![[:swvar:text:838:]](/swfiles/files/Screenshot-2025-04-04-at-003431.png?nc=1748083289)
ወተርሉ፡ በልጁም
24 ግንቦት 2025
መልእኽቲ መበል 34 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡
ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡
ምዉቕ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ኣብዚ መበል 34 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ሃገርና ብዓቢ ሓበን እንጽንብለሉ ዘለና ክቡር ሃገራዊ በዓል’ዚ፡ ምዉቕ ዮሃናን ሰናይ ትምኒት ንርሑስ መዓልቲ ናጽነትን አቕርብ። ጽንብል ዝክረ-ዓመት ሃገራዊ ናጽነት፡ ነቲ ኣብ እዋን ሓርነት 1991ን ኣብ እዋን ናጽነት 1993ን ኣብ ህዝብና ሰፊኑ ዚነበረ ውዕዉዕ ሃዋህው ናይ ዓሚቝ ደስታ፡ ዓቢ ታሕጓስን ልዑል ተስፋን ዘዘኻኽር ኣዝዩ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ኢዩ።
ክንድ ዚዀነ፡ ነቲ ዚተኸፍለ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ዚድብስ፣ ነቲ ንደርዘናት ዓመታት ዚተዓብዓበ ሰብኣውን ማሕበራውን ቍስልታት ዘሕዊ፣ ነቲ ኣብ መፈለምታ 1990ታት ዚተኸስተ ትስፉው ትጽቢታትን ስጡም ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕድስ ዜና ከበስርን ምዕባለታት ከስዕብን ብዓቢ ተስፋ ንጽበ። ምኽንያቱ፡ ናጽነት ኤርትራ ሓርነት ኵሉ ኤርትራዊ፡ መሰል ኵሉ ኤርትራዊ፡ ድሕነት ኵሉ ኤርትራዊ ከውሕስ ስለ ዚግባእ። ናጽነት ኤርትራ መሰላት፡ ድሕነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ከስፍን ስለ ዚግባእ።
ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ) ኣብ 24 ግንቦት 1991 ንገዚፍ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሩ፡ ሓርነት ምሉእ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ዘበሰረላ ክብርቲ መዓልቲ ሓበንን ደስታን ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ወለዶታት ኤርትራውያን ብድሙቕ ወርቂ ቀለም ተወቂጣ ኪትነብር ኢያ። 24 ግንቦት 1991 ኰነ 1993፡ ትእምርቲ ድርብ ጽንብል ሃገራዊ ሓርነትን ናጽነትን ኢያ። ክንድ ዚዀነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሃገርናን ባሕናን ዳግም ንምጕባጥ ደመና ኣስፋሕፋሒ ወራር ዘንጸላልወሉ ዘሎ ተሃዋጺ እዋን’ዚ፣ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ኰነ ኣሰላልፋኡ ብዘየገድስ፡ ንኲናት ባዕዳዊ ወራር ንምብርዓን ብትሪ ኪቃወም፡ ንሃገራዊ በዓል ናጽነት ብዓቢ ሓበንን ደስታን ኪጽንብል ግቡእ ኢዩ።
ኣብ 24 ግንቦት 1993፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንሳላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዚፈጸመ ሰራዊት ወራር ኢትዮጵያ ብፍጹም ስዒሩ፣ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ በጣጢሱ፡ ልዑላዊ ናጽነት ተጐናጺፉ። ኪኖ ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ስርዓት ደርግ ኣብ ምግልጋል ወሳኒ ኣበርክቶ ገይሩ።
እቲ ብከቢድ መስዋእቲ ናይቶም ኣብ መሳርዕ ህሰሓኤ ኰነ ኣብ ስቱር ከተማውን ገጠራውን ስርሒታትት ዚተበጀዉ ጀጋኑ ሓርበኛታትን መዘና-ኣልቦ ጽንዓት ህዝብን ዚተሓፍሰ ዕዙዝ ታሪኻዊ ዓወት ኲናት ሃገራዊ ሓርነት፡ ሃገራዊ መሰል ህዝብና ኣጨቢጡ፤ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ክዉን ገይሩ፣ ኣብ መሳርዕ ናጻ ሃገራት ኣህጕራዊ ኮም ግቡእ ቦትኣ ኣትሒዙ። ኣብ መላእ ህዝብና፡ ሃልሃልታ ሽግ ምሉእ ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ወሊዑ።
ጽንብል ሃገራዊ በዓል ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ዘዕግብ፣ ብቅዋም ዘመሓድር፣ ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብር፣ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዚተክል፣ ምዕቡል ዘመናዊ ቍጠባ ዚሃንጽ፣ ሽቕለትን ሃብትን ዚፈጥር፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሃገራዊ መንግስቲ ንምምስራት ነጥበ መቐይሮ ኪኸውን ይግባእ። እሱራት ዚፍትሑሉ፣ ናይ ኩፖን ቍጠባ ብሕውስዋስ ቍጠባ ዚትካኣሉ፣ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ዚህነጸሉ፣ ህንጻን ጽገናን መንበሪ ኣባይቲ ዚዕምረሉ መጻኢ ዚኸፍት ነጥበ መቐይሮ ኪኸውን ይግባእ።
መንእሰይ ብንቡር ስድራቤታዊ ሓልዮት፡ ዘመናዊ ትምህርትን ሃገራዊ ወንን ዚዅስኰሰሉ ኵነት ዚፈጥር፣ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ሓረስታይ ኪሓርስ፣ ነጋዳይ ኪነግድ፣ ዋኒንተኛ ርእሰማሉ ከውፍር ዘፍቅድ፣ ሃገራዊ ሃብቲ ዘኻዕብትን መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽን ቍጠባዊ ሜላን ሕጋዊ መቓንን ዘዋድድ ሓድሽ መድረኽ ዚኸፍት ነጥበ መቐይሮ ኪኸውን ዓሚቝ ሃረርታ ኵሉ ደላይ ሰናይ ኤርትራዊ ኢዩ።
ኣብዚ ዓራርቦ ጸሓይ ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዚተተኽለ ሊበራላዊ ኣህጕራዊ ስርዓትን ቅልውላው ሕርሲ ናይቲ ሓድሽ ሕብረ-ዋልታዊ ስርዓትን ሰፊኑ ዘሎ ሓደገኛ ሕጊ ጫካ፣ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ብዓቕሚ ህዝባ ጥራይ ከም ዚረጋገጽ አስምር። ብዝሒ ህዝቢ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ርእሰማል ኢዩ። ብዝሒ ህዝብን ቍጠባዊ ዓቕምን መሰረት ዘተኣማምን ዓቕሚ ሃገራዊ ምክልኻል ኢዩ። ኣብዚ መሰረት ዓለምለኻዊ ቍጠባ ካብ ርእሰማል ናብ ፍልጠት ዚቕየረሉ ዘሎ እዋን’ዚ፣ መንእሰያትና ምሕብሓብ፡ ህዝብና ምስሳን፡ ሰብኣዊ ርእሰማልና ብፍልጠትን ክእለትን ምዅስኳስ፡ ቍጠባዊ ልምዓት ምርግጋጽ ህላወኣዊ ግድነት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ስግኣት ባዕዳዊ ወራር ዘንጸላልወሉ ዘሎ ሓደገኛ እዋን፣ ነባሪ ውሕስነት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ድሕነት ሃገረ ኤርትራን፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ምትካል፣ ትካላዊ ኣገባብ ስግግር ስልጣን ምውዳድ ይጠልብ። ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ምስረታ ተሓታትን ግሉጽን ተግባራዊ መንግስቲ፣ ዳግመ-ሕውየት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፣ ህንጸት ኣድማዒ መንግስታዊ ትካላት የድሊ። ምሉእ ዓቕሚ ሃገር ዘቤታዊ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ፣ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣብ ምቅልጣፍ፣ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽ፣ ጃምላዊ ፍልሰት መንእሰያት ኣብ ምግታእን ምቕልባስን፣ ኪዋፈር ይግባእ። እዚ ድማ ዘተኣማምን ሰረት ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ የንጽፍ።
ኵሉ ብናጽነት ኤርትራ ዚሕበን፡ ብድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዚግደስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ (1) ኣርማን ባንዴራን ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ከኽብር፣ (2) ብስም ተቓውሞ፡ መጋበርያ ናይ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዘለዎም ተጻባእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ካብ ምዃን ኪቝጠብ፣ (3) ብስም ደገፍ፡ ውልቀ-መላኺ ምውዳስን ምልኪ ምጽብባቕን ገዲፉ፡ ንደሞክራስያዊ ስግግር፡ ፍትሕን ራህዋን ኪጣበቕ ይግባእ።
ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሰናይ ምሕደራ ይግብኦ ኢዩ። ኵሉ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱ፡ ሰሪሑ፡ ነጊዱ፡ ኣውፊሩ ብኽብረት ኪነብር፡ ዘይንፈግ መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ድሕነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገር ዘውሕስ፣ ሰብኣዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ዘዐዝዝ፣ ሰናይ ምሕደራ ዘስፍን፣ ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምድራኽ ብንቕሓት ኪቃለስ ዜግነታዊ መሰል ኰነ ሃገራዊ ግቡእ ኣለዎ። ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገርን ልዑላውነት ህዝብን ዘይነጻጸሉ ረቛሒታት ምውሓስ ነባሪ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ስለ ዚዀኑ።
መበል 34 ዝክረ-ዓመት ናጽነት፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቍጠባዊ ልምዓትን ኪኸፍት፣ ነቲ ሕያዋይ ህዝብና ድማ፡ ሓድሽ መዋእል ናይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ፍትሕን ራህዋን ከበስር፣ ዘለኒ ተስፋን ትምኒትን ዳግም እገልጽ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ
ደጊመ፡ ርሑስ በዓል ናጽነት እምነ።