All updates

መን’ዩ ዝጠለመ መስከረም?

18/09/2019

መን’ዩ ዝጠለመ መስከረም?

መስከረም መስከረም ኴንክና ዳስ ጭዉያ

 

ትእምርትኪ ነይሩ ተስፋ ብካዕቦ

ክራማት ወጺኡ ብስራት ቀውዒ ዝሕፈሶ

ብሓምሊ ተሓሊፉ ዚትርከሶ ብገዓት ብቦሶ

ጠምዩ ዚተሰደደ ዚምለሶ

ሓረስታይ ተፈሲሁ ክርኢ ጻማ ዚሓረሶ።

 

ባህሪኺ ተቐይሩ ከም ክሊማ ዘመንና

ዓርከ-መሓዛ ኳንኪ ምስ ህግደፍ መንጠሊና

ህዝቢ ዘብርስ ዘይብሉ ሕልና

መጓዕዝቱ ዚኸትር ኣብ ደበና

መቓልስቱ ዘጥፍእ ተመዅሊዩ ብገደና

ንፈተውቱ ዚቓጸ ኣብ ጐደና

ንዚሰገዱሉ ዚቐልዕ ብቡኛ

ንዘገልገሉዎ ዚድርቢ ከም ባሊና።

 

ብርሃን ኣሎ ክትብሎ ዘጸልምት

ሰላም ኰይኑ ክትብል ዘኽትት

ብሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ ዘጽንት።

 

መስከረም መስከረም ኴንክና ዳስ ጭዉያ!

 

ብጃምላ ወሲድኪ ዘይመለስኪ መራሕቲ

ኣስዓብኪዮም ደኣ ደረስቲ ሰነድቲ

ወሓጥኪዮም ተስፋ መጻኢ ወለዶ ተካእቲ

ዓበስኪዮም ውዕሎ ዚትርኹ ሊቃውንቲ

ዓገብ ዚበሉ ኵሎም ዓበይቲ

ኣቦን ኣደን ተጥፍኢ ብሓንቲ

ደቂ ሓንቲ ማህጸን ትስውሪ ዘይብሎም ነጋሪ

ንዚሰንከሉ ከይነሓፍኪ ትጀሃሪ

ንጠበቓ ትነቚትዮ ናብ ጓህሪ

ንሽማግለ ተዀርምይዮ ኣብ ምድሪ

ቀሽን ሸኽን ትዉግዚ ብትሪ

ንጳጳስ ትኸሲ ዘይብሉ መስካሪ

ንህጻናት ተዘኽትሚ ዘይብሎም ጠዋሪ

ነዴታት መበለት ትገብሪ።

 

ንተስእ ሃገራዊያን ኣለሊናዮ ኣሎና ጸላኢና

ነጊሩና ኢዩ ከም ዘይኰነ ናህና

ከዳዓት ዚበሎም ኰይኑዎ መናውሒ ከኒና

ኣይንጠራጠረሉ ባዕሉ’ዩ ነጊሩና

ኣይርከብን’ዩ ፍትሒ ካብ ጸላኢና

ነዳዲ ንወስኸሉ ን’ይኣክል’ ተበግሶና

ኢድ ንኢድ ንስራሕ ንለዉጢ ሓቢርና

“ለውጢ ሕጂ! Change now!” ኢልና።

 

ፍትሒ ንእሱራትና  

ራህዋ ንህዝብና

ጽንዓት ንግዳያትና

ንቃለስ ንቅዋምና።

 

ኣልጋነሽ ተወልደ

18 መስከረም 2019