All updates

ሱዳን፣ ግፋ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይቕጽል

17/12/2019

ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም ዝጀመረ ግፋ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይቕጽል ኣሎ።

ዛጊት ኣማኢት ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለዉ።

እቲ ግፋ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ንምሓዝ ተባሂሉ ይካየድ ከምዘሎ ይዝረብ እኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ግዳያት ግና ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ‘ዮም።

መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም’ውን ግዳያት እዚ ግፋ ይኾኑ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ድሕሪ ምብጽሖም ዝተፈትሑ ከምዘለዉ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ ግፋ ክካያድ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መንግስቲ ሱዳን ዝወስዶ ዘሎ ናይ ግፋ ስጉምቲ፣ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ወገናት ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 1500 ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ይሰግሩ።

ብዙሓት ካብኣቶም፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ከይተመዝገቡ ብቀጥታ ናብ ካርቱም ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ፍሉይ ናይ ወፍሪ ፍቓድ ዘለዎም እንተዘይኮይኖም፣ ካልኦት ወጻእተኛታት፣ ኣብ ንግዲን ሸቐጥን ከይዋፈሩ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘርጊሑ’ዩ።

እዚ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ንሱዳናውያን ናይ ንግዲ ዕድላት ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ሱዳን፣ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ከምኡ ድማ ካብ ሶርያን ካልኦት ሃገራትን ዝወሓዙ ወጻእተኛታት፣ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘይብሎም ክነሶም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሸቐጥን ንግዳዊ ንጥፈታት ይዋፈሩ’ዮም።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ 30 ዓመታት ዜግነት ሱዳን ናይ ዝወሰዱ ወጻእተኛታት ምጽራይ የካይድ ከምዘሎ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

(Original Source: Radio Erena)