All updates

ውርሻ ጸሃይቱ በራኺ

30/05/2018

ጸሃይቱ በራኺ፡ ሓንቲ ካብ ጐብለላት ዘመናዊ ሙዚቃን ዓበይቲ ባህላዊ ሓርበኛታትን ኤርትራ፣ ኣብ ስደት፡ ኣብ ሮተርዳም፡ ሆላንድ፡ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ፡ 24 ግንቦት 2018፡ ኣብ 79 ዕድሜኣ ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ሎሚ መዓልቲ፡ 30 ግንቦት 2018 ኣብ ኣስመራ ኪፍጸም ኢዩ። ዘመነ ግርንቢጥ ኰይኑ፡ ከም በዓል ጸሃይቱ ዚኣመሰሉ፣ ንናጽነት፡ ንባህልን ንሰውራን ደርማስ ኣበርክቶ ዚገበሩ ዓበይቲ ጀጋኑ ኣብ ስደት ኪበልዩ ንዅሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ድርብ ሓዘን ኢዩ። በዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኤሪ-ፕላትፎርም ዓሚቝ ሓዘንና እናገለጽና ንመላእ ቤተሰብን ፈተውትን ጸሃይቱ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንዓኣ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ ንብል። 

 

እታ ብዕሸላ ውሻጠ ዚፈንጠሰት
ብእግሪ-ተኽላ ድሕረት ዚመከተት
ሓብሓቢ ዘይብላ ምቍንጻብ ዚሰገረት
ኣላይ ዘይብላ ኣብ ነብሳ ዚተኣማመነት
ዘንበልበለት እወ! ኣርማ ማዕርነት
ዚሰበረት መቑሕ ባርነት
ንሃገራዊ ዕላማ ኣንጊሃ ዚመረሸት
መዓልቲ መሪጻ ኢሎምኒ ከይኣወጀት
ኣብ ከቢድ ዝኽሪ ናይ ጅግንነት።
 
ኣማን ብኣማን ትንሳኤ ባህሊ ኢኺ
ቅርሲ ዓባይ ኣባ ሻውል መዕበይትኪ
ቅኒት ክራርኪ መግለጺት ባህግኺ
ስነ ጥበብኪ ኣብሪህኪዮ ብግጥምኺ
ጻት ንጻት በጺሑ ብደርማስ ድምጽኺ።
 
ብዜማኣ መናእሰይ ኰስኲሳ
ወኒ ሃገራውነት ኣልቢሳ
ብጥዑም ድምጻ መንፈስ ሰባት ኣሐዲሳ
ብትሕዝቶ ቃላታ ፍቕሪ ጐስጒሳ
ብልቦናኣ ሃገር ሞጒሳ
ብቈራጽነታ ሓሞት ጸላኢ ኣፍሲሳ።
 
እወ! ንጅግንነት ይከኣሎ ኣዚማ ኣወሪቓ
ንዋርሳይ ሕድሪ ኣያታቱ ኣስኒቓ
ንህዝባ ሓርነቱ መሪቓ።
 
መዓልቲ ናጽነት ከይከውን ንውልቀ-መላኺ መመደሪ
ባንዴራና ኰይኑ ከይተርፍ ነጸላ መሳዕስዒ፡ መዳኸሪ
ደም ሰማእታትና ፈቐድኡ ከይዛሪ
ኢላትና ኣይትረስዑኒ ከምቶም ዝጠለምኩሙዎም ሰብ ሕድሪ
ዳግማይ መርሹ ንሃገራዊ ክብሪ።
 
እወ! ጸሃይቱ ህልውቲ ኢኺ ኣብ ሕልናና
ፍትውቲ ኢኺ ኣብ ልብና
ህብብቲ ኢኺ ኣብ ህዝብና
ሓወልቲ ኢኺ ኣብ ቅርሲ ሃገርና።
 
ብሰላም ዕረፊ
ነዛ እትስዕብ ደርፊ ጸሃይቱ ክትሰምዑ ንዕድም