All updates

[Updated] ኪትንበብ ዘለዋ ሓዳስ መጽሓፍ

08/08/2019
Release 7 Aug 2019

06/06/2019
ኪትንበብ ዘለዋ ሓዳስ መጽሓፍ
ርስቲ ጉጅለ 15 ብሳምሶን ሰለሙን

ርስቲ ጉጅለ 15 ዘርእስታ ሳምሶን ሰለሙን ዘዳለዋ ጽብቕቲ መጽሓፍ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓ ኣላ። እዛ ዓቢ ቁምነገር ዚሓዘለት መጽሓፍ እዚኣ ንሕሉፍ ታሪኽ ምስ እዋናዊ ኵነታት ኣዛሚዳ እትገልጽ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብልዙብ ኣጸሓሕፋ እተማሓላልፍ፡ ንምንባባ እተህርፍ እዋናዊት መጽሓፍ ኢያ።   

ሰብ ን‘ጉጅለ 15ኪዝከር እንከሎ፡ ገለ ካብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ኪበሃል ንሰምዕ ኢና፦

·      ‘ቅዋምና ይተግበር’ ኢሎም፤

·      ኣኼባ ግበረልና ኢሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም፤

·      ‘ስልጣንካ ኣረክብ’ ዚብል ጻውዒት ገይሮም፤

·      ኣብ ዘይሰምዖም ደብሪ ተማህሊሎም፤ ወዘተ.።

ብመሰረቱ፡ ሕቶ ናይዞም ሰባት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ስለምንታይ ብጥርኑፍ ኣገባብ ተንቀሳቒሶም፧ እንታይ ኢዩ‘ኸ ነይሩ እቲ ዕላምኦም፧ ኣብ መወዳእታ‘ከ ክሳራ ጥራይ ድዩ ነይሩ ወይስ ዚኸሰብዎ ነገር ነይሩ‘ዩ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ግና ብዙሕ ሰብ፡ ካብ ምርሳዕ ወይ ንጹር ኣፍልጦ ካብ ዘይምህላው፡ ብትኽክል ዚፈልጦ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ‘ምበኣር፡ ንዅሉ እቲ ኣብቲ እዋን ብብሕታውያን ጋዜጣታት ዚፍንውዎ ዚነበሩ ሓበሬታታትን ለበዋን ኰነ ቅሉዕ ደብዳቤታት፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ገለ ጸለመታት ኣንጻሮም ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዚፍነው ዚነበረን ተዘክሮታት ቃለ መሕትት ኢሰያስ ኣፈወርቂን ዚሓዘለት ኰይና፣ ንንጽሩነትን ነቲ ምስ እዋናት ዚተላዕለ ሕቶታትን ተባሂሉ ድማ፡ ሓዲሽ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ብዛዕባ እዚ ዛዕባ ተገይሩ ንረኽቦ።

መሰረታዊ ጸገማት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ስለምንታይ ኣብቲ እዋን፧ እንታይ ኢዩ‘ኸ ኪክቕየር ተደልዩ፧ ስለምንታይ‘ከ ተዀሊፉ፧ ዚብሉ ሕቶታት እውን እቶም ነጸብራቕ ናይዛ እዋናዊት ንርእያ ዘሎና ኤርትራ ስለዚዀኑ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ተነጺሮም ንረኽቦምን ክንግንዘቦም ይግበኣናን። ብፍላይ ነዚ ኣብዚ እዋን ተበጺሑ ዘሎ ናይ ይኣክል ምትእኽኻብ ክንዕዘብ እንከለና፡ እቲ ለበዋን ድሌትን ናይዞም ጀጋኑና ኣብ ተግባር ዚውዕለሉ ዘሎ መድረኽ ኰይኑ ስለዚስመዓካ፡ ጻማ ቃልሶም ዚጐናጸፉ ዘለዉ ይመስል። ምኽንያቱ፡ ምናልባሽ ጉጅለ 15 ኣብቲ እዋን ነዚ ጻውዒትን ተወፋይነትን እንተዘየርእዩ ነይሮም፡ ብምሉኡ ሰውራን ናጽነት ኤርትራን ሰብ ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትዎ‘ውን ግድን ስለዚዀነ፡ ኤርትራውነቱ ቀደም መጥፎኦ ነይሩ ዚብል ግምት ኪህሉ ይከኣል። ስለዚ እቲ መንገዲ ሃንዲሶሙልና ዚኸዱ ኣያታትና ክንከዶን ኣብ መፈጸምታ ከነብጽሖን ግቡእን መሰልን ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዚዀነ፡ ነዛ መጽሓፍ ኣንቢብና ትሕዝቶኣ ብግቡእ ክንግንዘብን ኣካይዳና ፈሊጥና ክንሰርሓሉን ኣዝዩ ጠቓሚ እመስለኒ።

ርስቲ ጉጅለ 15 እታ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ናይዞም ብድሕሪኡ ኣብ ዒራዒሮ ተዳጒኖም ሃለዋቶም ዘየለ ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ስለዚዀነት፣ እዚ ስርዓት ድማ ካብ ታሪኽ ሰውራን ናጽነትን ኤርትራ ኪሓኮም ዘይከዶ መንገዲ ስለዘየሎ፣ ከም ዕቃበ ታሪኾምን መሰጋገሪ ናብ መጻኢ ወለዶታትን ኪትከውን እትበቅዕ ኢያ። ታሪኽ ናይዞም ጀጋኑ፡ ታሪኽ ኤትራዊ፡ ታሪኽ ኣብ መትከልካ ምጽናዕ፡ ታሪኽ ሕድሪ ሰማእታት ኢዩ ኪበሃል ይከኣል። ምናልባሽ ብዙሕ ሰብ ክሳብ ሕጂ ዚተፈላለየ ሕቶታት ይሓትት ኢዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ግን ዳርጋ ኵሉ እቲ ሰብ ዚሓቶ ባዕላቶም መሊሰሞ ስለዘለዉ፣ ኵሉ ኤርትራዊ ኪርእዮን ንጹርነት ኪህልዎን ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነዛ መጽሓፍ ኣብ ተግባር ንኪትውዕል ዚተሓባበሩኒ፡ ከም ኣይዳ ኪዳነ፡ ኣማኒኤል ኢያሱ፡ ፈንቅል ሃይለ፡ ኤፍረም ብርሃነ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ልባዊ ምስጋናይ ኣቕርብ። ምናልባሽ ካልኦት ዝረሳዕክኹም እንተለኹም ድማ፡ ኣእምሮይ ደኣ‘ምበር ልበይ‘ሲ ኣይተቀየምሉ።

ርስቲ ጉጅለ 15 ኣብ ዚተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ንዚተወሰኑ ሰባት ተዓዲላ ኪትሽየጥ ጀሚራ ኣላ። ኣብ ሓጺር እዋን ግና ኣብ መርበብ ኢንተርነት www.hiyab-gifts.com ተዘርጊሓ ንረኽባ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ኣብ መርበብ ኢንተርነት www.eritreanliberty.com ተዘርጊሓ ኣላ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብኢመይል samsonsolomon@gmx.de ተወከሱና።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኵሉ ኣታዊ ናይዛ መጽሓፍ ነዚ ንገብሮ ዘሎና ቃልሲ ኣንጻር እዚ ስርዓት ዘደንፍዕን ዚሕግዝን ደኣ‘ምበር ንውልቃዊ ኣታዊ ከምዘይኰነ ክሕብር እፈቱ። ብዓረብኛን ብኻልእ ቋንቋታትን ኪትትርጐም ጻውዒት እገብር።