All updates

San Diego and Oakland Seminars

24/10/2017
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ ከተማታት ሳን ድየጎን (ሓሙስ 12 ጥቅምቲ 2017) ኦክላንድን፡ በይ ኤርያ (ሰንበት 15 ጥቅምቲ 2017)፡ ብዛዕባ ተራ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብ ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሰሚናራት ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ ናይቲ  ሰሚናራት፡ብዛዕባ ኣገዳስነት ሃገራዊ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ፣ ቀንዲ ብድሆታትን ዕድላትን ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ፣ ተራ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ እዋናዊ መደብ ዕዮ፣ መሰረታዊ መትከላትን ቀንዲ ክብርታትን፣ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።
_________________________________

ህዝባዊ ሰሚናራት
ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራን - ተራ ዲሞክራስያውያን ሓይልታትን
ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ ከተማታት ሳን ድየጎን (ሓሙስ 12 ጥቅምቲ 2017) ኦክላንድን፡ በይ ኤርያ (ሰንበት 15 ጥቅምቲ 2017)፡ ብዛዕባ ተራ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብ ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሰሚናራት ኣካይዱ። ኣብ መእተዊ ናይቲ  ሰሚናራት፡ብዛዕባ ኣገዳስነት ሃገራዊ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ፣ ቀንዲ ብድሆታትን ዕድላትን ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ፣ ተራ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ እዋናዊ መደብ ዕዮ፣ መሰረታዊ መትከላትን ቀንዲ ክብርታትን፣ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዚተኻየደ ህዝባዊ ሰሚናራት፡ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰዓቱ ኣኺሉ ናይ ለውጢ ኣንፈታት ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ እዋን፡ ተራ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧ እንታይ ዓይነት ለውጥን ኣሰጋጋሪ መስርሕን ኢዮም ውሕስናን ቀጻልነት ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራን ድሕነት ህዝብን ከረጋግጹ ዚኽእሉ፧ ንዝብሉ ነጥብታት ብዝርዝር መግለጺ ተዋሂቡዎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ሰሚናራት፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጸገማት ቀጽሪ ተቓውሞ፣ ነቶም ጸገማት ንምፍታሕን ጥርናፈ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕባይን፣ መድረኽ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ዘተ ንምስላጥ ዝተወስዱ ዕማማትን ንመጻኢ ዚውሰዱ ምድላዋትን፣ ተገሊጹ። ነቶም ኣብ እዋን ስግግር ኪፍጠሩ ዚኽእሉ ሓደጋታትን ናይ ፖለቲካዊ ሃጓፋትን ኣብ ምእላይ ኣበርክቶ ንምግባር፣ ኣተኵሮ ቀጽሪ ተቓውሞ፡ ካብ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ምንባር ወጺኡ፣ ንቕድሚት ዘማዕደወ ኪኸውን ከም ዚግባእ፡ ብግብራዊ ተመክሮን ክልሰ ሓሳብን ኣሰንዩ ኣቕሪቡዎ።

ለውጢ ኣብ እነማዕድወሉ ዘለና እዋን፡ ብፍላይ ኣብ መስርሕ ስግግር፡ ከጋጥሙና ዚኽእሉ ዓበይቲ ዘቤታውን ጀኦፖለቲካውን ብድሆታት፡ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ብግብሪ ከመይ ከምእንወጽኦም ተገሊጹ። ብምቕጻል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘማእከለ፤ ካብ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ናጻ ዚኾነ፡ ብፍትሒ ዚዳነን ንዚተበደሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዚኽሕስ መሰጋገሪ መንግስቲ ምትካል፣ እቲ እንኮ ተሪፉና ዘሎ ኣማራጺ ክብል ኣስሚሩሉ። ነቲ ኵሉ ዚቐርብ ዚነበረ ሕቶታት፣ ኣብነታት ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምን ብምድራዕ ሚዛን ኣንቢሩሉ።

ድሕሪ ነዊሕን እዋናውን ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ተሳተፍቲ ሰሚናር በዳህቲ ንዋዕላ ናይሮቢ ዝምልከቱ፡ ንሓፈሻዊ ንጥፈታት መድረኽን ደምበ ተቓውሞን፤ ነቲ ኣብ ፍራንክፈርት ኪካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ዘተን ሕቶታት ብመልክዕ እንካን ሃባን ቀሪቦም ምይይጥ ተኻይድሎም። ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ተራ መድረኽ ኣብ ለውጢ ንዘለዎም ስክፍታ፣ ከምኡ’ውን ሕቶን ርእይቶን ብዘይ ምንም ሕብእብእ ብቐጥታ የውርድዎ ምንባሮምን፤ እቲ ዚወሃብ ዚነበረ መልስታት’ውን ብልዙብን ብግሉጽነትን ምቕራቡ፣ ነቲ ህዝባዊ ሰሚናር ድምቀት ሂብዎ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ዚነበረ ዋሕዲ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ናብ ኣወንታ ዚቐየረ ህሞት ኔሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ቅድሚ ናብ ቤይ ኤርያ ኦክላንድ ምምጽኡ፡ ኣብ ከተማታት ሳን ድየጎን (ካሊፎርንያ) በርገንን (ኖርወይ) እውን ተመሳሳሊ ህዝባዊ ምይይጣትን ርክባትን ምክያዱ ይፍለጥ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ንኣምባሳደር ዓንደብርሃን ተስፋ ከይቈረጸን ከይተሓለለን ነዚ ምስ ብጾቱ ጀሚርዎ ዘሎ ዕማም ምቅርራብን ምውህሃድን ቀጽሪ ተቓውሞን ናይ ሓሳብ ሓድነት ክውን ምግባር ክድፍኣሉ ተላብዮም።

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ

17 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.  

ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሰሚናር