All updates

ድሕንነታውነት ኤርትራ፡- ሃገር ኣብ ጅሆ!

05/03/2018

ድሕንነታውነት ኤርትራ፡- ሃገር ኣብ ጅሆ!

እቲ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት ዚተጸንበለ ምውላድ ናጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ብዋጋ ናይ (1) ዚተናውሐ፡ ጽንኩርን ጥውይዋይን ብረታዊ ቃልሲ፣ (2) ዓርሞሸሻዊ መስዋእቲ ናይቶም ዚበለጹ መንእሰያት ኤርትራ፣ (3) ሰፊሕ ዕንወት ሃገራዊ ቍጠባ ኤርትራ፣ (4) ከቢድ ጕድኣት ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ፣ (5) ዓቢ ዝርገት ስድራቤታዊ ህይወትን ማሕበራዊ እልሞን (fabric) ሕብረተሰብ ኤርትራ ዚተሓፍሰ ድሙቕ ዓወት ኢዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ነቲ መስዋእትታቱ ዚድብስ ኰነ ነቲ ናይ ዘመናት ሃረርትኡ ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ራህዋን ዘማልእ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ከቕውም ኣይከኣለን።

ጥልመት ምልካዊ ስርዓት ነቲ መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስን ዓሚቝ ሃረርታታት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን፡ ነቲ ንህዝብን ሃገርን ዘሳቒ ዘሎ ተካል ሕሰም ኣስዒቡ። ሎሚ፡ ዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኤርትራ ዚለዓለ ደረጃ መነባብሮ፡ ዚበለጸ ዓይነት ህይወትን ንቡር ሰብኣዊ ድሕነትን ዚሰፈና፡ ህዝባ ኪነብረላ ዚብህጋ ሃገር ኪትከውን ምተገብአ ነይሩ።

እቲ መንግስቲ፡ ኣሽንኳይ ዶ ነቲ ልዑል ትጽቢታት ከማልእ፡ ነቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ’ውን ከቕርብ ኣይበቕዐን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነታ ሃገር ብዘንሕስያ እናረገጸ ኣብ ሕሱም ስቓይ ሸሚሙዋ ይርከብ። እቲ ስርዓት ከመይ ገይሩ ኣብቲ እከይ ስርሑ ከም ዚተዓወተ፣ ማለት፡ ሓደ ስትራተጅያዊ ጽውያ ፈጢሩ ንመላእ ሃገር ንነዊሕ እዋን ጅሆ ኪሕዝ ከም ዚኸኣለ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ።  መስርሕ ድሕንነታውነት ነቲ ንኤርትራ ናብቲ ዘላቶ መንቀራቕሮ ዘምርሐ ሰንሰለት ፍጻመታት ንምርኣይን ብዚበለጸ ንምርዳእን ዘኽእል መነጸር የወፊየልና።

ድሕንነታውነት (securitisation)፡ ሓደ መንግስቲ ወይ ፖለቲካዊ ተዋሳኢ (1) ህላወ ንምርግጋጽ (2) ምልላይን ምምልካትን ናይ (3) ሓደ ከም ጽንኩር ወይ ዘንጠጠወ ታህዲድ ዚረአ ጕዳይ እሞ (4) ነቲ ታህዲድ ንምዝሃም ፍሉይ ኣገባባት ከም ዘድሊ ዚሕብር ኢዩ። ብሰንኪ ጽንኩርነት ናይቲ ኵነታት፡ እቲ ነቲ ታህዲድ ንምብዳህ ዚውሰድ ፍሉይ ስጕምቲታት ንቡር ትካላዊ ይዅን ደሞክራስያዊ ሰንሰለት ኣወሳስዳ ውሳነታት ወይ ሜላታት ኪኽተል ኣድላዪ ኣይከውንን። ንኣብነት፡ ዋላ’ኳ ዘይእዉጅ ይዅን እምበር፡ ኣብ ክሊ ዚተናውሐ ህጹጽ ኵነታት፡ ብግብሪ ወተሃደራዊ ግዝኣት ወይ ኣገዛዝኣ ምስግዳድ።

ዕዉት ድሕንነታውነት ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ረቛሒታት ይምርኰስ፡-

  1. ነቲ ኵነት ናይ ሞትን ሕየትን ዚቐርብ ታህዲድ ንምቕናይን ነቲ ሰማዒ (ህዝቢ) ንምእማንን ሓባባሊ ክእለት (ጽውያ)፤
  2. እቲ ሓደጋ ሓቂ ይዅን ኣይዅን ብዘየገድስ፡ ምቕባል ናይቲ ጽውያ ብህዝቢ፤
  3. ነቲ ጽውያ ብምርዓም እሺ ኢሉ ንምምእዛዝ ዘስገደድ ዝውታረ ጸጥታዊ መሳርዕን ካልኦት ትካላትን መንግስቲ።

ንኤርትራ ብዚምልከት፡ ኣንጻር ሳልሳይ ዓለማዊ ገዛኢትን ዚዓበየት ጐረቤት ሃገርን፡ ንሰላሳ ዓመታት (1961-1991) ኲናት ሓርነት፣ ስዒቡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ድማ፡ ኲናት ዶብ ኣካይዳ። እቲ ኲናት ዶብ፡ ኣስታት 90 % ናይ ኤርትራ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (Gross Domestic Product) ኣብ 1999 ዘቕውም፡ 580 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ወዲኡ፣ ነቲ ድሮ ድኹም ዚነበረ ቍጠባ ብዝያዳ ድዋዕዋዕ ኣቢሉ፣ ነቲ ኣዐሪዩ ዘይሓወየ ቍስሊ ብምጕዳእ ሓድሽ ደም ኣፍሲሱ፣ ኣማእት ኣሽሓት ህዝቢ ኣመዛቢሉ። ኣብ መወዳእትኡ፡ እቲ ኲናት ዶብ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዚቕጽል ዘሎ ጐበጣ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት መሬት ኤርትራ ኣስዒቡ።

ጐበጣ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብኢትዮጵያን፡ እቲ ቀጻሊ እምቢታኣ ካብቲ ወሪራ ሒዛቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ንምንስሓብን፡ ነቲ በቲ ስርዓት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት ኰነ ድሕነት ኤርትራ ዘንጠጠወ ሓደገኛ ታህዲድ ኢትዮጵያ ዚተሃንጸ “ወግዓዊ” ጽውያ ይዕንግልን የሐይልን። ብመሰረቱ፡ ነዚ ኣብ ኣፍደገ ኤርትራ ኵድጭ ኢሉ ዘሎ ርኡይ ጸጥታዊ ታህዲድ ከም ድሉው መሳርሒ ብምጥቃም፡ ብዛዕባ ኣድላዪነት ምውሳድ ፍሉይ ስጕምቲታት ንሰማዒ ንምእማን ይዅን ምኽኑይ ንምግባር ውሑድ ጻዕሪ ዚሓትት ኢዩ። እቲ ዚተናውሐ ባህርይ ናይቲ ንሰላሳ ዓመታት ዚተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ነቶም ምእንቲ ናጽነትን ርእሰ-ውሳነን ደርማስ መስዋእቲታት ዚኸፈሉን መሪር ስቓይ ዘሕለፉን ወለዶታት ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ኢዩ። ብመንጽር እቲ ምስቲ ኲናት ሃገራዊ ሓርነትን እቲ ንናጽነት ዚተኸፍለ ልዑል ዋጋን ዚተኣሳሰር ፍሉይ መንፈስ ሰውራዊ ባህሊ፣ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ፡ እቲ ዚኽፈል ዋጋ ብዘየገድስ፡ ኪሕሎ ይግባእ።

 ከም ሳዕቤኑ፡ እቲ ግዝኣታዊ ጐበጣ፡ ምስቲ ድስኩል ኵነት ናይ ‘ኣይሰላም፡ ኣይኲናት’ ተደሚሩ፡ ንትግባረ ናይቶም ንማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ ኰነ ፖለቲካዊ እልሞ ኤርትራ ብመሰረቱ ዚቐየሩ ተኸታተልቲ ለውጥታት ንምትእትታው ዘድሊ ምቹእ ባይታ ኣንጺፉ። እቲ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዚዀነ ለውጢ ድማ፡ እቲ ንዚዀነን ንዅሉን ግዳማዊ (ኢትዮጵያዊ) ወራር ኪምክት ዚኽእል ቀዋሚ ሰራዊት ምዕቃብ ብዚብል ምኽኒት፡ ነቲ ግዴታዊ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግብሪ ደረት-ኣልቦ ከም ዚኸውን ምግባር ኢዩ። መንእሰያት ኤርትራ መሰል ንቡር ስድራቤታዊ ኣተዓባብያ ኰነ ዕድል ላዕለዋይ ትምህርቲ ተነፊጎም ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንተላይ ኣብቲ ንገዛእ ርእሱ ጸቢቡ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ክትትልን ጥቡቕ ቍጽጽር ኣትዩ ዘሎ ዕዳጋ ዕዮ፡ ሃፈጻማ ዘለዎ ሽቕለት ስኢኖም፣ እቶም ዘይተኣደነ ጕድኣት ዚወርዶም ዘለዉ ኢዮም።

እቲ ሕማቕ ኣመሓዳድራ ናይቲ ኣዝዩ ዚኸበረ ጸጋ ኤርትራ (መንእሰይ) ዘስዓቦ ቍጠባዊ ጕድኣት ድማ፡ ነቲ ኣብተን ቀዳሞት ውሑዳት ዓመታት ናጽነት ተመዝጊቡ ዚነበረ ተስፋ ዚህብ ልምዓታዊ ግስጋሰ ብምቕልባስ፡ ነታ ሃገር ናብ ዘየቋርጽ ምንቍልቋል ኣብ ምምላስ ኣበርኪቱ ኢዩ።ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ናይቲ ዚተናውሐ ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ዚዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ዳግም ንምህናጽን ነቲ ዚተረመሰ ቍጠባ ብቕልጡፍ ንምብርባርን ዚዓለመ ኰይኑ፣ ኣብቲ ፈለማ እዋን፣ ንዓሰርተው ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ማለት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ድማ ወለንታዊ ስራሕ፡ ተሓሊኑ ኢዩ ተበጊሱ። ብቐንዱ ድማ፡ ነታ ኣብቲ ብቐጻሊ ሓድሕዳውን ዘቤታውን ህውከት ዚልለ፡ ኣዝዩ ተቐያያሪ ዞባ እትርከብ፡ ዓቢ ቀዋሚ ሰራዊት ኪትውንን ዘየድልያን ዓቕማ ዘየፍቅደላን ሓዳስ ሃገር፣ ኣብ ዘድለየሉ እዋን ዘተኣማምን ዓቕሚ ነብሰ-ምክልኻል ከም ዚህልዋ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ናይ ስዊዘርላንድ ኣርኣያ (ሞደል) ከም ኣብነት ብምውሳድ ዚተወጠነ ኢዩ።

እቲ ስርዓት፡ ንዅሉ መዋቕራት ንቡር ቍጽጽር ብምግባት፣ ነቲ ወግዓዊ ሰንሰለት እዚ ብምዝራግ፣ ጥቡቕ ሕብረተሰባዊ ክትትል ብምስራብ፣ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዘእቱ ኣወዳድባ ብምትእትታው ኰነ ሃዋህው ጥርጣረን ፍርሕን ብምስፋን፣ ነቲ ኣገባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መዓላ ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓታት መታን ከውዕል ኣዘንቢዑዎ። ምብጋስ መንእሰያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ’ቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ናይቲ ናይ ኩፖን ስርዓተ መቝነን ዚተነጽፈ ኰይኑ፣ ብመንገዲ እቲ ምትሓዝ ወተሃደራዊ መልክዕ ናይ ትምህርቲ ኣቢሉ፣ ኣብቲ ኣጋ ዓቕመ ኣዳም ዚበጽሑሉ መወዳእታ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዚጅምር። ሓንሳእ ምስ ተኸትቡ፡ እቶም መንእሰያት ግዜኡ ኣብ ዘይተወሰነ፣ ምስ ስድራኦምን ቤተሰቦምን ድሩት ርክብ ኣብ ዘፍቅድ፣ ኣገልግሎትን ተኣማንነትን ነቲ ስርዓት ጥራይ ኪህቡ ኣብ ዚጠልብ ኣገልግሎት ብስም ኤርትራ ተዋፊሮም ናብ ዚተፈላለዩ ኵርናዓት ናይታ ሃገር ፋሕ ይብሉ። እቲ ብዘይ ግቡእ ደሞዝ ዚሰላሰል ንጡፍ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ተመርዕዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ከም ዘይምስርቱ፣ ርጡብ ሓዳር ከም ዘይህሉዎም ኰነ ስድርኦም ከነባብሩ ከም ዘይክእሉ ብምግባር፣ ነታ ቀንዲ ሰረት ሕብረተሰብን ሃገርን እተቕውም ስድራቤታዊ ኣሃዱ የዳኽም።

እቲ ብቐንዱ ከም ምንጪ ናይ ኮማዊ ክትትልን መሳርሒ ናይ ፖለቲካዊ ቍጽጽርን ንምግልጋል ዚዓለመ ናይ ኩፖን ቍጠባ ኤርትራ፡ ከም መግብን ነዳድን ዚኣመሰሉ መሰረታውያን ኣድለይቲ ኣቕሑ ብመቝነን የመቓርሕ። እቲ ንህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ቀጻሊ ሕጽረት ናይ ኣድለይቲ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ብመሰረቱ ሰብ-ሰርሖ ኢዩ። ብርግጽ፡ ውጽኢት ናይ ሕማቕ ኣመሓዳድራ ሃገራዊ ቍጠባ፣ ዝምቡዕ ዘቤታዊ ዕዳጋ፣ እቲ ቀንዲ ኣካል ቍጠባ ክነሱ ግቡእ ኣቓልቦ ዚሰኣነ ሕርሻዊ ጽላት ኢዩ። ተደጋጋሚ ደርቂ፡ ዘይምስሳን ዘረእቲ፡ ዋሕዲ ምህርቲ ንሳዕቤናት ናይቲ ግጉይን ዘይርጉእን ቍጠባዊ ኣከያይዳ ናይቲ ስርዓት ኣጋዲዱዎ።

እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፡ ነቲ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ዶባዊ ኲናት ዚተኸስተ ሰንፈላል ኵነት ናይ ኣይኲናት፡ ኣይሰላም፣ ነቲ ኣጠቓላሊ ሰንሰለት እዚ ብስሩዕ ኣገባብ ኣብቲ ዚለዓለ ጥርዚ ኣብ ትሕቲ’ቲ ፕረዚደንት ንምምእካል ከም ምቹእ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፣ ንዅሉ’ቲ ደድሕሪ ናጽነት፡ ደሞክራስያዊ ስግግር ኤርትራ ንምፍጻም ኣድላዪ ዚነበረ ሜላዊ፡ ሓጋጋዊ ይዅን ትካላዊ መስርሓት ኣደስኪሉ። ምድስካል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፣ ዘይምትግባር ናይቲ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም፣ ርትዓውን ናጻን ምርጫታት ዘይምክያድ፣ ርኡይ ኣብነታት ናይ ብኸመይ ዚበለ ኣገባብ ደሞክራስን ደሞክራስያውነትን እቶም ቀዳሞት ግዳያት ናይ መስርሕ ድሕንነታውነት ከም ዚዀኑ ኢዮም።

ከም ሓዳስ ሃገር መጠን፡ ኤርትራ ነቲ በይናዊ ውሳኔታት ምምእካል ስልጣን ንምብዳህ ዘኽእል፣ ደሞክራስያዊ ምእዘዛን ተሓታትነትን ዘረጋግጽ ቢሮክራስያዊ ኰነ ትካላዊ ዓቕሚ ኣይነበራን። ብሰንኩ፡ እቲ ብሕታዊ ፕረስ ተበቲኑ፣ እቶም ተቓውሞ ዘርኣዩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኰነናት ኰነ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ታሕተዎት መኰነናትን ሰብመዝን፡ ነቐፌታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ተራ ወተሃደራትን ኣባላት ግንባርን፡ ጋዜጠኛታትን፣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፡ ብሰረት-ኣልቦ ጠቐነ ክድዓትን ምንዕዓብን፡ ብሃውሪ ተኣሲሮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣብቲ ኣብ 2001 ዚተወስደ ዓመጸኛ ስጕምቲ፡ እቶም ከስምዑ ዚኽእሉ ዚበሃሉ፣ ፍልይ ዚበለ ርእይቶ ዚነበሮም፣ ነቲ በይናዊ ውሳነታት ኪጻረሩ ወይ ነቲ ሓደ-ጐድናዊ ጽውያ ከቃልዑ ዚኽእሉ ዚነበሩ፣ እቶም ቀዳሞት ዚተገለፉን ብኣፎም ዚተለጕሙን ኢዮም። እቲ ዅሉ ብኣልማማ ዚተወስደ ስጕምትታት ድማ፡ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ንምድልዳል ዚዓለመ ኢዩ ነይሩ።

ምቕጻል መድቈስቲ ተቓዋሚ ድምጽታት በቲ ስርዓት፡ ምስቲ ‘ወግዓዊ’ ጽውያ ንዚዀነ ዚተፈልየ ኣረኣእያን ተቓዋሚ ርእይቶን ዘለዎ ነቓፊ ከም መሳርሒ ወያነ (ኢትዮጵያ) ወይ ሲኣይኤይ (ወኪል ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ) እናዀነነ፣ ብፍርሒ ናይ ከም ቀይድን ስቅያትን ዚኣመሰሉ ሳዕቤናት ዚድረኽ ኮማዊ ነብሰ-መመያ (self-censorship) ኪሳለጥ ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ናይ ከቢድ ድሕንነታውነት ሜላታት፣ ንነገራት ከም ጻዕዳን ጸሊምን ዝርኢ ኣዝዩ ጥሩፍ ዚዀነ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ወሊዱ፣ ኣብ ገለ ደገፍትን ተደናገጽትን ናይቲ ስርዓት፡ ብፍላይ ኣብ ዳያስፖራ፡ ኣዕሚቑ ሰሪቱ ወይ ሰሪጹ ይርከብ። ኪግመት ከም ዚከኣል ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ማኒክያን ኵነተ-ኣእምሮ፣ ንዚተሓላለኹ ጕዳያት ናብ ቀሊል ድርባዊ ኣረኣእያ ህላወ ናይ ንሳቶም ብመንጽር ንሕና ዘውርድ፣ ንክፉት ክትዕ ወይ ምቕሉል ልዝብ ቦታ ዘይህብ ኢዩ።

 

ብኸምዚ ኣገባብ’ዚ ድማ፡ እቲ ብደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዚሰላሰል መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ‘ኣብ-መስመር’ (online) ከም ዘረጋግጾ፣ ነቲ ንኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዚትንክፍ ኣቃጫጭን ሃዋህውን ናይ መጥቃዕቲ፡ ጽልእን ጥርጣረን የተባብዕ። እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኪፍጸም ዚከኣል ስመ-ስዉርነትን ቅልጡፍ ምስግጋር ሓበሬታን ንአጀንዳ ናይቲ ስርዓት ኪሕግዝ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ ከም ትዊተር ዚኣመሰሉ መስመራት፡ ምስልታት ናይ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዚተፈጸሙ፣ ብጸሊምን ጻዕዳን ዚተቐርጹ ስእልታት ናይ ጅግንነታዊ ተግባራትን መስተንክር ስርሒታትን፣ ናይቲ ዘደንቕ ባህርያዊ ጽባቐ ቅርጸ-መሬት ኤርትራ ወይ ናይ ብጥንቃቐ ዚተሓርዩን ዚተዀሓሓሉን ፎቶግራፋት ናይ ከተማዊ ከባቢታት፡ ብፍላይ ኣስመራ፣ ብንዓወታትን ፍረታት-ዕዮን ዚውድስ ሓጺር ጽሑፋዊ ምግለጺታት ዚተሰነዩ፡ ብዙሕ ግዜ ምስቲ ስርዓት ዚተኣሳሰሩ፡ ስእልታት ብስሩዕ ኣገባብ ብተደጋጋሚ ይዝርግሑ። 

ሓደ ብዙሕ ግዜ ብስመ-ስዉር ዚሰርሕ ንኡስ ሰራዊት ናይ ‘ኣብ-መስመር’ ሕሳባት፡ ነቲ ‘ወግዓዊ’ ጽውያን ነቲ በቲ ስርዓት ብዓቢ ጥንቃቐ ዚተቐርጸ ስኑዕ ክዉንነትን ዘንጸባርቕ ምስሊ ናይ ሓንቲ ርግኣት፡ ሰላምን ራህዋን ዚሰፈና ሃገር ኪዅስኵስን ከስገድድን ይዕልም። ብኸምኡ ድማ፡ ነቲ ስርዓትን ነቲ ዚተዀሓሓለ ምስሉን ‘ኣብ-መስመር’ ዚድግፉ ውሑዳት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዳያስፖራ ይኸስብን ይኸትብን ኣሎ። እዚ ዘይመስል ዓወት እዚ፡ በቲ ዕዙዝ መቐረት ናይ ሓበንን   ሓባራዊ መንነትን ናይቶም መንእሰያት፣ ምስቲ ኣብተን ዚነብሩለን ኣእንገድቲ ሃገራት ብዙሕ ግዜ ዘጋጥሞም ተነጽሎ ኰነ በቲ ናይ ‘ተጻብኦ ታሪኽ’ ዘለዎ ኣህጕራዊ መራኸቢ ብዙሃን ጐድኒ-ንጐድኑ ብቐጥታ ተሰሪዑ ዚቐርብ ተጻይ-ጽውያ ናይቲ ደረቕ ክዉንነት እናተራጸመ ዚፍጠር ኢዩ። ኣብነታት ናይ ኣጥቃዒ ተገባብሮን ዘለፋን ኣብ ትዊተር፣ ምስ ዚተወሃሃዱ ዘለፋታት ንዚዀነን ንዅሉን ነቲ ህሉው ስርዓት ዚነቅፍ ዚመስል ወይ ንመዳያት ቍጠባዊ ዕብሰት፡ ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ሕብረተሰባዊ ዝርገት ወይ ጽልሙት ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘጕልሑ ትዊታት ልሙዳት ኢዮም።

እዚ ሽግር ናይ ኣጥቃዒ ተገባብሮ ኣብ ውሽጢ ገለ ክፋላት ኤርትራዊ ኮም ኣብ ዳያስፖራ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ብዙሓት ዚርአ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ፍልልያት መሚኻ ምርዳእ ዘይምኽኣል ዚፍጠር ኢዩ። መንግስቲ እቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ናይቲ፡ ምስቶም ዚበዝሑ ናይቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ኣባላት ናይቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዚደስከለ ማእከላይ ሽማግለኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ስደት ምህላው፡ ዳርጋ ምዉት ዘሎ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ኣብ ገለ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኰነናትን ፍሩያት ሰብመዝን ሳዕሪሩ ዘሎ ምምሽጣር፡ ምትሕብባርን ምትላልን ካብቲ ንዚፍጽሙዎ በዳሊ ተግባራት ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ምዃን ከም ዚነቅል ዘረባ ዘድሊዮ ኣይኰነን። እዚ ድማ ብኣምሳያ ናይቲ ዚግበረሎም ቀጻሊ ምክልኻል ነቲ ስርዓት ዘለዎም ተኣማንነትን ደገፍን ዘደልድል፡ ንሓባራዊ ረብሓ ዚሰርሕ ስርርዕ ኢዩ። ገለ’ውን ብምኽንያት ናይቲ ናይ ቀደም ሕሉፍ ኣበርክቶ ናይቲ ቅድሚኡ ዚነበረ (ቀዲም) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሕኤ)፣ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ግጉይ ይዅን እምበር፡ ዕዉር ተኣማንነት ዘንብሩ ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ደገፍ ዘስደምም ኢዩ፣ ብፍላይ ምስቲ ርኡይ መርትዖታት ናይቲ በቲ ስርዓት ዚፍጸም ተደጋጋሚ ምክልባትን ጥልመትን ህዝቢ ኤርትራ ይዅን ክድዓት ናይቲ መበገሲ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ፡- ናጻ፡ ደሞክራስያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንደቅናን ንመጻኢ ወለዶታትን።

እቲ ድምር ናይ ኣረመናዊ ቀስቢ፣ ዝውታረ ናይ ሓያልን ኣድማዕን መሳርሒታት መመያ(censorship) ኰነ ስርጭት ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣደናጋሪ መግለጽን፤ ክትትልን ቍጽጽርን መርበብ ኢንተርነት፤ ተደጋጋሚ ምዕጋት መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን፣ ንዚዀነን ንዅሉን ተጻይ ጽውያታት ንምድቋስን ንምጥፋእን ይሰርሕ። ክዉንነት ኵሉ ግዜ በቲ ‘ወግዓዊ’ ጽውያ ናይቲ ስርዓት ጥራይ ይግለጽ፣ በቲ ቀዳምነታቱ፡ ረብሓታቱን ንዕኡ ዚርኣዮ ጸጥታዊ ስግኣታትን ድማ ይቕረጽ። ዚዀነ ተቓውሞ፡ ዘይምስምማዕ ይዅን ነቐፌታ ብጭካነ ይድቈስ። እዚ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ድሕነት ሃገርን ድሕነት ስርዓትን ዘሎ መስመራት ፍልልይ ውጅብርብር የብሎ።

ኣብ ክዉንነት፡ ኣብ መንጎ ድሕነት ሃገረ ኤርትራን ድሕነት ናይቲ ስርዓትን መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ ሃገርን ስርዓትን ዘሎ ፍልልይ ብዕላማ ሓደን ዘይፈላለን ንምምሳል ጽልግልግ ከም ዚብል ይግበር። ነቲ ጽልግልግ ብዚለዓለ ደረጃ ብምምዝማዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ነብሰ-ዕቃበ ናይቲ ስርዓት፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ንዕኡ ዘጋጥሞ ‘ታህዲዳት’ን ‘ሓደጋታት’ን ከም ጕዳይ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ገይሩ የቕርብ። ካብዚ ዚተላዕለ፡ እቶም ታህዲዳት ብቕልጡፍ፡ ብጭካነን ብዘይን ንሕስያን ኪግጠሙ ኣለዎም።

እታ ኣብ መሰንጥቖ ናይ ክልተ ዘይርጉእ ተቐያያሪ ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ደቡብ ዓረብን እትርከብ ኤርትራ ብተጻባእቲ ዚቝጸራ ወይ ተጻባእቲ ዚተገብራ ጐረባብቲ ብቐጥታ ዚተኸበት ኢያ፡- ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን። ኪኖ እቲ ናይ ቀረባ ከባቢኣ፡ ኤርትራ ሎሚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ እዋን ቃልሲ ምእንቲ ርእሰ-ውሳነ፡ ኣህጕራዊ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ኣሎ። ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኵነታት ዓቢ ፍልልይን ኣገዳሲ ፍሉይነትን ኣሎ። ተነጽሎ ኤርትራ ኣብ እዋን ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ንርእሰ-ውሳነ በቲ ኣህጕራዊ ኮም ተስገዲዱ ዚነበረ ኪኸውን እንከሎ እዚ ህሉው ተነጽሎ ግን በቲ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ ዝተደፋፍአ ኢዩ። ብርግጽ፡ እቶም ቀንዲ ደረኽቲ ናይዚ ህሉው ተነጽሎ ኤርትራ እቶም ዘቤታዊ ተግባራትን ግዳማዊ ሜላዊ መልሰ-ግብርታትን ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢዮም። ነቲ ‘ዕላማ ዚምችእ’ ስትራተጅያዊ ውሳነ ነቲ ስርዓት ብዘይ ክትዕ፡ ብዘይ ትንታነ፡ ብዘይ ተሓታትነት፡ ብዘይ ገምጋም ናይ ሳዕቤን፡ ከም ዚተራእዮ ንኪውስን የፍቅደሉ። እዚ ስርርዕ’ዚ፡ ምስቲ ኵሉ ትርጉም-ኣልቦ ቅልበሳታት ሜላ፣ ጐዳኢ ጥልየታት፣ ኣረሜናዊ መድቈስቲ፣ ንውሽጣዊ ፖለቲካ ኤርትራ ሕንፍሽፍሽ ከእትወሉ እንከሎ እቲ ግዳማዊ ሜላ ድማ፡ ብሰሪ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፖለቲካዊ ኣካል ኤርትራን ኣብታ ሃገርን ቀጻሊ ኵነተ ውጥረት ዚዘርእ ዘይምዕሩይ ውሳነታት ዚባኸኑ ተኸታተልቲ ዕድላት የንጸባርቕ።

ንተነጽሎ ኤርትራ ብዚምልከት፡ እቲ ተኣሊሙ ንህዝቢ ዚሽየጥ ጽውያ፡ ብሓቂ፡ ነቲ ክዉንነት ይዅን ነቲ እሙት ተራ ናይቲ ስርዓት ኣየንጸባርቕን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ፡ ታሪኻዊ ተዘክሮታት ናይ ተነጽሎን ብዕላማ ዳግም ምቕልቃሉን መበገሲ ብምግባር፡ እቲ ስርዓት ነቲ ኣህጕራዊ እገዳ ከም ምኽኒት ዘይብሉን ዘየድልን ተግባራት ናይ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኤርትራ ገይሩ ይገልጾ። ብርግጽ፡ እዚ ምጕት’ዚ ፍርቂ ሓቂ ኣለዎ። ብዓይኒ ፍትሕን ርትዓውነትን፡ ብመንጽር ቻርተር ሕሃን ኣህጕራዊ ልሙድ ሕግን፡ እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዚተወስደ እገዳ ብሓቂ ፈልዩ ዘጥቅዕ፡ ዘይምኽኑይን ዘየድልን ኢዩ፤ ብርግጽ ግን ዘይተደፋፍአ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር፡ ምስ ጐረቤት ንዘጋጠመ ርኡይ ዶባዊ ግጭት ምእማን ብምእባይን መርትዖ ብዘይብሉ ክስታት ደገፍ ንኣሸባሪ ጕጅለ ብምውንጃልን፡ እገዳ ምግባር፤ ኣብ ልዕሊ እታ ኣህጕራዊ ሕጊ ብግልጺ እትጥሕስ፣ ውዕላዊ ግዴታኣ ምፍጻም እትኣቢ፣ ልኡላዊ መሬት ጐረቤታ ብቕሉዕ እትጐብጥ ካልእ ሃገር ተመጣጣኒ ስጕምቲታት ዘይምውሳድ፣ ብርግጽ ድርብ መለክዒታት ምዝውታር ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ስርዓት፡ ልክዕ ከምቶም ተጻባእቲ ጐረባብቲ ስርዓታት፡ ነቲ “ጸላእ ጸላኢ ዳርጋ ፈታዊ” ዚብል ግጉይን ኣርሒቑ ዘይጥምትን ሜላ ብምኽታል፡ ብዋጋ ዞባዊ ርግኣት፡ ንናይ ሓድሕድ ፖለቲካውን ብረታውን ተቓወምቲ ጕጅለታት ከም ዚድግፍ ኪፍለጥ ይግባእ።

ብዚዀነ፡ ኣህጕራዊ እገዳታት ዘየድምዑ መሳርሒታት ግትኣት ምዃኖምን ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ዘይመጣጠን ጽዕነት ከም ዘንብሩን ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ ኢዩ። ብግልባጡ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ከም መበጀዊ ናይ ሳዕቤናት ፖለቲካዊ ጌጋታቱን ሕማቕ ቍጠባዊ ኣከያይዳኡን ዘገልግል ጠቓሚ መዳይ ኣለዎም። ክንዲ ዚዀነ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ቀጻሊ ሕጽረታት ናይ መሰረታውያን ተደለይቲ ኰነ ኣድለይቲ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፣ ነቲ ቍጠባዊ ልምዓትን ማሕበራዊ ግስጋሰን ኣልሚሱ ዘሎ ስእነት ርእሰማልን ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍርን፣ ከም ሳዕቤናት ናይቲ ተጻባኢ ኣህጕራዊ እገዳታትን ከም ታህዲድ ንድሕነትን ራህዋን ኣርትራ ገይሩ ይሸጦም።

ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ተደጋጋሚ ጽውያታት፡ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ፡ ‘ሓድነቱ’ ከደልድልን ናብቲ ዳርጋ ጽውጽዋያዊ ‘ርእሰ-ምርኰሳ’ ኪምለስን ይጽዋዕ፣ ዓቢ ጻዕሪ ኪገብርን ደርማስ መስዋእቲ ኪኸፍልን ይግደድ ኣሎ። ብመፈለምታ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ብሰሪ ስእነት እኹል ኣህጕራዊ ደገፍ ካብ ኣድላዪነት ዚተላዕለ፡ ርእሰ-ምርኰሳ፡ ብቐንዱ ምስቲ ክምህ ዘይብል ቈራጽነትን ምሕዝነትን ኣብ ጽላል እቲ ልዑል ኤርትራ ሃገራዊ መንነት፡ ናጽነት ኣብ ምጭባጥ ሓጊዙ። ብመሰረት ግጉይን ብፍላጥ ዚተገብረን ዝንባዐ ናይ መትከል ርእሰ-ምርኰሳ፡ ክቱባት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብስም ምህናጽ ሃገር፡ ኣብ ስራሓት ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ወይ ኣብ ዕደና፡ ብዘይ ዋላ ነቲ ብዚተሓተ ዘድሊ መቝነን ኩፖን ዘየኽፍል ግቡእ ወይ ብቑዕ ደሞዝ ተዋፊሮም። ኣብዚ ዘመነ ምዕቡል ኢንዱስትርያዊ ስነኪነት (technology)፡ እቶም ክቱባት ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ፡ ሕቘ ዚሰብር፡ ብርቱዕን ጽዑቕን ኣካላዊ ጻዕሪ ዚሓትት ዘየርብሕ ጕልበታዊ ስራሓት ከም ዚለፍዑ ይግበር። ኣሰቃቒ ክዉንነት ብመንጽር’ቲ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ዕደናታት ወርቅን ፖታሽ! ብዘይ ዚዀነ ግሉጽነት ወይ ተሓታትነት ኣብቲ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ፋይናንስ፡ እቲ ኣታዊታት ናይተን ዕደናታት ዚተሓሳሰቦ የብሉ ዋላ ኣብ መዓላ ረብሓ ናይታ ሃገርን ህዝብን ኣይውዕል።

እቲ መሪር ክዉንነት ናይዚ ተስፋ ዘይብሉ ስርዓት ኤርትራ ጃምላዊ ስደት፡ ብፍላይ ናይ መንእሰያት፡ ደሪኹ፤ ብዙሓት ግዳያት ናይ ሰብኣዊ ፍልሰትን ባርነትን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ናይ ምህርቲ ኣካላት ኣብ ሲናይ፣ ናይ ሞት ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ፣ ናይ ጥሕለት ኣብ ማእከላይን ቀይሕን ባሕርታት፣ ኰይኖም። ነዚ ዓይነት ሓደጋታት ዘድፍር ውሳነ ሰራሪ ምርጫ ዚኸውን እቲ ኣማራጺ ካብኡ ኣመና ዚኸፍአ ምስ ዚኸውን ጥራይ ኢዩ። እቲ ካብ ብዝሒ ናይቶም ካብ ኤርትራ ብከም ምስቓይ፡ ስቅያትን ቀይድን ዚኣመሰሉ ምኽንያታት ዚሃድሙ ሰባት ዚቐርብ ብሃር ጸብጻባትን እናዛየደ ዚመጽእ መርትዖን፡ በቲ ስርዓትን ደገፍቱን ብኣሉታ፡ ብስንብታ ወይ ነቲ ወቐሳ ናብ “ካልኦት” ብ