክሳብ ማዕጾ ኣሰነየኒ።

ዋርድያ ተደጊፈ ሸላይ ተመለስኩ።

ኣብ ዝሰዓበ ሰዓታት ምሉእ ሰውነተይ ሓቢጡ፣ ተምላስን ወርሓዊ ጽግያት ዝፈጠሮ ድኻምን ተደማሚሩ፣ ጾር ሓካይም እቲ መዓስከርን መዳቕስተይ ኣደን ኰይነ ወዓልኩን ሓደርኩን።

ይርጋኣለም ፍስሃ 2012

“ትጽውዒ ኣለኺ”

ንጽባሒቱ 21/10/2010 ርፍድፍድ ምስ በለ፣ ተሓዚ መፍትሕ መጺኡ።

“ትጽውዒ ኣለኺ” ክብለኒ ከሎ ንሱ’ውን ምስ ሕዙን ስምዒቱ ነበረ።

“እውይ ጓለይ!” መዳቕስተይ ሸበድበድ በለት። ተቐላጢፋ ረጒድ ጎልፎ ከደነትኒ። ዕብይ ዝበለ ሻርባ’ውን ደረበትኒ።

“እውይ ሕጂስ ክቐትሉኒ’ዮም᎓” ሰንከልከል እናበልኩ ተንሳእኩ። ገና ምስ ሕበጥ ኣካላተይን ቃንዛይን ነበርኩ።

“ኣጆኺ!” ቃላቱ’ምበር ድምጹስ ድኹም ነበረ። ኣብ ከምዚ እዋን ተሳቒና እነሳቐናዮም ዋርድያታት ብዙሓት’ዮም።

ተደጊፈዮ መመርመሪ ክፍሊ በጻሕኩ። ክልቲኦም እቶም ብድሮ ተሳሂሎምኒ ዝኸዱን፣ እቲ ዓሚ ከምዚ እዋን “ድሕሪ ሳልስቲ ክመጸኪ’የ ተዳሊኺ ጽንሒ᎓” ኢሉኒ ዝኸደ ብኣገባብ ኣመራምራኡ ስሙይ መርማርን ሰለስቲኦም ጸንሑኒ። ኮፍ ክብል ተኣዚዘ።

ሕቶታት ተጀሚሩ።                                                       

“እዛ ዛንታ ንምንታይ ኢኺ ጽሒፍክያ?” እታ ናይ ትማሊ ሕቶ በዚ ሎሚ ዝመጸ መርማሪ ተደግመትለይ።

“ክጽሕፋ ከለኹ ካብ ሓቀኛ ፍጻመ’የ ተበጊሰ። ብስግረ-ዶብ ከይዱ ኣብ ሊብያ ናይ ዝበጽሐ መማህርተይ ስድራ 50 ሽሕ ክፈሉ ተባሂሎም ከፊሎም፣ ንሱ ድማ ኣብ ባሕሪ ሞይቱ። ኣዝያ ስለ ዝተንከፈትኒ ጽሒፈያ።”’

“ናብቶም ስድራ ክትወስድና ትኽእሊ?”

“እወ እኽእል᎓” እንዳመን ከም ዝወስዶም’ኳ ርግጸኛ ኣይነበርኩን። እታ ዛንታ ግና ሓቀኛ ፍጻመ’ያ ነይራ።

ኣሻቡ ኣርእስቲ መርመራ ቀየረ።

“...ከባሪ ሓወይ በዓል ንኡስ ዕድመ

ናፊቐ ከም ዘይረኽበካስ ምእማኑ ስኢነ

...በዳልየይ እናፈለጥኩስ ናብ ግዜ የጸግዖ

ዋሕዚ ንብዓተይ ናብ ልበይ ይክዖ...”

ኣብ 2006 ካብ ዝተጻሕፈት “ናፍቖት” ዘርእስታ ግጥመይ ቈንጪሉ ብምውሳድ፤ “በዳሊኺ መን’ዩ? ሓተተኒ።

“በዳልየይ ኣምላኽ’ዩ፣ ንኣምላኽ ክማጐት ግን ኣይክእልን’የ᎓” መለስኩ።

“እንታይ ንበልካ?” “ኣውቲስታ” ዘርእስተን ግጥምታት’ውን ተላዕላ። መብርሂታተይ ኣየዕገቦምን።

“ንመን ኢኺ ደኣ ተታልልዮ? እቲ ኣብ ሬድዮ ባና ኴንኩም ትሰርሑዎ፣ እቲ ብሽፋን መደብ ስነ-ጽሑፍ መንእሰያት ንምውዳብ ትገብሩዎ… ኵሉ ኢና ንፈልጦ...” ብኸመይ ናብ በትሪ ዘሊሎም ኣይተረኣንን᎓ ክሰሃሉኒ ጀመሩ። ንኽግረፍ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ እንተዘይነብር፣ እቲ ምምልላስ ህዱእ’ዩ ነይሩ። ሰብነተይ ብናይ ቅድሚኡ መግረፍቲ ተሰኒፉ ነበረ። ኣብቲ መሬት ዘርጋሕ በልኩ። ገዲም መርማሪ ርእሰይ ረጊጹ ምስ ስሚንቶ ኣላገበኒ፣ እቲ ካልኣዩ ኣእጋረይ ረጊጹ ብሻርባይ ኣፈይ ወተፈኒ። እቲ ሳልሳይ ኣብቲ ክፍሊ ምንባሩ’ምበር እንታይ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ኣይዝክሮን።

ምጉብዕባዕ’ምበር ሕቶ ኣይነበሮምን። “እንታይ ትገብሩ? ኣበይ ትኸዱ? ምስ መን ትራኸቡ? ኩሉ ኢና ንፈልጥ…” ቃላቶምን ወስታ ኢዶምን ብማዕረ!

ክልቲኦም ስለ ዝደኸሙ ክሳብ ዘዕርፉ ብፌሮን ረጒድ ዕንጸይቲን ክእሰር ኣዘዙ።

“ኣታ በጃኹም!” ኢለ ዝለመንኩ።

“ገና ገና! ክትሞቲ ኢኺ!” መለሰለይ።

ክልቲኡ ኣእዳወይ ብፌሮ ምስተኣስረ፣ እታ ዕንጸይቲ ኣብ ብርክታት ኣእጋረይን ኣእዳወይን ከም ትመሓላለፍ ተገብረት’ሞ፡ ጥንቅልዒት ብሕቘይ ኣብ ስሚንቶ ዓሊበ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ተጠማሚሩ፡ ጻዕዳ እግረይ ኣንቃዕሪሩ፣ ተዓዃሊለን እርንብን ንእስን ኢለ ንኻልኣይ ደረጃ መግረፍቲ ድልውቲ ኰንኵሎም። ዕላማኦም ሓቂ ክረኽቡ ዘይኰነስ ከሰክሑኒ ኢሎም ምዃኖም ርዱእ ኰነ። ኣባትርን ጎማታትን ክዓልበኒ ጀመረ። ሽዑስ ጻዕዳ እግረይ’ውን መዓልቦ ኣባትር ኰነ።

“ሓቂ ተዛረቢ፣ ክሳብ ትሞቲ ንገድፈኪ ከይመስለኪ!”

“ኣነ ዝዛረቦ ሓቂ የብለይን። እቲ ትደልዩዎ ባዕልኹም ጽሓፉዎ’ሞ ኣነ ክፍርመልኩም᎓” ተጻዒረ ተዛረብኩ። ካብ ንህይወት ንሞት ዝቐረብኩ መሰለኒ።

“ነቲ ዝገበርኪዮስ ንሕና ክንጽሕፎ? ሓቃ ከተውእያ ኢኺ!” መግረፍቲ ናህሪ ወሰኸ። ድሕሪ’ዚ ኣነ ኣየድሃኹን። መዓስ ከም ዘቋረጹ’ውን ኣይዝክሮን።

ድሕሪ ደቓይቕ ነብሰይ ኣብ ግዳም ኣብ ንፋስ ተሰጢሓ ረኸብኩዋ። ከባብየይ ክምልከትን ነብሰይ ክእርንብን ፈተንኩ። ዋርድያ ክወስደኒ ተጸዊዑ፣ ክኸይድ ተኣዘዝኩ። ክትንስእ ፈተንኩ። ነዊሕ ከይሰጐምኩ ሃለዋተይ ኣጥፊአ ወደቕኩ! ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዘሎ ሕክምና ተወሰድኩ። ኵነታተይ ግና መመሊሱ በኣሰ። ካብ ዓቕሚ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሕክምና ወጻኢ ኰነ። ምስጢር ንግዳም ክወጽእ ስለዘይብሉ ግን ንሓሊበት ንኽውሰድ ዝፈቅድ ኣካል ፍቓደኛ ኣይነበረን። ድሕሪኡ ዝሰዓበ፣ ዝዝክሮን ዘይዝክሮን’ዩ።

(ይቕጽል)

_______________________________

*ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ደራሲት ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዛ ኣብ ስደት ትርከብ። 

[End of article: (Source) PEN Eritrea]