All updates

ርእይቶ - ምውሓስ ህያው ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን

01/02/2019
ርእይቶ
ምውሓስ ህያው ሰላም ኣብ መን ኤርትራን ኢትዮጵያን

1.         መእተዊ

እቲ ድሕሪ ናይ 1998-2000 መሪር፡ ኣዕናውን ክውገድ ዝከኣል ዝነበረን ዶባዊ ኲናት ንኽልተ ዓሱረ-ዓመታት ዝጸንሐ ኲነታት ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት’ን  (link)፡ ኣብ መፋርቕ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ሃንደበታዊ ሕዳሰ-ምዝነት፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ግን ከኣ ዘሐጉስ ምዕባለ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህያው ሰላም ምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎአን ምትሕግጋዛዊ ዝምድና፡ ልምዓትን ሓድሕዳዊ ብልጽግናን ንምፍጣር ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣገዳሲ እዩ።

ኤርትራ ኣብቲ መላግቦ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኣለዋ። እዞም ክልተ ንኡሳን ዞባታት እዚኣቶም ኣብ ቀጻሊ ለውጢ ኢዮም ዝርከቡ። ተራ ግሎባዊ ተዋሳእትን ህልዊ ኲነታት ዞባዊ ምዕባለታትን ኣብ ተኽእሎ ምስፋን ህያው ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ወሳኒ ጽልዋ ኣለዎ።

እዚ ሓተታ እዚ፡ ነቶም ድሕሪ ሕዳሰ-ምዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓቡ ፍጻሜታትን ኣመታቶምን ብምግምጋም፡ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ብመንጽር እቲ ኣብ ዙርያ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓስል ጂኦ-ፖለቲካዊ ኲነታት ይትንትን። ብተወሳኺ፡ ንህልዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ኣመታት ርክባተንን ብፍሉይ ኣብ ኣገዳስነት ምምልካት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ምኽባር ልዑላውነት ኤርትራ፡ ምምስራት ሕጊ ዝማእከሉ በይነ-ሃገራዊ ርክብ፡ ዞባዊ ኲነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ምጽልላው ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ብምትኳር ብደቂቕ ይምርምር።

እተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን፣ ከምኡ’ውን እተን ቀጥታዊ መዳውብተን ዝኾና ሃገራት ዝልለያሉ ናይ ሓባር ረቛሒታት ኣለወን። ገለ ካብቶም ቀንዲ ረቛሒታት፡ ሕማቕ ምሕደራ፡ ጕሉሕ ጕድለት ናይ ደሞክራሲ፡ ኣብ መላኺ ኣገዛዝኣ ዝተመርኰሰ ‘ናይ ገባርን ሓጋግን’ ስርዓታትን የጠቓልል። ዝበዝሕ እዋን ብድኹማት ትካላት፡ ዘይስሉጥ መዋቕርን ዝሩጋት ገዛእቲ ጕጅለታትን ዝፍለጣ ኣመና ድኹማት መንግስቲታት ኢየን። ግዝኣተ ሕጊ ዝረግጹ፡ ሕጋዊ ቀይዲ ዘይብሎም ‘ናይ ገባርን ሓጋግን’ ስልጣን ብሒቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ገፊሕ ጋግ ናይ ሃብትን ኣታውን ዘለዎ ሕብረተሰብ የሽካዕልሉ። ብርግጽ፡ ከምዚ ዓይነት ኲነታት ኣብ ቀጻልነት ማሕበራዊ ሰላምን ምርግጋእን ከቢድ ስግኣት ዝፈጥር እዩ።  

ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ብደረጃ ዞባ ዘይነጻጸሉ ኵነታት እዮም። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝፍጠር ህውከትን ዝርገት ጸጥታን ናብ መዳውብቲ ሃገራት ምልሓሙ ኣይተርፍን። ጂኦ-ፖለቲካ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ወሰናስን ፈለግ ኒልን ዞባ ወሽመጥን፡ ተለዋዋጢ ኪዳናት ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለማውን ሓይልታት ብዝፈጥሮ ብዙሕን ንሓድሕዱ ዝተጠናነገን ግርጭታት እዩ ዝፍለጥ። በዚ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ከአንግድ ግድን ኮይኑ። እቲ ኣብ መንጎ ሽዓን ሱኒን ዘሎ ታሪኻዊ ህልኽን፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሙስሊምን ሳላፋውያንን ዘሎ ቊሩቊስን፡ ብኣሰላልፋ ነናቶም ዞባውን ዓለማውን ሻርነት እናተጋደደ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጺ-ስዑዲ ዓረብ-ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብሓደ ወገን፡ ኢራን-ቐጠር-ቱርኪ ድማ በቲ ኻልእ፡ ዘሎ ውድድር ኣጐሃሂርዎ ይርከብ። እቲ ምእንቲ ዕብለላ፡ ዕዳጋ፡ ጸጋታት፡ ጽልዋን ወደባትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዙርያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ (ሰሜን ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ሶማልን የመንን) መደበራት ሓይሊ ባሕርን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ንምድኳን ዝካየድ ዝተወሳሰበ ቊሩቊሳት ብመልክዕ ኲናት ሓድሕድ የመን፡ ክርደና ቐጠር፡ መናውራታት ዞባውን ዓለማውን ሓይልታት ኣብ ንእሽቶ ሃገር ጂቡቲን ዝተረመሰት ሶማልያን፡ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግለጽ ኣሎ።

ቀይሕ ባሕሪ ብኣዝዩ ብርኩት ግን ከኣ ጌና ዘይማዕበለ ሃብቲ ባሕርን ጸጋታት ነዳድን ባህርያዊ ጋዝን ዝተዓደለ ማያዊ ክፋል ዓለምና እዩ። ብተወሳኺ፡ ከም ኣገዳሲ ኣህጒራዊ መስመር ማያዊ ንግድን ወተሃደራዊ ሎጂስቲክን የገልግል። ብዓቢኡ ብመንጽር ቊጠባን ጸጥታን ዘለዎ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት፡ ቀንዲ ሓያላት ዓለም እንተላይ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጃፓን፡ ብቐንዱ ድማ ካብ 2017 ጀሚራ ቻይና፡ ወተሃደራተን ንኸስፍራሉን መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ንኽሃንጻሉን ደሪኽወን እዩ። ምቕያር ፖሊሲ ኣመሪካ ካብ ኲናት ኣንጻር ሽበራ ናብ ስትራተጅያዊ ውድድር ኣብቲ ዝተሓላለኸ ዞባዊ ግርጭት ሓድሽ ቀጸላ ብምውሳኽ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ፡ ዕዳጋ፡ ጸጋታትን ወፍሪን ንምውናን ዘርእያኦ ጸደፍደፍ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

2. ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኢትዮጵያ ብ5 ሰነ 2018 ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከም እትቕበሎን ንምትግባሩ ድልውቲ ምዃናን ብሃንደበት ምእዋጃ ነቲ ንዕስራ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ኲነት ‘ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት’ ዘኽትም ብስራት ኰነ። ብድሕሪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ተኸተመ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕዳሰ-ምሕዝነት ምጅማሩ፡ እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ መንጎአን ይዂን ኣብ ውሽጠን ህያው ሰላም ንምስፋን ተስፋ ዝህብ ስጕምቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ 5 ሰሙናት ዘይመልእ ግዜ እቲ ክልተኣዊ ዝምድና ብሃንደበት ካብ ዝተናውሐ መሪር ሓድሕዳዊ ተጻብኦ ናብ እምብዛ ዝተጋነነ ሰላምን ምሕዝነትን ተለዊጡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መሓዙት ኤርትራን ነቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ።

ብሓጺሩ፡ እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ክልቲአን ሃገራት (1) ኣብ መንጎአን ኵነተ ኲናት ከብቅዕ፡ (2) ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ክምስርታ፡ (3) ዳግም ርክባት መጓዓዝያ፡ ንግዲ፡ መራኸቢታትን ዲፕሎማስን ክጅምራ፡ (4) ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክትግብራ፡ (5) ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽ ብሓባር ክሰርሓ ቃል ዘእቱ እዩ (ሓተታ)።

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ኣብ 14-16 ሓምለ 2018፡ ነቲ ሕዳሰ-ምሕዝነት ዘረጋግጽ፡ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ወግዒ ዘይሓለወ፡ ቅጥዑ ዝሰሓተ ተዋስኣዊ ወደኽደኽ ዝተሓወሶ ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ኣካየደ (link 12:26-15:40)። ኣብ ክልቲኡ ርእሰ-ከተማታት (ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን) ሓድሕዳዊ ምብጽጻሕ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኰነ ቅድሚኡ ዝተንጸባረቐ ናይ ሕነ ምፍዳይ መንፈስን ድሒሩ ዝሰዓበ ፍጻመታትን ‘ንናይ ሓባር ጸላኢ’ ንምንጻል፡ ንምግላልን ንምስዓርን ዝተወጠነ ሓባራዊ መደብ ምህላው ዘመልክት ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝተራእየ ንቡር ፕሮቶኮላዊ መስመሩ ዝሰሓተ ዋዕዋዕታን ካብ ሓደ ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ናጻ ሃገር ትጽቢት ዘይግበረሉ መደረታትን፡ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ናይ ክድዓት ዝንባለ ዘንጸባርቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብጅምላ ዘዋርድ እውን እዩ (link 16:00-16:20)። እቲ ተዋስኦ ካብ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ሓሊፉ ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ብምቕጻል ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ። እዚ ሻቕሎት እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2018 ዝተራእየ ተመሳሳሊ ፍጻመታትን ተግባራት መሊሱ ዛይዱ።

ቅዳሕ ሰነድ ናይቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐን። ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓጺር ጽሑፍ ጥራይ እዩ ኣብቲ ናይቲ ስርዓት ሚኒስትሪ ዜና መርበብ ሓበሬታ ተለጢፉ። ስለዚ እቲ ዝርዝር ትሕዝቶን እቲ ክልቲኦም ወገናት ዝተኣታተዉዎ መብጽዓታትን ፍሉጥ ኣይኰነን። ብሰንኪ መንግስታዊ ዋንነት ማዕከናት ዜናን ቊጽጽርን፡ ከምኡ’ውን እገዳ ብሕታዊ ፕረስን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን፡ ሓበሬታ ብጽኑዕ ሳንሱር ሓሊፉ በተን ዝርካበን ሃገራዊ ማዕከናት ዜና ጥራይ ይመሓላለፍ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝነብሩ ግዱሳት ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮም፡ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ብዛዕባ ንጥፈታት እቲ ምልካዊ ገዛኢ ሓበሬታ ንምርካብ ማዕከናት ዜና ወጻኢ (ብፍላይ ናይ ኦንላይን ምንጭታት ኢትዮጵያን ዓለምን) ክከታተሉ ይግደዱ።

እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝርከብ ሓበሬታ ዘለዎ ሽግር፡ ግጉይ ሓበሬታ ወይ ናይ ሓሶት ዜናታት ብመገዲ ‘03’፡ መዘርግሒ ቤላቤለው ናይቲ ስርዓት ብቕልጡፍ ንኽላባዕ፡ ምድንጋራት ንኽፍጠርን ብኡ ኣቢሉ ፍጻሜታት ውሽጢ ሃገር ንምክትታል ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ዝገብር ምዃኑ እዩ። ንኣብነት እቲ ‘ኤሪትሪያን ፕረስ’ ዝተባህለ ማሕበራዊ መድያ ኣብ ሓምለ 2018 ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶብ ከም ዝሰሓበ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ ኣህጒራዊ ማዕከናት ዜና ተቐቢለን ኣቃሊሐንኦ እየን (link). ። ዋላ እኳ ኣብ ሓምለ 2018 ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን እንተተኸተመ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግና ክሳብ ሕጂ ካብቲ ኣብ ከባቢ ዶባት ጐቢጥዎ ዝጸንሐ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ኣይወጸን።

2.1 ኣድላዪነት ምምልካት ዶብ

እቲ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ዶብን ኲነታት ናይቲ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝብን ገለ ካብቲ ሓቀኛን ቀጻልን ሰላም ንኸይረጋገጽ ዕንቅፋት ዝፈጥር ጉዳያት እዩ (link ‘ዚጐደለ ሓቅታት’)። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ በይነ-ሃገራዊ ዶብ ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ካብቲ ጐቢጥዎ ዘሎ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣይወጸን። ዶብ ዝምልከተሉ ወይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝስሕበሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብወግዒ ኣይተሓበረን። ጉዳይ መሬት ቀንዲ መመኽነይታን ጠንቅን ናይቲ ኣብ 1998-2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ስለዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ላዊ መሬት ኤርትራ ከይሰሓበን ኣብ መን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣህጒራዊ ዶብ ከይተመልከተን ቀጻልነት ሰላም ምውሓስ ኣይከኣልን።

ኣብ ሓድሽ ዓመት ግእዝ (ማለት ብ11 መስከረም 2018) ብማእከላይ ክፋል ዶብ መስገሪ ሩባ ሙና (ዓዲ ግራት - ዛላምበሳ)፡ ብምብራቓዊ ክፋል ዶብ ድማ መስገሪ ቡሬ ብጽንብል ተኸፊቱ። መስገሪ ሩባ መረብ (ራማ - ክሳድ ዒቃ) እውን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተኸፊቱ። ኣብ መስገሪ ሩባታት ሙናን መረብን ርክባት መጓዓዝያ ተጀሚሩ። ዋላ እኳ ሰለስቲኦም መስገሪታት ዶብ እንተተኸፍቱ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ናይቲ ዘሰሓሓበ ዶባት ግን ዛጊት ተወንዚፉ ኣሎ። ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኤርትራ ብ28 ታሕሳስ 2018 ብሃንደበት ነቲ ኣብ ማእከላይ ክፋል ዶብ ዝርከብ መስገሪታት ዓጽያቶ። መዕጸዊዓ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ወይ ከኣ እቲ ሃንደበታዊ ምዕጻው ክሳብ መዓስ ከም ዝጸንሕ ኣይሓበረትን፣ ኢትዮጵያ ብወገና ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ምዕጻው ዶብ ትፈልጦ ነገር ከም ዘየለ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ክፋላት ዶብ ዝርከብ መስገሪታት ብዘይ ዝዀነ ስምምዕን ሕጋዊ ቅጥዕታትን እዩ ተኸፊቱ። እቶም ኣብ ሰለስቲኡ መስገሪታት ዘለው ኤርትራውያን ኣመሓደርቲ እውን ኣቐዲሞም ስለዘይተሓበሩ እቲ ፍኑው ምኽፋት ዶብ ድቦላ እዩ ኰይንዎም። እቲ ብዘይ ዝዀነ ምድላው፡ ኣድላዪ ቅጥዕታት ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ከይተማልኣሉ ዝተኸፍተ ዶብ፡ ካብን ናብን ክልቲአን ሃገራት ፍኑው ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ንኽህሉ ዕድል ዝሃበ እኳ እንተነበረ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ብሃንደበት ምዕጻው ግን ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። እቲ ሃንደበታዊ ምኽፋትን ምዕጻውን ናይቲ ዶብ፡ ንተኣፋፍነት ናይቲ ስምምዕ ሰላም ዘመልክትን ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝህብን እዩ። እዚ ማለት ትካላዊ መልክዕ ዘይሓዘ ስምምዕን ኣብ ሕጊ ዘይተመርኮሰ ተግባርን ኣብ ዝኾነ እዋን ብዊንታ ውልቀሰባት ክዝረግ ይኽእል እዩ።

በቲ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓሱረ-ዓመታት ዝተኸፍተ ዶብ ተፈላልዮም ዝነበሩ ገለ ስድራቤታትን ኣዕሩኽን ብሓጐስ ክራኸቡ ክኢሎም እዮም። ይዂን እምበር፡ እቲ መስገሪታት ከም ንቡር ኣህጒራዊ ዶብ ከም ዝሰርሕ ንምግባር ዝተገብረ ምድላው፡ መሓለውታ ወይ ሕጊ ፕሮቶኮል ኣይነበረን። እቲ ዶብ ሕጊ ዝሰረቱ ንግድን ስግረ-ዶባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ዘይብሉ፡ ናይ ጉምሩክ ኰነ ሕግታት ኢሚግሬሽንን ኬላታታን ኣቐዲሙ ኣብ ዘይተሓስበሉ ኲነታት ምኽፋቱ ሕንፍሽፍሽ ሸርፊ ባጤራ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ንኽስደዱ ኣፍደገ ኣርሕዩሎም (link)።

ብሓፈሻኡ ናጻ ዋሕዚ ሰባት፡ ኣቕሑ፡ ርእሰማልን ኣገልግሎታትን፡ ኣብ ምድንፋዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ቊጠባዊ ምዕባለ፡ ሓባራዊ ብልጽግናን ማሕበራዊ ገስጋስን ኣገዳሲ እዩ። ከይኑ ግን ልዑላውነት ክልቲአን ሃገራት ብምልኣት ዘኽብር ዶብ ንኽህሉ፡ ብቐዳምነት ንግዳዊ ዝምድናን ውዕላት ንግዲን ዝምርኮሰሉ ሕግታትን ብቑዓት ትካላትን ክህልው ይግባእ። ከምኡ እንተዘይተገይሩ፡ እቲ ዝምድና እናንቈልቈለ ዘይርጉእ፡ ዘየተኣማምንን ቀጻልነት ዘይብሉን እናኾነ ምኻዱ ኣይተርፎን እዩ (link)። ካብኡ ዝገደደ ድማ፡ ምንጪ ወጥሪ፡ ግርጭት ዋላ እውን ከምቲ ኣብ 1998 ዘጋጠመ ናብ ኣጠቓላሊ ኲናት ከምርሕ ይኽእል።

ብንጹር ዝተመልከተ ዶብ፡ ኣየናይ ሃገር ኣበየናይ ከባቢ ልዑላዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ወይ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ነፍስ ወከፍ ሃገር ኣበይ ምዃኑ ብምድራት ሃገራዊ መንነት ወይ ዜግነት ናይቲ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ የነጽር። ከምኡ’ውን ኣየነይቲ ሃገር ነየናይ ህዝቢ ምምሕዳራዊ፡ ጸጥታውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት ከም እትህቦ ይውስን። ካብዚ ሓሊፉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶብ ኣድላይነት ከም ዘይብሉ ኣምሲሎም ዝዛረብዎ ዘረባታት ሓደው ምልክት ድንቁርና እዩ ሓደው ከኣ ሓደገኛ ውዲት ምህላው ዘንጸባርቕ እዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ኣድላይን ዝተባባዕን እዩ። ሓድሕዳዊ ረብሓ ዘመንጩ ክኸውን ግን ይግባእ። ኣብ ሓፈሻዊ ቊጠባዊ ኲነታት ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ምምስሳላት ኣሎ። ይዂን እምበር ኣብ መንጎአን ርኡይ ዘይምዕሩይነት፡ ኣብ ኣንፈት ምዕባለ ቊጠባአን ድማ ገዚፍ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብኽልቲአን ሃገራት ዝተመዝገበ ጃምላ ዘቤታዊ ፍርያት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቊጠባ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ክዓቢ ቊጠባ ኤርትራ ግን ብቐጻል ከንቈልቊል ከም ዝጸንሐ የመልክት። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን ካብ ብሕታዊ ጽላት ተደፊኦም ዋኒኖም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንኸካይዱ ክግደዱ እንከለዉ፡ ኢትዮጵያውያን መዛኑኦም ግን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ርእሰማሎም ከፍስሱ እዮም ጸኒሖም። ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ናይ ቢዝነስ ቁንጮታት ኣብ ቴክኒካዊ፡ ሞያውን ምምሕዳራውን ዓቕሚ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሰራርሓ ናይ ገለ ፍሉይ ጽላታት ገፊሕ ፍልልያት ኣለዎም።

ዝበዝሕ ሞያውን ዋኒናውን ደርቢ ኤርትራ ብሰንኪ ቀጻሊ ምስርጣይ፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ምሕዳግ መስርሒ ፍቓድን ምዕጻው ትካል ዋኒንን ዝኣመሰሉ በደላት ካብታ ሃገር ንኽስደድ ተቐሲቡ እዩ። እቲ ቊጠባ ብጋሕማጥ ምሕደራን ዝሳዕረረ ብልሽውናን ተሓሊኹ ኣብ ሰንከልከል ይርከብ። እቲ ክውንነት እዚ ብምዃኑ ብመንጽር እቶም ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ኲነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰብ ዋኒን ክረአ እንከሎ ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራን ኤርትራውያን ሰብ ዋኒንን እምብዛ ዝተገድዑ እዮም። ነቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ውሁብ ኲነታትን ዘይመዛዘን ዘቤታዊ ክውንነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንኬላት ቊጠባ ዝግበር ጥቡቕ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንኽልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን ተመጣጣኒ ረብሓ ዘይህብ ውጽኢት እዩ ዝህልዎ።

ብዘይካ ልምሰት ግዝኣተ ሕግን ተሓታትነት ዘይብሉ ጒድለት ምሕደራን፡ ኤርትራ ዋላ እውን ስማዊ ባይቶ ኰነ ኣብ ህዝባውን ብሕታውን ጽላታት ዝነጥፉ ትካላትን የብላን። ኣብ ምምሕዳር መንግስታዊ ፋይናንስ ተሓታትነት ኰነ ግሉጽነት የለን። እቲ ስርዓት ብስሩዕ ባጀት ከይኣወጀ ይንቀሳቐስ፡ ኣታዊታቱን ወጻኢታቱን ኣይነግርን ወይ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣህጒራውያን ለገስቲ ዝረኽቦ ሓገዛት ሓበሬታ ኣይህብን። ካልእስ ይትረፍ ደሃይ ናይቲ ዓመታዊ ካብ ልዑል መኽሰብ ዘለዎ ጽላት ዕደና ዝርከብ ገዚፍ ኣታዊ ኣይፍለጥን።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ በይነ-ዕብለላ ዝበደነ ውድብን ኣዝዩ ዘይርጉእ ምልካዊ ገዛኢን ዝናበር ዕጽው መንግስቲ፡ ቊጠባን ሕብረተሰብን እትውንን ሃገር እያ። ስለዚ ነቲ ዘሎ ቊጠባዊ ዕብሰት፡ ፖለቲካዊ ልምሰትን ሕብረተሰብኣዊ ዝርገትን ብምፍዋስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፈጠራዊ ጸዓትን ኣፍራዪ ሓይልን ምብርባር ይጽንሓለይ ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ምስ ዝግበር ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ዋኒንን ካብ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ምስ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ረብሓ ክረኽቡ ይኽእሉ።

2.2 ኣገዳስነት በይነ-ሃገራዊ ዝምድና

ኣብ ማእከላይ ክፋል ዶብ ኣብ ክልተ ቦታታት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ምዕጻው ዶብ፡ እቲ ዝምድና ናይ ክልተ ሃገራት እምበር ናይ ክልተ መራሕቲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ዘመልክት እዩ። ኣብዞም ክልተ መስገሪ ቦታታት ዶብ ተዓጽዩ እንከሎ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዶብ ዝርከብ መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ብ7 ጥሪ 2019 ዳርጋ ስግንጢር ብዝዀነ ኣገባብ ብጽምብል ተኸፊቱ። እዚ መስመር’ዚ እውን ከምቶም ቅድሚኡ ዝተኸፍቱ መስመራት (1) ወግዓዊ ትካላዊ መዋቕር ከይተመስረተ፡ (2) ውንዙፍ ዶባዊ ምስሕሓብ መዕለቢ ከይረኸበ እዩ ተኸፊቱ። ስለዚ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኰይኑ ከምቶም ዝተዓጽው መስመራት ክዕጾ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣህጒራዊ ስምምዓት መርሚሩ ዘጽድቕን ቀያዲ ውዕል ዘውሕስን ትካላዊ መዋቕር ወይ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ሃገራዊ ፖሊሲ ንኽትዕ ዝቐርበሉ መድረኽ እውን የለን። እቲ ኣብ 1997 ብቅዋማዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ እውን እንተዀነ ኰነ ኢልካ ከም ዘይትግበር ተገይሩ እዩ (link)። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብ መዝነቱ ተወጊኑ፡ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ወይ ኣብ ስደት ይርከቡ።

ኤሪ-ፕላትፎርም ነቲ ወትሩ ዘልዕሎ ሻቕሎቱ ሕጂ እውን ደጊሙ ብምዝኽካር፡ ኣብ ናይ ኢሳያስ ዊንታ፡ ረብሓን ውልቃዊ ኣጀንዳን ጥራይ ዝምርኰስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ድማ ብፍላይ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ዝምድና ትካላዊ መልክዕ እንተዘይሒዙ ከጋጥም ዝኽእል ዝርገት ንቐጻሊ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ፡ ኢትዮጵያ ምስ ናጻን ልዑላዊትን ሃገረ ኤርትራ ሰላም ንምፍጣር ዘለዋ ድሉውነት ክጽናዕ ኣለዎ። እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ቀደም ዝተሳዕሩ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘለዎም ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ወይ ጥሙሕ ብግህዶ ክገልጹ ምስማዕን ዘየሻቕል ኣይኰነን። ብሓያል ውሽጣዊ ውድድርን ቊሩቊስን፡ ፖለቲካዊ ኰነ ኤትኒካዊ ወጥርን ጐነጽን፡ መሰረት ናይታ ኣብዚ ዞባ ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር በብቚሩብ ይብሕጐግ ኣሎ። በብግዚኡ ዝለዓሉ ጕዳያት ኤትኒካዊ መንነት፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ መዳውብቲ ክልላትን ኤትኒካዊ ጐነጽን ምንጪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ብምዃን ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸደን ኣብዚ እዋን ብገምጋም ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ዝበጽሐን ቊጽሪ ተመዛበልቲ ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል፡ እቶም ካብ ፖለቲካዊ ጭቈና፡ ኲናት ሓድሕድ፡ ሕሱም ድኽነትን ከቢድ ኣከባብያዊ ምንቊልቋልን ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ዝተዓቚቡ ኣስታት 850,000 ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ኤርትራን ስደተኛታት እውን ተደራቢ ጸቕጢ ብምፍጣር ነቲ ኲነታት የጋድድዎ ኢዮም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ጽባሕ’ቲ ኣብ 2020 ኣብታ ሃገር ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ከቢድ መዘዝ ከይፍጠር ስግኣት ኣሎ።

ስለዚ እምበኣር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ቀጻሊ ሰላም ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ማሕበራዊ ሰላምን ምርግጋእን ክልቲአን ሃገራት እዩ ዝምርኰስ። ብተመሳሳሊ፡ በይነ-ሃገራዊ ዝምድና ኣብ ምኽባር ሓድሕዳዊ ሃገራዊ ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ከምኡ’ውን ኣብ ዘይምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ተመርኲሱ ትካላዊ ክኸውን ኣለዎ። ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጻሊ ሰላም ንምውሓስ፡ ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ፡ ትካላውን ግሉጽን በይነ-ሃገራዊ ዝምድና ምፍጣር የድሊ። እንተዘየሎ፡ ነቲ በይነ-ሃገራዊ ዝምድና ውልቀሰባዊ ዝምድና ምግባር ሓደጋ ኣለዎ። ካብ 1991 ክሳብ 1998 ዝነበረ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ስለዝነበረ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ረዚን ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣቶ መለስ ዜናውን ውልቃዊ ዝምድናኦም ምስ ዛሕተለ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ናይ 20 ዓመታት ተጻብኦ ዝፈጠረ ዘየድሊ፡ ክውገድ ዝከኣልን ኣዕናውን ኲናት ሸሚሞመን እዮም። ታሪኽ ንኽድገም ክነፍቅድ የብልናን። ብዘይ ጥርጥር ሕጊ ዝሰረቱ፡ ትካላውን ግሉጽን በይነ-ሃገራዊ ዝምድና ምምስራት ብዘይ ቀልዓለም ቀጻልነት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምውሓስ ኣገዳሲ እዩ።

2.3 ኣገዳስነት ምኽባር ላውነት

ጉዳይ ልዑላውነት ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ብህውከት ዝልለ ታሪኽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ። ፍጹም ስዕረት ኢትዮጵያዊ ሰራዊት ጐበጣን እቲ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ዝተናውሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ምሉእ ሓርነት፡ ኣብ 1993 ድማ ናጽነት ዘረጋገጸ ድሙቕ ዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ባህጊ ንመሰል ርእሰ-ውሳነን ልዑላዊ ሃገርነትን ብሓደ ወገን፡ ኢትዮጵያዊ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሕ ንጐበጣ መሬትን ፖለቲካዊ ዕብለላን ድማ ብኻልእ ወገን ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ እዋን ተጻራርነትብዘየማትእ ኣገባብ ደምዲምዎ ነይሩ ኢዩ (መጽሓፍ ‘ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ’ ገጽ 334-335)። ብርግጽ እቲ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ሓርነትን ልዑላዊ ናጽነትን ብዘየወላውል ኣገባብ ምዝዛም ታሪኻዊ ተጻራርነት ኢትዮ-ኤርትራን፡ ምቕልቃል ‘ሓድሽ ዘመነ ነባሪ ሰላምን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ናጻ ኤርትራን ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያን’ ኣበሲሩ ነይሩ። [1]

ኣብዚ ናጽነት ኤርትራ ኣስታት 30 ዓመት ዝገበረሉ እዋን፡ ሓያለ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ እቶም ዝለዓሉ ሰበስልጣን ህልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ከም ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ዝተቐበልዋ ኣይመስሉን። ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኤውሮጳዊ ምሽማው (European scramble for Africa) ዝተፈጥረት ሃገር ክነሳ ነቲ ብናይ ፈጠራ ታሪኽ ዝተሰንዐ ጽውጽዋይ ‘3,000 ዓመት’ን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝጽወ ኣፈ-ታሪኽ ‘ሰለሞናዊ ስርወ ንግስነት’ን ደጋጊሞም ብምልዓል ብዛዕባ ምህዞ ‘ዓባይ ኢትዮጵያ’ ክዛረቡ ይስምዑ። እቲ ብሕንሕነ ዝተባዕጠ ኢትዮጵያዊ ጥሙሕ፡ ብግሁድ ውዲትን ምትሕብባርን ኣቶ ኢሳያስ ምትብባዕ ስለዝረኸበ፡ ኣስፋሕፋሒ ዛንታ ‘ዓባይ ኢትዮጵያ’ ብቕሉዕ ተበራቢሩ ይርከብ። ገለ ካብ መርኣያታቱ ድማ ብዛዕባ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ‘ምምላስ’ ኤርትራ ከም ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዝወሃብ መግለጺታት፡ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታትን ናይ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ትዊተርን ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ገይሩ ዘርኢ ካርታ ምሓዝን ምልጣፍን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ጂቡቲ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ኢምባሲን ሓደ ባጤራን ክህልወን ከም ዝግባእ ኣብ ኣህጒራዊ መድረኽ ምእዋጅ፡ ብዘይ ዝዀነ ኤርትራዊ ውክልና ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ ቱቦታት ነዳዲ ንምህናጽ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምፍርራም፡ ካብ ምጽዋዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ንምህናጽ ምስ ኢጣልያ ምስምማዕ፡ ወዘተ.፡ ዝኣመሰሉ ተግባራት እዮም (link)።

ምብርባር ኢትዮጵያዊ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሕን እቲ ብደገፍን ርኡይ ውዲትን ስርዓት ኤርትራ በብቚሩብ ልዑላውነት ኤርትራ ዝብሕጉግ ዘሎ ተዛማዲ ንጥፈታትን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ (link)። ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ወግዓዊ ርክባት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣገደስቲ ጕዳያት ዶብ፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ በይነ-ሃገራዊ ንግዲ፡ ፋይናንስን ጉዳያት ወጻኢን ደይመደይ ኢሎም ልዑኡላዊ መሰላት ኤርትራ ንምህሳስ ዝኸድዎ ዘለው ኣካይዳ ፈጺሙ ዘይቅቡልን ቀጻልነት ዘይብሉን እዩ። ብዘይካ ሽርሕታት ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘሎ ኲነታት ንባዕሉ ንናይ ስርዓት ኤርትራ ኣጠቓላሊ ጥፍሽና፡ ጒድለት ብቕዓትን ዓይነውጽእ ክድዓትን ዘቃልዕ እዩ። ብኣግኡ እንተዘይበርዒኑ፡ እቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣስገዲዱ ዝርከብ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መወዳእታ ጥልመት ንምፍጻምን ልዑላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ንምሃብን ተዓጢቑ ኣሎ። እዚ ኹሉ ድማ በቲ መሰጋገሪ ስልጣኑ ብሕጊ ኣብ 1997 ካብ ዘብቅዕ ንደሓር ካብ ፍቓድ ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዘይቅዋማዊ ስርዓት እዩ ዝፍጸም ዘሎ (link)።

3.         ዞባዊ ኲነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ

ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይርጉጽነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርግኣትን፡ እቲ ህልዊ ኲነተ ‘ሰላም’ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክልቲአን ሃገራት ኰነ ብዓቢኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዋስኡ መባእታዊ ሓይልታት ዝጻወር ኣገዳሲ ጠባያት የብሉን። ምስቲ ዘለወን ድኽመታትን ከቢድ ተኣፋፍነት ጐረባብቲ ሃገራትን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እዘን ሃገራት ይዂን ኣብ መንጎአን ዘሎ ኣስጋኢ ተኽእሎ ምልሓም ዞባዊ ወጥሪ፡ ግርጭትን ጐነጽን ዕንወት ዘኸትል እዩ ዝኸውን። ኢትዮጵያ ጥራይ ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ስለዘለዋ ሽግር ምስ ዘጋጥም እዘን ተኣፈፍቲ ሃገራት ብዋሕዚ ገዚፍ ቊጽሪ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ክፍጠር ንዝኽእል ነውጺ ክጻወራኦ ኣይክእላን ወይ ከኣ ክቕበላኦ ከሸግረን ኢዩ።

እቲ ጃምላዊ፡ ሰፊሕን ብደይመደይ ዝፍጸምን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቊጠባዊ ሽግርን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተደሚርዎ ንኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት፡ ህይወቶም ብዘስግእ ኣገባብ እናንፈጸ ግዳያት ባርነትን ኣሰጋገርትን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ዝምታ ክፍሊ ኣካላት ኣብ ሲናይ፡ ሞት ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ወይ ሓደጋ ምጥሓል ኣብ ማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ይገብሮም ኣሎ (link)።

ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሓድሽ ዞባዊ ኲነታት ምኽሳቱ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ዝምድናታተን ኣመሓይሸን ናብ ዞባዊ ውህደት ገጸን ክስጉማ ድሌት ከም ዘለወን ብግህዶ ገሊጸን እየን። መራሕተን ተኸታታሊ ስሉሳዊ ኣኼባታት ኣካይዶም እዮም። እቲ ቐዳማይ ስሉሳዊ ርክብ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኻልኣይ ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ጐንደር፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ሞቓድሾ ዝተኻየደ ነበረ። ይዂን እምበር ኣብቲ ሳልሳይ ስሉሳዊ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘይብሉ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ጥራይ እዮም ተራኺቦም።

እቲ ብዛዕባ’ቶም ኣኼባታት ‘ዘይዝተየሉ ጕዳይ’ ምውሳን ናይታ ዝተገለለት ጂቡቲ እዩ። ክልተ ቀንዲ ረቛሒታት ንኽትግለል ምኽንያት ዝኾኑ ይመስሉ። እቲ ቐዳማይ ረቛሒ፡ ቻይና ኣብ 2017 ኣብቲ ብቐንዱ ኣመሪካ እትርከበን ዓለማውን ዞባውን ሓይልታት ኣቐዲመን ዝሰረታሉ ከባቢ ወተሃደራዊ መደበር ምህናጻ እዩ። እቲ ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ዝተደኰነ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ቻይና፡ ነቲ በብግዚኡ ዝዓቢ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘደንፍዕን ነቲ ‘ሓደ ቅናት፡ ሓደ ጐደና’ ኢላ ዝሰመየቶ ተበግሶኣ ዝድግፍን ስትራተጅያዊ መላግቦ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ቻይና 3.5 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ‘ናጻ ንግዳዊ ዞባ’ ንምምዕባል ምስ ጂቡቲ ኣብ ዘወናውን ሽርክነት ኣትያ ኣላ። እቲ ካልኣይ ረቛሒ፡ ጂቡቲ ብለካቲት 2018 ነቲ ኣብ መሬታ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሃንጸ መራገፊ ወደብ ወሪሳ ንብረታ ምግባራ እዩ። እዞም ክልተ ረቛሒታት እዚኣቶም ንዝምድና ጂቡቲ ምስ ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ሕማቕ ኲነታት ኣውዲቖሞ። ስለዚ ድማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ብሓገዝ ኣመሪካ ቀንዲ ዓረቕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰይኖም ተዋሲኦም። እቲ ሕዳሰ-ምሕዝነት፡ ነታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣማራጺ ኣገልግሎት ወደብ ዝህብን ነቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር እናኸፈለት ብወደብ ጂቡቲ ጥራይ እተመሓላልፎ 95% ናይ ወጻኢ ንግዲ ከም ዝንኪ ዝገብርን ምዃኑ ንጂቡቲ ገዚፍ ክሳራ፡ ንኤርትራ ድማ ዓቢ መኽሰብ እዩ።

ድሕሪ ሕዳሰ-ምሕዝነት ኢትዮ-ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተላዒሉ። ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብ23 ታሕሳስ 2009 (1) መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ንዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ ክኣምንን ክፈትሕን ኣይከኣለን (2) ኣብ ሶማል ንሓራካት ኣል-ሸባብ ኣልሙጃሂዲን ይድግፍ እዩ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ እገዳ ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር (link).። ኣብ 1 ነሓሰ 2018 ጂቡቲ ነቲ ብኢትዮጵያን ሶማልን ዝቐረበ ጻውዒት ምልዓል እገዳ ዝቃወም መግለጺ ብምውጻእ ‘…ኣሕዋት ሶማላውያን ነታ መሬትና ጐቢጣ ዘላን ዝሓዝኩዎም ጂቡታውያን ምሩኻት ኲናት የለውን ኢላ ዝኸሓደትን ኤርትራ እገዳ ክለዓለላ ምጽውዖም ቅቡል ኣይኮነን’ ድሕሪ ብምባል ኣስዒባ ጂቡቲ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘካየደቶ ኲናት ተሳቕያን ጀጋኑ ደቃ ከፊላን እያ፡ ሕጂውን ዝተወንዘፈ ጉዳይ ዶብ ኣለዋ ክትብል ገለጸት።

መንግስቲ ኤርትራ ዘቤታዊ ግዝኣተ-ሕጊ ብምኽባርን ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ብምዝውታርን ካብ ፈለማኡ ነቲ እገዳ ናይ ሕቡራት ሃገራት ከወግዶ ዕድል ነይርዎ (link).። ኣቶ ኢሳያስ ብዛዕባ ውልቀ-ምልካዊ ቅዲ መሪሕነቱ፡ ሃንዳፍነት መንግስቱን ጋሕማጥ ምሕደራኡን ሕጋዊ ነቐፌታ ምስ ዝቐርበሉ ዝህቦ ጨቋኒ ግብረ-መልሲ ግዝኣተ ሕጊ ብምግሃስን፡ ኣብ መንግስታዊ ምሕደራ ኤርትራ ስርዒታዊ ዕንወት ብምውራድን፡ እታ ሃገር ብዘገምታ ኣብ ዞባውን ኣህጒራውን ተነጽሎ ንኽትሽመም መገዲ ጸሪጉ። ሳዕቤኑ ብግቡእ ከይመርመረ፡ እቲ ስርዓት ከም መግለጺ ተቓውሞኡ ንኣባልነት ኤርትራ ኣብ በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (ኢጋድ)ን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣደስኪልዎ (link). ። እቲ ኣባልነት ናይ ምድስካል ስጕምቲ ዝፈየዶ ነገር እንተነይሩ፡ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ንምርግጋጽ ወይ ንምክልኻል ዝጠቕሙ ዝነበሩ መድረኻትን ኣፍደገታት ዘተን ብምዕጻው ርእሰ-ተነጽሎ እታ ሃገር ምቅልጣፍ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ብቐጻሊ ኣንጻር ነብሱ ዝሰርሕ ስርዓት ተዋረድ ክብሎ ነቲ ኣሸበርቲ ብምድጋፍ ዝቐረበሉ ክሲ ብዘእምን ተማጒቱ ከፍሽል ወይ እውን ዳግማይ ኣብ ጽምዶ ንኽኣቱ ብኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ መሓዙቱ ዝኾና ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝቐረበሉ መረዳድኢ ሓሳብ ኣወንታዊ ምላሽ ክህብ ኣይከኣለን።

4.         ምጽልላው ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን

እቶም ሕዳሰ-ምሕዝነት ኢትዮ-ኤርትራ ዝሰዓቡ ሰንሰለት ፍጻሜታትን ምዕባለታትን ኣብዚ ዞባ ሰላማዊ መጻኢ ክፍጠር እዩ ዝብል ተስፋታት ከሕድሩ ተራእዮም። እቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ምዕባለታት፡ መርገጺ ጂቡቲ ካብ ተቓውሞ ናብ ደገፍ ምልዓል እገዳ ንኽቕየር ኣገዲዱ። ኤርትራን ጂቡቲን ብ6 መስከረም 2018 ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዝጅምራ ብምግላጽ ኣብ ጽባሕ እቲ ብ16 መስከረም 2018 ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ጂዳ፡ መራሕተን ብ17 መስከረም 2018 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ብዝገበርዎ ስምምዕ ዝምድናአን ናብ ንቡር መሊሰን። ተሳትፎ ኤርትራ ኣብዞም ፍጻሜታትን ምጅማር ንቡር ዝምድና ምስ ጐረባብታን ብሓፈሻ፡ ሕዳሰ-ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ፡ እቲ እገዳ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብ15 ሕዳር 2018 ንኽለዓል ኣበርክቶ ገይሩ።

እቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዘሎ ምዕባለታት እንተላይ ኲናት የመንን ዞባዊ ምስሕሓብ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝጠንቁ ክርደና ቐጠርን፡ መመሊሱ ዘሻቕል ኲነታት ፈጢሩ ኣሎ። እቶም ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ፍጻሜታት ንኸም ብዓል ግብጺ፡ ቱርኪን ኢማራትን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን በብናተን ኣጀንዳን ስትራተጅያዊ ረብሓን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይስሕበን ኣሎ። እቲ ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝመጸ ለውጢን ቀጥታዊ ይዂን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግርጭት፡ ነቲ ዞባዊ መርበብ ግርጭታት እዩ ዝሓላልኾ።

ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብሓገዝ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ምህንዳስ ሕዳሰ-ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወታኦ ዓቢ ተራ ክጋነን ይዂን ዕሽሽ ክበሃል የብሉን። ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ከም እትቕበል ኣብ 5 ሰነ 1998 ቅድሚ ምግላጻን ድሕሪኡን ተራ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ርኡይ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ መግለጺ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝን ልቓሕን ብምልጋስ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ ኣበርኪታ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኢትዮጵያን እታ ናይ ቀረባ መሓዛ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝዀነት ግብጺ ብጕዳይ ህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ ዝተኸስተ ፍልልያተን ንምፍታሕ ተሰማሚዐን። ብድሕሪኡ ኢትዮጵያ እቲ ሓጽቢ ንኽዛዘም ነዊሕ ግዜ ክወስደሉ ከም ዝኽእል ምግላጻ ሻቕሎት ግብጺ ዘፋኹስ ብስራት ኰነ።

ጽልዋ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ምትእትታው ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምዕባለታት ሓውሲ ደሴት ዓረብ መመሊሱ ይዓሙቕ ኣሎ። ንኣብነት ኤርትራ ኣምሳያ ነዳዲን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ከም ስትራተጅያዊት መደበር ናይቲ ብመሪሕነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተገልግል ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራታ እውን ከም ዘእተወት ይንገር እዩ። ኢማራት ኣብ ወደብ ዓሰብ ዓቢ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ብምድኳን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከም እተካይድ ይፍለጥ። ኤርትራን ኢትዮጵያን እምበኣር ኣብ ጉዳያትን ግርጭታትን ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝገብራኦ ምትእትታው እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

5.         መደምደምታ

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998-2000 ንመሬታዊ ልዑላውነት ከም ቀንዲ ጠንቂ፡ ንዶብ ከኣ ከም ኣባራዒ ኲናት ተጠቒመናሉ እየን። ስለዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ንኽሰፍን፡ ስሉጥ ምምልካት ዶብን ቅልጡፍ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራን ብምክያድ ጕዳይ መሬት ዘየማትእ መፍትሒ ክረክብ ኣለዎ። እቶም ኣብ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኣለው ዝበሃሉ ጸገማት ብስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መስርሕ ምምልካት ዶብ ምስቲ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ብምምኽኻር ክጻረዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኤርትራ መሬት ናይ ዓዲ እዩ። ነፍስ ወከፍ ዓዲ ደረት መሬታ ትፈልጥ እያ። ነፍስ ወከፍ ሓረስታይ እታ ዓዲ እውን ደረት ግራውቱ ይፈልጥ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስማዊ ሰላም ብዘይ ምምልካት ዶብ ቀጻልነት የብሉን። ሰራዊት ኢትዮጵያ ከይሰሓበ፡ ዶብ ከይተመልከተን ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ንቡር ከይረኸበን ቀጻሊ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን።

እቲ ኣብ ዙርያ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዝተሓላለኸ መርበብ ግርጭታትን ሓያለ ጫሌዳታቱን፡ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ምውሓስ ቀጻልነት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ ከቢድ ጂኦ-ፖለቲካዊ ብድሆታት እዩ ዘስዕብ። ብመሰረቱ ምውሓስ ቀጻልነት ሰላም፡ ምፍታሕ ውሽጣዊ ብድሆታት ክልቲአን ሃገራት ይጠልብ።

ኤርትራ ውሽጣዊ ኲነታታ ምሒር እናንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ዝሕትልቲ ሃገር እያ። እቲ መንግስቲ ኣዝዩ ድኹም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ትካላቱ እውን ዝሩጋት እዮም። እቲ ‘ብሓደ ሰብ ዝዝወር’፡ ብጒድለት ብቑዕ ምሕደራ፡ ኣስካሕካሒ ጭቈናን ዝሳዕረረ ብልሽውናን ዝልለ ምልካዊ ስርዓት ግዜኡ እናጸንቀቐ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ብዘይ ዝዀነ ተሓታትነት ብውልቃዊ ስልጣን ዝፍጸም ጃምላዊ ግፍዒን ሕሱም ድኽነትን ነበረያ ነበረ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ህዝቢ ግዝኣተ ሕጊ፡ ሓርነት፡ ደሞክራስን ፍትሕን ይጠልብ ኣሎ። ዝሓሸ ህይወትን ጸጥታን ዘውሕስ ከምኡ’ውን ቀረባት መግቢ፡ ማይ፡ መዕቈቢ፡ መብራህቲ ኤሌክትሪክ፡ ወዘተ.፡ ዘረጋግጽ ተሓታትን ምላሽ ዝህብን ምሕደራ ክህነጸሉ ይደሊ ኣሎ።

ዋላ እኳ ተሪር እምቢታ ‘ናይ ድሕሪ መጋረጃ ሓይሊ’ እንተሎ፡ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍን ትርጉም ዘለዎን መድረኽ ደሞክራስያዊ ለውጢ ትሓልፍ ኣላ። ይዂን እምበር፡ ቃንዛታት ናይቲ ስግግር ብመልክዕ ኤትኒካዊ ቊሩቊስ፡ ደማዊ ግጭት፡ ወጥሪን ጐነጽን ዝንጸባረቕ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋህው ይፈጥር ኣሎ። ከቢድ ዘቤታዊ ሳዕቤንን ኣዕናዊ ዞባዊ መዘዛትን ከስዕብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ነትጒ ኣንጸላልዩ ይርከብ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድናአንን ኣፈጻጽማ ጕዳያተንን ከም ናይ ክልተ ናጻን ልዑላውያንን ሃገራት ክኸውን ይግባእ። እዚ ብፍላይ ንኤርትራ ናይ ህላወ ጕዳይ እዩ። ብዘይ ብኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዝተሓላለኸ፡ ተደራራቢን ጫሌዳታት ዝበዝሖን ግርጭታት እንተወጺአንኦ እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ብነባሪ መልክዑ ንምትግባርን ብዘገምታ ናብ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቊጠባዊ ውህደትን ንምብጻሕን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንርክባተን ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰን ትካላውን ክገብራኦ ኣለወን።

ግሁድ ዘይኰነ ውልቃዊ ስምምዓት ብግሉጽ በይነ-ሃገራዊ ስምምዓት ክትካእ ኣለዎ። ብመሰረቱ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኢትዮጵያ ድማ ርግኣት ብምርግጋጽ ውሽጣዊ ብድሆታተን ንኽገጥማን ኣናዓቢ ጽልዋ ግዳማዊ ጸቕጢ ንኽምክታን ትርኑዓት ትካላት ክሃንጻ ኣለወን። ከምኡ ምስ ዝገብራ ጥራይ እየን ሰላመን ከውሕሳ፡ ናይ ሓባር ስትራተጅያዊ ረብሓ ክፈጥራ ብኡ ኣቢለን ከኣ ንናይ ሓባር ብልጽግና ናብ ክልተኣውን ዞባውን ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቊጠባዊ ውህደትን ክሰግራ ዝኽእላ።

——–

[1] ዓንደብርሃን ወልደ ጊዮርጊስ (እንግሊዝኛ)፡ Commentary: Border and Territorial Conflicts between Eritrea and Ethiopia: Background, Facts and Prospects, Eritrean Studies Review, Vol.4 No. 1, 2004.