All updates

Meskerem - መስከረም መልሲ!

08/09/2017
መስከረም መልሲ! 
 
መስከረም መልሲ: መስከረም ዚጨወኺዮም ምለሲ!
 
መስከረም ኪብሉኺ ከም ጥዑም ስብራ
ኣበሳሪት ዕጡቕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዚዓለምኪ ንመሰል ናጽነት ብሓበራ
ኣበጊስኪ ኣንጻር ግዝኣት ሓሳረ መከራ።
 
ኣኪብኪዮ፡ ፋሕ ከይብል ከም ደቂ ዛግራ
ንሓረስታይ ጆባእ ትብልዮ ፍርያት ኣዝመራ
ንዚጠመየ፡ ዚጸዓረ ትዕንግሊ ብሓበራ
ዕምባባ ገልገለ መስቀለ ትስልሚ መሬት፡ እምባኣ መሮራ።
 
መስከረም መልሲ፡ መስከረም ዚጨወኺዮም ምለሲ!
 
ኣይግድን፡ ሰብ ውዕለትኪ ዘንጊዕኺ
እቶም ዚሰንከሉ ምእንታኺ
ህይወቶም ዘወፈዩ ኣብ ክንዳኺ
ጸኒዖም ዘጽንዑ ክሳብ ዕለተ ዓወትኪ።
 
ንጸወርቲ ሽግ ፈጸምቲ መብጽዓኺ
ኵሉ ገዲፎም ነብሶም ዚመነኑ በጃኺ
ብደመ ረሃጾም ዓንጊሎም ከሰስኑኺ
ዓጽሞም ዝኸስከሱ ኣብ ጎቦ ስንጭሮኺ
መታን ከተስፍኒ ክብርን ሓበንን ንህዝብኺ።
 
መስከረም መልሲ፡ መስከረም ዝጨውኺዮም ምለሲ!
 
ኣበይ ኣትዮም ጀጋኑኺ፧
ከመይ ትርስዕዮም መራሕትኺ፧
ብህያዎም ኪቕበሩ ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ
ኣይትዘንግዕዮም’ባ ሰብ ሞያኺ
ኣማዕድዊ፡ ዘክሪ ኣለይትኺ።
 
ኣበይ ኣበሉ እቶም ሃንደስቲ ህላዌኺ፧
ንእስነቶም ወፍዮም ‘ኣለናልኪ’ ዝበሉኺ
ኵናት መሪሖም ግርማ ናጽነት ዘልበሱኺ
ኣበይ ተኸወሉ እቶም ምሩጻት ደቅኺ፧
ሓደራ፡ ቍሊሕ በሊ ዘክሪዮም በጃኺ።
____________________________________________
ዋላ ይንዋሕ እዋን፡ ሓንቲ መዓልቲ’ላ!