All updates

[2ይ ክፋል] ተዘክሮታት መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት 1991።

19/05/2022

“እዛ 1993 ካብ ዕለት 23 ሚያዝያ ስጋብ 27 ዝተዛዘመ ናይ ረፈረንደም ኣጋጣሚ ንዓለም ንምቅላሕ ድኣ’ምበር ንዓና ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ንሕና ንኤርትራ ጉልባባ፡ ኤርትራ ንዓና ጉልባብ ጋቢ ምንባራ ንምቅላሕ እዩ ነሩ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ።” መንእሰይ ናፖለዮን ገረዝጊሔር ካብ ኣስመራ

“ካብ ነዚኦም ክሪኦም ክምልሶ ዘይክእል ሕቶ ወይ ኣብ ገጸይ ሓደ ምስሊ ዚህብ፡ መልሲ ካብ ዝህብ፡ ክኸይድ ኣለኒ ኢለ ካልኣይ ለይቲ ከይሓደርኹ ገዛና፡ ንኣስመራ ሓሊፈ።” ህድኣት ዑቅባሚካኤል ካብ ከረን።

“እቲ ዝገርም ኣቋውማ ናይቲ ቦታ ፋሕ ዝበለዩ፡ ግን ኣብቲ ናይ ረፈረንደም እዋን ምስ ተባህለ፡ ከመይ ተኣኪቦም ብጣዕሚ ዝገርመካዩ። ክንድኡ ዝኣክል ህዝቢ’ውን ከም ዝነበረ ኣይፈጥን። ከመይ ኢሎም መጺኦም በግማሎም ብዘለዎም ተጓዒዞም እዮም መጺኦም።” ብስራት ጎይቶኦም ካብ ደንከል

“ኩናት ስስዐ ዘይናትኻ ምድላይ ዘበግሶ’ዩ። እዚ ከኣ ብከምዚ ዓይነት መገዲ ከይዱ ኣሽሓት ኣሕዋት፡ ንኣሽቱ እሕዋትና መዛኑና ዓበይቲ ኣያታትና ተከፊሉዎ ኢዩ። እዚ 2ይ መድረክ ወያነ።”