![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/202222.png?nc=1748551127)
ርእይቶ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቃልሰይ ምእንቲ ኤርትራን ኣፍሪቃን፦ ዝርርብ ምስ ሚሸል ኮሎን፡ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ረክላም ይግበረላን ርእይቶታት ይወሃበላን ኣሎ። ገምጋም ትሕዝቶ ናይታ ኢሳያስ ምስ ሚሸል ኮሎንን መሓመድ ሓሰንን ዘካየዶ እኩብ ቃለመጠይቓት ዚሓቘፈት መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩዋ ንከቕርብ እናዓቀብኩ፣ ርእይቶይ ኣብቲ ኣርእስታ እድርት።
ሚሸል ኮሎን ሓደ በልጁማዊ ደራሲ፡ ጋዜጠኛ ናይ መጽሔት ሰልፊ ሸቃሎ በልጁምን ናይ ናይ ገዛእ ርእሱ ወብሳይት Investig’Action ኢዩ። መሓመድ ሓሰን፡ ምስቲ መዅሱ ዚዀነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ማእከል መጽናዕትታት ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ጀኦርጅያ ስተይት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ኦሮሞ ተራኽን ምሁርን ኪደናገር ዘይብሉ፡ ዘይቅዩድ ጸሓፊ ኢትዮጵያዊ ሶማል ኣብ በልጁም ኢዩ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብርግጽ ኣብቲ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ምእንቲ ኤርትራ ተቓሊሱን ንህግሓኤ ናብ ዓወት መሪሑን። ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወድዓዊ ክዉንነት፡ ብፍላይ ካብ 2000 ኣትሒዙ ዚተኸስተ፡ ኰነ እቲ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ጽልሙት ሰብኣዊ ኵነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐዳምነት ብዋጋ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ስልጣኑ ንምዕቃብ ከም ዚተቓለሰ የረድእ።
እቲ ኣዝዩ ዚዝከር “ፍረ-ዕዮ” ቃልሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምእንቲ ኤርትራ ነዞም ዚስዕቡ ክዉንነታት የጠቓልል፦
1. ምፍንጣሕ ኤርትራዊ መንግስቲ። ሃገራዊ ምርጫታት ኣጊዱ፤ ቅዋም ኤርትራ ኣወንዚፉ፤ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራኣፍሪሱ፤ ፍርዳዊ ኣካል ኣማህሚኑ፤ ካቢነ ሚኒስተራት ኣዋሲኑ፤ ስልጣን ገቢቱ፡ ንኤርትራ ናብ ምርኢት ናይ ሓደ ገባርን ሓዳግን መላኺ ኣውሪዱዋ!
2. ምስያፍ ርእሲ ህግሓኤ/ህግደፍ። ማእከላይ ቤት ምኽርን ፈጻሚ ኣካልን ናይቲ ግንባር ኣደስኪሉ፣ ዓሰርተታት ናይቶም ኣዝዮም ጕሉሓት መራሕቱ ኰነ ላዕለዎትን ማእከሎትን ካድራቱ መቊሑ፡ ብዘይ ፍርድን ክስን፡ ኣብ ደረትኣልቦ ቀይዲ ኪማስኑ ኰኒኑ።
3. ምዝራግ ዳግመ-ህንጸት ቍጠባ ኤርትራ። ነቲ ዚተዋደደ ማክሮቍጠባዊ ሜላዊ መቓን ገዲፉ፣ ሓደ ዘቤታዊ ይዅን ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ ዚዓግት፡ ቍጠባዊ ምንቍልቋል፡ ሽቕለተልቦነትን ክቱር ድኽነትን ዘስዓበ፡ ዕጹው ናይ ኩፖን ቍጠባ ኣስገዲዱ።
4. ስነ-ህዝባዊ (ደሞግራፍያዊ) ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ። ጨካን መድቈስቲ ምስቲ ዕጽዋ ናይቲ ቍጠባ ኰነ እቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ሕጋዊ ደረቱ ዚጠሓሰ ደረትኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወለዶታት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት፡ ዋኒንተኛታትን ሞያውያንን ናብ ዘይምዱብ ስደት ንኪውሕዙ ደሪኹ፤ ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ዓንቂጹን ዓቢ ደሞግራፍያዊ ምንቍልቋል ኣስዒቡን።
5. ክቱር ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ። እቲ ንዕስራ ዓመታት ዚጸንሐ ቀጻሊ እገዳ ምህናጽ፡ ምሕዳስ ኰነ ምጽጋን መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣዋጣሪ ሕጽረት ኣባይቲ ፈጢሩ፡ ዋጋን ክራይን መንበሪ ኣባይቲ ሰማይ ሰቒሉ፣ ምስሊ ከተማታት ኤርትራ ደዊኑን ህንጻታተን ኣዕኒዩን።
6. ሕርመት መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባትን ኣድለይቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብሰሪ ጕድለትን እርጋንን ናይ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ። እቲ ዓቢ ኣብዝሓ ናይቲ ህዝቢ ብስእነት ብቑዕ መዕቈቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ዚስተ ማይ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ መብራህቲ፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ኣብ ምስቓይ ይርከብ።
7. ዕጽዋ ናይታ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ኰነ ምምስራት ናይተን ኣህጕራዊ ኣካደምያዊ ተፈላጥነት ዘይብለን ሓውሲ-ውትህድርናዊ ኮለጃትን ተክኒካዊ ኣብያተ ትምህርትን፡ ደረጃ ትምህርቲ ኣንቈልቊሉ፡ ክብሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣሕሲሩ፡ ነቲ ንፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምዕባለ ናይታ ሃገር ኣድላዪ ዚዀነ ህንጸት ክኢላ ሰብኣዊ ርእሰማል ኣዳኺሙ።
8. ፍሽለት ምጥቃም ጸጋታት፡ ባህርያዊ ሃብትን ሰብኣዊ ጕልበትን ኤርትራ፡ ኣብ ነቲ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ዓቢ ዕቑር ልምዓታዊ ዓቕሚ ክዉን ምግባርን ሰብኣዊ ኵነት ህዝቢ ምምሕያሽን። እተን ብደረጃ ዓለም ማእከላት ዓለምለኻዊ ልውውጥን ዞባዊ ንግድን ንምዃን ዕቑር ተኽእሎ ዘለወን ስትራተጅያዊ ወደባት ኤርትራ ከይማዕበላ ባኺነን ጸኒሐን። ጃምላዊ ፍልሰት ምምሳን ሓንጐላዊ ዓቕምን ምጽንቃቕ ሓይሊ ዕዮን ሃገር ኣስዒቡ። ምእጋድ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት፡ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘቤታዊ ንግዲ ዓንቂፉን ምንጪ እቶት ዓጽዩን። እቲ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዚቍጸር ዓመታዊ እትዋት ናይቲ ዓቢ መኽሰብ ዘለዎ ጽላት ዕደና ኣበይ ከም ዚኣቱ ኣይፍለጥን።
ብዛዕባ’ቲ ዚበሃል ቃልሲ ኢሳያስ ምእንቲ ኣፍሪቃ፡ እቲ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብቲ ኣብ 1993 ኣብ ካይሮ ዚተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ዚገሰጸ ኢሳያስ፡ ንገዛእ ርእሱ ናብ ሓደ ካብቶም ዛጊት ኣዝዮም ዚጨከኑ ውልቀመለኽቲ ናይ ኣፍሪቃ ተቐይሩ። ይትረፍ ንኣፍሪቃ፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር፡ ምስቲ ሓደ ካብቲ ኣብ መዛግብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዚፈጠሮ ኣዝዩ ዚሓመቐ ክዉንነት፡ ደልሃመታዊ ፍሽለት ብግብሪ ኣመስኪሩ።
ነቲ ጸረ-ሃጸይነታዊ ምስክርነት ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዚምልከት፡ ክልተ ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክል። ቀዳማይ፡ ኢሳያስ ኣብ ሓደ እዋን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ሓደ ኣረጋጋኢ ህላወ ኣብቲ ዞባ ኢዩ ኪብል ኣመጕሱ። ካልኣይ፡ ኢሳያስ ሓደ ካብቶም ንወራር ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ብቕሉዕ ዚደገፉ ክልተ ጥራይ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ምንባሩን፤ ኣመሪካ ኣብቲ ኣንጻር ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እተካይዶ ኲናታት እትጥቀመሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ኪትምስርት ተደጋጋሚ ልመና ምቕራቡን።
እምበኣርከስ፡ እዚኣቶም ገለ ካብቶም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ ናይ 34 ዓመታት ዘይተሓታትነታዊ፡ ብርሃን ዘየስሉኽን ኣዕናውን ውልቀ-ምልካዊ ኣገዛዝኣኡ፡ ዘመዝገቦም ርኡያት “ዓወታት” ኢዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤርትራ “ኣዝያ ሃብታም ክነሳ” ብዚኸፍአ ደረጃ “ኣዝያ ደኽያ”። ዕንወት እምበር ህንጸት ከይረኣየት፣ ከም ሕሱም ተጨቊና፡ ተዘሚታ፡ ደኽያ፡ ተነጺላ: ተነጺላ፡ ተዳኺማ!