All updates

[EN/TG] ውልቀ-መላኽን ኣገልገልቱን ንየው በሎም!

18/09/2019
18.09.2019
ውልቀ-መላኽን ኣገልገልቱን ንየው በሎም!


ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዚተዳለወት፡ ብወከልታን ከዳዓትን ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዚተዘርግሐት ጭራም ቪድዮ፣ ንሓንቲ ኣብ 2002 ኣብ ፍራንክፉርት ወይ ሽቱትጋርት፡ ጀርመን፡ ኣብ ዚተኻየደ ሰሚናር ዚቐረበት ሕቶ ዚተዋህበ መልሲ ቍንጭል ኣቢልካ ብምቅንባር፡ ምስ ሓንቲ ናይዚ ቀረባ እዋን ፎቶ ዚተሰንዐት ኢያ። ብዚተረፈ፡ መርገጺየይ ኣብቲ ጕዳይ ወትሩ ንጹር ከም ማይ ሓቒቕ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ፡ ጕጅለ-11 ብወግዒ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ኪቐርቡ ወይ ብምሕረት ኪልቀቑ  ምምጓት። ኣብ ወጻኢ፡ ከም ኣምባሳደር መጠን ኣብቲ እዋን’ቲ፡ መንግስቲ ናይ ምውካልን ርእይቶኡ ናይ ምክልኻልን ግቡእ ምፍጻም (ድሒሩ ኣብ መጽሓፈይ፡ ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን፡ 2014፡ ኣጠቓላሊ ውድዓዊ ገምጋም ዝገበርኩሉ ርእይቶ)። 

መልሰይ፡ ኣብ ደቓይቕ (ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ካብ ቋንቋ ጥልያን ዚተተርጐመ)  ናይቲ ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ዚተኻየደ ኣኼባ ኣባላት’ቲ ጕጅለ ምስ ሰነይተር ሪኖ ሰሪ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዚተመርኰሰ ኰይኑ፣ ከምቲ ድሒሩ ዝገለጽኩዎ “ንሃገራዊ ድሕነት ዚጻረር ኣመት” ነይሩዎ (ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን፡ 2014፡ ገጽ 305)። እቲ ትራጀዲ ናይቲ ብህያው ምቕባሮም ጥራይ ኢዩ ነቲ ኣብ ሓደ ህሞት ናይ ሕማቕ ሃገራዊ ቅልውላው ዚተኸስተ ምጥፋእ መኣዝንን ዘይለባም ኣተሓሕዛን ካብ ሓያል ነቐፌታ ከናግፎ ዚደረኸ። ዚወደቐ ኦም ኣይቍረጽን’ዩ!

ማእሰርቶም ብዘይ ግቡእ መስርሕን ገደብ-ኣልቦ ቀይዶም ብዘይ ወግዓዊ ክሲ ኣብ ቅድሚ  ቤት ፍርድን ሓደ ኣብነት ጥራይ ናይቲ ጃምላዊ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንኣረሜናዊ ግፍዕታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ፖለቲካዊ እሱራት፡ ብቐጻልን ብግልጽን ከቃልዕ ጸኒሐ እየ፤ ዚዀነ ኣንጻረይ ዚቐንዐ መጥቃዕቲታት ንሓርበኛዊ መርገጺየይ ኰነ ንተወፋይነተይ ንፍትሒ ከጐናድብ ኣይክእልን ኢዩ። ብከምዚ ዓይነት ዓቕሊጽበታዊ መናውራት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስያዊ ስግግርን ንምስፋን ዘካይዶ ንጡፍ ምጕት ከሰናኽሉኒ ከቶ ኣይክእሉን ኢዮም።

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብርኩት፡ ዘየማትእን ዘይርታዕን መርትዖ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ብብድዐ ዚፍጽሞ ጕሉሕ፡ ሰፊሕን ስሩዕን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ሰኒዱዎ ኣሎ። ኤርትራ ሎሚ ብሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ገደብ-ኣልቦ ቀይዲ፡ ጽምው ሓብሲ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ግዱድ ጥፍኣተ-ሃለዋት፡ ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ግቡእ ዓስቢ፡ ዊንታዊ ድስካለ ካብ ስራሕ፡ ወዘተ.፡ ጋዕዝያ ትርከብ። እዚ ግህሰታት’ዚ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ። ኢሳያስን ተለኣኣኽቱን ኣብታ ፍትውቲ ሃገርና ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ቍጠባዊ ዕንወት፡ ማሕበራዊ ዝርገትን ባህላዊ  ብልሽውናን ኣምጺኦም ከም ዘለዉ ዚከሓድ ኣይኰነን። ውልቀ-መላኽን ኣገልገልቱን ንየው በሎም!

- ዓንደብርሃን

 ________________

 
18.09.2019
Away with the dictator and his minions!


A piece, recently planted by the PFDJ Central Office and spread via social media by its agents and quislings, is a reply to a question raised in a seminar held in Frankfurt or Stuttgart, Germany, in 2002, edited, taken out of context and forged with a recent photo. Otherwise, my position on the issue has always been crystal clear. Internally, I pleaded that the G-11 be either formally charged and brought to a court of law or pardoned. Externally, I had, as ambassador at the time, the duty to represent and defend the view of the government (a view of which I later made a comprehensive objective assessment in Chapter 9 of my book, Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope, 2014). 

My reply at the seminar in question, based on minutes (translated by the Eritrean Ministry of Foreign Affairs from the original Italian) of a meeting that members of the group held with Senator Rino Serri, EU Special Representative, at the Italian Embassy in Asmera which, as I later stated, had “adverse implications on state security” (Eritrea at a Crossroads, p. 305). It is only the tragedy of their burial alive that has restrained vigorous critique of a loss of compass and unwise approach at a moment of grave national crisis. One does not fell a fallen tree!

Their arrest without due process and indefinite detention without formal charge before a court of law is but one case of the general violation of the basic human and civil rights of the Eritrean people. I have consistently and publicly exposed the regime’s brutal abuses of the Eritrean people, including the political detainees, and no targeted attacks can malign my patriotic stance or commitment to justice. Nor can such desperate maneuvers dent my active advocacy for human rights, rule of law and democratic transition in Eritrea. 

The UN Commission of Inquiry has documented substantial, compelling and irrefutable evidence of the PFDJ regime’s gross, widespread and systematic violations of human rights with impunity. Eritrea today is littered with arbitrary arrests, indefinite detention, solitary confinement, extrajudicial killings, forced disappearances, unlimited active national service without due remuneration, willful suspension from work, etc. These violations constitute crimes against humanity. It cannot be denied that Isaias and his cronies have brought about the political paralysis, economic ruin, societal disintegration and cultural degradation of our beloved country. Away with the dictator and his minions!

- Andebrhan