All updates

[1ይ ክፋል] ክብሪ፡ ጽንብል ናጽነት 24 ግንቦት!

20/05/2022

1. “እቲ መግለጺ ሓጎሱ ክገብሮ ዝክእል ሓደ እዩ ነሩ። ንሱ ድማ ጠያይቲ ንላዕሊ ምትኳስ ማለት እዩ ነሩ። ልክዕ ከምዚ ዉግእ ዲዩ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓካ ብሓጎስ ማለት’ዩ።” - ዘውዲ ገብረሚካኤል፡ ካብ ወግረት

2. “ብህጻናት ደረጃ፡ ኩላትና ህጻናት ክላስ ገዲፍና ክንወጽእ ይዝከረኒ ናብ መጻወቲ ኲዕሶ። እታ ዓቅምና ንሳ እያ፡ ምጽዋት ናይ ሓጎስ ጫውጫው ምባል፡ ንኣሽቱ ነርና።” - ናትናአል ስዩም ካብ ዓራርብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ

3. “ስምዒት ይፈራረቀኻ እዩ ነዛ ሃገር ዘይተጋደልኹላ ኢልኻ ትቀንእ” - ሰለሞን ገብረኢየሱስ፡ ከባቢ ባር ቶሪኖ

4. “ድሕሪ 17 ዓመት ኣብቲ ጎደናታት ኣስመራ፡ ኣብ ኣስመራ ከለኹስ ‘ኣስመራ ከተማ ኢለ ይደርፍ ነረ’ ይናፍቅ ነረ። ምክንያቱ ናይ ንእስነት ብዙሕ ተዘክሮታት ስለ ዝነበረኒ።” - ዜን ሾካይ ካብ ስዊድን