All updates

[TG/AR/EN] መኽፈቲ መደረ - ምድራኽ ሃገር-በቈል ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ - ኣምባ. ዓንደብርሃን (ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2022-II)

07/08/2022

-------- [ English and Arabic versions available below ] --------

ብራሰል፡ በልጁም
6 ነሓሰ 2022

ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2022-II
ምድራኽ ሃገር-በቈል ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

መኽፈቲ መደረ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ 2ይ ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2022 (2022-II)

ምዉቕ ሰላምታ ብምቕዳም፡ እንኳዕ ናብዚ ኣብ ብራሰልስ፡ በልጁም፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንካልኣይ ግዜ ዚሰላሰል ዘሎ ኤርትራ ሲምፖዝዩም ብደሓን መጻእኩም።

እዚ፡ ኣብዚ ሃገርናን ዞባናን ኣብ ተቐያያሪ ርሱንን ዝሑልን ተጻብኦታት ተጸሚዱሉ ዘሎ ቅልውላዋዊ ህሞት ዚካየድ ዘሎ እዋናዊ ሲምፖዝዩም’ዚ፡ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብዚ ኣገዳስን እዋናውን ሲምፖዝዩም’ዚ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንካልኣይ እዋን፡ ንምስታፍ፡ ብሕታዊ ዋኒንኩም ኣወንዚፍኩም፡ ካብ ኤውሮጳ፡ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (ሕመኣ) ብምምጻእኩም ብልቢ አመስግን። እቲ ኣብዚ ኣአኪቡና ዘሎ ቀንዲ ጕዳይ፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ፡ ልዑላውነት ሃገርና ዘውሕስ፡ ንህዝብና ልዑላዊ ስልጣን ዘጐናጽፍ፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሃገር-በቈል ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምድራኽ ዘበርክት ኣገባብ ብምድህሳስ፡ ንኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ ንምብጋስ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ዚተናውሐ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቃልሲ ከም ዘካየደ ኩላትና ንፈልጥ። በቲ ዚተኻየደ ተባዕ ቃልሲ፡ በቲ ምጽኣት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ዘጐናጸፈ ፍጹም ወተሃደራዊ ዓወትን ስዒቡ ዚተሰላሰለ ረፈረንዱምን ድማ፡ ኣዚና ንሕበን። ኰይኑ ግን፡ ሳላሳን ሓደን ዓመታት ድሕሪ ምጕንጻፍ ናይቲ ብብርቱዕ ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዚተጨበጠ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብቲ ቅድሚኡ ዚነበረ እዋናት ናይ ተኸታታሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዚሓይሽ ህይወት ናይ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ተሓሪሙዎ ጸኒሑ። አረ ብገለ መዳያቱስ፡ ኣዝዩ ዚኸፍአ ኢዩ።

እቲ ንዅሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ዚገበተ መላኺ፡ ንጕዳይ ሃገርን ዋኒን መንግስትን፡ ኣሰር ርትዓውነት፡ ግሉጽነት ኰነ ተሓታትነት ብዘይብሉ ሃውራዊ ኣከያይዳ፡ ንዅሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ መንገዲ ቍልቍለት ኣትሒዙ ኪጐዓዝ ጸኒሑን ኣሎን። ህሉው ቍመና ሃገርናን መነባብሮ ህዝብናን ህያው መሰኻኽር ናይዚ ዘሐዝን ክዉንነት’ዚ ኢዮም።

ኤርትራ ሽሕ’ኳ ጸዓተኛ፡ ጻዕረኛ፡ ህርኩት ህዝብን እኹል ባህርያዊ ጸጋታትን ዚተዓደለት ሃገር እንተ ዀነት፡ ቍጠባኣ ብቐጻሊ ከንቈልቍል፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝባ ዓመት-ዓመት ካብ ሕማቕ ናብ ዚሓመቐ ኪወርድ ጸኒሑ። ሎሚ ሃገራዊ ቍጠባና ኣብ ዕንወት ይርከብ። ህዝብና ኣብ ሓሳረ-መከራ ናይ ኣዋጣሪ ሕጽረት ወይ ፍጹም ስእነት ናይ እኽለ-ማይ፡ መብራህቲ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዚኣመሰሉ መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት ይነብር ኣሎ። ብቐጻሊ ስእነት ወይ ትሑት ደረጃ ናይ ከም ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ዋኒነ-ባንካ (banking) ዚኣመሰሉ ኣድለይቲ ህዝባዊ ኣቕሑን ኣገልግሎታትን ይሳቐ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ሎሚ ዘመንያ ግሪንቢጥ ማይ ንዓቐብ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን፡ ንተራ ይዅን ብርቱዕ ሕማማት፡ ሕክምናዊ ክንክን ንምንዳይ፡ ናብ ሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ምኻድ ኪግደዱ ኣዝዩ ዘሕፍር ክስተት ኢዩ።

ሓደ ውልቀ-መላኺ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ ብኢደ-ወነኑ ገቢቱ፡ ነቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ብግቡእ ዚጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ረጊጹ፡ ኣብ ሃገርና ብውልቃዊ ዊንታ ዚለዋወጥ፡ ግዝኣተ-ሰብ ኣስፊኑ ኣሎ። ብቅዋም ዘይምምሕዳር፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላቱ ሓሪሙዎ ጸኒሑ። እቲ ብመንገዲ ግዝኣት ናይ ሕሱም ጭቈናን ኣረሜናዊ መድቈስትን ዚትግበር ኵሉመዳያዊ ሕርመት መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ብምሒር ፍርሒ ዚተጐብአ ሃዋህው ኣስፊኑ።

ብርግጽ፡ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ህጹጽ ኣድላይነት ናይ ምምስራት ሓድሽ ደሞክራስያዊ ኣከያይዳን ምትካል ቅዋማዊ ምሕደራን የነጽር። ኣብቲ ልቢ ወይ ከርሲ ልቦም፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ ይዅን ኣብ ዳያስፖራ፡ እቲ ዚህሉዎም ፖለቲካዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ፡ ኣብ ህጹጽ ኣድላይነት ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ይሰማምዑ ኢዮም። ብተወሳኺ፡ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድላዪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ግድን ዘይተርፍ ምዃኑ ከም ሓቒቕ ንጹር ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ በቲ ምልካዊ ስርዓት ዚፍጸም ብርታዐ ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ እቲ ህሉው ኵነታት ንነዊሕ እዋን ኪጽወር ዘይከኣል ስለ ዚዀነ።  

ኰይኑ ግን፡ እቲ ለውጢ፡ ረብሓን ጥቕምን ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ናብ ዘረጋግጽ ሃገር-በቈልን ካብ ግዳማዊ ምትእትታው ናጻ ዚዀነን ቅዋማዊ ምሕደራ ከምርሕ ይግባእ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ሃገራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ኤርትራዊ፡ ህሉው ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ኰነ ምትእስሳሩ ብዘየገድስ፡ ብሓደ ወገን፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ኪከላኸል፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምጻእ ኪቃለስ ብጹእ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎ።

ንዅሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዚውርወር ድፍረትን ታህዲድን ምቅዋም፡ ብሓደ ወገን፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ምቅላስ ድማ፡ በቲ ካልእ፡ ጥቡቕ መጐታዊ ምትእስሳር ኣለዎም። ኣብዚ፡ ምስዚ ኣተሓሒዘ ከስምረሉ ዝደሊ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ምትካል ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ብቐንዱ ንኤርትራውያን ዚምልከት ውራይ ኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኪበቍል፣ ብኤርትራዊ ዋንነት፡ ውሳኔን ሜላን ኪብገስ፡ ኪድረኽን ኪፍጸምን ይግባእ። ግዳማዊ ምትእትታው ዓቢ ጕድኣት’ምበር ዚዀነ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ተመኵሮ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሲርያ፡ ሊብያ እኹል መርትዖ ኢዩ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ብስም ተቓውሞ ንምልካዊ ስርዓት ወይ ብስም ጽልኣት ኢሳያስ፡ ጸግዒ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ እዉጅ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዘለዎ፣ ብግብሪ ንሃገረ ኤርትራ ኣዳኺሙ ንምምቕቓል ዚሰርሕ፣ ተጻባኢ ባዕዳዊ ሓይሊ ምሓዝ፣ ስለያዊ ሓበሬታ ምምጣው፣ መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላምኡን ፕሮፓጋንዳዊ ዘመትኡን ምዃን ኰነ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ድሕነት ሃገረ ኤርትራን ዚጻረር ተግባራት ምስልሳል፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ፡ ብገበናዊ ተግባር ዘኽስስ ክድዓት ኢዩ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቶም ብምትእትታው ግዳማዊ ሓይልታት ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ዚሕልኑ፡ ነቲ ሓደገኛ መርገጺኦም፡ ምእንቲ’ቲ ህያው ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን፡ ዳግመ-ገምጋም ኪገብሩሉ፣ ኣብ ጐድኒ ህዝቦምን ሃገሮምን ደው ኢሎም ንተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ኪሰርሑ እጽውዕ። ብማዕረ መዐየሪ፡ ነቶም ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ እናረኣዩ ከም ዘይረኣዩ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዕዉር ወይ ዘይነቐፌታዊ ደገፍ ምሃብ ዚቕጽሉ ዘለዉ፡ መርገጺኦም ዳግመ-ግምት ኪገብሩሉን፡ ምእንቲ ዚለዓለ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን፡ ኣብቲ ምእንቲ ፍትሕን ቅዋማዊ ምሕደራን ዚካየድ ቃልሲ ኪጽንበሩን እጽውዕ። ብተመሳሳሊ መምዘኒ፡ ነቶም ኣብቲ ‘ስቕተኛ ኣብዝሓ’ ተደጒሎም ዘለዉ፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጥዕና ሃገረ ኤርትራን ወሳኒ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ልኡማት ተዓዘብቲ ዚዀኑ፡ ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንፍትሕን ቅዋማዊ ምሕደራን ኪጽንበሩ እጽውዕ።

ኤሪ-ፕላትፎርም፡ ኣብዘን ዚሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ተነጣጠፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ፡ ቀንዲ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዘማእከለ፡ ሓባራዊ ባይታ ናይ ሓባር ስራሕ ንምንጻፍ ኪሰርሕ ጸኒሑ። ነዚ ሸቶ’ዚ ንምውቃዕ፡ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ተነጣጠፍቲ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ብምትእኽኻብ፡ ሃናጺ ሃገራዊ ልዝብ ንምክያድ፡ ጠቓሚ ሓሳባት ንምእማም፡ ዓቕምታት ንምውህላል ኰነ ርጉእ ስግግር ኣብ ምድራኽ ንምትሕግጋዝ ዚዓለመ ተኸታታሊ ሲምፖዝዩማት ከሰላስል ጸኒሑን ኣሎን። ከም መቐጸልታ ናይቲ ኪካየድ ዚጸንሐ ጸዓት ድማ፡ ኤሪ-ፕላትፎርም ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምድራኽ ሃገር-በቈል ስግግር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዚብል ቴማ 2ይ ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2022 ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እዚ 2ይ ኤርትራ ሲምፖዝዩም 2022 ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ኣለዉዎ፦

1. ነቶም ኣብቶም ዚሓለፉ ሲምፖዝዩማት ዚተሓፍሱ ዓወታት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ዳያስፖራ ዘለዉ ፕሮደሞክራስያዊ ተነጣጠፍቲ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ጥርናፈ ንምድንፋዕን ምትሕብባር ንምሕያልን። ኣብ ምንታይ ዕላማ፧ (1) ሃገራዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኣብ ምክልኻል፣ (2) ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍ፣ (3) ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ኣብ ምጽዓር።  

2. ኣብ ህሉው ኵነታት ኤርትራ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዚተመርከሰ ዝርርብ ምክያድን ኣብ ሓባራዊ ራእይ ዚተመስረተ ፕራግማታዊ ውጥናት ሓባራዊ ስራሕ ምእማምን።

3. ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ዳያስፖራ ዘለዉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ተነጣጠፍቲ መድረኽ ሓድሕዳዊ ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ምውዳድ።  

ነቲ ድርብ ዕማም ናይ ምክልኻል ሃገራዊ ረብሓን ምድራኽ ቅዋማዊ ምሕደራን ብኣድማዕነት ንምስልሳል ክልተ ጽፍሕታት ዚሓዘ ኣወዳድባ ምትእትታው ዘድሊ እመስለኒ።

(1) ብመልክዕ ልፍንቲ (coalition) ዚጥርነፍ ሰፊሕ ምትእኽኻብ ናይ በበይኑ ኣረኣእያታት ዘለዎም ዚተፈላለዩ ተነጣጠፍቲ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጥርናፈ’ዚ፡ ንዅሉ ግዳማዊ ስግኣታትን ምትእትታውን ብምብዳህ መሰረታዊ ረብሓ ሃገረ ኤርትራ ንምውሓስ ምቅላስ ኢዩ። እዚ ጥርናፈ’ዚ ነቶም ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዚቃለሱ፣ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዚከላኸሉ፣ ንዅሉ ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ኤርትራ ዚቃወሙ ተነጣጠፍቲ ውድባት ኰነ ውልቀሰባት ይሓቍፍ። ነዚ ልፍንታዊ ጥርናፈ’ዚ ቀጽሪ ልዑላውነት ኤርትራ (ቀልኤ) ክንሰምዮ ንኽእል።

(2) ስጡም ጥርናፈ (coalescence) ዘለዎ ሕመረት ናይ ሓባራዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ተነጣጠፍቲ ውልቀሰባት። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጥርናፈ’ዚ፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ዚደለዮ መንግስቲ ብናጽነት ናይ ምምራጽ መሰል፡ ምርግጋጽ ኢዩ። ብጭቡጥ፡ እቲ ሕመረታዊ ጥርናፈ ነቶም ኣብ ኤርትራ ሃገርና ምእንቲ እዞም ዚስዕቡ ዕላማታት ዚቃለሱ ተነጣጠፍቲ ውልቀሰባት ይሓቍፍ፦ (1) ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ምምጻእ፣ (2) ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ፣ ድሕነት ሃገርን ርግኣት ሕብረተሰብን ዘረጋግጽ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ መባእታዊ ሓርነታት ኰነ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘውሕስ፤ ሰብኣዊ ኣኽብሮትን ማዕርነትን ዘስፍን፣ ግሉጽን ተሓታትን ቅዋማዊ ምሕደራ ምትካል፤ (3) ዓለማዊ (ዕልማናዊ) ዜግነታዊ ሃገረ መንግስቲ ምህናጽ፣ (4) ኣሳታፊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምጥጣሕ፣ (5) ሃገራዊ ቍጠባ ምብርባርን ሰብኣዊ ርእሰማል ምምዕባልን፣ (6) ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ህዝብና ምድልዳል፤ (7) ሰላማዊ ሓባረ-ህላወን ጽቡቕ ጕርብትናን ዚዅስኵስ ግዳማዊ ሜላ ምኽታል። እዞም ዓምድታት እዚኣቶም ከም ቀንዲ መሰረት ሕመረታዊ ጥርናፈ የገልግሉ።

ኣብዚ ህሉው ኵነታት፡ ኵሉ ሃገራውን ፕሮደሞክራስያውን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ውልቀሰብ ዚነጥፍ ይዅን ከም ጕጅለ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘንግስ፣ ፍትሒ ዘስፍን፣ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዘኽብር ቅዋማዊ ምሕደራ ንምድራኽ ኪሰርሕ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። ሃገርና፡ ብሰንኪ (1) ጥልመት መበቈላዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስናን መሰረታዊ ሃረርታ ህዝብናን፡ (2) ሃውራውን ተለዋዋጥን ኣከያይዳ ግዝኣተ-ሰብ፡ (3) ብኽነት ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታትና፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ መንገዲ ቍልቍለት ሒዛ ኪትጐዓዝ ጸኒሓ። ኣንፈት ናይዚ ጕዕዞ’ዚ ንምቕልባስ ብንቕሓት ክንሰርሕ ኣሎና።

እዞም ኣብ ዳያስፖራ እንነብር ተነጣጠፍቲ ድማ፡ ኣካል ናይቲ መስርሕ ክንከውን፣ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ምድራኽ፡ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ፡ ከነበርክት ዓቢ ተኽእሎ ኣለና። ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ፡ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምድራኽ መታን ከነበርክት ግን፣ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነት፡ ጥርናፈ የድልየና። በበይንኻ ተበታቲንካ ካብ ምስራሕ፣ ተጠርኒፍካ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታትካ ኣዋህሊልካ፡ ጸዓትካ ኣወሃሂድካ ምስራሕ ብዝያዳ የድምዕ። ብርግጽ፡ ጥርናፈና ዓወት ሓባራዊ ዕላማና ከቀላጥፍን ከውሕስን ዚዓበየ ተኽእሎ ኣለዎ።

ደረጃ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነትን ጥርናፈን ውጽኢት ውልቃዊ ውሳኔ ናይ ነፍሲ ወከፍና ኢዩ። ሃገራዊ ሸቶና ንምዕዋት ሓያል ውዳበ፡ ተሪር ሓድነት ዕላማ፡ ጽኑዕ ምሕዝነት ቃልሲ ምዅስኳስ የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ክብረቱ ዚሕልወሉ፣ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዘረጋግጸሉ፣ ፍትሒ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ሃገርና ንጡፍ ተሳትፎኡ ዘኽእል፣ መንግስቲ ኪህልዎ ከም ዚግባእን ኪህሉዎ ከም ዘለዎን ዘማትእ ኣይኰነን። እምበኣርከስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ድሕነት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዘውሕስ ተሓታትን ግሉጽን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምድራኽ ንበገስ።

ዕዉት ሲምፖዝዩም ኪዀነልና እናተምነኹ፣ ጽን ኢልኩም ስለዝሰምዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!


Brussels, Belgium
6 August 2022

Eritrea Symposium 2022-II
Catalysing Homegrown Transition to Constitutional Governance

Amb. Andebrhan Welde Giorgis

Keynote Address

Dear Participants of Eritrea Symposium 2022-II,

I would like to extend you warm greetings and a very warm welcome to the second Eritrea Symposium this year being convened here in Brussels, Belgium.

Convened at a critical moment when our country and region are beset by intense antagonisms and Eritrean Diaspora politics is plagued by loss of compass and total disarray, the symposium bears special significance. I extend you my heartfelt thanks for coming here from Europe, Canada, and the United States of America to participate, once again within a short span of time, in this important and timely Symposium. We are gathered here to explore ways and means for effective joint action to help Catalyse Homegrown Transition to Constitutional Governance in our beloved home country that assures our people the exercise of their sovereignty and the enjoyment of freedom, justice, and prosperity.  

We all know that the Eritrean people waged a protracted political and military struggle for self-determination. We all are also very proud of the total military victory of the valiant struggle that, following the subsequent referendum, delivered the emergence of the sovereign State of Eritrea. Yet, thirty-one years after the achievement of the hard-won independence, a life of freedom, justice, and prosperity better than that under successive colonial rule continues to elude the Eritrean people. Their human condition is even worse off in certain respects.

Having grabbed all political power, an authoritarian despot conducts the affairs of state and the business of government in an arbitrary manner, devoid of any semblance of rationality, transparency, and accountability, driving the country on a downward spiral in all spheres of national life. The present status of our country and the living conditions of our people are a living testament of this unfortunate reality.

Even though Eritrea is blessed with an admirably industrious, hardworking, and enterprising people and the endowment of ample natural resources, its economy has been on a constant decline and the livelihood of our people has steadily gone from bad to worse every year. Today, our national economy lies in a shambles. Our people are suffering from an acute shortage or total lack of basic necessities, such as foodstuffs, potable water, electricity, and housing. Access to essential public goods and services, such as healthcare, education, transport, communications, banking, etc., remain lacking or substandard. It is quite ironic, indeed a shame, that Eritreans are hard pressed to seek medical treatment for common and serious illnesses alike in Sudan or Ethiopia.

An autocrat has usurped the sovereign power of the people, setting aside the Constitution of Eritrea, drafted with broad popular participation as well as duly ratified by a Constituent Assembly, and imposed the arbitrary and capricious rule of man. The non-application of the Constitution has deprived the Eritrean people of their fundamental political, economic, social, and cultural rights. This deprivation, perpetrated via a reign of harsh oppression and brutal repression, has induced a state of extreme fear among the people.

Indeed, the prevailing situation in our country and the present condition of our people make palpable the imperative for establishing a new democratic dispensation and constitutional governance. In the heart of their hearts, most Eritreans living inside and outside the country, irrespective of their political affiliation, agree on the urgent need for a stable transition to constitutional governance. Furthermore, it is crystal clear that change is not only imperative, but also inevitable. After all, notwithstanding the severity of repression perpetrated by the autocratic regime, the status quo is simply untenable.

The change, however, must be homegrown and free from external interference to ensure a stable transition to constitutional governance in the interest and to the benefit of the great majority of the Eritrean people at home and in the Diaspora. Hence, all patriotic pro-democracy Eritreans, regardless of their current political outlook or affiliation, have a moral responsibility to defend the sovereignty and territorial integrity of Eritrea, on the one hand, and fight for a stable transition to constitutional governance, on the other.

There exists an indelible dialectical link between challenging the affront and threats to the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea, on the one hand, and fighting for the establishment of constitutional governance, on the other. In this regard, there is a very critical issue that I would like to underscore here: that the establishment of constitutional governance in Eritrea is solely the business of the Eritrean people. Instituting constitutional governance should be homegrown; initiated, driven, and executed under Eritrean ownership, decision, and policy. The experience of Somalia, Iraq, Afghanistan, Syria, and Libya provide ample evidence that external intervention causes great harm and brings no benefit.

To make, in the name of opposition to the authoritarian regime or under the guise of hatred of Isaias, common cause with a hostile foreign force that holds an openly declared expansionist ambition over the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea and, practically, strives to weaken and dismember Eritrea, provide it with intelligence, become a tool of its political aim and propaganda campaign, or undertake actions hostile to the interest of the Eritrean people and the security of the Eritrean State, is tantamount to treachery chargeable as a criminal offence under the law.

On this occasion, I would like to call on those who seek to change the authoritarian regime through the interference of external forces to reassess their dangerous stance and work, instead, to strengthen the agency of the Eritrean people in the vital interest of the people and the State of Eritrea. In equal measure, I would like to call on those who have turned a blind eye to the suffering of the Eritrean people and continue to lend uncritical support to the dictatorial regime to reconsider their position and join the struggle for justice and constitutional governance in the higher interest of the Eritrean people and the State of Eritrea. In a similar vein, I would like to call on the ‘silent majority’ to join ranks with the struggle for justice and constitutional governance rather than remain passive spectators on an issue of decisive importance to the security of the Eritrean people and the wellbeing of the Eritrean State.

Eri-Platform has, for the past five years, worked to find common ground for joint action among Eritrean prodemocracy activists in the Diaspora, centred on the vital interests of the Eritrean people and the State of Eritrea. To this end, it has conducted a series of symposiums designed to bring together pro-democracy activist groups and individuals to engage in a constructive national dialogue, propose useful ideas, pool resources, and cooperate in support of a stable transition. As a continuation of that effort, Eri-Platform is today convening this year’s followup conference, Eritrea Symposium 2022-II, under the theme of Catalysing Homegrown Transition to Constitutional Governance.

Eritrea Symposium 2022-II has three principal objectives:

1. Build on the achievements of past symposiums to enhance coalescence and strengthen collaboration among pro-democracy Diaspora activist groups and individuals (1) in the defence of the national interest of the Eritrean people and the Eritrean State; (2) in support of the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea; and (3) in pursuit of constitutional governance in Eritrea.

2. Provide for an informed discussion of the current situation in Eritrea and propose pragmatic plans for joint action based on a shared vision.

3. Provide a forum for networking and cooperation among pro-democracy Eritrean activists in the Diaspora.

It seems to me that the effective pursuit of the dual task of defending the national interest and crystallising constitutional governance would require the adoption of a two-tier mode of organisation, that is, organising at two levels.

(1) A broad coalition of diverse activist groups and individuals with different perspectives. The main objective of such a coalition would be to challenge all external threats and interference and safeguard the fundamental interest of the State of Eritrea. The coalition would embrace all activist groups and individuals who stand with the interest of the people of Eritrea and the State of Eritrea; defend the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea; and oppose all external interference in the internal affairs of Eritrea. We can name this coalition the Eritrean Sovereignty Bloc (ESB).

(2) Coalescence of a core of activist individuals with a shared perspective. The main objective of such a coalescence would be the pursuit of the right of self-determination of Eritrea as a people, the right to freely choose their government. The core coalescence would embrace activist individuals committed to (1) doing away with the authoritarian regime and bringing about a stable democratic transition in Eritrea; (2) establishing a transparent and accountable constitutional governance that ensures the rule of law, safeguards the security of the state, and ensures the stability of the society; secures the basic human rights, fundamental freedoms and social justice; and nurtures human dignity and equality; (3) building a secular civic State; (4) establishing a participatory political process; (5) revitalising the national economy and building the country’s human capital; (6) consolidating the national unity and social harmony of the Eritrean people; and (7) pursuing a foreign policy of peaceful coexistence and good neighbourliness. These pillars would serve as a foundation for the core coalescence.

Under the prevailing circumstances, every patriotic pro-democracy Eritrean citizen, acting whether as an individual or as a group, has a solemn responsibility to strive to crystallise constitutional governance that ensures the rule of law, administers justice, and safeguards the basic rights and fundamental freedoms of our people. Our country has been sliding along a path of steady decline due to (1) the betrayal of the original objectives of our armed struggle and the basic aspirations of our people; (2) the arbitrary and capricious exercise of the rule of man; and (3) the squandering of our natural and human resources in all spheres of national life. We must consciously work hard to reverse the trajectory of decline.

We activists in the Diaspora have a great potential to become a part of the process and contribute, directly or indirectly, to crystallising constitutional governance in our beloved country. To contribute to the acceleration of change and the crystallisation of constitutional governance, however, we need preparedness, commitment, unity, and coalescence. Working together in coalescence, pooling our resources, and coordinating our effort would be more effective than going it alone. Indeed, our coalescence bears a greater potential to speed up and guarantee the success of our common objective.

The extent of preparedness, commitment, solidarity, and coalescence are a function of the individual decisions that each of us make. To achieve our national objective, it is essential to cultivate a strong organisation, solid unity of purpose, and firm solidarity in struggle. There is no question that the Eritrean people deserve, and should have, a government that safeguards their dignity; avails them equal rights, equal freedoms, and equal opportunities; promotes justice, prosperity, and harmony; and enables their active participation in all spheres of the political, economic, social, and cultural life of our country. Let us thus move on to help crystallise the establishment of an accountable and transparent constitutional governance in Eritrea that guarantees the human security of every Eritrean citizen.

I wish you a successful symposium and thank you for your kind attention.

Eternal glory to our heroic martyrs!

Long live independent and sovereign State of Eritrea!

God bless Eritrea and its people!