10 የካቲት 2025
ስርሒት ፈንቅል፡ ባና ሓርነት ዚወልዐ ወሳኒ ዓወት!
ኣብ 10 ለካቲት 1990፡ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ) በርቃዊ ስርሒት ፈንቅል ብምውርዋር፡ ንወራሪ ሰራዊት፡ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ብፍጹም ስዒሩ፡ ንወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ሓራ ኣውጺኡ። ሓርነት ባጽዕ ዋዜማ ናጽነት መላእ ኤርትራ ዘበሰረ፡ ብሓበን ኪጽንበል ዚነብር ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ ነቲ ሓርነት ባጽዕ ዘጨበጠ ዕዉት ስርሒት ፈንቅል ብክብሪ ኪዝክርን ብሓበን ኪጽንብልን ግቡእ ኢዩ። ኣብዚ እቶም ኣብ 1991 ብፍጹም ተሳዒሮም ዚተባረሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገርና ዳግም ብምድፋር፡ ገማግም ባሕርና ንምውራር ዚፍክሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ጽንብል ሓርነት ባጽዕ ፍሉይ ድምቀት ኣለዎ። ድሙቕ ዓወት ‘ስርሒት ፈንቅል’ ሓርነት ባጽዕ ዘረጋገጸ፣ ባና ናጽነት ሃገርና ዚወልዐ፣ ኣጋ መኸተምታ ዕምሪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘበሰረ፣ መርኣያ ጅግንነት ኤርትራዊ ሃገራውነት ኢዩ። ክንድ ዚዀነ፡ ዓመት-ዓመት ብሓበን ኪጽንበል ግቡእ ኢዩ።
‘ስርሒት ፈንቅል’ ንኡድ መርኣያ ናይቶም መስተንክራዊ ቅያታት ህሰሓኤ፣ ህያው ኣብነት ናይቲ ዘይሕለል ጅግንነት ኤርትራዊ ሃገራውነት፣ ቀዋሚ ሓወልቲ ናይቲ መዘና-ኣልቦ ድሙቕ ኤርትራዊ ወተሃደራዊ ዓወት ኢዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዓወት ‘ስርሒት ፈንቅል’ ብሓበን እንጽንብለሉ ዘለና እዋን’ዚ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ፡ እቲ መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ዚተኻየደ ቃልሲ፡ ዚተኣትወ መብጽዓ፡ ዚተኸፍለ መስዋእቲ ምዝካር ግቡእ ኢዩ። ትማሊ ከም ኣምሳያ ናይ ሎሚ ኪርአ ኣይግባእን። ኣብ ዝኽሪ ታሪኻዊ ዝና ተሸሚምና፡ ብናይ ትማሊ ዓወት እናተዛነና ኣብ ድኽነት ንምንባር ዘይኰነስ፣ ሎሚ ንናይ ጽባሕ ውሕስነት፡ ድሕነትን ራህዋን ሃገርናን ህዝብናን ሰረት ንምንጻፍ ክንሰርሕ ከም ዚግባእ ከነስተውዕል የድሊ። ንብጹእ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ዘተግብር፣ መስዋእቲ ሰማእታትና ዘኽብር፣ ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ገስጋስ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ይግባእ።
ኣብዚ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ጐበጣ ባሕርና ዘሳውሮ ህላዌኣዊ ስግኣት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ተኣፋፊ ጀኦፖለቲካዊ ክዉንነት’ዚ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ኤርትራ፡ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዓበይቲ ፍልልያት ብግቡእ ኪግንዘብ አማሕጽን። ነዚ ግንዛበ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ንምውሓስ፣ ግዝኣተ ሕጊ፡ መሰረታዊ ሓርነታትን መባእታዊ መሰላትን ህዝብና ዘውሕስ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ኪቃለስ፣ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምፍጻም ኪሰርሕ ብጹእ ግዴታ ከም ዘለዎ አዘኻኽር።
ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ ኰነ ጀጋኑ ተጋደልቱ ታሪኽ ኪሰርሑ’ምበር ኣብ ዝኽሪ ናይ ታሪኽ ኪነብሩ ኣይተቓለሱን። ነቲ ታሪኻዊ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ንህዝብና ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ብዘስፍን ኣድማዒ ዓወት ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ንምምላእ ንእስነቶም፡ ህይወቶም፡ ኣካላቶም፡ ዕድላቶም ከም ዘወፈዩ ምዝካር ይግባእ። ኤርትራ ሃገርና መድረኽ ምርኢት ናይ ሓደ ኣደዳ ድሕረት፡ ድኽነትን ስእነትን ኰነ ጃምላዊ ፍልሰት፡ ማእሰርትን ስቅያትን ዚገበረ፣ ሃገራዊ ባይቶና ዘፍረሰ፡ ኣብያተ ፍርድና ዘልመሰ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ዘግለለ፡ ገባርን ሓዳግን ሰብ ምዃና የብቅዕ። ዓወት ብረታዊ ቃልሲ፡ መሰረታዊ ጠለባት ህዝብን ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብዘዋድድ ዓወት ሃገራዊ ልምዓት ዘረጋግጽ፣ ግቡእ መንግስታዊ ኣቀዋውማ ዘዕዝዝ፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ንቃለስ። ነቲ ዚተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ፡ ሃገርና ብምምዕባል፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝብና ክብ ብምባል፣ ህዝብና ኣብ ሃገሩ ምስሳን ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋ ብምስፋን ንደብስ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!