All updates

ስነ-ጥበባዊ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)

12/05/2022

12.05.2022

ስነ-ጥበባዊ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)

ወዲ ትኹል ሓደ ካብቶም ኣንጊሁ ንሰውራ ዝወፈረ መንእሰይ ኢዩ። ወዲ ትኹል ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ዝተጸንበርሉ እዋን ኣትሒዙ፡ በታ ዘይትምኖ ወናም ክራሩ፡ በቲ ውዕዉዕ ሃገራዊ ወኒ ዘበራብር ሰውራዊ ዜማታቱ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ዓቢ ፍናንን ሓቦን ዘስነቐ ኮዀብ ስነ-ጥበባዊ ኢዩ።

ጉጅለ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስ ቈመ ብፍላይ፡ በብእዋኑ፡ ሓያሎ ነቲ መድረኽ ዘንጸባርቑን ነቲ ሰውራዊ ኲናት ንቕድሚት ዚድርኹን ደርፍታት ኣቕሪቡ። እቲ ሰሚዕካ ዘይምኖ ዜማታት ወዲ ትኹል፡ ኣብቲ ነዊሕ መስርሕ ዕዉት ጕዕዞ ሰውራና ኣዝዩ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ ።

ከም ኣብነት፡ “ይከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ” ጸሓይ ዕርበት ጸላእን ዋዜማ ዓወት ብረታዊ ቃልስን ዘበሰረት፡ ደረት ትርኢት ባና ናጽነት ዚዀለዐት ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ህቡባት ደርፍታቱ ኢያ። እዛ ደርፊ እዚኣ ወትሩ ህያው እያ። ሕጂ ከኣ፡ ወዲ ትኹል ከም ሰብ  ሓሚሙ። እቲ ንምሉእ መዋእሉ ንሃገርን ህዝብን ዝተበጀወ ስነ-ጥበባዊ፡ ወዲ ህዝቢ መጠን፡ እጃምና ከነበርክት፡ ‘ኣጆኻ ኣለናልካ’ ክንብል፡ ሓደ ካብቲ ክብርታት ባህልና ኢዩ’ሞ፡ ንወዲ ትኹል ኣለናልካ ንበሎ። ብዓቢኡ ድማ፡ ንወዲ ትኹል ምሕረት ይኣዝዝ።

[:swvar:text:838:]