All updates

ምዉቕ ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽንብል መበል 31 ዝክረ-ዓመት ናጽነት

24/05/2022
[:swvar:text:838:]

24 ግንቦት 2022

ምዉቕ ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽንብል መበል 31 ዝክረ-ዓመት ናጽነት

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡

ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ኣብዚ መበል 31 ዝክረ-ዓመት ሃገራዊ ናጽነትና እንጽንብለሉ ዘለና ኣዝዩ ዘሐብን ታሪኻዊ ህሞት’ዚ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ምዉቕ ዮሃና!

24 ግንቦት 1991 ሓርነት መላእ መሬት ኤርትራ ዘበሰረት ታሪኻዊት መዓልቲ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ድሕሪ ናይ 101 ዓመታት ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃን ዘይሕለል ቃልሲ ጅግና ህዝባን፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ናጻ ኰይና። ከምቕጽበት፡ ሃገራዊ ፈንጠዝያ ሰፊኑ፣ ሽግ ተስፋ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ተወሊዑ።

ሎሚ 24 ግንቦት 2022፡ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዅሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ከንጸላሉ ዚጸንሐን፡ ጌና’ውን ዘንጸላሉ ዘሎን፡ ደበና ስግኣት ዞባውን ኣህጕራውን ተጻብኦታት ብዓወት መኪቱን ይምክትን ኣብ ዘለወሉ ህሞት ይጽንበል ብምህላዉ፡ ፍሉይ ዕዙዝነት ኣለዎ።

ኰይኑ ግን፡ እዚ ዕዙዝ በዓል’ዚ ኣብዚ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ነጋሪት ኣስፋሕፋሒ ኲናት ዚህረመሉ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነት’ዚ ይጽንበል ምህላዉ ምስትብሃል ኣገዳሲ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ነቲ ሓደጋ ብዓወት ንምምካት ኣብ ጐድኒ ህዝቡን ጅግና ሓይልታት ምክልኻሉን ምሉኣ ዓቕሙ ብምስላፍ አእጃሙ ከበርክት ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎ።

ጐድኒ ንጐድኒ’ዚ ምስቲ ሃገራዊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ንምውሓስ ዚካየድ ቃልሲ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ንምስፋን ብማዕረ ኪቃለስ ማዕረ ሓላፍነት ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሰብኣዊ ሓርነት ኪጐናጸፍ መሰል ኣለዎ። ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታቱ ብግቡእ ተጠቒሙ መነባብሮኡ ንምምዕባል፣ ኵነተ ስድርኡ ንምምሕያሽ፣ ሕብረተሰቡ ንምስሳን መሰል ኣለዎ።

ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቅዋማዊ ምሕደራ ኪተክል፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ኪጐናጸፍ መሰል ኣለዎ። ምስ ምሉእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት ብሰላምን ቅሳነትን ኪነብር መሰል ኣለዎ። ኣብ ብቑዕ ኣባይቲ ኪነብር፣ እኹል ቀረብ መግቢ፡ ጽሩይ ዚስተ ማይ፡ ግቡእ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጸዓት፡ መብራህቲ፡ መጐዓዝያ፡ ወዘተ.፡ ኪህሉዎ መሰል ኣለዎ። ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ድማ፡ ነዚ ዘይንፈግ መሰረታዊ መሰላት’ዚ ክዉን ንምግባር ብምሉእ ዓቕሙ ኪቃለስ ብጹእ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

ጕዳይ ምውሓስ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ፣ ጕዳይ ምትካል ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ኤርትራ፣ ጕዳይ ምስፋን ፍትሒ፡ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ፣ ንዅሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ኰነ ጕጅላዊ ምትእስሳሩ ብዘየገድስ፡ ብማዕረ ዚምልከት ጕዳይ ኢዩ። ስለዚ ድማ፡ ንዅሉ ጋድማዊ ተጻብኦታት ንጐድኒ ገዲፉ፡ ምእንቲ’ዚ መሰረታዊ ዕላማታት’ዚ ብሓባር ኪቃለስ ታሪኻዊ ግዴታ ኣለዎ። ምእንቲ ናይ ሓባር ዕላማ ብጥምረት ምስ እንቃለስ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል፣ ሃገራዊ ቍጠባና ከነበራብር፣ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገርና ከነመዓራሪ፣ ሕብረተሰብና ከነሰስን፣ ስድራቤታትና ክንኣኻኽብ፣ መንእሰይና ክንኵስኵስ፣ ዞባውን ኣህጕራውን ቍመና ሃገርና ከነጸብቕ፣ ዓቢ ተኽእሎ ኣለና።

ኤርትራ ሃገርና ንዅሉ ኤርትራዊ ማዕረ ትብጻሕ። ስለዚ፡ ኵሉ ዜጋ ብማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ዕድል ዚነብረላ፣ ብቅዋማዊ ሕጊ እትመሓደር፣ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ ዚሰፈና፣ ህዝባ ዚኽበረላን ዚሕበነላን ሃገር ንኺትከውን ብምሉእ ዓቕምና ክንጽዕር ይግባእ። ኣብዚ ንሃገራዊ ልዑላውነትና ዚህድድ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ሰብ-መዝን ፖለቲካዊ ልሂቃንን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዚስመዓሉ ዘሎ እዋን’ዚ ብፍላይ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ኰነ ልዑላውነት ህዝቢ ንምስፋን፡ ጥርናፈኡ ከዕዝዝ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ዳግም አዘኻኽር።

ኣብዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ፡ ቅኑዕ መኣዝን ክትሕዝ፣ ንነባሪ ፍታሕ ክትቃለስ፣ ሕድሪ ጀጋኑ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ክትስከም፣ ነቲ ብመስዋእቶም ክዉን ዚገበሩዎ ሃገራዊ ልዑላውነት ከተውሕስ፣ ልዑላውነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ክትቃለስ፣ ታሪኻዊ ግዴታ ኣለካ። ኤርትራዊ ጅግንነት ውረስ፣ ብልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ተሓበን፣ ኣብ ጐድኒ ሃገርካን ህዝብኻን ደው በል፣ ነቲ ሃገራዊ መንነትካ ኪስርዝ ኰነ ብህርፋን መሬትን ባሕርን ኤርትራ ዓዊሩ ነቲ ዕዙዝ ክብሪ መዓልቲ ናጽነትካ ዘቋናጽብ ባዕዳዊ ሓይሊ መክት፣ ንዅሉ ኣስፋሕፋሒ ህርፋናት ንምምካን ተቓለስ።

ኣብዚ መበል 31 ዝክረ-ዓመት ሓርነት መሬትን መበል 29 ዝክረ-ዓመት ልዑላዊ ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ እንጽንብለሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ሓይልታት ምክልኻሉን፡ ምዉቕ ዮሃና ከቕርብ፡ ዓቢ ሓበን እስምዓኒ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!