All updates

[1ይ ክፋል] ተዘክሮታት መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት 1991።

12/05/2022

“ቀይሕ ቢሮ’ውን ኣየድልየንንዩ ኢደይ ጨዲደ ብደም ክፍርም’የ።” - ብስራት ጎይቶኦም ከባቢ ናቅፋ

“ህዝቢ ኤርትራ ስጋብ ክንደይ ነቲ ዝገዝኦ ክጭፍጭፎ ዝጸንሐ ዓድታቱ ከብርስ ዝጸንሐ ሰራዊት እንዳ ሓለፈ ከሎስ ማይ ከይተረፈ የስትዮ ነሩ።” - ህድኣት ዑቅባሚካኤል ካብ ከባቢ ኣቁርደት

“ኣባ ሓጎይ ንዑ ነዚ ኣርማድዮ ገልብጥዎ ይብለና” ኣብቲ ዉሽጢ ባንዴራ ኣላ ኣዉጽእዋ ሕጂ ማዓልታ ኣኺላ ኢሉ ባንደራ ተዓጢቁ ክስዕስዕ ዉዒሉ።” - ከማል ዓሊ ከባቢ ማይ ተመናይ

“ካብ ባርጅማ ታንኪ ተሰቂልና ስጋብ ክንደይ መዓልቲ ኣብ ደገ ሓዲርና፡ ክንደይ መዓልቲ በሊዕና ኣይዝክሮን’የ።

ጎሮሮና ተዓጽዩ።” - እስቲፋኖስ ሰመረ ከባቢ ገጅረት