All updates

ኣቓልቦን ልቦናዊ እልያን ዘድልዮ ተረኽቦታት

20/12/2019

ልቦን ልቦናዊ እልያን ዘድልዮ ተረኽቦታት

እቲ ኣብ 2 ታሕሳስ 201 ኣብ እስራኤል፡ ዚተፈጸመ መቕተልቲ ናይ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ወዲ 35 ዓመት ንጹህ መንእሰይ ኪሮስ ተስፋሚካአል ባርያጋብርን መቝሰልቲ ዲያቆን ኣልኣዛርን ንዅሉ ደላይ ፍትሕን ሃገራውን ኤርትራዊ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜታት ኢዩ። እቲ ቀቅድሚኡ ኣብ 26 ሕዳር 2019 ኣብ ላንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ መስራቲ ትካል ኣሰና፡ ዚተፈጸመ እከይ መጥቃዕቲ ካልእ ንዅሉ ደላይ ፍትሕን ሃገራውን ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ኢዩ።

ነቲ ህይወት ንጹህ መንእሰይ ኪሮስ ዘጥፍአ ገበነኛ መቕተልቲ፡ ነቲ ከቢድ መቝሰልቲ ንጹህ ዲያቆን ኣልኣዛር ዘስዓበ ገበነኛ ፈተነ ቅትለት ኰነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ዚወረደ ገበነኛ መጥቃዕቲ እንቋቝሖ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ኰነ በዓል ሰናይ ድሌት ብጥብቂ ኪዅንኖ ይግባእ። ብመንጽር’ቲ ዘይንፈግ ሰብኣዊ መሰል ንህይወት ኰነ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ኪቐርቡ፣ እቶም ግዳያት ድማ ብፍትሒ ኪድበሱ ይግባእ። ብቐንዱ ድማ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ንሓደገኛ ሳዕቤናት ናይ ከምዚ ዓይነት ገበናዊ ተግባራት ብግቡእ ኣቓልቦ መዚኑ፡ መታን ከይድገም ብስሙር ድምጺ ኪቃወም ከም ዚግባእ፣ ነቲ ሕልናኡ ሸይጡ ወይ ተደሊሉ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ገበናዊ ተግባራት ዚዋፈር መኣዝኑ ንምትዕርራይ ኪጽዕር  ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ነተሓሳስብ።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት ጭቈና ህግደፍ ንምንጋፍ ሃንቀው ዚብለሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኣብ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓደ ወገን፡ ኣብ መሳርዕ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ገለ ‘ተቓለስቲ ኢና’ በሃልቲ፡ በቲ ካልእ፡ ዚኽሰት ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ገበናዊ ተግባራት ጌና ከይሳዕረረ እንከሎ ብቕልጡፍ ኪእለ ይግባእ። ኵሉ ደላይ ፍትሕን በዓል ሰናይ ድሌትን ነቲ ዚተፈጸመ ገበናዊ ተግባራት ይዅን ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚንዛሕ ጽዩፍ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ብትብዓት ኪቃወም፣ ነቶም ፍትሒ ኪትግበር ዚጽዕሩ ኬሞግስን ኪድግፍን፣ ኣብቲ እቶም ገበናት ሕጋዊ መዕለቢ ኪረኽቡ፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሰልቲ ገበናት ንኸይድገሙ ዚካየድ ጻዕሪ ንጡፍ ኣበርክቶ ኪገብር፣ ዘለዎ ዓቢግዴታ ኪፍጽም ነዘኻኽር።

ኣብ መደምደምታ፡ ነቲ ገበናዊ ፍጻሜታት ብትሪ ብምዅናን፤ ንመንእሰይ ኪሮስ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንዲያቆን ኣልኣዛር ቅልጡፍን ምሉእን ምሕረት የውርደሉ፣ ንኣማኑኤል ድማ ‘እንቋዕ ካብ ዝያዳ ማህሰይቲ ኣምለጥካ’ ንብል።

ጋንታ ኤሪ-ፕላትፎርም

20 ታሕሳስ  2019