All updates

ሓባራዊ መግለጺ - ምፍታሕ ግጭት ኣብ ትግራይ

19/03/21
[:swvar:text:838:]

19 March 2021

ሓባራዊ መግለጺ

ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ሓንቲ ሃገርን

ምፍታሕ ግጭት ኣብ ትግራይ

ኲናት፡ ከም ኵሉ ሰብ-ሰርሖ ሓደጋታት፡ ኪውገድ ዚከኣል ተርእዮ ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዚካየድ ፖለቲካዊ ውድድር ንስልጣን ናብ ጐነጻዊ ግጭት ከምርሕ ናይ ግድን ኣይኰነን። ኲናት ውጽኢት ናይ “ፍሽለት ሰብኣዊ ልቦና”ን ዓወት ናይ ህልኽን ኢዩ። ከም ሓፈሻዊ ሕጊ፡ ንጕዳያት ፖለቲካዊ ቍርቍስ ብሰላማዊ ኣገባብ ምፍታሕ ዚምረጽን፡ ብዓይኒ ክሳራ ሰብኣዊ ህይወት፡ ዕንወት ንብረትን ዚባኽን ዕድላት ልምዓትን ኪምዘን እንከሎ ድማ፡ ኣዝዩ ዚወሓደ ዋጋ ዘኽፍልን ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኵሉ’ቲ ግዝኣተ ሕጊ ብምምእዛዝ ዚካየድ ሰላማዊ ኣገባባት ምስ ዚጽንቀቕ ጥራይ ኢዩ ኲናት ነብስኻ ንምክልኻል ኰነ ሓርነት ንምዕቃብ ወይ ንምጕንጻፍ ኣብ ዚግበር ቃልሲ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዚውሰድ ስጕምቲ መጠን ምኽኑይ ዚኸውን። ብመንጽር’ቲ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡን እዚ መምዘኒ እዝን ኪርአ እንከሎ፡ ነቲ ምውላዕ ኲናት ኣብ ትግራይ፡ ምስቲ ኵሉ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱ፡ እንተላይ እቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ዘይተኣደነ ስቓይን መከራን፡ ንኸተመኽንየሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ኲናት ዘስዕቦ ሞትን ዕንወትን ብዕምቈት ብምግንዛብ፡ ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ (ልህኤ)፡ ኣብ መጀመርያ ብእዋኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ብምሃብ ፍልልያቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ንኪፈትሑ ዚጽውዕ መግለጺ (link) ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ንኣህጕራዊ ኮም፡ ዞባዊ ውድባትን ጐረባብቲ ሃገራትን ጽቡቕ ጽልዋታቶም ተጠቒሞም ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ ምምጻእ ኪሕግዙን ብመሰረት ግዝኣተ ሕጊ ነባሪ ፍታሕ ናይቶም ዘየሰማምዑ ጕዳያት ኣብ ምርካብ ከበርክቱን ኣማሕጺኑ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መግለጺ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ ንኣህጕራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀልን (ኣሽቀመ) ኣህጕራዊ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን (ኣምቀመቀወ) ድሕነትን ሰናይ ህላወን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣህጕራዊ ሕጊ ኲናት ከም ዚምእዘዙ ንምግባር ኵሉ ዚከኣል ጻዕሪ ከካይዱ ኣማሕጺኑ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ኣህጕራዊ ኮም ብሓፈሻ፡ እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ንስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ላኮስሕሃ) ድማ ብፍላይ፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ ኲናት ውዕል ጀነቫ፡ ድሕነት፡ ግቡእ ስደተኛዊ ቍመናን ሰናይ ህላወን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ካልኦት ቦታታት ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ክብደት መርትዖታት ናይቲ ብዛዕባ’ቲ ቀቅድሚ ምውላዕ ናይ ተጻብኦታት ዚነበረ ኵነታት ብምምርኳስ፡ ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ሓንቲ ሃገርን ነቶም ፍልልያት ንምፍታሕ ዘኽእል ሰላማዊ ኣማራጺ ከም ዚነበረ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዚተወልዐ ኲናት፡ ምስቲ ኵሉ ዘቤታዊ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ሳዕቤናቱ፡ ኪውገድ ዚከኣል ከም ዚነበረ፣ ብትሪ ይኣምኑ። እቲ ብርኡይ በዂሩ ዚነበረ ነገር ነቶም ካብቲ መስርሕ ናይ ስግግር ስልጣን ዚተላዕሉ ጕዳያት ብግቡእ ንምእላይ ኰነ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያን ቀጥታዊ ጐደቦኣን ምስቲ ለውጢ ተተሓሒዙ ዚመጸ ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓይልታት ንምትዕራቕ ዕቱብ ፖለቲካዊ ድሌት ኢዩ። ከምቲ እቲ መግለጺ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑዎ ዚነበረ፡ እቲ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ዘሪጉ፣ መዋቕራዊ ሽግራት ኢትዮጵያ ኣጋዲዱ፣ ኣብቲ ዞባ ጐዳኢ በጨቕታዊ ሳዕቤናት፡ እንተላይ ተሳታፍነት ናይ ኤርትራን ዶባዊ ግጭት ምስ ሱዳንን ኣኸቲሉ።

ብርግጽ፡ ኲናት ንዚዀነ ህዝቢ “ባህላዊ ጸወታ” ኣይኰነን። እቲ ነቲ ኲናት ዚወልዐ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስም “ትጽቢታዊ ምክልኻል” ዚተፈጸመ ጽሕፍታዊ ወይ ፋላዊ “መብረቓዊ መጥቃዕቲ” ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ደርማስ ግጉይ ቅማረ ምንባሩ ብጋህዲ ተራእዩ። እቲ ንዕስራ ዓመታት ዚቐጸለ ጐበጣ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ነቲ ኵነታት ዘጋደደ ካልእ ስትራተጅያዊ ጌጋ ስርዓት ህወሓት ኢዩ። ገሊኡ ሰብ ክሳብ ክንደይ ንኲናት ከም ዚደፋፍእ፡ ንጃህራን ፈኸራን ከም ዘጸባብቕ ወይ ከም ዚትዅትዅ ብዘየገድስ፣ ኲናት ብቐዳምነትን ብቐንዱን በቶም መሳርዕ ወተሃደራት ናይቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኰነ ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸም፡ ብሕጊ ዚባረኽ ፕሮጀክት ናይ ጃምላዊ ቅትለትን ዘይተኣደነ ዕንወትን ኢዩ። ኣብ ዚዀነ ቦታን ግዜን ኣብ ዚካየደሉ ኣጋጣሚ፡ ኲናት ዚተፈላለየ ብዝሒ ወይ ዓቐን ናይቲ ብቃለ-ሽፋናዊ ኣዘራርባ ካልኣዊ ወይ ጐድናዊ ጕድኣት እናተባህለ ዚቐርብ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ሰላማዊ ህዝቢ ዘስዕብ ተርእዮ ኢዩ።

ነቶም ብዛዕባ’ቲ ካልኣዊ ዕንወት ዚቐርቡ ጸብጻባት ብዚምልከት፡ ኣብቲ ዋሕዚ ኣከራኸርቲ ጸብጻባት ናይቶም ዘይተረጋገጹ ብህሎታት ናይ ህልቀት፡ ግፍዕታት፡ ጃምላዊ ቅትለታት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ ዝምታታት፡ ወዘተ.፡ ነቲ ሓቂ ካብቲ ፈጠራ ምምማይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። እቶም ከም በዓል “ህልቂት ኣዅሱም” ዚኣመሰሉ ዘይተረጋገጹ ክስታት፡ ኰነ ተባሂሉ ንፍሉይ ዕላማ ዚተፈጥሩን ብመራሕቲ ህወሓት ኰነ ብሰራሕተኛታት ዲጂታል ወያነን ትግራይ ሚድያ ሃውስን ዚተዘርግሑን ኢዮም። ሽሕ’ኳ ብድሕሪ ምዝርግሖም ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዚተዋህቡ ሓበሬታታት ግጉይነቶም ዚተረጋገጸ እንተዀነ፣ እዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ጭብጢ ዘይብሎም ክስታት በቶም ብልግሲ ዚምወሉ መሳርዕ ዕሱባት፡ ኣማለድቲ፡ ደገፍትን ተጣበቕትን ናይ ህወሓት ኣብቲ ኣህጕራዊ ልምዳውን ማሕበራውን ሚድያ ብቐጻሊ ይራብሑ፡ ይኰሓሓሉን ይዝርግሑን ኣለዉ። ብኣንጻሩ፡ እቶም ዚእመኑ ጸብጻባት ናይቶም ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሞም ዚበሃሉ ግፍዕታት ይጕሰዩን ይስተሩን ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ሓቅነት ናይቲ ተፈጺሙ ዚበሃል ግፍዕታት ንምጽራይ ይዅን ዘእምን ምምማይ መንነት ናይቶም ነቲ ግፍዒ ፈጺሞም ዚበሃሉ ተኸሰስቲ፣ ማለት ኣየናይ ሓይሊ ካብቶም ኣብ ግጭት ትግራይ ተዋፊሮም ዘለዉ ብዙሓት ተዋሳእቲ ከም ዚፈጸሞም ንምጽራይ ግቡእ ጻዕሪ ከይተገብረ ዚካየድ፡ ብስርዓት ዚተወደበ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ኢዩ።

እቲ ሽግር ናይ ሓቅነት ምርግጋጽ በቲ ዚጸንሐ ምቍራጽ ናይ መራኸቢታት፡ ስእነት ናይ ዘተኣማምን ምንጭታት ሓበሬታ ኰነ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዚካየድ ዘሎ ዘሕዝን ግጭት ዚሳተፉ ዘለዉ ተዋሳእቲ ኣጸቢቑ ዚጋደድ ኢዩ። እቶም ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ዘለዉ ዚተፈላለዩ ተዋጋእቲ ሰራዊታት ነዞም ዚስዕቡ የጠቓልሉ፦ ሃገራዊ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ (ሃሓምኢ)፣ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሚሊሻን ዘይምዱብ ሓይልታትን (ፋኖ)፣ ምስ ደገፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ዋላ’ኳ ክልቲአን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሳትፎኡ ብወግዒ ዚኸሓድኦ እንተዀነ፣ ብሓደ ወገን፤ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሚሊሻን ዘይምዱብ ሓይልታትን (ሳብሪ) ድማ፡ በቲ ካልእ። እቶም ኣስታት 10,000-13,000 ዚዀኑ ህወሓት ነተን ከተማታት ኣብ ዚገደፈትሉ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተለቒቖም ዚበሃሉ ዕጡቓት ገበነኛታት ድማ ተወሳኺ ምድብ ናይ ተዋሳእቲ ኢዮም።

እቲ ኣብ ትግራይ ዚካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዳምነት ንኢትዮጵያን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዚምልከት ውሽጣዊ ጕዳይ ናይ ኢትዮጵያ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ምስቲ ክዉንነት ናይቲ እቲ ውግእ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዚተጐብጠ ግዝኣት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢታት ባድመን ዛላምበሳን፡ ምጅማሩ፣ ምምላስ ናይቶም ክሳብ ሽዑ ተጐቢጦም ዚጸንሑ፡ ሰሜን ካብቲ በቶም መግዛእታዊ ውዕላት ናይ 1900፡ 1902ን 1908ን ዚተደረተ መግዛእታዊ ዶብ ዚርከቡ ግዝኣታት ኤርትራ ምምላስ፡  ንተሳትፎ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዚደረኸ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ረቛሒ ነይሩ። ምስ ምሕራር ናይቶም ዚተጐብጡ ግዝኣታታ፡ ምምላስ ልዑላውነታ ኣብ ልዕሊ እዞም ግዝኣታት እዚኣቶም ኰነ ምልባስ ወግዓውነት ናይቲ ኣህጕራዊ ዶባ ምስ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ሰራዊታ ኪትስሕብ፡ ኣህጕራዊ ዶባ ከተውሕስ፡ ካብቲ ውሽጣዊ ግጭት ናይ ኢትዮጵያ ኪትገላገል ይግባእ። እቲ ቀንዲ ግቡእ ሓላፍነት ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ድሕነትን ሰናይ ህላወን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምውሓስን ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ናይ ሃገረ ኤርትራ ምክልኻልን ኢዩ።

ከምኡ ክንዲ ዚዀነ፡ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራሓንቲ ሃገርን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ካብ ኢትዮጵያ ኪስሕብ፣ ኣብ ንውሓት ዶባት ኤርትራ ኣብ ዕማም ርእሰ-ምክልኻል ኪዋፈር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ካብ ምስታፍ ኪቝጠብ ብትሪ የማሕጽኑ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብቲ ኣብ ሃገርና ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ብምምጻእ ፖለቲካዊ ምዕባለን ቍጠባዊ ልምዓትን ሕብረተሰብና ንምድንፋዕ ዚሕልን ጻዕሪ ከነድህብ ይግባእ። ካብ ሓልዮታት ናይ ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ወጻኢ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ምትእትታው ዚዀነ ተወሳኺ ፍሉይ ሃገራዊ ረብሓ የብላን።

ምስዚ ማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ሰልሚ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ካብ ምሽማም ኪትእደብ ይግባእ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ጃንዳታት ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዚነበረ ገዛኢ ልፍንቲ፡ ከም መቐጸልታ ናይ መሪር ዘቤታዊ ቍርቕስ ንስልጣን ዚካየድ ኲናት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስታፍን ነቲ ውሑድ ጸጋታት ኤርትራ ምብኻንን ግጉይ፡ ጦብሎቛውን ዘሕዝንን ተግባር ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ታኼላ ናይቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዚካየድ ዚተናውሐ ግጭት ምሽካል ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ዘገልግል ይዅን ነታ ንእሽቶይን ዚደኸየትን ኤርትራ ዘዋጽእ ኣይኰነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ምትእትታው፡ ኣቓልቦኦም ነቲ ንሃገርና ዘዕኑን ንህዝብና ዚጭቍንን ዘሎ መላኺ ስርዓት ናብ ምእላይ ከተኵር ይግባእ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዚካየድ ዘሎ ኲናት ነቲ ድሮ ብታሪኻዊ ቅርሕንትታት ተበኪሉ፡ ኣብ ውሽጣዊ ቈየቛ ተዋሒጡ፡ ብቐጻሊ ምፍንጫል ተዳኺሙ ዚጸንሐ ኤርትራዊ ዳያስፖራዊ ተቓዋሚ ፖለቲካ ብዝያዳ መቓቒሉዎን ኣተፋኒኑዎን ኣሎ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዓመጸኛ ስርዓት ኣብ ምቅዋም ኰነ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ንምድራኽ ነቲ ዘቤታዊ ተቓውሞ ዚተወሃሃደ ደገፍ ኣብ ምሃብ ዚጣራነፍ፣ ኤርትራዊ ዳያስፖራዊ ፖለቲካ፡ ብዘይካ እቶም ጽኑዓት ተጣበቕቲ ረብሓ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን፡ ናብ ነንሓድሕዱ ዚወቓቐስ ሻራ-ህወሓት፡ ሻራ-ኣቢይ ወይ ሻራ-ኢሳያስ ጃንዳታት ተበታቲኑ ይርከብ። ከምኡ ክንዲ ዚዀነ ድማ፡ ንገዛእ ርእሱ ብዝያዳ ዘየድምዕን ምስቲ ልዑላውነት ናብ ህዝቢ ዘምልስ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣሳሰርን ገይሩ። ኤርትራውያን ዘይሻራዊ መርገጺ ብምርዓም ንረብሓታት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ብቐዳምነት ዚሰርዕ ምዙን ኣተሓሕዛ ኪኽተሉ እዋኑ ሎሚ ኢዩ።

ጐነጻዊ ግጭት ኣብ ሓያሎ ክፋላት ዞባ ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ንሓሙሻይ ወርሒ ይቕጽል ኣሎ። ዋላ’ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቐዲሙ እቲ “ስርሒት ምኽባር ሕጊ” ብዓወት ከም ዚተዛዘመ ዚኣወጀ እንተዀነ፡ ጸብጻባት ፈቐድኡ ሓሓሊፎም ዚካየዱ ውግኣት ከም ዘለዉ የመልክቱ። እቲ ምንዋሕ ናይቲ ግጭት፡ እቲ ግጭት ዘስዓቦ ምምዝባል ናይ ህዝቢ፡ ጸብጻባት ናይ ዚኽሰት ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ዘይተረጋገጸ ብህሎታት ናይ ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን እናዓበየ ዚኸይድ ሻቕሎት ኣለዓዒሎም ሰፊሕ ኣህጕራዊ ቈላሕታ ስሒቦም ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ኵነታት፡ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራሓንቲ ሃገርን ብሓባር ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት የቕርቡ፦   

  1. ምስሓብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ካብ ኢትዮጵያ ናብቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።
  2. ምኽላል ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት እቶም መግዛእታዊ ውዕላት ናይ 1900፡ 1902ን 1908ን ብሓገዝ ካርቶግራፈር ሕቡራት ሃገራትን ከም መሰረት ናይ ነባሪ ሰላምን ሰሳኒ ኣብ ሕጊ ዚምርኰስ ምትሕግጋዛዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት።  
  3. ነቲ ዘይተረጋገጸ ብህሎታት ናይ ግፍዕታት፡ ግህሰታትን ጥሕሰታትን ሰብኣዊ መስላት ኣብ ትግራይ ዚምርምርን ነቶም ፈጸምቲ ናይቶም ከምኦም ዚኣመሰሉ ገበናት ኰነ ነቶም ዘርጋሕቲ ናይ ሓሶት ክስታት ብሕጊ ንምቕጻዕ ዘቕርብን ናጻ መርማሪ ኮሚሽን ምቛም።
  4. እቲ ናጻ መርማሪ ኮሚሽን ነቶም ብህሎታት ናይ ግፍዕታት፡ ግህሰታትን ጥሕሰታትን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኪምርምር፤ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ብመሰረት ውዕል ጀነቫ፡ ምክልኻልን ድሕነትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ከረጋግጽ።
  5. ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይን ነቶም ኣብቲ መጻወድያ ናይቲ ግጭት ተቐርቂሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ ኪቐርብ።
  6. ግብራውነት ምፍታሕ ናይቲ ግጭት፡ ምርግጋእ ናይቲ ኵነታት ኰነ ምህናጽ ሓባራዊ ስምምዕ ኣብ ሓደ ብሕቱው ዋንነትን ኣጠቓቕማን ዕጡቕ ሓይልታት ናብቲ ሃገራዊ መንግስቲ ዚመልስ ሰራሪ ፈደራላዊ መዋቕር ዚሓዘ መጻኢ ናይ ኢትዮጵያ ንምድህሳስ፡ ብስምምዕ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ፕረዚደንት ኣፍሪቃዊ ኮሚሽንን ኪምዘዝ።  
  7. ምፍታሕ ዶባዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት እቲ ናይ 1902 ስሉሳዊ ውዕል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ዓባይ ብሪጣንያን (ሱዳን) ኢጣልያን (ኤርትራ)፡ ኣፍሪቃዊ መትከልን ግብርን ኰነ ተፈጻሚ ኣህጕራዊ ሕጊ ንምስላጥ፡ ብስስምዕ ናይ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን፡ ኪምዘዝ።