All updates

Zenith ቃለመጠይቕ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

26/12/2024

ብቐጻሊ ዚገላበጥን ዘይርጉእን ምሕዝነታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣብ 23 ጥቅምቲ 2024፡ ምስ ሚር. ዳንኤል ገርላኽ ዚተባህለ ኣሰናዳኢ ጀርመናዊት መጽሔት Zenith ቃለመጠይቕ ገይሩ። እቲ ቃለመጠይቕ ኣብታ መጽሔት (Zenith, Winter 2024, 02/2024, Rotes Meer) ብጀርመንኛ ተሓቲሙ ተዘጊሑ ኣሎ ። ኣብዚ ድማ ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ ንኣንበብቲ ቀሪቡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለመጠይቕ እነሆ።  


Zenith: ፕሮፌ. ጊዮርጊስ፡ ንስኻ ኣብ ከባቢ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንነዊሕ እዋን ዝሰራሕካ፣ ኣብ ክልቲኡ ወገናት፡ ማለት ኣብ ክልቲኡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ዘለካ፣ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ ግጭት የመን እተማኽር፡ ኣብቲ ናይ ምምኻር ስራሕካ ድማ እንተላይ ምስ መራሕቲ ሑሲ ተራኺብካ ኣለኻ። እቲ ዕርገት መጥቃዕቲ ሑሳውያን ኣብ ልዕሊ መራክብ ጽዕነት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ብሓቂ ምልክት ምሕዝነት ምስ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ዲዩ፧ ወይስ ስትራተጂኦምን ፖለቲካዊ ቅማረኦምን እንታይ ኢዩ፧ 

ዓንደብርሃን: እወ፡ እቲ ዕርገት መጥቃዕቲ ምእንቲ ምሕዝነት ምስ ፍልስጤማውያን ተባሂሉ ኢዩ ተኣዊጁ። እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ኣብ የመን ንሓደ ብሑሲ ዚዕብለል መንግስቲ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ይመስል። ብርግጽ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ካብ ሓደ ዘቤታዊ ተዋሳኢ ናብ ሓደ ግሎባዊ መዘዛት ዘለዎ ዞባዊ ተዋሳኢ ቀይሩዎም ኣሎ። ንሳቶም ንበይኖም ከም እቶም ምስ ፍልስጤማውያን ንጡፍ ደገፍን ምሕዝነትን ዘርኣዩ ዘይመንግስታዊ ይዅን መንግስታዊ ተዋሳኢ መጠን፡ ንቍመንኦም፡ ብፍላይ ኣብቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዓረብ፡ ኣጸቢቑ ኣመሓይሹዎ ይርከብ። እዚ ድማ፡ ንተርኦም ኣብቲ ብስም መቐለስ ተቓውሞ ዚፍለጥ ስትራተጅያዊ ሽርክነት ናይ ከም ሓማስ ኣብ ቓዛ፡ ሕዝበላህ ኣብ ሊባኖስ፡ ሓይልታት እስላማዊ ተቓውሞን ህዝባዊ ተቓውሞን ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያን ኢራንን ኣጸቢቑ ኣሐይሉዎ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ  እዚ ዞባዊ መቓን’ዚ እውን ቍመና ወሲኾም ዘለዉ እመስለኒ። ከምቲ ኣዐሪኻ እትፈልጦ ድማ፡ እቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብቲ ብመንገዲ’ቲ ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ባሕራዊ ትራፊክ፡ ጕዕዞ መራክብን ኣህጕራዊ ንግድን ናይ ምዝራግ ክእለቶም፡ ብኣዝዩ ልዙብ ኣበሃህላ፡ ዕዙዝ ዞባውን ኣህጕራውን ሓይሊ ሚዛን ወይ ናይ ምግባር ዓቕሚ የውህቦም። 

[:swvar:text:838:]
[:swvar:text:838:]

Zenith፡ በየናይ መንገዲ፧

ዓንደብርሃን፡ መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብን መትረብ ስዌጽን ክልተ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ መሓንቖታት ወይ መቈጻጸሪ ነቝጥታት ኣብ ዓለም ኢዮም። ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ቅልውላው ብመንገዲ ኣህጕራዊ ልዝብ ኣቢሉ ህጹጽ ፍታሕ ዘድሊዮ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ሑሳውያን ቅልውላው የመን፡ ኲናት ቓዛን ጐበጣ ፍልስጤምን ዚተኣሳሰሩ ጕዳያት ምዃኖም ከም ዚኣምኑ የመልክት። ጕዳይ ፍልስጤም ፍትሓዊ ፍታሕ ምስ ዚረክብ ዞባዊ ወጥሪ ኪንክን ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኪሕግዝን ኢዩ። እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ምስዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዞባዊ ጕዳይ’ዚ ዚተተሓሓዘን ኣብ ልዕሊ ግሎባዊ ንግዲ ኣሉታዊ ስንብራት ዘለዎን ኢዩ። መራክብ ኣብ ክንዲ ብቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቐን ዚሓልፋ፡ በቲ ኣጸቢቑ ዚነውሐን ዝያዳ ዚኸበረን መንገዲ፡ ንኣፍሪቃ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ተዃሊለን ኪጐዓዛ የገድድ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ድሮ ኣዝዩ ተቐያያሪ ዚዀነ ዞባ ነቲ ዘሎ ዘይርጉእነትን ዘይድሕነትን የጋድድ። 

Zenith ብዙሓት ምዕራባውያን ተዓዘብቲ ሑሳውያን ሜላታት ኢራን ኣብቲ ዞባ ጥራይ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ፡ እቲ ምትሕሓዝ ግጭት ኣብ ቓዛን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ነዚ ዘረጋግጽ ዝያዳ መርትዖ ምዃኑ ይኣምኑ። ሑሳውያንን ኢራንን መሻርኽቲ ኢዮም፣ ግን ከኣ ሑሳውያን ናይ ገዛእ ርእሶም አጀንዳ ዘሰላስሉ ይመስሉ፡ እንሓሳእውን ምስ ተህራን ኣይቃደዉን ኢዮም። ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ርእይቶኻ፧  

ዓንደብርሃን፡ ንዓይ ብዝመስለኒ፡ እቲ ሑሳውያን ወከልቲ ኢራን ኢዮም ዚብል ኣገላልጻ ነቲ ክዉንነት ወይ ነቲ መሰረታዊ ዳይናሚክስ ናይ ሓይሊ ዘንጸባርቕ ኣይኰነን። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ሓማስ፡ ሕዝበላህ ኰነ እቶም ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ዕጡቓት ጕጅለታት ምስ ኢራን ስትራተጅያዊ ኪዳን ወይ ሽርክነት ኣለዎም። ይዅን’ምበር፡ ነፍሲ ወከፎም ነናይ ገዛእ ርእሱ አጀንዳ፡ ነናቱ ዘቤታዊ፡ ሃገራውን ዞባውን አጀንዳ ኣለዎ። እቲ ዕላማታቶምን ረብሓታቶምን ምስቲ ናይ ኢራን ክሳብ ዘሳነየ፡ ይተሓባበሩ። እንተዘይተሳነየ ግን፡ ኣይተሓባበሩን ኢዮም፣ ትእዛዛት’ውን ኣይቅበሉን ኢዮም። ኣብ ነናቶም ጕዳያት ዘዘዋጽኦም ናይ ምግባር ዝንባሌ ኢዩ ዘለዎም። 

Zenith ፖሊሲ ኢራን ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብ ኣብዚ ቀረባ ብሳላ ምስ ሃገራት ወሽመጥ እትገብሮ ዘላ ምቅርራብን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዚካየድ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድናታትን ዚተቐየረ፣ ወይ ድማ ንባብ ኤል ማንደብ ብመሰረቱ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዚጥቀሙሉ ተመሳሳሊ ጸቕጢ ንምግባር ዚጥቀሙሉ ይመስለካ፧  

ዓንደብርሃን፡ ኣብቲ ዞባ ዚተሓላለኸ ብዝሒ ቀጸላታት ዚሓቘፈ ሚሐ ወይ ሜትሪክስ ናይ ግጭታት ኣሎ። ኣብ ክሊ’ዚ መቓን’ዚ፡ ኢራን ምስ ስዑዲ ዓረብን ምስተን ካልኦት ኣባላት ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ወሽመጥን (GCC) ዝምድናታታ ኣብ ምምሕያሽ ቀንዲ ረብሓ ኣለዋ። ስለዚ፡ እዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ብሓደ ወገን፡ ኢራን ከም ጐብለል ናይ ጕዳይ ፍልስጤም፡ ከም ቀንዲ ሓላዪት ናይ ህዝቢ ፍልስጤም፡ ትቐርብ፣ በቲ ካልእ ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓታት ኣለዋ። ከከም ኵነታቱ ድማ፡ ረብሓቶቶም ይራጸም ወይ ይጋጠም።  

Zenith ኣብ ክልቲኡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኲናትን ዘይርጉእነትን ንርኢ ኣለና። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ ምዝርዛር ይከኣል። እቲ ኣብ መንጎ እዞም ግጭታት እዚኣቶም ዘሎ ምትእስሳር ኰነ ጀኦፖለቲካዊ መዘዛቶም እንታይ ኢዩ፧ 

ዓንደብርሃን፡ ንቀይሕ ባሕሪ እንተ ጠመትና፡ ብምብራቕ ብሓውሲ ደሴት ዓረብ፡ ብምዕራብ ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዚተኸበ፣ ምስቲ ወጻኢ ዓለም ድማ፡ ብሰሜን ብመትረብ ስዌጽ ኣቢሉ ምስ ማእከላይ ባሕርን ኤውርጳን፣ ብደቡብ ብመንገዲ መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብ ኣቢሉ ምስ ወሽመጥ ዓደን፡ ባሕሪ ዓረብ፡ ህንዳዊ ውቅያኖስን ርሑቕ ምብራቕን ይራኸብ። ብተወሳኺ፡ ናብተን ብዘይቲ ነዳዲ ሃብታማት ዚዀና ሃገራት ወሽመጥን ናብ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ቀረባ ኢዩ። እዚ ረቛሒታት’ዚ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ጀኦስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ይህቦ። ኣብ ውሽጡ፡ እዚ ዞባ’ዚ ብጠንቂ’ቲ ዚጸንሐ ፍልሰትን ዘይስሩዕ ምንቅስቓሳት ህዝብን ብባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምትእስሳር ዚልለ ኢዩ። እቲ ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ናይ ህዝቢ ካብን ናብን ክልቲኡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጥቡቕ ምትእስሳራት ፈጢሩ ኢዩ። እዚ ምትእስሳራት’ዚ ኣብቲ ዞባ ሰላም ኣብ ምህናጽ፣ ርግኣት፡ ድሕነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ምድንፋዕ ከገልግል ዚግባእ ኣገዳሲ ጸጋ ኢዩ። በቲ ግዳማዊ መዳዩ እንተ ረኣና ድማ፡ እቲ ዞበ ወተሃደራውን ባሕራውን መደበራት ናይ ሓያለ ዓበይትን ማእከሎትን ሓይልታት ዘእንግድ ኰይኑ ንረኽቦ። 

Zenith ኣየኖት ማለትካ ኢዩ፧

ዓንደብርሃን፡ ዓበይቲ ሓያላት ክብል እንከለኹ፡ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ብመጠኑ ድማ፡ ህንዲ ማለተይ ኢዩ። እተን ማእከሎት ሓይልታት ዚበሃላ ድማ፡ ምስሪ፡ ኢራን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪየ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኢየን። ኵለን እዘን ዞባውን ግሎባውን ሓይልታት እዚኣተን ዚተፈላለዩ ረብሓታት ኣለዉወን። እቶም ረብሓታት ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት ነንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ኢዮም። እቶም ዘስዕቡዎም ናይ ስልጣን ቍርቍሳት ዞባዊ ወጥርታት ንምዝያድ፡ በይነመንግስታዊ ግጭታት ንምንብድባድ፡ ሓድሕዳዊ ኲናታት ንምንዋሕ ይሰርሑ። እዚ በቲ ኣዝዩ ዚጐልሐ መርኣያኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን የመንን ተኸሲቱ ንርእዮ። ስለዚ፡ ኣብዚ እቶም ዘቤታዊ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ሓይልታት ኣብ መቓን ናይቲ ብቐጻሊ ዚቀያየር ኣሰላልፋ ሓይልታት ፍሉያት ጸብብቲ ረብሓታት ኣብ ምንዳይ ዚዋስኡሉ መለጋግቦ ንረክብ። ኣብዚ ርጉእ ምሕዝነት ዚበሃል ከም ዘየለ ነስተብህል። እዚ ድማ ብዝያዳ ዘይርጉጽን ብዝያዳ ክትንበዮ ዘይከኣልን፡ ስለዚ ድማ፡ ንኣብ ነዊሕ እዋን ዚዓለመ ሃናጺ ምትእትታው ዘየተባብዕ ይኸውን።

Zenith እቶም ኣብቲ ናይ ሱዳን ቅልውላውን ኣብቲ ናይ የመን ቅልውላውን ዚሳተፉ ጀኦፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ሓደ ኢዮም ትብል፧ ወይስ ኣብ ዓይነት ናይቶም ኣህጕራዊ ተዋሳእቲ መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ ኢዩ፧ 

ዓንደብርሃን፡ እቶም ጀኦፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ብርግጽ ሓደ ኢዮም። ኣብ ቅልውላው ሱዳን ኰነ ኣብ ቅልውላው የመን ዚሳተፉ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ተዋሳእቲ ኣለዉ። እቲ መሰረታዊ ወይ ሱራዊ ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው ውሽጣዊ ምዃኑ ኩላትና ክንሰማማዓሉ እንኽእል ሓቂ እመስለኒ። ኣብ ኵሉ ቦታታት እቶም ግጭታት ውጽኢት ናይ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኸደ ሕማቕ ምሕደራ፡ ኣግላሊ ፖለቲካን ምውሳን ናይቶም ኣብቲ ወሰናስን ዚነብሩ ጕጅለታትን ኢዮም። እቲ ምእንቲ ዕብለላ ዚካየድ ቃልሲ ነቶም ውሽጣዊ ጠንቅታት ናይቲ ቃልሲ የባርዕ፣ እቲ ደገፍ ናይቶም ግዳማዊ ሓይልታት ነቶም ተቓናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ግጭት ድማ ነቲ ቅልውላው የጋድዶን የናውሖን ጥራይ። ንሱ ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፡ ነቲ ቅልውላው ዘጋድድን ዘናውሕን ኢዩ። ነቶም ተቓናቐንቲ ሓይልታት ብምድጋፍ፡ ነቲ ግጭት ንምቕጻል ዘኽእሎም ደገፍ ብምሃብ፡ ነቶም ዚካየዱ ኲናታት የናውሕ። 

Zenith ነቶም ዞባዊ ሓይልታት ኣብ ምጥቃስ ብዛዕባ ስዑዲ ዓረብ፡ ምስሪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢራን፡ ቱርኪየ ተዛሪባካ፧ 

ዓንደብርሃን፡ እወ፡ ሓቅኻ። ከም እትፈልጦ፡ መብዛሕትአን ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ኣብ ጂቡትን ሶማልያን ወተሃደራዊ መዓስከራት ወይ ህላወ ኣለወን።  

Zenith ብርእይቶኻ፡ ኣየኖት ግዳማዊ ተዋሳእቲ ኢዮም ብቐንዱ ንምግዳድ ናይቲ ቅልውላው ዘበርከቱ ትብል፧ 

A ደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ኣብቲ ዞባ ከም ቀንዲ ርግኣት ዚዘርግ ሓይሊ ኰይኑ ዘሎ ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ጕጅላዊ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ። እዚ ንኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ህርፋናት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ይሓቍፍ። ብመትከል፡ ዚዀነት ብመሬት ዚተኸበት ሃገር ብሓንቲ መሰጋገሪት ሃገር ኣቢላ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ግቡእ መሰል ኣለዋ። ይዅን’ምበር፡ እዚ መሰል’ዚ ፍጹም ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ብመሰረት’ቲ ናይ 1982 ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ ብዚካየድ ልዝብን ብዚብጻሕ ሓባራዊ ስምምዕን ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል። ናይ ግድን፡ እቲ ከምኡ ዓይነት ስምምዕ ብሕሳብ ልዑላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት ኰነ ሃገራዊ ረብሓ ናይታ መተሓላለፊት ሃገር ኪኸውን ኣይግባእን፡ ፈጺሙ’ውን ኪኸውን ኣይክእልን። 

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብን እቲ ነቲ ጠለብ ንምምላእ ሓይሊ ከም ዚጥቀም ዘካይዶ ዘሎ ታህዲድን፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ዘኽእል ዋንነት ገማግም ባሕሪ ምጥራይ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ቅሉዕ ግህሰት ግዝኣታዊ ምሉእነት ናይታ ዚምልከታ መተሓላለፊት ሃገርን ርኡይ ግህሰት ኣህጕራዊ ሕግን ማለት ኢዩ። እስከ ነቲ ናይ 1982 ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕርን ነቲ ኢትዮጵያ ምስታ ብኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኣካል ሶማልያ ዚዀነት ሶማሊላንድ ዚፈረመቶ ናይ ምርድዳእ ሜሞራንደምን ንርአ። ትግባረ ናይቲ ናይ ምርድዳእ ሜሞራንደም ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ዚግህስን ንጡፍ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሶማልያ ዘመልክትን ስጉምቲ ኢዩ። ካብቲ ኣብ 2006 ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዚፈጸመቶ ወራር ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ንዘይምርግጋእ፡ ንምድኻምን ንምቍርራስን ንሓንቲ ወይ ንኻልእ ዞባዊት መንግስቲ ናይታ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ኪትድግፍ ጸኒሓ ኣላ።  

እቲ መሰረታዊ ሽግር፡ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ መላእ ሃገራዊ ግዝኣቱ ምእኩል ስልጣን ኪተክል ዘይምኽኣሉ ኢዩ። እዚ ኵነት’ዚ ብህላወ ናይቶም ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሶማልያ ዚተኣታተዉ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፈደረሽን ምስ ሓንቲ ወይ ካልእ ዞባዊት መንግስቲ ዚዋስኡን ዚሻረኹን ግዳማዊ ሓይልታት ዚተባባዕ ኢዩ። ኣብዚ፡ ደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ሱዳንን፡ እቶም ብቐንዱ ኣብ ዳርፉር ዚነበሩ ጃንጃዊድ፡ ንምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድን ከም ዘሎ ዚሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ።

Zenith እዚ ዅሉ ጀኦፖለቲካዊ ምቅይያራት ኣብቲ ዞባ ንኤርትራ ኰነ ንኣህጕራዊ ኣጠማምታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ማለተይ፡ ዓመታት ይገብር፡ ኤርትራ በቶም ምዕራባውያን ሓይልታትን በተን ናይ ምዕራባውያን ኣህጕራዊ ማዕከናት ዜናን ከም ንጽግቲ ሃገር፡ ከም በዓልቲ ግሉል ስርዓት ትቝጸር ነይራ። ኣብዚ እዋንዚ፡ እቲ ናይ ሓያላን ቍርቍስ ኣብቲ ዞባ ናብ ኢድ ኣስመራ ዘንቢሉ፡ ማለት፡ ነቶም ዚበዝሑ ኣህጕራዊ ሓይልታት ምስ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምውሳእ ዚድርኽ ዘሎ ይመስል።   

ዓንደብርሃን፡ ግርም፡ ሓቅኻ እመስለኒ። እቲ ስርዓት ብኣዝዩ ኣረሜናዊ ኣገባብ ደቛሲ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ዛጊት ዚገበሮ ለውጢ የለን። ኰይኑ ግን፡ እቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ነቶም ቀንዲ ሓያላት ዓለም ኣብ ኤርትራ ገለ ዓይነት ህላወ ወይ ጽልዋ ንኪህሉዎም ዘህርር ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸጋ ኢዩ። ብርግጽ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚጸንሐ ታሪኻዊ ግጭት መሰረታዊ ጠንቁ ኢትዮጵያ ኢያ - እቲ ቀጻሊ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ናይቶም ተኸታተልቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ብዋጋ ግዝኣታዊ ምሉእነት ኤርትራ ኢዩ። ብወገነይ፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎት ወደባትን መሰጋገሪ መሳለጥያታትን ኪትቅርበላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብኣገባብ ኪትጥቀመሉ፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘርብሕ እመስለኒ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ምጥቃም ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ ኪትግበር ይግባእ። ኢትዮጵያ መሰል ተጠቃምነት ኪህሉዋ ይኽእል ኢዩ፣ መሰል ዋንነት ግን ኪህሉዋ ኣይክእልን ኢዩ። ብዚተረፈ፡ እቲ እትጠልቦ ዘላ ካብ ሕጊ ወጻእን ብሓቂ ድማ ዛጊት ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ። 

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ዓበይቲ ብድሆታት ናይ ምሕደራ፡ ልምዓትን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣለዉወን። ክልቲአን ምንጪ ናይ ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታትን ዘይስሩዕ ፍልሰትን ኢየን። ክልቲአን ኣብ መጻወድያ ሕሱም ድኽነት ህዝብታተን ተቘሪነን ዘለዋ ሃገራት ኢየን። ህዝብታተን ኣብቲ ኣዝዩ ዚተሓተ ደረጃ መነባብሮ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከብ። ክልቲአን ብብልሽታዊ ትካላት ዚልለዩ ኣዝዮም ድኹማት መንግስታት ኣለዉወን። ስለዚ እምበኣርከስ፡ ክልቲአን ኣቓልቦአን ኰነ ጸጋታተን ናብቶም ካብ ነንሓድሕደን ኣጸቢቖም ዚበርትዑ ቀንዲ ጸላእተን ከተኵራ ኣለወን። ነቶም ሽግራት ናይ ምሕደራ፡ ልምዓት፡ ድኽነት፡ ኣቕርቦት ሓለዋ ጥዕናን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንምፍታሕ ኪሰርሓ ይግባእ።  

ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዛዕባ ኣድማዒ ኣህጕራዊ ኮም ምዝራብ ኣሸጋሪ ኢዩ። ዓለም ተመቓቒላ ኣላ፣ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ለሚሱ ኢዩ፣ እቲ ደድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዚተመስረተ፡ ኣብቲ ፈለማ ክልተ-ዋልታዊ ድሒሩ ናብ እንኮ-ዋልታዊ ተቐይሩ ዚጸንሐ ዓለማዊ ስርዓት፡ ብሓድሽ ሕብረ-ዋልታዊ ግሎባዊ ስርዓት ኣብ ምትካእ ይርከብ። ብጋህዲ ንምዝራብ፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብቲ ዚሓለፈ ዓመት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ኣብ ሕጊ ጫካ ዚሰፈነሉ ሓደገኛ እዋን ናይ ምስግጋር ንነብር ኣለና። ንኤርትራ ብዚምልከት፡ እቲ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ክንዮው ተጻብኦ ነቲ ህሉው መላኺ ስርዓት ብምጥማት፡ ኣብ ኣኽብሮት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብቲ ዞባ፡ ዚተመስረተ ዞባዊ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምስፋን ሃናጺ ተራ ኪጻወቱ ይግባእ።  

Zenith ይዅን’ምበር፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብናትካ ርእይቶ ምናልባት ግጉይ ትዕዝብቲ ከይከውን ኣይፈልጥን እየ’ምበር፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣፈወርቂ ንምውሳእ ተገዲሱ ኪደፍእ ዚጸንሐ ይመስል፤ ብመንጽሩ ኢራን’ውን ከምኡ ምስቲ መንግስቲ ንምውሳእ ኪትደፍእን ናይ ሓባር ረብሓ ከተርእን ጸኒሓ። ብዛዕባ ምምስራት መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ኣብ ኤርትራ ሓያሎ በላቤሎዋት ነይሮም። ብወገነይ፡ እቲ ወረታት ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኣይፈልጥን፣ ግን ብዛዕብ እንታይ ይመስለካ፧ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን? ብሓቂ ኣዝዩ ፍልይ ዚበለ መርገጺ ዘለዋ ኢዩ ዘምስል።

ዓንደብርሃን፡ ኣነ ነቲ በላቤሎዋት ዚድግፍ ዚዀነ መርትዖ ዛጊት ኣይረኣኹን፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዚዀነ ናይ ወጻኢ መደበር ከም ዘሎ ዘመልክት ዚዀነ ጭቡጥ መርትዖ ከም ዘየሎ እኣምን። ኣብ ዓሰብ ኣብቲ ኣብ የመን ዚተኻየደ ኲናት ዘገልገለ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መደበር ነይሩ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ክንዮኡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ማያት ኤርትራ ኰነ ኣብ ደሴታት ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይ ወጻኢ መደበር ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን። ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ እቶም ወረታት ግምታውያንን ግጉያትን ሓተታታት ምዃኖም እኣምን።   

Zenith ይዅን’ምበር፡ ክደግመልካ፡ ምስ ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምድናታት ንምምሕያሽ ተገዳስነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ይመስል። እዚ ኣይኰነን ዲዩ፧ 

ዓንደብርሃን፡ እወ ሓቅኻ፡ ብርግጽ፡ እቲ ተገዳስነት ኣሎ። ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ነተን ዓበይቲ ሓያላን ኣዝዩ የገድሰን ኢዩ። ብሓቂ ድማ፡ ምስ ኵለን ሃገራት ንቡር ዕርክነታዊ ዝምድናታት ምህላው እንተላይ ንረብሓ ኤርትራ ዘገልግል ኢዩ። ከምቲ እትፈልጦ፡ ኣነ ኣብቲ ኲናት ናይ ናጽነት ወይ ሃገራዊ ሓርነት ዝተሳተፍኩ ገዲም ተጋዳላይ እየ። ንኣህጕራዊ ዝምድናታት ብዚምልከት፡ እቲ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ምእንቲ ዘይሻራዊ ግዳማዊ ፖሊሲ እትኽተል፡ ኣባል ናይ ዚዀነ ቀጽሪ ሓያላን ዘይትኸውን፡ ኣብ ግዝኣታ ዚዀነ ወተሃደራዊ ወይ ባሕራዊ መደበር ኪህሉ ዘይተፍቅድ ኤርትራ ኢዩ ተኻይዱ። ስለዚ፡ ነዚ ታሪኻዊ መርገጺ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምስራትን ምስሳንን ንቡር ዕርክነታዊ ዝምድናታት ንረብሓ ኤርትራ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻን ንዅለን ዚምልከተን ሃገራት ዓለምን ዘገልግል እመስለኒ።. 

Zenith ኣብዚ፡ ትርጉም ዘለዎ ተራ ኤውሮጳዊ ሕብረት ይረኣየካ ዶ፧.

ዓንደብርሃን፡ ብዙሓት ካብቶም ረቛሒታት ቅልውላው ኣብቲ ዞባ ምስ ቍጠባውን ጀኦፖለቲካውን ብድሆታት ዚተኣሳሰሩ ኢዮም። ንክልቲኦም ብድሆታት ብዚምልከት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብቲ ኣህጕራዊ ኮም ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ። እቲ ኣህጕራዊ ኮም ብሕቡራት ሃገራት ዚውከል ኢዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ተዋሳኢ ኢዩ። እንተላይ እተን ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ሓንቲ ካብአን ድማ ቀዋሚት ኣባል ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኢያ። እቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት እዉጅ ምኽታል ናይ ሓባር ግዳማውን ጸጥታውን ፖሊሲ፡ ብመሰረት መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ሰላም ንምዕቃብን ኣህጕራዊ ጸጥታ ንምሕያልን ዚብህግ ኢዩ። 

ምኽታል ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ግዳማውን ጸጥታውን ፖሊሲ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ከም ሓደ እሙን ዞባውን ግሎባውን ተዋሳኢ ኣገዳሲ ተራ ኪቐርጸሉ ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ ነቲ እኩብ ቍጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ሚዛን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ኪጻወት ተኽእሎ ኣለዎ። ከም ሓደ ሕቡእ አጀንዳ ዘይብሉ ተኣማኒ ገለልተኛ ተዋሳኢ ኪሰርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ከምኡ ኰይኑ ከም ዚሰርሕ ምስ ዚርአ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጀኦፕለቲካዊ ትረኽኡ ዳግም ኪሰርዕን ሰራሪ ዞባዊ ጸጥታዊ ኣሰራርዓ ኣብ ምምጻእ ከም ምሩጽ መሻርኽቲ ቦታ ኪሕዝን ይኽእል። እቲ ነዚ ክዉንነት’ዚ ንምፍጣር ዚድለ፡ ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምድጋፍ ወይ ኣብ ምክልኻል ከም ሓደ ሓያል ዓንዲ፡ ከም መማዝንቲ ናይቶም ካልኦት፡ ጸኒዑ ደው ዚብል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኢዩ። 

Zenith ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘለና፡ ነቲ ዝሑል ኲናት ንምጽንቃቕ፡ ንሓደ ዋዕላ ናይ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ሞደል ወይ ኣርኣያ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልካ ዶ ትሓስብ፧ ማለት፡ ከም ሓደ ኣገባብ ወይ መካኒዝም ምዝሓል ወይ ምእላይ ናይ ዞባዊ ግጭት፧ ርግጽ፡ እስራኤል’ውን ኣካል ናይ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኢያ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ መቓን፡ ኣብኡ ብዙሓት ግጭታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዚካየዱ በይነመንግስታዊ ኲናታት ስለ ዘየለዉ፡ ካብቲ ኣብቲ ካልእ ኣካላት ናይ ማእከላይ ምብራቕ ዚቐለለ ኪኸውን ዚኽእል ይመስል።  

ዓንደብርሃን፡ እቲ ሓደ ከም ኣርኣያ ኪጥቀስ ዚከኣል ንኡድ ኣብነት እቲ ኣብ መንጎ እተን ገማግማዊ ሃገራት ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምትብባዕ ዚተመስረተ ቤት ምኽሪ ሃገራት ባሕሪ ባልቲክ ኢዩ። ስዑዲ ዓረብ ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዓረባውን ኣፍሪቃውን ገማግማዊ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንምምስራት ተበግሶ ወሲዳ ነይራ፣ ግን ዛጊት ብዙሕ ስሕበት ኣይረኸበን። ይዅን’ምበር እቲ ተኽእሎ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ምስ ፍትሓዊ ፍታሕ ጕዳይ ፍልስጤም፡ እስራኤል’ውን ኣብቲ ከምኡ ዚኣመሰለ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣሰራርዓ ኪትጽንበር ትኽእል ኢያ። እቲ ከምዚ ዚኣመሰለ ኣሰራርዓ ንዅለን ገማግማዊ ሃገራት ዚሓቍፍ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዚተፈላለዩ መዳያት ምትሕግጋዝ፣ ውሑስ ባሕራዊ ምትሕልላፍ፡ ጕዕዞ መራክብን ንግድን ኣብ ምርግጋጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ኣከባብያውን ልምዓታውን ጕዳያት ብሓባር ኣብ ምስልሳል፡ ዓርሞሸሻዊ ተኽእሎታት ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ይዅን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ንምድጋሙ፡ ብሰሪ’ቲ ኣቐዲምና ዚተዘራረብናሉ ምኽንያታት፡ እዚ ተኽእሎ’ዚ ብግብሪ ኪረጋገጽ ኣይተኻእለን። 

Zenith ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብመጠኑ ዘይንጡፍ’ኳ እንተዘይበልኩ፡ ፈራሕ’ውን እንተዘይኰነ፡ ግን ከኣ ልኡም ፖሊሲ ትኽተል ኣላ። ኣይኰነን ዶ፧ እዚስ ብመጠኑ ነቲ ዚግበረላ ርዱእ ትጽቢት ዚጻረር ዶ ኣይኰነን፧ እዚ ከምኡ እሉ እንከሎ ድማ፡ ኣብቲ ስግር ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዚካየድ ዘሎ ዓቢ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ኣለዋ። 

ዓንደብርሃን፡ ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ ሓደ ካብቶም ስዑዲ ዓረብ ዘበገሰቶም መካኒዝማት፡ ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዓረባውን ኣፍሪቃውን ገማግማዊ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር፡ ኣብ ዚሓለፈ እዋን ክልተሳዕ ተጋቢኡ ኣሎ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን ስሕበት ዚረኸበ ኣይመስልን። 

Zenith ስለምንታይ፧

ዓንደብርሃን፡ ብከፊል፡ እዚ ምስቲ ነዊሕ ተሳትፎ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኲናት የመን ዚተኣሳሰረ ኢዩ። እቲ ምስ ኢራን ዚጸንሓ ዝምድና ኣብ መስርሕ ምምሕያሽ ኣሎ፤ እንተላይ ነቲ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ዚጸንሓ ልምዳዊ ዝምድናታታ ኣብ መስርሕ ምምዝዛን ዘላ ትመስል። ኣብ መስርሕ ዳግመ ገምጋም ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዚጸንሓ ዝምድናታትን ተራን ዘላ ትመስል። ሰላም፡ ጸጥታ፡ ዕርቂ፡ ወዘተ.፡ ኣብ ምድጋፍ ወይ ኣብ ምትብባዕ ኣብ ተበግሶኣዊ ጽምዶ ኪትዋሳእ ተስፋ ኣሎ፤ ኰይኑ ግን ክሳብ ሎሚ፡ ትሑት መጠን ሒዛ ከም ዚጸንሐት ምሳኻ እሰማማዕ። 

Zenith እቶም ኣዝዮም ዚበዝሑ ተበግሶታት ኣህጕራዊ ሰላምን ሽምግልናን ብምዕራባውያን ወይ ኤውሮጳውያን ፍሉያት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራት ኢዮም ኪካየዱ ጸኒሖም። ነቶም ዚተሓላለኹ ዝምድናታትን ግጭታትን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንከምዚኦም ዚኣመሰሉ ዕማማት ኣብ ምስልሳል ካብቲ ዞባ ምምዛዝ ኣይምሓሸን፧ 

ዓንደብርሃን፡ ዚዓመቘን ዚሰፍሐን መረዳእታ ናይቲ ባህልን ልምድታትን ኰነ ታሪኽን ኵነታትን ናይቲ ዞባ ምህላው ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ኣብቲ ዞባ ኣብ ኤርትራ፡ ሱዳንን የመንን ተመሳሳልነት ኣሎ። ቅኑዕ ኣለኻ። ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ። ብሓቂ፡ ሓደ ፍሉይ ልኡኽ ወገን ከይሓዘ ቅኑዕ መንጎኛ ኰይኑ ክሳብ ዚሰርሐ፡ ኣጸቢቑ ብዝያዳ ኣድማዒ ከም ዚኸውን እኣምን። እቲ ኣድማዕነት ብርግጽ ኣብ ተመኵሮ፡ ክእለትን ብቕዓትን ናይቲ ዚምዘዝ ውልቀሰብ ይምርኰስ። እቲ ዚድለ ብቕዓት ዘለዎ ገለ ሰብ ካብቲ ዞባ ምስ ዚምዘዝ ነቶም ዘይግርሑ ዚመስሉ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ዚበለጸ ዕድል ናይ ምዕዋት ከጋጥሞ ዚኽእል እመስለኒ።.

Zenith ንስኻ ኣብቲ ምንቅስቓስ ናጽነት ኤርትራ ኣገዳሲ ተራ ነይሩካን ኣብ ቅድሚት ተቓሊስካን። ምኽንያት መባኣሲኻ ምስ ስርዓት ኤርትራ እንታይ ነይሩ፧ 

ዓንደብርሃን፡ ኣብ 2005 እየ ክገድፎ ወሲነ። ኣብቲ እዋን ኲናት ናጽነትን ብድሕሪኡን፡ ካብቲ ኣብ 1977 ዚተኻየደ ቀዳማይ ጕባኤ ኣትሒዙ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፡ ማለት ኣብ መሪሕነት ናይቲ ግንባር፡ ነይረ። ከም ዋና ኣሰናዳኢ ልሳን ናይቲ ግንባርን ኣፈኛ ናይቲ ግንባርን ኰይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ዚተፈላለየ እዋናት፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስሊ ናይ ሓደ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ እንተላይ ሓርነት፡ ኣግእዞ፡ ምዕባለን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዚተመባጸዐ ገስጋሲ ምንቅስቓስ ሃገራዊ ሓርነት ኢና ቀሪጽናዮ ኔርና። ንሕና ኣብዞም ዕላማታት እዚኣቶም ኢና ንኣምንን ምእንትኦም ንቃለስን ኔርና። ድሕሪ ናጽነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ልክዕ ኣንጻር እቲ ዝተቓለስናሉ ዕላማታት ኢዩ ኪሰርሕ ጸኒሑ። ኣብ ክንዲ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ቍጽጽር፡ ሕማቕ ምሕደራ ተኺሉ። ኣብ ክንዲ ሓደ ተሓታትን ግሉጽን ምምሕዳራዊ መዋቕር፡ ሓደ ኩሉ ስልጣን ብሓደ ውልቀሰብ፡ በቲ ፕረዚደንት፡ ዘገብት ጽልሙት ስርዓት ፈጢሩ።    

ንሕና ኣንጻር ኣዝዮም ብርቱዓት ዘይተመዛዘንቲ ተጻብኦታት ተቓሊስና ኢና ተዓዊትና፣ ኣብዚ ድማ፡ ኵለን ስድራቤታት ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ ዋጋ እየን ከፊለን። እምበኣርከስ፡ እቲ ከም መንግስቲ እንትግብሮ ፖሊሲታትን ተግባራትን ነቲ ህዝብና ዚገበሮ መስዋእትታት ዚድብስ ኪኸውን ይግባእ። ሓርነት ኪረኽቡ ይግባእ። ደሞክራሲ ኪረኽቡ ይግባእ። ራህዋ ኪረኽቡ ይግባእ። እቲ ስርዓት ነቲ ምሁራውን ዋኒንተኛውን ላህመት ወይ ልሂቕ ኤርትራ ኣህሊቑዎ ኢዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ዋኒንተኛታት ኣበይ ኣለዉ፧ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ኣንጎላ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ኣብ ኤርትራ ኵሉ ዕድላት ስለ ዚተዓጽዎም። 

Zenith ሓንቲ ተውሳኺት ሕቶ ኣላትኒ። ንሳ ከኣ ብዛዕባ ተራ ሩስያ ኢያ። ኤርትራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዚካየድ ድምጺ ምርጫ ንሩስያ ብተኣማንነት ኪትክተላ ንርኢ። ተሰማዕነት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓያል ኢዩ፧ ምልክት ምስፍሕፋሕ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይርኣየካ ዶ፧ 

ዓንደብርሃ፡ ኣሰላልፋ ኤርትራ ምስ ሩስያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ምርጫ ሕቡራት ሃገራት ምልክት ናይ ሓያል ሩስያዊ ተስማዕነት ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ወይ ምስፍሕፋሕ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ ትእምርታዊ ምሕዝነት ግዳያት ናይ በይናዊ እገዳ ዘመልክት እመስለኒ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ 2001ን 2002ን ብብህሎ ተሳትፎ “ኣብ ብልሽውና፡ ጐነጽን ዓመጻት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ”፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከም ዘንበሩ ትዝክር ትኸውን። እቲ ብህሎታት’ቲ ኣብ ናይ ሓሶት ትረኻ ዚተመስረተ ምንባሩ ብድሕሪኡ ተቓሊዑ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ በቲ ተግባር ዚተቘጥዐ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን፡ ዲ. ሲ.፡ ኣነጺረ ዝገለጽኩሉ፡ ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘድመጸት ሕንሕነ ናይቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሩዎ ዘይፍትሓዊ በይናዊ እገዳ ንምውጻእ ከም ዚዀነ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መቓን’ቲ ልሙድ ክልተኣዊ ውድድር ዓበይቲ ሓያላን፡ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ብዝያዳ ምዙንን ዚተራቐቐን ኣቀራርባ ዚሓዘለ ኣስተውዓሊ ዲፕሎማሲ ምኽታል ከም ዚጠልብ ዚስሓት ኣይኰነን። 

Zenith ፕሮፌ. ጊዮርጊስ፡ ስለ እዚ ቃለመጠይቕ’ዚ ኣመስግን።