All updates

እዋኑ ዝጠለቦ መጽናዕቲ - ብደብረ

07/06/2019
እዋኑ ዝጠለቦ መጽናዕቲ
ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን
ድሕረ ባይታ
                  “ሃይማኖትና ሕማቅ ክግበር እንዳረኣኻ ሱቅ ኣይትበል እዩ ዝብል።” ኣምና ኢድሪስ ፍኻኽ


ጸለሎ ጸላኢ

ክፉእን ድሑርን ኣተሓሳስባ፦ ጸላኢ ጸላኢ እዩ። ናይ ጸላኢ ደቂቅ፣ ናይ ጽልኢ ኢሚንት የለን።  ዓይነት ጸላኢብዙሕ እዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ክፉእን ድሑርን ኣተሓሳስባኻ እዩ። ክፉእ ኣተሓሳስባ  ምስካልኦት ኣየሳንየካን። ሲኒት እንተዘይብልካ ከኣ ሓድነት የብልካን። ምንጻል እዩ ዘስዕብ። ከም ጉርሒ ምቕናት፣ እንታይነትካ ዘይምቅባልን ምሕባእን፣ ዓቕምኻ ዘይምፍላጥ፣ ምጽያቕ፣ ኣብ ካልኦት ምሕንጋጥ፣ ዘይናትካ ምድላይ፣ እምነት ካልኦት ምቁንጻብ፣ ወ.ዘ.ተ. ክኾኑ ይኽእሉ።  ድሑር ኣተሓሳስባ ምስጊዜ ተዓጻጻፍነት ዘይምህላውን ምስ ሕሉፍ ነፍስኻ ምቁራን እዩ። ኣብነት፡ ኤርትራዊ በዚ ዘሎ ሓቀኛ ሃዋሁ ዘይኮነስ ኣብሕሉፍ ክነብር እዩ ብኢሳይያስ ተፈሪዱ። ሕሉፍ ከምታርኽ እዩ ክተሓዝ ዘለዎ እምበር፡ ሕሉፍ ከምዚ ነይሩ እሞ እቲ ሕሉፍ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ክነብሮ ኣለዎ ዝብል ጣቋ የብሉን። እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ከምዚ እንዲዩ ነይሩ ዝብል መምሃሪ እምበር መንበሪ ክኸውን ኣይግብኦን።  ሰብ ኣብ ናይ መጻኢ ጊዜ እምበር ኣብ ናይ ትማሊ ጊዜ ሕጂ የሎን። ትማሊ ከምዚ ነይሩ ኣብኡ ንበር ዝብል ኣተሓሳስባ ክቅየር ዘለዎ እዩ። እዚ ኣነነት ንብሎ፣ ካብ ውድብካ ውድበይ ወዘተ መሰረት ኮይኑ ዝወጽእ ካብ እዚ ኣተሓሳስባ እዩ። ሊዕሊ ዝኾነ ካልእ ጸላኢ ዝሃስየካ ግን እዚ ጸላኢ እዚ እዩ። እቲ ጸላኢ ኣብ ውሽጥኻ ስለዘሎ ጸላእትነቱ ክትቅበሎ ኣይትደልን።

ብዝሒ ውድባት፦ ብዙሓት፡ኤርትራ ክትጾረን ካብ ዝግበኣ ንላዕሊ፡ ካብ ዝምሰረታ ነዊሕ ዝገበራ፡ ራኢአን ይኹን ሸቶአን ዘየነጸራ፡  ፋሕ ዝበላ ብዝርዝር ንህዝቢ ፍሉጣት ወይ ወግዓውያን ዘይኮና፡ በይናዊ ቃልሲ ዝመርሓ ተቃወምቲ ውዱባት ከምዘለዋ ይዝረብ። ሒዘንኦ ዘለዉ ኣባላትውን ብንጹር ፍሉጥ ኣይኮነን። ብዛዕባ ናይ ፖለቲካ ፕሮግራመን ዝበልኦን ዘላለይኦን የለን። ኣለዋ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣትየን ዝገብርኦ ምጉስጓስ ይኹን ምውዳብ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይርአን እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣይፈልጠን እዩ። ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ በዘን ዝበሃላ ዘለዋ ውዱባት ዝተጠርነፈ ኣይመስልን። ንህዝቢ ኤርትራ ንውክል ኢና ንህዝቢ ኤርትራ ንሓሊ ኢና ይብላ እንተሃሊየን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣትየን እየን ክነጥፋ ዝግበአን። ብዝሒ ውዱባት ካብ ምንቁቋትን ምንእኣስን ሓሊፈን ለውጢ ንኸምጽኣ ዘለወን ትኽእሎ ኣዝዩ ድኹም ስለዝኾነ ብሕዝብም ተቀባልነት ኣይህልወንን እዩ። ኣብ ናይ ትማሊ ድሑር ኣመላኻኽታ ስለዝነብራ ከኣ ውጺኢት ታሪኸን ዘሕፍርን ዘሕንኽን እዩ።

ከብዲ፦ እዞም ናይ ቁጠባ ምሁራት “እስኪ ነዚ ከምዚ እንተዝኸውን” እንዳበሉ እዮም ትንትና ዝህቡ። ካብ ንቡር ህላወ ውጽእ ኢልና፡ “ከብዲ እንተዘይህልው ነይሩ፡ ዓለምና እንታይ ምመሰለት ነይሯ፧” ኢልና እንተሓሲብና፡ ምናልባት ውግእ ዝበሃል ኣይምነበረን። ሰባትም ተሳንዮም ምነበሩ። ምናልባትም ገዛእን ተገዛእን ኣይምሃለወን። ድኽነትን ሃብትን ዝበሃሉ ቃላትም ኣይምተጠቀምናሎምን። ሃገር ዝበሃልም ኣይምሃለወን። ከምዚ ካብ በልና ነዚ ኩሉ ምፍልላይ ቀንዲ ተሓታቲ ከብዲ እዩ። ንኽትበልዕ ትዋጋእ፤ ትቀትል። ንኽትበልዕ ትገዝእ ትግዛእ። ንኽትበልዕ ትዕምጽ ተዳሉ። ወ.ዘ.ተ። ብዋጋ ካልኦት ትኸብር። እዚ ኩሉ ተፍ ተፍ ሓርኮትኮት ከብዲ ንምምላእ እዩ። ሕስብ እንተኣቢልካ ካብ ከብዲ ንላዕሊ መን ጸላኢ ክመጽእ ኢልካ ትሓስብ። ከብድኻ ናይ ነፍስኻ ኮሎናይዘር እዩ። ከብዲካ ከተዐንግልን ከተርውን ድኽነትን ከተጥፍእ ኣለካ። ሕጽረት ንዋይ እንተሊካ ነገራትን ብቀሊሉ ከተሳልጦም ኣይትኻልን።   

ሰብእቲ ካልእ ጸላኢ ሰብ ብፍላይ ከኣ ናይ ቀረባ ሰብ እዩ። ውሽጠ ውሻጠ ስለ ዝፈልጥ ብድልዱም ካራ ገዝጊዙ ኣማሲኑ እዩ ዝቀትል። ኣብ ውሽጢ ገዛ መሺጉ ዝጸንሐ ጸላኢ ኣጀንድኡ ኣዳልዩ ብሕቡእ ብብሓደ እንዳሽረፈ እዩ ጽምኢ ጽልኡ ዝወጽእ። ኣይትተዓደሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓደለን። ካብ ሰባዓታት ጀሚሩ ካብ እቲ ውሽጣዊ ቅርሕንቲ ኢሳይያስ ኣይተገላገለን። ውሉደይ ብዝበሎ፡ ብዝኣመኖ መራሒ ኢሳይያስ ተጠሊሙን ተጸሊኡን። ልቡ ከፊቱ፣ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝተቀበል ህዝቢ፡ ደይ ናቱ ረኺቡ። ናይ ውሉድ ጸላኢ። ህዝቢ መዃሊፍ ኣጋጢሙዎ። ዝነበሮ ዲሞክራሲ ስርዓት ናይ ምትካል ትጽቢቱ ተኾሊፉን ልቡ ተሰይሩን። ዓማጺ ኢስይያስ ዘይናቱ ሃሰስ ዝብል ገባቲ መሰል ኤርትራውያን እዩ። ናጽነት ህዝቢ ጅሆ ሒዝዎ። ካብ ቀደም ሓቢኡ ዘቀመጦ ብግቡእ ዝተዳለወ ሕቡእ ኣጀንዳ ነይርዎ እዩ። ራኢዩ ወይ መትከለይ ዝብሎ ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ይኹን ግልጽ ኣይኮነን። በብሓደ ግን ህዝቢ እንዳጸነተ መጺኡ ኣሎ። እዚ ጽዩፍ ዝኾነ ተግባር ኩሉ ኤርትራዊ ዓው ኢሉ ክቃወሞ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ድምጹ ከስምዕ ግዴታ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ወስ ማለትም ክመሃር ኣለዎ። ኢሳይያስ ከም ጸላኢ እታ ትግብኦ ክረክብ፣ ቃልዕ ክወጽእ ሕማቅ ግብሩ ብዓውታ ብዝርዝር ክግለጽ ኣለዎ። ናይ ጸላኢ ቀይሕ ወይ ሰማያዊ የለም። ጸላኢ ጸለሎ እዩ።

ሸለል፥ - ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ተቃሊሶም ግን ከኣ ጌጋ ነይርዎም። ነቲ ቃልሶም ልጓም ኣይገበረሉን። ነት ጌኣ ሸለል ኢሎም ሓሊፎሞ። እቲ ጠንቂ እቲ ምኽንያት ቀልጢፉ ብኣጋ ኣይተነቅሰን። “ናጽነት ጥራይ ይረኸብ እምበር ነቲ ካልእሲ ከነራኽበሉ ኢና” ብዝብል ብሸለል ዝተሓልፈ ዋጋ የኽፍል ኣሎ። ሂወት ብዙሓት በሊዑ፡ ይቅጽል ከኣ ኣሎ። እቲ ቃልሲ ክሳብ ሒጂ መዕረፊ ኣይተረኸበሉን። ሒጂ፡ ነዚ ሕማቕ እንዳረኣኻ ሱቅ፡ ንሕሊና ዕረፍቲ ዝህብ ኣይኮነን። እቲም ሸለል ዝእረመሉን ከይግገም ምግባሩ ብዙህ ቃልሲ ዝሓትት ዕማም እዩ። ኩሉ ሰብ ብታሪክ ከኣ ተሓታቲ እዩ። ሒጂ ኩሉ ሰብ ዕዮ ገዝኡ ብጥርኑፍ ዝወጻሉ እዋን እዩ። ናህሪ ቃልሲ ብከመይ ይቀላጠፍ ምብልሓቱ ናይ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ሓላፍነት እዩ።

መጽናዕቲ ብዛዕባ ስኒትን ሓድነትን

                  ሓደ መጽናዕቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብበዓል ዶ/ር ገብረ፣ ኣሚናን ዮሴፍን ዝበሃሉ ምሁራት ግዱሳት ኤርትራዊያን ወጺኡ ነይሩ። ክምስገኑ ዝግቦኦም ዜጋታ እዮም።

ዒላማ፥ - ጉዳያትን ኣካይዳ ስነ ኣገባብ ጉዳያትን ኣለሊኻ፡ ህላዌ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ዘማልአ ሓያል ተቃዋማይ ውድብ መስሪትካ፡ ምጥፋእ ስርዓት ውልቀ-ምልኪ ብኸመይ ተረጋግጽ ብዝብል ዕላማ ዝተገብረ መጽናዕቲ እዩ ነይሩ። መበገሲ እቲ መጽናዕቲ በበይኑ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተቃውሞ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። እቲ በይናዊ ፋሕ ዝበለ ቃልሲ ኣይተዓወተን፡ ስለምንታይ፧ ንኽዕወታ ኸ እንታይ ክግበር ኣለዎ፧ ንዝብላ ሕቶታት ዝምልስ እዩ።

ርክብ መጽናዕቲ

“ንሕና ሓድነትና ነረጋግጽ ምስ ንዓቢ ጥራይ ኢና። ካብ ውድበይ ውዱብካ ወጺእና ዓቢ ነገር ክንሓስብ ኣሎና።” ዮሴፍ

እቲ መጽናዕቲ ከምዘነጸሮ፡ እዘን ፋሕ፣ ዝርዝር ኢለን ዘለዋ ተቃወምቲ ትካላት (ውዱባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ውልቀ ሰብ፣ ወ.ዘ.ተ.) ናይ ምትእኽኻብ ተኽእሎ ኣሎ። ግን ከኣ ከማልእኦ ዘለወን ነገር ኣሎ። ዝበዝሓ ግሉጹነትን ተሓታትነትን ይጎድለን እዩ። እንተወሓደ መዐቀኒ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ስለዘየማልኣ ኣብ መንጎአን ሲኒትን ሓድነትን ክፈጥራ ኣይከኣላን። ግን ከኣ ብንጹር፣ ብውሕሉል ጥበብ፣ ብጥርኑፍ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ተቃውሞ ደንበ ክፍጠር ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ነዚ ከኣ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ይሓትት። በቲ መጽናዕቲ ተቃወምቲ ትካላት ከማልእዎም ዘለዎም እዞም ዝስዕቡ ሸሞንተ መዐቀኒታት  ግሉጽነትን ተሓታትነትን ተለልዮም ኣለዉ።     

·       ኣንነነት። ኣነ እፈልጥ፣ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ  ይሰማዕ ዝብል ባህሪ፡ ናይ ካልኦት ሓሳብ ጽን ኢልካ ዘይምስማዕን ምንእኣስን።

·       ህርፋን (ህንጡይነት) ስልጣን። ኣብ ስልጣን ምስደየብካ ንምውራድ ዘይምድላይ። ካልኣይ ኣብዘየሎን ጌና ኣብ መጻኢ ንኽምስረት ኣብ ዝሕሰብ ትካል ስልጣን ንምግባት ምፍታን።

·       ውድባዊ ጸግዒ ምሓዝ። ውድበይ ካብ ውድብካ ይሓይሽ ማለት፤ ዕላማን ጥንካረን ካልእ ውድባት ምትሓት።  

·       ኣብ ዲሞክራሲ ዘይምእማን። ብምርጫ ዘይምእማን። ንውልቃዊነት ቅድሚያ ምሃብ።  

·       ፈላጥ ኮንካ ምቅራብ። ሃዳናይ ኣርእስቲ ምዃን። ኣብ ሊዕሊ ፈላጣት ተሓንጊጥካ ዓቅሚ ከምዘለካ መሲልካ ምቅራብ።

·       ጸላኢኻን ፈታዊኻን ኣነጺርካ ዘይምፍላጥ። ኣብ ክንዲ ኣብ ቀዳማይ ነገር ብኻልኣይ ደረጃ ብዘተ ክፍታሕ ዝኽእል ኣተኩሮ ምግባር።

·       ማእዝንካ ምጥፋእ። ኣብ ቀራና ምንገድ ደው ምባል። ዘይኑጹር ድሑር ዝንባለታት ፖሊሲን

·       ትሑት ምስታፍ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን። እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓይሊ ለውጢ ብትሑት ደረጃ ም ከዝሳተፉ ምግባር ።  

ሓደ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዘሎ ትካል ውሽጣዊ ነፍሱ ፈትሹ ከጽሪ ኣለዎ። እንተወሓደ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰን ዘለዋ ነጥብታት ነጻ ምዃኑ ከረጋግጽ ይግባእ። ሽዑ እዩ እተን ትካላት “ካብ ወድበይ ውድብካ” ወጺአን፡ ነቲ ጸላኢ ብግቡእ ምስዓር ዝከኣል።

ዕጥቂ፡ ተቃወምቲ ፡ -(ግሉጹነትን ተሓታትነትን

1/ “ኣተሓሕዝኡ እሰርዎ፡ ምእንትን ጠልጠል ከይከውን!” ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም።

ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ውጺኢት ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ከም ሕማቕ ዕድል ህዝቢ ባህጉን ተስፉኡን ተጠሊሙ ኣብ ጸገም እዩ ወዲቁ። ሒጂ ከኣ ኤርትራ ባዕላ ናብ ምብራስ ገጻ ትምርሽ ኣላ።  ኣብ ጊዜ እዚ ወለዶ እዚ ኤርትራ ዘራይ ሰብ ከምዘይብላ ክትበርስ፡ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ዘሕፍርን ዘሕንኽን ፍጻመ እዩ። እቲ ታሪኽ ጠልጠል ከይከውን ክእሰር ኣለዎ። ጠልጠል (ሰፈር መንጎ መንጎ) ሕማቕ ታሪኽ እዩ። ካብ እዚ ጠልጠል እዚ ብኸመይ እዩ ዝውጻእ፧ በዳሂ ሕቶ እዩ። 

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ተቃወምቲ ትካላት ምጥርጣርን ምትእምማንን ስለዘሎ፡ ቃልሲ ደምበ ተቃውሞ ጥርኑፍ ከምዘይኮነ እዩ ኣነጺሩ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ፡ እተን ቀንዲ ግሉጹነት ዘይምህላውን  ሓላፍነት ዘይምውሳድን እየን። ምጥርጣራት ስለዘሎ፣ ሰብ ነንሕድሕዱ ስለዘይተኣማመን ግሉጹነት የሎን። እንተዝህሉ እቲ ዝዕንቅፍ መን ምዃኑ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኻልእ ነቲ እንገብሮ ነገር ሓላፍነት ክንወስድ ዘይምኽኣል እዩ ። ምትእምማን ስለዝጎደሎ ተሓትነት ክወስድ ኣይድለን። እቲ መጽናዕቲ ከምዘነጸሮ ምናልባት እቶም ትካላት ሓደ ከለዉ (ተመሳሳሊ ፕሮግራም ከለዎም) ኣብ ነንበይኑ ሓዊ ይስሕኑ ከም ማለት እዩ። በበይንኻ ቃልሲ ዓወት ኣየምጽእን እዩ። ዓቅሚ ተበታቲኑ፡ ብቀላሉ ኣብ ዒላማ ጸላኢ ትወድቕ።

ድልየትን ባህግን ደንበ ተቃዊሞ ፍትሕን ደሞክራሲን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፡ ኤርትራ ካብዚ ሒጂ ገጢምዋ ዘሎ ጸገም ኽትወጽእ እዮም ዝደልዩ። ባህግን ድልየትን ምህላው ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ነዚ ከተስምር ብሓደ ሓቢርካን ተሳኒኻን ምቅላስ እዩ ዘድሊ። ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ እቲ ብቱን ቃሊሲ ኣብ ሓደ ክጥመር ኣለዎ። መዐቀኒ ናይ እዚ ጥምረት ከኣ ግሉጹ ምዃንን ተሓታትነትን ምስካምን እዩ።

ናይ ፖለቲካ ፕሮግራም ዘይብለ ትካላት ክህልዋ ይኽእላ እየን። እዘን ትካላት ግሉጹነት እንተዘይሃልዩወን  መን ፕሮግራም ኣለወን የብለንን ምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ ዝኸውን። ብተወሳኺ ፕሮግራመን ብስሩዕ ሰኒደን ንህዝቢ ግሉጽ ክገብራ ኣለወን። ካልእ ቅዋም ውሽጣዊ ምምሕዳር ክህልወን ኣለዎ። ብኸመይ እዮም መዓልታዊ ሂወቶም ዘመሓድርዎ፧  ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ኩነታቶም ከመይ እዩ ዝመስል ምንጪ ፋይናንስ ካበይ ኢዮም ዝረኽቡ፧ ዝብል ሕቶም ግሉጽ ክኸውን ኣለዎ።          

  ተሓታትነትን  ግሉጽነትን ዘይምህላው ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ንርኢ ኣሎና። ብዙሓት ናይ ሰባኣዊ መሰልት ተጣበቅቲ ማሕበራት፣ ናይ ሚድያ ትካላት፣ ኣለዋ። ግን ፋሕ ዝበለ ህላዌ እዩ ዘለወን። ኣብ መንጎአን ዘሎ ፍልልይ ‘ውን ብሩህ ኣይኮነን። ምናልባትም ውልቃዊ ጽልኢ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምናልባትም ሓደ ዓይነት ንጥፍታት ክህልወን ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ሓባር ረቋሒ ዝደሊይኦ ራኢ ግን ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራሲን ክነግስ እዩ። ተርእያተን ግን ሓደ ራኢ ዝተፈናጨለ ንጥፈታት እዩ ዘሎ። ዓቅምታተን ኣወሃሂደን ተሳንየን ከይሰርሓ ሓኒቁ ሒዙወን ዘሎ ጥርናፈ ስለዘይብለንን ክሳነያንን ሓድነት ክምስርታን ስለዘይከኣላ እየን። ብሰንኪ እዚ ሱቅ ኢሉ ዝባኽን ኤርትራዊ ዓቅምታት እልቢ የብሉን።  

ነዚ ክንፈትሕ ሃገራዊ ስኒት ምፍጣር ኣድላይ ነገር እዩ። ሃገራዊ ስኒት ንኽፍጠሩ እዞም ኣብ ልእዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ናይ ግሉጽነትን ተሓታትነትን መዐቀኒታት ብውሑዱ ክማልኡ ኣለዎም። እዚ ከይተማልአ እቲ ሲኒትን ሓድነትን ስምረት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። እንታይ ዝገብር ዘሎ ከይፈለጥካ ክትሕወሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ምስ ዝኽወን ረብሕኡ ነፍስ-ወከፍ ኣካል ተኣማንነትን ይረክብ። ግልጽነት እንተሃሊዩ ናይ ምውህሃድ ተኽእሎ ይህሉ። ፍልልያት ኣብ ምጽባብ ዓቢ ተራ ይጻወት። ብተወስኺ ንሰብኣዊ መሰላት፣ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጓነጽ መደብ ዕዮ ዘለዎም ኣካላት እንድሕር ኣለዉ ሪኢኻ ክትዕርዮ ትኽእል። ካልእ ምስ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ባህርን ኣካይዳን ዝጻረሩ መደብ ዕዮን ስትራተጂን ዘለዎም እንተሊዮም ክተለሊዮም ትኽእል ኢኻ። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ መሪሕነት ከምቲ ዝድለ ከተእትዎም ባይታ ትረክብ። ብዘይ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን ዘሮ ውጺእት ቃልሲ እዩ።

“ክሳብ ሒጂ ዘለዋ ውድባት ምናልባት ማሕበር ኣረግቶት ሰብኡት እዮን ዝመስሉ።” ዶ/ር ገብረ

“እዘን ንሃገርና ንውክል ኢና ዝብላ ተቃወምቲ ውድባት፡ “ድኳናት” ኢልና ክንገልጸን ይሓይሽ።” ሓንቲ ኤርትራዊት

ዲሞክራሲ ኣብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝተመስረተ እዩ። ግሉጽነትን እንተሃሊዮ ህዝቢ ናቱ መሪሕነት ክፈጥር የኽእሎ እዩ። ሓላፍነት ትወስድ እንተኾንካ ከኣ ህዝቢ ዝሃበኻ ድምጺ ብዘይውልውል ትቅበል ኢኻ። ናይ ጉብጥሽ ፖለቲካ ትስዕብ እንተኾንካ ግን ሕኸኸኒ ክሓከኣ ፖለቲካ ኢኽእ ትጻወት። ከምቲ ንዕዘቦ ኢሳይያስ ጥራይ እዩ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣሎ ንብሎ ኣሎና እምበር ናይ ካልኦት ውድባትም መራሕቲ ከምኡ ከምኡ ኣብ መንበሮም ዝበለዩ ኣለዉ።   

እዞም ኣብ ደንበ ተቃወምቲ ዘለዉ ትካላት ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተጸልዋ፡ ንናይ ደገ ሓይልታት ረብሓ ዝሰርሓ፣ ብናይ ደገ ሓይልታት ትእዛዝ ዝኸዳ ከምዝኾና ተጌሩ እዩ ዝሕመ። ካብዚ ሓሜት ነጻ ክትከውን ኣብ ትካልካ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከተኣታቱ ኣለካ። እዚ ካብ እቲ ክጥቀስ ዝኽእል ረብሓታት ሓደ እዩ።  

ኣብ እቲ መጽናዕቲ ዝተገልጹ ብዙሕ ነጥብታት ኣለዉ።

·       ሰነዳት፡ ነፍስ-ወከፍ ኣብ ትካል ናይ ምንቅስቃስ መደባቱ ብግቡእ ተሰኒዱ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ከምዘለዎ፤

·       ናይ ፖለትካ መደባት ዕዮ፡ ኣካይዳን ስነ ኣገባብ ስትራቴጂ፣ ውጥናት ስራሕ፤

·       ናይ እቲ ትካል ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳር ቅዋም፤

·       ዓመታዊ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ፡

·       ናይ ምምሕዳር ውዱባዊ ቅርጺ፣ ተዋረድ ቅርጺ፤

ብተወሳኺ ኣብቲ መጽናዕቲ  ዝኾነ መደብ ዕዮ ትካል ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተዘርዚሩ ኣሎ

·       ኩነታት ስብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፤

·       ቅዋም ኤርትራ፤

·       ዲክታተራዊ ስርዓት ኤርትራ፤

·       ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕነት፤

·       ብዛዕባ ግዱድ ዕስክርና ሓገራዊ ኣገልግሎት፤

·       ኣገዳሲ ኩነታት ሊዕለንት ሕጊን፣ ፍትሒን፤

·       ኩነታት ጉዳያት ወጻኢ፤

·       ኩነታት ኢርትራውያን ስደተኛታት፤

·       ዋንነት ምምሕዳር መሬትን ቁጠባ ፖሊሲ ኤርትራን፤

·       ቁጠባ ኤርትራን።

መርሕነታዊ ተሓታትነት፡ ነፍስ-ወከፍ ኣካል ተቃወምቲ ደንበ ነዚኦም ዝስዕቡ ሓበሬታት ንህዝቢ ግልጺ ክገብር ኣለዎ።

·       ዕድመ ስልጣን ፈጻሚ ኣካል፤

·       ምንጪ ፋይናሳዊ ሓገኣዛት ፣

·       ደሞዝ መራሕቲ፤

·       ኣገባብ ኣመራርጻ መራሕቲ ጉባኤ፤

·       ቁጽሪ ኣባላትን፤

·       ኦዲትንግ።

መደምደምታ

ድሕሪ ናጽነት 1991፡ ኤርትራውያን ሩፍታ ዝረኸብሉ እዋን ኣይተራእየን። ህዝቢ ምስተጋደልቱ ሓቢሩ ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ እታ ናጽነት ትበሃል ኣምጺእዋ። ድሕሪ ናጽነት እውን ካልእ ኲናት ሲዒቡ። ናጽነቱ ከየስተማቀራ ብኣጉል ባዶ ተስፋ እንዳተሸንገለ ውላደይ ብሎ ብዝኣመኖ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ተጭውዩን ርፍትኡ ተኸሊኡን። ሩፍትኡ ንኽውንን ኤርትራ ትበሃል ሃገር፡ ካብዞም ጉጅለ ኢሳይያስ ወጺኣ ህዝቢ ክርከባ ኣለዎ።

ሃገር ትዓኑ ስለዘላ ነዚ ሕማቕ ነገር ንምእላይ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ምሁራት ምዃኑ ኣብ መእተዊ ተገሊጹ ኣሎ። ሓፍትና ኣምና ከም ዝጠቀሰቶ ሕማቕ እንዳተገብረ ሱቅ ምባል ድኽመታት እዩ። ኣብ እቲ መጽናዕቲ ድኽመታት ተቃወምቲ ደንበ ጎሊሑ ተገሊጺ ኣሎ። ብፍላይ እተን ሸሞንተ መዐቀኒታት ግሉጹነትን ተሓታትነትን ዝብላ፥ መሳርሒ (tools) ሓናቂ ቃልሲ ደምበ ተቃውሞ በሪሀን ኣለዋ። እዘን ነጥብታት ምኽንያት ዝርገት ስኒትን ሓድነትን ደምበ ተቃወምቲ እየን። ትካላት ተቃወምቲ ትካላዊ ገምጋም ጌረን ነፍሰን ከጽርያ ኣለወን። እንተወሓደ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰን ዘለዋ መዐቀኒታት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ግምት የእትየን ከምብሓድሽ ዕላምአን ሰሪዐን ክብገሳ የድሊ። ምኽንይቱ እዘን ውድባት ውሽጣዊ ሓይሊ ይኹን ሞራል የብለንን። ግሉጽነት ዘይብሉ ትካል፡ ምሉእ ኣይኮነን፡ ሕቡእ እዩ። ካብ ዝደቀቀት ክሳብ ዝፈረየ ኩሉ ሚስጢር እዩ። ተሓታትነት ዘይብሉ ትካል ከኣ ውልቀ-ምልኪ ባህሪ እዩ ዘለዎ። ከምዊንቲኡ ይገብር። 

ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝኾነ ውዱብ ኣባል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ጊዜ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጥርናፈ ስለዝኣምን እዩ። ህዝቢ ንስሚዒቱ ዝገልጽ፣ ንሃገር ዝውክል፣ ካብ ዘለዎ ጸበባ ዘውጽኦ፤ ዓቢ ራኢ ዘለዎ ሓያል ዝኾነ ውዱብ እዩ ዝጽበ።  ብብዝሒ ውዱባት ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣምን ውሑድ እዩ። ኣብ ህዱእ ሰላማዊ ሃዋሁ፡ ፖለቲካል ኣጀንዳ ዘለወን ፓርትታ ንስልጣን ኣብዝወዳደራሉ እዋን ብዝሒ እንተሃሊወን እውን ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። እታ ትዕወት እታ ሓያልን ስጡም ጥርናፈ ዘለዋ ፓርቲ እያ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘይርጉእ ሃዋሁ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ሓፋሽ ህዝቢ ኣብዘሃለወትሉ እዋን፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣተሓሕዛ ዘዋጽእ ኣይመስልን።  እዘን ንዛረበለን ዘለዋ ትካላት ካብ ውድበይ ውድብካ ሰይጣናዊ መንፈስ ወጺአን ሓደ ሃያልን ግሉጽን ተሓታትነት ዘለዎ ተቃዋማይ ውዱብ ምምስራት ክኽእላ ኣለወን። ብሓጺሩ ዝተወሃሃደ ጠርናፊ ሓይሊ የድሊ ኣሎ። ብመጽናዕቲ ዝተወደበ፣ ግልጹነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ትካል የድሊ ኣሎ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ተገሊጹ ዘሎ ሓያል ጎድኒ፥ ድልየትን ባህጊን እዘን ትካላት እዩ። ብጥቅልሉ ኣብ ጸግዒ ደንበ ተቃውሞ  ምህላወን እዩ። ተጠቂሱ ዘሎ ስግኣታት ብዙሕ እዩ። ፍርሂ ተነጽሎ፡ ሕጽረት ክህሎት ምምሕዳር፡ ሕጽረት ፋይናንስ ወ.ዘ.ተ. ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዚ ሒጂ ተገይሩ ዘሎ መጽናዕቲ ከኣ ከም ናይ መጻኢ ጽቡቅ ዕድል ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምብሓድሽ ተወዳዲበን ክነጥፋ እንተጀሚረን ኣብ ቃልሲ ከድምዕ ዝኽእል ሓያል ደምበ ተቃውሞ ከቁውም ስለዝከኣል።

ንጉዳይናን ውራይናን ባዕልና

ሓደፕሮጀክት ከይተጀመረ ኣይውዳእን ‘ዩ።እቲ ስርዓት ከምዘብቀዐ ተገምጊሙ እዩ። ሕጂ ክትካእ ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ እዩ ተበጺሑ ዘሎ።  ከምኡ እንተሊካ መን እዩ ዝትክኦ፧ ህልው ኩነታት ደምበ ፍትሒ ዝተኣማምን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ ‘ዩ። ተፈናጭልካ ቃልሲ ግን ንሓደጋ እዩ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ሱር ዲሞክራሲ ምዃኑ ተቀቢልካ ኣብቲ ከቀራርበካ ዝኽእል መሰረታዊ ናይ ሓባር ረቋሒ፡ ምርድዳእ ይከኣል ‘ዩ።። እዚ ምልካዊ ስርዓት ብዝቀልጠፈ መታን ከልግስ፡ እንታይ ዓይነት ውዳበ እንተዝህልው እዩ ዝሓሸ ኣማራጺ ዝኸውን፧ ንዝብል መልሲ ክርከበሉ ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ከምዝግምቶ ራኢ ተቃወምቲ ኤርትራ ‘ዕርበት’ ስርዓት መላኺ ክኸውን ግድን ‘ዩ። እዚ ናይ ሓባር ራኢ ‘ዚ ኣብ ሓደ ክጠምረን ዝኽእል ዓቢ ሓሳብ እዩ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ ኣብ ውሽጢ ደንበ ፍትሒ ዘሎ ፍልልይ ከመይ ኢሉ ይጸብብ፧ ብድሆ ምኩራትን ምሁራትን ኤርትራን እዩ። እቲ ቀንዲ ስራሕ፡ ተበታቲኑ፣ ተዘርዚሩ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ደንበ ተቃውሞ፡ ውጺኢታዊ ዘይኮነ ስራሕ ይሰርሕ ስለዘሎ፤ ከመይ ኢሉ ፍልልያይቱ ኣወጊዱ፡ በሚያሰማምዖም ናይ ሓባር ረቋሒ “ራኢ”  ናብ ዝሓሸ ኩነታት ንኽመጹ ምሕጋዝ እዩ። ጥምረት ሓይሊ ‘ዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ህዝቢ ዝጽበዮ ብዝሒ ውድባት ምህላወን ኣይኮነን። ህዝቢ ክሰምዕ ዝደልዮ ምቁንጃውን ምንሻውን ውድበይ ውድብካ ኣይኮነን። ህዝቢ ክርኢ ዝደሊ ኣብ ኣውራጃዊን ሃይማኖትን ሰረት ዝገበረ ውድብ ኣይኮነን። ህዝቢ ዝደሊ፡ ንህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዝውክል፡ ሓድሽ ኣድማዒ ራኢ ዘለዎ፣ ንናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ዝትግብር፣ ለውጢ ክመርሕ ዝኽእል፤ ካብ ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖት፣ ውድበይን ውድብካን ነጻ ዝኾነ፤ ሓያል ዝኾነ ውድባዊ ኣመራርሓን ጥርናፈን እዩ። ብቀዳምነት ዝመጽእ ሸቶ ህዝቢ፡ ነዚ ውልቀ መላኺ ዝትክእ ኣካል ምፍጣር እዩ። ድሕሪ እዚ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ ጌጋታት ምእራሞም ጥራይ ዘይኮነ ንኸይድገሙ ምርግጋጽ እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ ብቀዳምነት መሪሕነት ክፍጠር ኣለዎ። እዚ መሪሕነት ከኣ መስመር ርክባት (ኔት ዎርክ) ፈጢሩ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንዘለዉ ተቃወምቲ ከወሃህድ ዓቅሚ ይህልዎ።  እዚ ጥምረት እዚ ክሕይል፡ ክንክን ክግበረሉ ናብቲ ዝድለ ቅኑዕ መንገዲ ከምርሕ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ ሰባት ወይ ከኣ ውድባት ሓላፍነት ዘይኮነስ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ምሁራትን ምኩራትን ኤርትራ ‘ዩ።ኩሉ ኤርትራዊ አእጃሙ በብክእለቱ ከበርክት ድልው ክኸውንን ክዋጻእን ኣለዎ። ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብፍልጠቶምን ተመክሮኦምን፣ ዳይናሞ ኣንቀሳቀስቲ ለውጢ ዝኾኑ መእሰያት ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ናህሪ ለውጢ ብምምራሕ፣ ሃበርም ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ቃልሲ ኣብምእላይን ምምራሕን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም።ሃየ ምሁራት ኤርትራ ብፍላይ መዓንጣኹም ገጥ ዕጥቕኹም ሸጥ ኣብሉ ውራይ ስራሕ ኣብ ቅድሜኹም ይጽበየኩም ኣሎ። 

                  ነዚ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ከዓሞ እምበር ካልእ ኣካል ክዓመሉ ክጽበ የብሉን። ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ዘይምእትታው ዝብል ዓለምላኻዊ ሕጊ መምርሒ መሰርት፡ ዓለም ብዘይ ምውሳእ ኤርትራዊያን፡ ለውጢ ንኽመጽእ ኣይትሕግዝን እያ። ኣማሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ራህሪሃ ምልኪ ንኽእለ ኣይትገብርን እያ። ኢትዮጵያ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣይትደናገጽን እያ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ነቲ መላኺ ስርዓት ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቀጥታ ሓገዝን ሞራልን እየን ዝገብራ።  ድኩም ጎኒ እቲ ስትርዓት ገምጊመን፡ ገለ ጥቅማ ጥቅሚ ንኽረክባ እየን ሃሰስ ዝብላ። ኣብነት ከዚ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ንኸተቅውም ባሕሪ ሃሰስ ትብሎ ዘላ። እተን ሃገራት ጥቕመን ይረኽባ እቲ ዲክታትርም ተበራቲዑ ከምዝቕጽል ይኸውን። እቲ ናይ ለውጢ ዕማም ናይ ባዕሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዕማም እዩ። ለውጢ ባዕሉ ኤርትራዊ እምበር ካልእ ኣካል ከምጸኣሉ ኣይክእልን እዩ። ናይ ትማሊን ክኒኡን ዘሎ ታሪክ ከም መምሃሪ ተወሲዱ፡ ንመጻኢ ንጽባሕ መደባት ክንሕንጽጽ ክከኣል ኣለዎ። ቅድሚ ሒጂ ብኸነራኽበሉ ኢና ዝተገብረ ጌጋ ክድገም የብሉን


ምስጋና

እዚ መጽናዕቲ ኣቀዲሙ ክግበር ዝነበሮ ቅዱስ መጽናዕቲ እንተኾነም ሒጂ እውን ኣይረፈደን። ነዚ መጽናዕትቲ ዝገበሩ ጉጂለ ዶ/ር ገብረ፣ ኣምናን ዮሴፍን ምስጋና ይኹኖም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከኣ ዓቢ ኣድናቆተይ ክገልጽ እፈቱ።  ስለ እቲ መጽናዕትኹምን ጊዜኹምን ክትምስገኑ ይግባእ። ጻማኹም ካብ ኣምላኽ ህዝቢ ኤርትራ ተፈደዩ። ሓያል ጥርናፈ ዘለዎ ደንበ ተቃውሞ ምስ ቆመ ከኣ ብስራሕኹም ክትኮርዑ ኢኹም። ብስራትኩም ከኣ ይኸውን።