31 ታሕሳስ 2024
ሰናይ ትምኒት ንሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን እተስፍን ዓመተ 2025
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ኣብዚ ዓመተ 2024 ኣብቂዑ ዓመተ 2025 ዚኣትወሉ ዘሎ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዘስፍን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ኪዀነልና እትምነ።
ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ብብርቱዕ ቃልስን ልዑል መስዋእትን ምስ ተረጋገጸ፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ዚሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ዓቢ ተስፋን ተኽእሎን ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ-ዓሰርተታት ዓመታት ብደረጃ ዓለም ዚወዳደር ምዕቡል ቍጠባ ዚውንን፣ ልዕሊ ምምላእ መሰረታዊ ጠለባት ዚኸይድ፣ ኣብ ክንዲ ጃምላዊ ፍልሰት ዚድርኽ፡ መንእሰያት ዚሕብሕብን ብዘመናዊ ትምህርቲ ዚዅስኵስን ፖሊሲ ዚትግብር፣ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘማዕብል ሃገረ መንግስቲ ንምህናጽ ዘኽእሉ ሜላዊ መሳርሒታት ተዋዲዶም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ናጻ ኤርትራ መሪሕ ብሩህ መጻኢ ኣፍሪቃ ኪትከውን፣ ርትዓዊ ትጽቢት ናይ ሓያሎ ፈተውትን ደገፍትን ኤርትራ ነይሩ።
ብርግጽ፡ ነቶም ኣብ ኣጋ መፋርቕ 1990ታት ዚተዋደዱ፡ ቅኑዕ ስትራተጂ ሃገራዊ ልምዓት ዘነጸሩ ሜላዊ መሳርሒታት ብምጥቃም፣ ደሞክራስያውን ልምዓታውን ኤርትራዊ ሃገረ መንግስቲ ንምህናጽ ተበጊስና ኔርና። ኣብዚ ሓጺር መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት’ዚ፡ ክንየው’ቲ ልሙድ ምዝርዛር ናይቶም ነቶም ዚተዋደዱ ሜላዊ መሳርሒታት ብዘይ ምጥቃም፡ ኣብዞም ዚሓለፉ ዓመታት ናጽነት ኣብ ሃገርና ዚተኸስቱ ኣሉታዊውያን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናትን፣ ኣብቶም ነቶም ሳዕቤናት’ቲኣቶም ንምእላይ ኣብ 2025 ኪውሰዱ ዚግብኦም ሰለስተ ቀንዲ ሃነጽቲ ስጕምትታት ዘተኰረ ሰናይ ትምኒት ኣብ ምግላጽ ከድህብ እየ።
ቀዳማይ፡ ኤርትራ ኣብ 2025 ቅዋማዊ መንግስቲ ዚትከለላ፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዚሰፍነላ፣ ሃገር ኪትከውን።
ካልኣይ፡ ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራት፣ ኵሎም ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ማሕቡስ ዘለዉ ዜጋታት ዚፍትሑላ ኪትከውን።
ሳልሳይ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ ተኸፊቱ፡ ኵሎም ዜጋታት ብሓርነት ዚዋስኡላ ኤርትራ ኪትከውን።
ነዘን ሰለስተ ቀንዲ ስጕምትታት’ዚኣተን ክዉን ምግባር፡ (1) ግዝኣተ ሕጊ ብምስፋን መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ምውሓስ፣ (2) ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ንዚተፈጸሙ ገበናት ኰነ በደላት፡ ፍትሒ ብዘመሓድርን ኮማዊ ስኒት ብዚዅስኵስን ኣገባብ ብምድባስ ዘተኣማምን ሰረት ሃገራዊ ሓድነት ምንጻፍ፣ (3) ሓያል ሽርክነትን ኣድማዒ ምትሕብባርን መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ዘዋድድ፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘማዕብል፡ ቅልጡፍን ሰሳንን ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን ሃገራዊ ቍጠባ ምዅስኳስ፣ ይከኣል።
ይዅን’ምበር፡ እዚ ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ስሉጥ፡ ተሓታትን ግሉጽን ህዝባዊ ምምሕዳርን ኣብ መዝነተ-ብቕዓት ዚተመስረተ ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ምትእትታው፤ ተሳትፎ ዘቤታዊ ርእሰማል፡ ዋሕዚ ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍሪ፡ ስግግር ስነኪነትን ፍልጠታዊ ክእለትን ምትብባዕ፣ ኣብ ኣገልግሎታት ዘድሃበን ናብ ሰደድ ዚጠመተን ልምዓታዊ ስትራተጂ ምኽታል፤ ብባንካዊ፡ ፋይናንሳውን ወደባውን ኣገልግሎታት ዚተመርሐ ዘመናዊ ጽላት ኣገልግሎታት ምህናጽ ይሓትት። ህዝባዊ መሳለጥያታትን ኣገልግሎታትን ዘደንፍዕ ትሕተ-ቅርጺ ምውዳድ፣ ብቑዕ ኣመሓዳድራ ዘለዎም ሓያላት መንግስታዊ ዋኒነ-ትካላት ምምስራት፤ ብጽላታት ‘ልዑል ስነኪነት’ ዚተደረኸ ዘመናዊ ቍጠባ ንምምዕባል ዘድሊ ፍልጠትን ክእለታትን ምፍራይ፣ ብቑዕ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምስፋሕ፤ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንቡር ዝምድናታት፡ ንግዳዊ ምትሕግጋዝን ሰላማዊ ሓባረ-ህላወን ምዅስኳስ ይጠልብ።
ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ሰፊሩ ዘሎ ራእይ ናይ ደሞክራሲ፡ ግስጋሰን ራህዋን፣ ነቲ ማክሮ-ቍጠባዊ መቓነ-ስራሕ ኣድላዪ ምምሕያሽ ብምግባር፡ ነቶም ኣብኡ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዕላማታት ልምዓት፡ ፍትሕን ራህዋን፣ ነቶም ኣብ ቅዋም ኤርትራ ተወቂጦም ዘለዉ መትከላት መሰረታዊ ሓርነታት፡ መሰላትን ፍትሕን ምስልሳል ከኽእል ኢዩ። ንኤርትራ ዘልምዕ፣ ንዚባደሙ ዓድታት ዳግም ዘሕዊ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ብምጕንጻፍ ዘሰስን፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምህናጽ ዘተኣማምን ዋሕስ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ኢዩ።
ዚባደመ ገጠራት ንምሕዋይ፣ ብስደት ንዚማሰነ ብዝሒ ህዝቢ ንምስሳን፣ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ፣ እቲ ዚትከል ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንቑሕን ስልጡንን መሪሕነት ኪህሉዎን ብቅዋም ዚምራሕን ኪኸውን ይግባእ። ኤርትራ፡ ኣበየ ቃለ-መጠይቓቱ፡ ኣብ ዘይምልከቶ ‘ዞባውን ዓለማውን’ ጕዳያት ዚህውትት ዘይኰነስ፣ ብቐዳምነት ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዚምልስ፣ ንሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዚፈትሕ፣ ንኤርትራን ህዝባን ዘማዕብል መራሒ ኪህሉዋ ይግባእ።
መንግስቲ ብቑዕ ሰብኣዊ ርእሰማል ዚሃንጽ ስርዓተ-ትምህርቲ ከተኣታቱን ጥዕና ዜጋታት ዘረጋግጽ ኣገልግሎት ሕክምና ኪዝርግሕን የድሊ። ንጹር ልምዓታዊ ስትራተጂ ኪስእል፣ ነቶም ዕላማታት ልምዓት ንምውቃዕ ዘኽእሉ ብቑዓት ትካላዊ መዋቕራት ኪምስርት ይግባእ። ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ኪዅስኵስ፣ ኣብ ኵሉ-መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳርን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን መዝነተ-ብቕዓት ከዘውትር፣ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዘደንፍዕ፡ ስሉጥ ኣቕርቦት መሰረታዊ ጠለባትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከዋድድ የድሊ።
ደጊመ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2025 እትምነ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!