All updates

VOA Tigrigna: ቃለ መጠይቕ ምስ አምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ

14/06/2018
ምሉእ ትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰረት ርጉእ ሰላም ከንጽፍ ዚኽእል ወሳኒ ስጕምቲ ኢዩ።
(Updated 19 June 2018)

ሓጺር መብርሂ ንተሳተፍቲ ክትዕ


ኣቐዲመ፡ ንዅሉኹም እቶም ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ዝገበርኩዎ ቃለ-መጠይቕ ርእይቶታት ዝለገስኩም፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ምእንቲ ሓቀኛ ሃገራዊ ረብሓ ዚተጣበቕኩም ኰነ ሃናጽን ኣራምን መብርሂታት ዚሃብኩም ተሳተፍቲ ክትዕ FB ብልቢ አመስግን። ኣስዒበ፡ ሓጺር መብርሂ አቕርብ።

 

ሃገረ ኤርትራ ናይ ኵላትና ኤርትራውያን ናይ ሓባር ሃገር ወይ ዓደቦ ኢያ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ህዝብና ኢዩ። ረብሓ ሃገርን ህዝብን ከም ቢለን ዓይንና ክንከላኸል ግቡእ ኢዩ። ነዚ ንምግባር፡ ኣብ መንጎ ሃገርን (state) ህዝብን (people) ስርዓትን (government) ክንመሚ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ጕዳይ ምምልካት ዶብ፡ ጕዳይ ምንስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ ስጕምቲ ስለዚዀነ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ይምልከት። እቲ ስጕምቲ ግን ፈላሚ እምበር ደምዳሚ ኣይኰነን። ምእማን ልኡላውነት ኤርትራ ብመትከልን ብግብርን ክልተኣዊ ልዝብ ብምክያድ ኣብቶም ብጠንቂ’ቲ ዶባዊ ግጭት ዚተላዕሉ ጕዳያት ኣብ ናይ ሓባር መዕለቢ ንምብጻሕ ባይታ የጣጥሕ። ንዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ኪመልስ፣ ካብ ተጻብኦን ህልኽን ኣውጺኡ ናብ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ከምርሕ ይኽእል።

እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ቀጻሊ ምግሃስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዝሩግ ኣሰራርሓን ሕመቕን ናይቲ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ እምበር ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘይሰርሕ፡ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ምሕደራ ምቕያር ውራይ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኢዩ። ንስርዓት ህግደፍ ምቅዋም ግን፡ ደጋፊ ወይ ተደናጋጺ ናይ ተጻባእቱ ማለት ኪኸውን የብሉን። ጸላእ ጸላኢኻ ከም ፈታዊኻ ምርኣይ ወይ ዕላምኡ ምስልሳል ዓቢ ጌጋ ኢዩ።

ሃገርን ህዝብን ነበርቲ፣ ስርዓትን መላኽን ሓለፍቲ ኢዮም። ረብሓ ሃገርን ህዝብን ምክልኻል ዜጋዊ ግዴታ፣ ምልካዊ ስርዓት ብቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካእ ምቅላስ ደሞክራስያዊ ግቡእ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ንምሉእ ፈጽሚ ስምምዕ ኣልጀርስ፣ ንቐጻሊ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ምቅላስ፣ እገዳ ኣጽዋር ንኪለዓል ምጥባቕ፣ ዘይፍለ ኣካል ናይቲ ምእንቲ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ደሞክራሲ፡ ራህዋ ዚካየድ ሃገራዊ ቃልሲ ኢዩ። ነጻጺልካ ዚርአ ኣይኰነን።

ኣብ ንረብሓ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዚምልከቱ ጕዳያት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ወይ ተመሳሳሊ መርገጺ ምውሳድ ሓላል ኢዩ። እቶም ነዚ ከም ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ኣምሲሎም ዘደናግሩ፣ ነገራት ሓዋዊሶም፡ ንርእሶም ዓዊኖም ሰብ ዘዕውኑ፣ ሓድነት መሳርዕ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ዚዘርጉ፣ ኢዮም ብውድዕ ነቲ ስርዓት ዚድግፉ። ኣሉታዊ ኣበርክቶኦም ግንዛበ የድሊዮ፤ ውድዓዊ ሳዕቤን ተግባራቶም ድማ እቲ ቀንዲ መምዘኒ ፖለቲካዊ መንነቶም ኪኸውን ይግባእ።

ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ፡ ከምቲ ‘ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍ’ ዚበሃል፡ ጐበጣ ኢትዮጵያ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዚነበረ ክነሱ፣ ብጌጋ ካብ 1961 ክሳብ 1971 ስለዝበልኩ፣ ምሰናይ እቕሬትኡ፡ ክእርሞ እፈቱ።

'ጭርምራም መሬት’ ምባለይ ኣካቲዑ። ኣነኣኣሲ ትርጉም ዚሓዘለ ኣይኰነን። ነቲ ካብ ሰለስቲኡ ክፋላት ናይቲ ንኣስታት 1,000 ኪሜ ዚዝርጋሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቘራሪጹ ንኢትዮጵያ ዚተውህበ ቍርጽራጽ መሬት ኤርትራ ማለተይ ኢዩ። ንጭቡጥ ዝርዝራዊ መግለጺኡ ኣብዚ ጠውቕ Chapter17

ካርታ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዘመን ርጉእ ጸኒሑ፤ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚቕይር ካርታ ንፈለማ ግዜ ኣብ 1997 ተሓቲሙ ከም ዚወጽአ ዳግም አረጋግጽ። እቲ ኣብቲ ካርታ ተጸንቢሩ ንፈለማ እዋን ከም ኣካል ‘ክልል ትግራይ’ ዚቐረበ ቦታታት ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፡ ብደረጃ መንግስቲታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ 1997 ተላዒሉ፡ ኣሰሓሒቡ ወይ ኣከራኺሩ ከም ዘይፈልጥ ዳግም አረጋግጽ። ኣብዚ፡ ህግሓኤን ህወሓትን ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ (non-state actors) ከም ዚነበራ ምግንዛብ ብዓይኒ ኣህጕራዊ ሕጊ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብመሰረት’ቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ካብ ኢትዮጵያ ተጨሪሙ ንኤርትራ ዚተዋህበ መሬት ከም ዘየለ ዳግም አረጋግጽ። ኣብዘን ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት’ዚኣተን 'ኣይፋል' ዚብል እንተሎ፡ ጭብጢ የቕርብ።

ዝቐረበለይ ሕቶታት መሊሰ። እቶም ኣብ ዘይተሓተ ሕቶ ‘ዘይመለሰ’ ዚብሉ ንርእሶም ሃውቲቶም ሰብ ከህውትቱ ዚደልዩ ኢዮም።

ትሕዝቶ መልስታተይ ንጹርን ቀጥታውን ኢዩ። ነቶም ቃላት ቈንጪሎም ወይ በጥቊሎም ትርጉሙ ከዘንብዑ፣ ሃሰስ ኢሎም ጸጕሪ ኪፍንጭሉ፣ ዘይተባህለ እናወሰኹ ነገራት ኪሓዋውሱ፣ ዚፍትኑ፤ ‘በጃኹም ዘይቃላተይ ኣይተዀልሱኒ’ እብል።

ንምዝዛም፡- ‘ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቒ ይጥዕሞ’ ከም ዚበሃል፣ ገለ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ማንካ’ኳ ኣልዒሎም ዘይፈልጡ፣ በቶም ዕድመ ንእስነቶም፡ ህይወቶም፡ ሞያኦም፡ ረሃጾምን ደሞምን ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዘወፈዩ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኪወራዘዩ፣ ታሪኾም ከመራስሑ፣ ስሞም ከጸልሙ፣ ምርኣይ፤ ናይ ታሪኽ ሒቕታ ዚፈጠሮ ‘ዘመንያ ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ’ ኢልካ ዚሕለፍ ጥራይ ኢዩ!