All updates

“ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ኣይረኣናን’ዮም ዝብሉ። እቲ ዝበዝሐ ቅትለት ብምሊሽያ እዩ ተፈጺሙ።” በረኸት ሃይለ

14/02/2021
“ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ኣይረኣናን’ዮም ዝብሉ። እቲ ዝበዝሐ ቅትለት ብምሊሽያ እዩ ተፈጺሙ።” በረኸት ሃይለ

እዚ ልዕሊ 100 መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ከምዝተቐትለን ዓመጻት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተፈጸመ ዝተፈላለዩ ምንጪታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጽዎ ኣለዉ። ገለ ካብቶም ግዳያት ናይዚ ኲናት ሰላማዊ ህዝቢን ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት እዮም። ንሎሚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝወረደ ቅትለትን ዓመጽን ከመይ ከምዝመስልን መን ፈጺምዎ ከምዝኽእልን ክንድህስስ ኢና። ሓደ ካብቶም ብቐረባ ንገለ ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተኸታቲሉ ኣዛሪቡ ዝረኸቦ ሓበሬታ ተጣባቒ መሰላት በረኸት ሃይለ እዩ። ቅድሚኡ ግና ኣቐድም ኣቢሉ ካብቶም ስደተኛታት ናይ መዓስከር ስደተኛታት ዝለኣኸልና ጽሕፍቲ ከንብበልኩም።

Original Source: SBS Tigrinya