All updates

(Reply - መልሲ) ዓገብ፡ ጌና ዘይሓወየ ቍስሊ ምጕዳእ!

14/06/2017
ዚ ጻውዒት’ዚ፡ ዕዉር ዚርእዮ፡ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ዘንጸባርቕ፣ ካብ ታሪኽ ዘይመሃር፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ኢትዮጵያዊ ወራር ዚዕድም፣ ንክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራትን ንክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታትን፣ እቲ ናይ ትማሊ ዓቢ ቍስሊ ጌና ኣብ ረኽሲ እንከሎ፣ እንደገና ንምንቛት፡ ነጋሪት ኲናት ዚሃርም ኢዩ።
__________________

ዓገብ፡ ጌና ዘይሓወየ ቍስሊ ምጕዳእ!

ጥዩስ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሓለቓ ስታፍ-ነበር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ምስ ኣዲስ ዘመን ዚበሃል መንግስታዊ ጋዜጣ ዚገበሮ፡ ኣብ 12 ሰነ 2017 ተሓቲሙ ዚተዘርግሐ፡ ነዊሕ ቃለ-መጠይቕ፤ ብሓጺሩ፡ ኢትዮጵያ ዓባይ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ምዃና፣ ዳግም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ኪትከውን ከም ዘለዋ፣ ቀይሕ ባሕሪ ንምቍጽጻር፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይዅን ብዚዀነ መንገዲ፡ ዕድመ ሻዕብያ ምሕጻር፡ ንኢሳያስ ምልጋስ ከም ዘድሊ፣ ይገልጽ።

ርግጽ፡ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ኢያ። ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ግን ኣይኰነትን። እትውንኖ ደንደስ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ማያት ቀይሕ ባሕሪ የብላን። ዳግም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ኪትከውን፡ ንቐይሕ ባሕሪ ኪትቈጻጸር እንተዀይና ድማ፡ ንኤርትራ ብወራር ኪትጐብጥ፣ ዕድመ ሻዕብያ ከተሕጽር፣ ንኢሳያስ ከተልግስ ኣለዋ፣ ኢዩ እቲ ጻውዒት። 

እቲ ጻውዒት፡ ዕዉር ዚርእዮ፡ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ዘንጸባርቕ፣ ካብ ታሪኽ ዘይመሃር፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ኢትዮጵያዊ ወራር ዚዕድም፣ ንክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራትን ንክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታትን፣ እቲ ናይ ትማሊ ዓቢ ቍስሊ ጌና ኣብ ረኽሲ እንከሎ፣ እንደገና ንምንቛት፡ ነጋሪት ኲናት ዚሃርም ኢዩ። ብመንጽር’ዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣረኣእያ’ዚ፡ ኣብዚ፡ ከም መዘኻኸሪ፡ ሓድሓደ መሰረታዊ ሓቅታት፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ምጥቃስ ኣድላዪ ይኸውን።

ሓደ፡- ኤርትራ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ኢያ። ብዚዀነ ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ዚፍጸም ወራር፣ ሃገራዊ ልዑላውነት ዚግህስ፡ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሬት ኤርትራን ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ በብዘለዎ፡ ብምሉእ ዓቕምን ሕልናን፡ ነቲ ባዕዳዊ ወራር ንምምካት ከም ዚዕጠቕ ኣየጠራጥርን።ውድዓዊ ሳዕቤን ባዕዳዊ ወራር ድማ፡ ዕምሪ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘናውሕ’ምበር ዘሕጽር ኣይክኸውንን ኢዩ።

ክልተ፡- ኣብ ኤርትራ ስርዓት ምቕያር ዋኒን ወይ ውራይ ኤርትራውያን ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ንዚዀነ ካልእ ባዕዳዊ ኣካል ወይ ግዳማዊ ሓይሊ ዚምልከት ጕዳይ ኣይኰነን። ኣብቲ ብኤርትራዊ ዋንነትን ውሳኔን፡ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዚካየድ ሃገራዊ ጻዕሪ፡ ኣገዳስነት ኣህጕራዊ ደገፍን ዞባዊ ምሕዝነትን ርዱእ፣ ዚዀነ ቀጥታዊ ይዅን ተዘዋዋሪ ግዳማዊ ምትእትታው ግን፣ ንጹግ ኢዩ።

ሰለስተ፡- ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር፡ ንዅሎም ወገናት ዚለኻኽም ጕድኣት እምበር ንዚዀነ ወገን ዘርብሕ ፋይዳ ከም ዘይብሉ፡ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብቲ ዞባና፡ ዓቢ ኣሉታዊ ኣብነት ናይ ሶማልያ ከነስተብህል ይግባእ።

ኣርባዕተ፡- ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን፡ ብደረጃ ሃገር ኰነ ዞባ፡ መቓቒልካ ዚርኣዩ ወይ ካብ ሓድሕድ ተነጻጺሎም ኪሰፍኑ ዚኽእሉ ኵነታት ኣይኰኑን። እቲ ኪኖ ኣፍንጫ ዘይርኢ ሜላ ‘ጸላእ ጸላኢየይ ዳርጋ ፈታውየይ’ ኣብቂዑ፣ ክልቲአን ሃገራት ፖለቲካ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ገዲፈን ፖለቲካ ናይ ሓባር ረብሓታት ኪዅስኵሳ እዋኑ ዚኣኸለ ጠለብ ኰይኑ ኣሎ።

ሓሙሽተ፡- እቲ ዚሓለፈ ኣስፋሕፋሒ ጐበጣን ወራራትን ዘስዓቦ ኲናታት፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ነቲ ብናይ ቀረባ ሕውነት ዚልለ ጐረባብቲ ህዝብታተን፣ ኣደዳ ናይ ሰፍ ዘይብል ሓባራዊ ዕንወት፡ መቕዘፍቲ፡ ድሕረትን ድኽነትን ከም ዚገበረን፣ እቲ ጌና ዘይሓወየ ስንብራት ህያው ምስክር ኢዩ።

ስለዚ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ንህዝብታተን’ምበር ንሓድሕደን ዘይምልከት ዓይነት ስርዓት ነፍሲ ወከፈን ብዘየገድስ፣ ነቲ ሒዘንኦ ዚጸንሓ፡ ንክልቲአን ሃገራትን ንክልቲኡ ህዝብታትን ኰነ ነቲ ዞባ ዘየርብሕ፡ ስትራተጂ ዘይንቡር ዝምድናታት ገዲፈን፣ ጕዳይ ዶብ ብመሰረት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብምፍታሕ፣ ብመትከልን ብግብርን፡ ኣብ ምክብባር ሓድሕዳዊ ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ዚተመርኰሰ፣ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚሓቍፍ፣ ናብ ሓድሽ ዝምድና ናይ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ዘምርሕ ስትራተጂ ንምስጋር ኪሰርሓ ይግባእ።

_____________________

The original interview with Gen. Tsadkan's can be viewed here.