All updates

(Part 2) ጻዊዒት ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ብ ፕሮፈሰር ዓወት ተ. ወልደሚካኤል

03/04/2020
ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግጣም . . .
ቅልዕቲ ደብዳቤ ንመንግስቲ ኤርትራ ቁ. 2
ብ ፕሮፈሰር ዓወት ተ. ወልደሚካኤል

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብስም “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” (High Level Task Force) ንኮሮና ቫይረስ (Covid-19) ዝምልከት መምርሒታት ዝሓዘ መግለጺ ብሚያዝያ 1 ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ መግለጺ ተበጺሑ ዘሎ ኣዝዩ ሓደጋኛ ምዕባሌታት ኣቃሊሑን ተሪር ውሳኔታት ኣስፊሩን ኣሎ። ንቕልጡፍ ለውጥታትን ግዜ ዘይህብ ሓደገኛነት እዚ ለበዳን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክእረሙን ዝያዳ ኣተኵሮ ክወሃቦም ዘለዎም ነጥብታትን ብምቕሉልነት አካፍል፤

1. ምምስራት እዚ “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ዓቢ ስጕምቲ ደኣ ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ዘይግሉጽነት ግን ሕቶታት ምልዓሉ ኣይተርፎን፤
ሀ. መራሕትን ኣባላትን እዚ “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” መነመን ኢዮም እንታይ’ከ ድሕረ-ባይታኦም?
ለ. ተልእኾን መዝነትን ስልጣንን (mission, mandate and authority) “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” እንታይ ኢዩ?
ሐ. ተልእኾኡ ንምፍጻም ዘኽእሎ ዓቕሚ ሰቡን ናውቱንከ እንታይ ይመስሉ?
መ. ምስ ዜጋታትን (ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን) ምስ ወጻእተኛታት መሻርኽትን ዝራኸበሎም ሜላታትን መስመራትንከ እንታይ ኢዮም?

2. እዚ ምቛሙ ከይተኣወጀ ስርሑ ዝጀመረ ዝመስል ሓይሊ ዕማም፡ ህዝብና ንምድሓን ብብቕዓት ክመርሕን ክዋሳእን፡ ከምኡ’ውን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ኣገደስቲ ሕቶታት ንምምላስን እምበኣር፡ እዞም ዝስዕቡ ብህጹጽ ክትግበሩ እምሕጸን፤
ሀ. “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ግዚኡ ዝሓለወ ኩለንትናዊ ተበግሶታትን ግብረ-መልስን ምእንቲ ክወስድን ውሳኔታቱ ከተግበርን፡ ምሉእ መዝነትን ስልጣንን ብኣዋጅ ክወሃቦን፡ ብትካላት መንግስትን ብህዝብን ብመሻርኽትን ክፍለጥ።

ለ. “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ነዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ለበዳ Covid-19 ንምቁጽጻርን ንምጥፋእን ዘኽእሉ ውሳኔታት ይውስድ፤ መምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ሕብረት-ሰብናን ብምውሳእ ትግባሬኦም የረጋግጽ።

ሐ. “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ነጻን ቐጥታውን ርክባት ዝገብረሉ ናይ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ካልእን መስመራት ክህልዎ፤ በዚ ኣገባብ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመጢጡ ንዘሎ ሞያዊ ዓቕሚ ሰብና ናይ ሓበሬታን ሓሳባትን ተመክሮታትን ምልውዋጥ ብምግባር ብቕዓቱ ክብ ከብሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ሕክምናን ተደራራቢ ሓላፍነታቶም ጸይሮም ህዝቦም ንምድሓን እጃሞም ከበርክቱ ዱሉዋት ሰለዝኾኑ ምስኦም (ብጥሙር ኮነ ብውልቂ) ሞያዊ ምትሕግጋዝ ይገብር።

መ. “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ብተመሳሳሊ መስመራት ርክብ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ገበርቲ ሰናይ ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን ውድባትን (መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን) ሽርክነት ይፈጥርን ሓገዛት ይሓትትን ይቕበልን።

በ. ብኹሎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ኣንጻር ለበዳ Covid-19 ዝዋጻእ ወይ ዝዳሎ ዘሎ ሓገዛት (ብጥረ ገንዘብ ይኹን ንብረት፡ ናይ ደገፍቲ መንግስቲ/ህ.ግ.ደ.ፍ. ወይ ተቓወምቲ ከይበለ) ተቐቢሉ ብንብረት ንሃገር የእቱን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝግባእ መዓላ የውዕልን። ብኽነት ግዜን ገንዘብን ጻዕርን ንምውጋድ’ውን፡ ዘለዎ ሕጽረታት ናውትን ቀረብን ዘድልይዎ ሓገዛትን ኣቐዲሙ ንለገስቲ የፍልጥ።

ሰ. “ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም” ብግሉጽነት ይሰርሕን ናይ ስርሑ ጸብጻባት በብግዜኡ ንህዝቢ የቕርብን ከከም ኣድላይነቱ ድማ ብሞያውያን ኦዲት ይግበርን።

--/የቐንየለይ/--