All updates

[UPDATED] [TG/EN/AR] ልልይ ምስ ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ / Introducing Movement for Eritrean People’s Sovereignty

31/03/2020
[:swvar:text:838:]
--- [English and Arabic version available below] ---

ቍጽሪ 01 - 2020

ልልይ ምስ ምንቅስቓስ

ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ


ወከልቲ ሓያሎ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣብ ፍራንክፉርት፡ ጀርመን፡ ብምግባእ፣ ኣብ 1 መጋቢት 2020፡ ብስም ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ምእንቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዚቃለስ ጥርኑፍ ማሕበር ኣቚሞም። ከም ውጽኢት ናይቲ ፍጹም ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ንሓርነት፡ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብመንገዲ ረፈረንደም፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ተጐናጺፋ። ይዅን’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዛጊት ብመንገዲ ናጻን ርትዓውን ሃገራዊ ምርጫ፡ ዚደለዮ መንግስቲ ብምቛም መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ከም ህዝቢ ኣይጨበጠን። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት ናይዚ ጥርናፈ’ዚ፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ህዝቢ ምርግጋጽ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዘመነ ጸልማት ምልካዊ ስርዓት ኣብቂዑ ዘመነ ብርሃን ናይ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ንምምጻእ ዚካየድ ኵሉ-መዳያዊ ሃገራዊ ጻዕሪ፡ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት የመልክት። ጥምረት ሓይሊ ኢዩ።

ኵሉ ሃገራውን ደሞክራስያውን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ይዅን ውድብ፡ እቲ ምድብ ኣወዳድባኡ ብዘየገድስ፡ ነዛ ብጥልመት መበቈላዊ ዕላማታት ሰውራናን ሃረርታ ህዝብናን ናብ ህዝባ ኪነብረላ ዘይክእል ምድራዊት ገሃነመእሳት ተቐይራ ዘላ ሃገርና፡ ናብ ህዝባ ብሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ንቡር ህይወት ኪነብረላ ዚኽእል ሃገር ንምቕያር ኪሰርሕ ቅዱስ ሓላፍነት ኣለዎ። ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ነሓድሕዶም ዚተኣሳሰሩ መስርሓት ኢዮም። ጥምረት ኣብቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፡ መተካእትኡ፡ ኣብ ቅዋም ዚተመስረተ፡ ንሕጊ ዚምእዘዝ፡ ኣኽብሮት መሰረታዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን ዜጋታት ዘውሕስ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምትካል ዚካየድ ጻዕሪ ሓያል መሳርሒ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ሃገርና ኣብ ከብዲ ዓዲ ዚበቍል፣ ብኤርትራዊ ዋንነት፡ ኣልያን ድርኺትን ዚሰላሰል፣ ንዅሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ዚሓቍፍ፣ ንረብሓ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘገልግል ለውጢ ኣብ ምምጻእን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምርግጋጽን ኣበርክቶና ንምዕዛዝ ንተዓጠቕ። ብግብሪ ኣካል ናይቲ መስርሕ ክንከውን፣ ኣብቲ መስርሕ፡ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ፡ ክንዋሳእ ንዳሎ። ለውጢ ኣብ ምምጻእ፡ ምጽኣቱ ኣብ ምቅልጣፍ፡ ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምርግጋጽ ግቡእ ኣበርክቶ ንምግባር፣ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነት፡ ጥርናፈ ክንዕጠቕ የድልየና፡-

ቅሩብነትን ተወፋይነትን ውልቃዊ ውሳኔታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኪዀኑ እንከለዉ፣ ሓድነትን ጥርናፈን ሓባራዊ ውሳኔታት ናይተን ዚተወደባ ኣካላት ሃገራዊ ተቓውሞ ኢየን። ሓድነት ኣብ ውሽጥና ንምትራር፣ ጥርናፈ፡ ተግባራዊ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ንምድልዳል ንጽዓር። ካብ በበይንኻ ተበታቲንካ ምስራሕ፣ እቲ ዚበለጸ ብሓባር ተጠርኒፍካ፣ ብዚተረፈ፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ምስራሕ’ዩ እቲ ብዝያዳ ዘድምዕ፣ ዓወት ናይ ሓባር ዕላማ ዘቀላጥፍን ዜውሕስን።

ነቶም ዕጥቅታት ብግቡእ ንምጥቃም መሳርሒታት የድሊዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ መሳርሒታት ህላወ ናይ ንጹር ራእይ፡ ፍሉጥ ተልእኾ፡ ስሩዕ ዕላማ፡ ጭቡጥ ፕሮግራም፡ ኣድማዒ ኣወዳድባ፡ ብቑዕ መሪሕነት ኢዮም። ብሕጽር ዚበለ ኣቀራርባ፡ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዚስዕቡ መሳርሒታት ብምንጻር ናብ ስራሕ ይብገስ።

ራእይና ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ

ኣብ ሃገርና ኣብ ትግባረ ቅዋም ዚምርኰስ ግዝኣተ ሕጊ ምንጋስ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን፣ እንተላይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ዜጋታት ምውሓስ፣ ርግኣት፡ ድሕነት፡ ቅሳነትን ራህዋን ምስፋን። ንዅሉ ዜጋ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን - ህዝባዊ ተሳትፎ ዚዅስኵስ፣ ግሉጽን ተሓታትን ኣከያይዳ ዚኽተል፣ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትካል።

ዕላማና

ምልካዊ ስርዓት ምእላይን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ምምጻእን። ነዚ ዕዮ’ዚ ብኣድማዕነትን ብዚቐልጠፈን ንምፍጻም፡ በብዓቕምና ከም ውልቀሰባት፣ ብሓባር ከም ምንቅስቓስ፣ ብጥርናፈ ኰነ ብምውህሃድ ምስ ተመሳሰልቲ ሃገራዊ ሓይልታት ብምስላፍ፣ ጭቡጥ  ኣበርክቶ ምግባር።

ፕሮግራም

ፕሮግራም ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዚስዕብ ይሓቍፍ፡-

§  ዓለማዊ (ዕልማናዊ) ዜግነታዊ ሃገረ መንግስቲ ምህናጽ፤

§  ኣሳታፊ፡ ተሓታቲ፡ ግሉጽ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትካል፤

§  ሃገራዊ ቍጠባ ምብርባር፣ ሰብኣዊ ርእሰማልና ምምዕባል፤

§  ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊ ስኒትን ምዅስኳስ፤

§  ጽቡቕ ጕርብትናን ሓባረ-ህላወን ዘስፍን ግዳማዊ ሜላ ምኽታል።

ውዳበ

ሓድነት ሓይሊ ኢዩ። ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ደሞክራስያዊ መተካእታ ምምጻእ ዕቱብ ስራሕ ዘድሊዮ ዕማም ኢዩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብቲ ምልካዊ ስርዓት መንዚዕካ ናብቲ ሕጋዊ ዋንኡ፡ ናብ ህዝቢ፡ ንምምላስ ዚካየድ ሃገራዊ ጻዕሪ ግቡእን ኣድማዕን ኣበርክቶ ንምግባር፣ ተሪር ሓድነት፡ ሓያል ውዳበ፡ ውፉይን ጽኑዕን ቃልሲ ይሓትት። ኣብ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ፡ ምትእምማን፡ ተወፋይነት፡ ዲሲፕሊን ምዅስኳስ የጠቓልል።

መሪሕነት

ቅኑዕ መሪሕነት ሓባራዊ’ምበር ውልቃዊ ኣይኰነን። ኣብ ዚዀነ ንሰናይ ዕላማ ዚግበር ሰብኣዊ ሃቐነ፡ እቲ ንውጽኢት ናይቲ ሃቐነ ዚውስን ሰብ ኢዩ፤ ንቑሕ፡ ውፉይ፡ ጻዕረኛ ሰብ። ንሓደ፡ ከምዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡ ብዅሉ መዳያቱ ገባቲ፡ ብልሹው፡ ጥፉሽ፡ ጨፍላቒ፡ ዓመጸኛ ስርዓት ብምእላይ፣ ብሓደ ደሞክራስያውን ፍትሓውን  ስርዓት ንምትካእ፡ ሓያል መሪሕነት የድሊ። ድልዱል ሕመረት ናይ ንቑሕ፡ ቅኑዕ፡ ብቑዕ፡ ፍትሓዊ፡ ውፉይ፡ ስጡም ሓባራዊ መሪሕነት ምምዕባል ይሓትት። ብርግጽ፡ ውሁድ ኣሰራርሓ ናይ ሓደ ተሪር ውሽጣዊ ሓድነትን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነትን ዘለዎ፣ ካብ ፍጹም ቅንዕናን ውፉይነትን ዚምንጭው ሓይልን ፍናናዊ ስልጣንን ዚውንን ጕጅለ መራሕቲ ይጠልብ። ተሓታትን ግሉጽን ምሕደራ፣ ብመሰረት መምዘኒ ብቕዓት ዚሰርሕ ሓቀኛ፡ ጽፉፍ፡ ዘይሻራዊ ሲቪላዊ ኣገግሎት ምህናጽ የድሊ።

ምንቅስቓስ ንልዕላውነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገርና፡ ንዅሉ ኤርትራዊ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ  ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ሃገራዊ ህይወት ዘሳትፍ፣ ግሉጽን ተሓታትን ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ንምትካል ክንብገስ ትዕድም።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ:- eri.eps2020@gmail.com    

መርበብ ሓበሬታ ብተሎ ኪጅምር ኢዩ።

 

31.03.2020


[:swvar:text:838:]

No. 01 - 2020

Introducing Movement for

Eritrean People’s Sovereignty

 

Representatives of several civic organizations conducted a joint meeting in Frankfurt, Germany, on 1 March 2020, and formed a consortium henceforth to be known as Movement for Eritrean People's Sovereignty. It is to be recalled that the total victory of the armed struggle for liberation made possible the exercise of self-determination of Eritrea as a nation that was secured via a referendum.  However, the Eritrean people have yet to achieve self-determination as a people by forming a government of their choice via a free and fair national election. One of the main objectives of this unity is to ensure that self-determination, the sovereignty of the people of Eritrea. This is a step in the right direction especially at this time when the dark era of dictatorship is dwindling in our country and the dawn of democracy, justice and prosperity in the horizon.

All patriotic Eritrean citizens who believe in the ideals of democracy, whether they are part of an organization or not, have a duty to contribute toward ending the hell-on-earth conditions that currently exist in our country and in restoring the basic objectives of the Eritrean Revolution and the aspirations of its people. Change and democratic transition are intertwined. Unity is strength and it is especially paramount in the effort to remove the tyrannical system and replace it with a constitution-based order that abides by the rule of law, respects the basic rights and freedoms of citizens.

Let us all roll our sleeves and double our efforts in support of a movement borne inside the country, a movement owned and driven by and for Eritreans, a movement that embraces all citizens who live in Eritrea and in the Diaspora, a movement that serves the interest of the country and its people and leads toward change and peaceful democratic transition. This means, directly or indirectly, all of us have to be part of the process. To bring about the type of change we seek, we need to demonstrate our readiness, commitment, unity and willingness to get organized.  

While readiness and commitment are matters of individual decision, unity and organization are in the domains of the collective. To strengthen our national unity, let’s strengthen the pragmatic alliance among Eritrean nationalist forces. To expediate our common goal, instead of scattered efforts, it’s much better to coordinate our capabilities and create synergy.

To properly use the resources, one must have the right tools.  Some of these tools are a clear and a well-defined vision, a blueprint for action, a practical program, an efficient organization and a strong leadership. That is why Eritrean People’s Sovereignty is embarking its mission with the following values.

Our Vision for Tomorrow’s Eritrea

Ensure the reign of constitutional rule of law that guarantees basic human rights and freedoms including political, economic, social, cultural harmony, peace and prosperity of its citizens. We strive to erect a constitutional government that respects the human-dignity of its citizens; ensures equal rights, equal liberty and equal opportunity; a government that nurtures public participation in all aspects of national life, including political, economic, social and cultural; a government that is guided by transparency and accountability.

Our Goals

The removal of the dictatorial system and bringing about peaceful democratic transition. To effectively and swiftly accomplish this mission by collaborating with and coordinating all like-mined national forces.

Our Program

Eritrean People’s Sovereignty program includes:

1.     Building a secular, citizen-centered government

2.     Forming a participatory, accountable, transparent and democratic government

3.     Reviving the Eritrean economy and its human capital

4.     Ensuring national unity and social harmony

5.     Practicing good neighborliness and peaceful coexistence

Organization
Unity is strength. The work of replacing a dictatorial system with democracy requires focused and relentless work.  In the struggle to snatch the political power away from tyranny and back to its rightful owner, the Eritrean people, involves forming a strong organization with dedicated membership.  The process calls for shared responsibilities, trust, commitment and discipline.

Leadership
True leadership is a collective leadership.  Any effort to accomplish something needs enlightened, hardworking, committed individuals who can turn ideas into actions.  In order to defeat a corrupt, power-hungry, failed, repressive and predatory dictatorship, we need a strong, united and qualified leadership that embodies strong values of integrity and justice.  Such leadership needs to exemplify collaboration, internal unity and popular support fueled by moral authority. 

The Movement for Eritrean People’s Sovereignty invites you to do your part in ushering an Eritrea that is based on human-dignity, equality, liberty and opportunity; a peaceful, just and prosperous country, that encourages citizen-participation in political, economic, social and cultural affairs. 

For more info: eri.eps2020@gmail.com

Website to launch soon.

 

31.03.2020