All updates

እቲ ስርዓት ንህዝቢ ጠሊሙ፣ ገንዘብን መጻእን ሃገር ሰሪቑ

30/03/2017
ቃለ መጠይቕ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ምስ ፓውሎ ላምብሩስኪ፡ ኣቨኒረ፧ ሚላን፡ 19 ሓምለ 2016።
እዚ ብኤሪ-መድረኽ ዚተዳለወ ትርጉም’ዚ ነቲ ኤርትራ ወተሃደራዊ  መደበራት እስራኤል ተእንግድ ኢያ ዚብል ዘይክዉን ብሂል ይእርም።
____________________________

እቲ ስርዓት ንህዝቢ ጠሊሙ፣ ገንዘብን መጻእን ሃገር ሰሪቑ

ተቓዋማይ፡- ኣባል-ነበር ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግንባር፡ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ “ምዝመዛ ዕደና ወርቅን ፖታሽን ነቲ ቍጠባ ብዝላ ከማዕብሎ ምኸኣለ ነይሩ፤ የግዳስ እቲ ገንዘብ ኣበይ ከም ዚኣቱ ዚፈልጥ የለን”፡ ይብል።
Avvenire AW Giorgis
ናይ ቀደም ኣምባሳደር፡-  እቲ መላኺ ኣብ ንግዲ ደቂ ሰብ ኰነ ኣብቲ ፍልሰት ተመሻጣሪ ኢዩ።

ማዕድናዊ ጸጋታታን መጻኢኣን ብሓደ ጨቋኒ ስርዓት ዚተዘምተት ሓዳስ ውልዶ ሃገር። እቲ ከም ብትሪ ድርዒ ሓጺን ጨቢጡ ዚገዝእ ሓደ-ሰልፋዊ መንግስቲ ኤርትራ ንሓደ ምሉእ ወለዶ ኣባሪሩ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሓያሎ ዓመታት፡ በብእዋኑ፡ ጠንቂ ናይ ልዑል ክሳራ ሰብኣዊ ህይወትን፡ማእለያ ዘይብሉ ፍልሰት ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኰይኑ።ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ንምስጢራት ናይታ ንእሽቶይን ኣመና ዕጽውትን ዚዀነት እሞ፡ብመንጽር ናይቲ ኣስታት 5 ሚልዮን ዚግመት ብዝሒ ህዝባ፡እታ ዚለዓለ ዓቐን ስደተኛታት እተፍሪ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ካብ ውሽጢ ዚፈልጥ ኢዩ።

ተጋዳላይ ናይቲ ንበይኑ ን25 ዓመታት ኪገዝእ ዚጸንሐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፣ ዓንደብርሃን፡ ካብ ምምስራቱ ኣትሒዙ ክሳብ ኣምባሳደር ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት እንከሎ ኣብ 2006 ነቲ ስርዓት ዚገድፎ፣ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኢዩ ነይሩ። ቀቅድሚኡ፡ፕረዚደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲትን ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክን ነይሩ። ሎሚ ኣብ ናጻ ዩኒቨርሲቲ ብራሰልስ ፕሮፈሰር ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ንታሪኽ ናይታ ሃገር ክሳብ ናጽነትን፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዚተፈጸመ ክድዓትን፡ እትገልጽ “ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ” እትብል መጽሓፍ ኣሕቲሙ።

ንሱ፡ “ኣነ ወርትግ ብራእይ ናይ ናጻ፡ ደሞክራስያዊትን ራህዋ ዚሰፈናን ኤርትራ እድረኽን፣ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዘተጨበጠ ናጽነት ድማ፡ እቲ ራእይ’ቲ ክዉን ኪግበር ከም ዚከእል እኣምንን ነይረ” ይብል። ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት እቲ ኵነታት እናኸፍአ ከይዱ፡- ኣብ 2001፡ ብዘይ ዚዀነ ክሲ ወይ ፍርዲ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ቀንዲ መራሕቲ ግንባርን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ተፈጺሙ። ብዛዕባ ሃለዋቶም ይዅን ኵነታቶም ዚፈልጥ ዋላ ሓደ የለን።

ኵነታት ኤርትራ ሎሚ ልክዕ ኣንጻር ናይቲ ዝተቓለስናሉ ዕላማታት ኰይኑ ይርከብ። ኣብ ክንዲ ደሞክራሲ ምልኪ ሰፊኑ፤ ኣብ ክንዲ ራህዋ፡ ንዅሉ ዜጋ ዚትንክፍ ድኽነት ኣስፋሕፊሑን ዓሚቑን። ስለዚ፡ ኣብ 2006፡ ካብቲ ንሕብረተሰብና ጐዛዝዩ ብምርጋጽ ንሃረርታ ህዝብና ዚጠለመ መንግስቲ ክፍለ ወሲነ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት በቲ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ስደት ካብ ኤርትራ፡ ምስቲ እናነከየ ዚኸይድ ገምጋማዊ ዕድመ ናይቶም ስደተኛታት፡ ይሻቐል ኢዩ። ስለምታይ ኢዮም ክሳብ 12-13 ዓመታት ዚዕድሚኦም ህጻናት፡ ብዘይ መሰነይታ እናሃደሙ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ፧       

ብጠንቂ ምንቍልቋል ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት፣ መንእሰያት ብግቡእ ኪመሃሩን ንመጻኢ ኪዳለዉን ዕድል የብሎምን። ኣድማሳዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ፡ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ ኢዩ ተሓሊኑ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ብዘይ ብቑዕ ዓስቢ (ኣስታት 15 ዶላር ኣመሪካ ወርሓዊ መሳርፍ እናተዋህቡ)፡ ናብ ምስ ዘመናዊ ጊልያነት ዚመሳሰል፡ ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተቐይሩ። መንእሰያት ግቡእ ትምህርትን ንቡር ስድራቤታዊ ህይወትን ተሓሪሞም። 

ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ወዲቑ፤ ስርዓተ-ምምሕዳር ፍትሒ ተዘሪጉ፤ እቲ ሕጋዊ ስልጠናን መባእታዊ ፍልጠት ሕግን ብዘይብሎም ሰባት ዚተመልአ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኪኡዎ።

ኵሉ ስልጣን በቲ ናብ ውልቀ-መላኺ ተቐይሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኢዩ ተገቢቱ። ነቲ ሃገራዊ ቍጠባ እቲ ግንባር ይቈጻጸሮ፣ ነቲ ዘቤታዊ ማዕከናት ዜና ድማ እቲ መንግስቲ ይውንኖ። እቲ ስርዓት፡ ንኤርትራ፡ እቲ ዚበዝሐ ህዝባ ንቡር ህይወት ኪነብረላ ናብ ዘይክእል፡ ምድራዊት ገሃነብ ቀይሩዋ ይርከብ። እዚ ኵነት’ዚ፡ ንሰብ ዋኒነ-ትካላት፡ ንሞያውያንን ንመንእሰያትን ብብዝሒ ካብታ ሃገር ንኪሃድሙ ኣገዲዱዎም ኢዩ።

ከምኡ ክንዲ ዚዀነ ድማ ኢዩ፡ መንእሰያት፡ እንተላይ ህጻናት፡ ንህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናኣውደቑ፣ ካብታ ሃገር ኪሃድሙ ንርኢ ዘለና። እቲ ዘጋጥሞም ድንገት ሞት ብዙሕ ኢዩ፤ ወቕዒ ጸሓይ ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ፣ ምጥሓል ኣብ ማእከላይን ቀይሕን ባሕርታት፣ ግዳያት ናይ ሕልና ዘይብሎም ነጋዶ ደቂ ሰባትን ምህርቲ ውሽጣዊ ኣካላትን ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምዃን፣ ወዘተ.።

መን ኢዮም ፈተውቲ ናይቲ ውልቀ-መላኺ፧

ግደ ሓቂ፡ እቲ ውልቀ-መላኺ ኣዕሩኽ የብሉን። ኣብቲ ዞባ ምስ ገለ ሓገዛት ዚህቡዎ፡ ሓድሓደ ስርዓታት ናይ “ሕኸኸኒ-ክሓከካ” ኪዳናት ኣለዎ። እዚ ግን ኪኖ ግዝያዊ ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ዚኸይድ ኣይኰነን።

ኣብዚ ሓጺር እዋን፡ ስርዓት ኣስመራ ማዕድናዊ ሃብቲ ናይታ ሃገር ኪምዝምዝ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ልምዓት ንምውሓስ ይበቅዕ ዶ፧

ርግጽ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ እንተዚግበረሉ ነይሩ፡ ኤርትራ ኣብ ቍጠባኣ ቅልጡፍ ልምዓት ከምጽኡ ዚኽእሉ፣ ብተዛማዲ እኹል ማዕድናዊ ሃብቲ፣ እንተላይ ወርቂ፡ ነሓሲ፡ ፖታሽ፡ ኣለዋ። እቲ ዕደናታት ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኢዩ ዚካየድ። እቲ ፍርቀ-ፍርቂ (50%)፡ በቲ ‘ሳውዝ ቦልደር ዕደናታት’ ዚበሃል ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደናን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደናን (ኤሃኮዕ) ብሓባር ዚውነን፡ ‘ኮሉሊ ፕሮጀክት’ ኣብ ደንከል ፖታሽ የውጽእ ኣሎ። እቲ ‘ነቭሱን’ ዚበሃል ካናዳዊ ኩባንያ፡ ብሽርክነት ምስ ኤሃኮዕ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፡ ዕደና ወርቂ ቢሻ የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ዕደናታት’ዚ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ግቡእ ዓስቢ ኪሰርሑ ጸኒሖም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ እቲ ካብቲ ዕደናዊ ጽላት ዚርከብ ኣታዊታት ኣበይ ከም ዚኸይድ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኰነ ማእከላይ ባንክ ኣይፈልጡዎን ኢዮም። ኢሳያስን ሓደ ካብቶም መጋበርያታቱን ጥራይ ኢዮም ብዛዕብኡ ዚፈልጡ። እቲ ገንዘብ ኣብ ዱባይ፡ ቻይና ወይ ማለይዥያ ኣብ ውልቀ ሕሳባት ተቐርቂሩ ከም ዘሎ ዚሕብሩ ጸብጻባት ኣለዉ። ነዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ጸብጻባት ንምርግጋጽ መርትዖ የድሊ። ብተወሳኺ፡ ብዕሊ ዚፍለጥ ሃገራዊ ባጀት ይዅን ብዛዕባ ኵነታት መንግስታዊ ፋይናንስ ናይታ ሃገር፣ ኣታዊታትን ወጻኢታትን መንግስቲ፣ ዚወጽእ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

እቲ ስርዓት፡ ከምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚኸሶ፡ ኣብ ንግዲ ደቂ ሰብ ኢድ ኣለዎ ዲዩ፧

ኣብ ኤርትራ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ናይ ኢሳያስ ዚፍጸም ነገር የለን። ዝርዝር ሓበሬታ ናይ ኵሉ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዚግበር ነገራት ዘቕርበሉ መርበብ ናይ ሰለይቲ ኣቚሙ ኣሎ። ሰባት ኣብ መንግስታውን ወተሃደራውን ሰሌዳ ቍጽሪ ዘለወን ማካይን ተሳፊሮም፣ ካብ ኣስመራ ክሳብ ዶብ ሱዳን፣ ኣብተን ኣብ ዝርጋሐ ናይቲ ጽርግያ ዚርከባ መቈጻጸሪ ነቝጣታት ብዘይ ፍተሻ ከም ዚጐዓዙ፣ ዚሕብሩ ብዙሓት ናይ ዓይኒ ጸብጻባትን ምስክርነታትን ኣለዉ።