All updates

ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራን ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራን

25/09/2016

The Eritrean-Canadians Human Rights Group of Manitoba held a public seminar on Crimes against Humanity and the Role of Eritreans in the Diaspora.

Recording of the seminar below:
ዊኒፐግ ዩኒቨርሲቲ
ዊኒፐግ፡ ማኒቶባ፡ ካናዳ
25 መስከረም 2016 

ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራን ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራን

ክቡር ኣቦ መንበር፡ የቐንየለይ።

ክቡራን ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡

ኣብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ምቕራበይ ደስታ እስመዓኒ። ስለ’ቲ ዝቐረበለይ ዕድመ ድማ፡ ንጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን-ካናዳውያን ኣብ ማኒቶቢ፡ ምስጋና አቕርብ። እዚ ሰሚናር’ዚ ሰለስተ (3) ዕላማታት ከም ዘለዉዎ፡ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮሙኒ።

1. መበል 15 ዝክረ-ዓመት ማእሰርቲ ወይ ቀይዲ ላዕለዎት መራሕቲ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ ሚኒስተራት፡ ኣባላት ፓርላማ፡ ላዕለዎት መኰነናት ሰራዊትን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር።

2. ንመንግስቲ ካናዳ፡ ነቶም ካብ ፖለቲካዊ ጭኰና ንምምላጥ ዚሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኪቕበል፡ ኣህጕራዊ ግዴታኡ ንምዝኽኻር።

3. መንግስቲ ካናዳ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መታን ከብቅዕ ንኪጣበቕ ንምሕታት።

ብልክዕ፡ ብዛዕባ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ተራ ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ተራ ካናዳውያንን መንግስቲ ካናዳን ኣብ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዚምልከት፡ ውሳኔ መርማሪ ኮሚስዮን ንክዛረብ’የ ተዓዲመ። ብዛዕባ’ዚ ሰፊሕ ኣርእስቲ’ዚ ዚተማልአ ዘተ ንምክያይድ ካብዚ ሎሚ ዘለና ዝያዳ ግዜ ዚሓትት ኢዩ።

እምበኣርከ፡ ንሓፈሻዊ ኵነታትን ኣድላዪነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ሃገርና ብዚምልከት፡ ኣብ ሃለዋት ሰብኣዊ መሰላትን ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራን ዘተኰረ ብሕታዊ ሓተታ ከቕርብ እየ። ንተራ ካናዳውያንን መንግስቲ ካናዳን ኣብ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዚምልከት፡ ካናዳ፡ ከም ሓባራዊ ኣቕራቢት ናይቲ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዚሓለፈ ውሳኔ፡ ኣፍልጦ ከም ዘለዋ ከመልክት እደሊ። ብዚዀነ፡ ኣብቲ ኣብ ኦታዋ ኣብቲ ዚመጽእ ሰሙን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ካናዳ ዝገብሮ ርክብ፡ ነዚ ሕቶ’ዚን ካልኦት ንሃገር ዘገድሱ ጕዳያትን ኣልዒለ ክዘራረብ እየ።

ብጠንቂ ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ዚዀኑ ምኽንያታት ኣይከኣልኩን’ምበር፡ ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሙ ተሰሪዑ ዚነበረ መደብ፡ ትማሊ ሰንበት 18 መስከረም ኣብዚ ክርከብ ምፈተኹ ነይረ። ምኽንያቱ፡ ትማሊ ሰንበት መበል 15 ዝክረ-ዓመት ናይቲ ኣብታ “ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ክድዓትን ተስፋን” ዘርእስታ መጽሓፈይ፡’ጸላም መስከረም ኤርትራ’ ክብል ዝሰመኹዎ ፍጻሜ ስለዚዀነ።

ኣብዚ ካብ ፈለምኡ፡ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘይንጸል ኣካል ናይቲ ሓፈሻዊ ቃልሲ ንደሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ምዃኑ ከነጽር እደሊ። እዘን ኣገደስቲ ባእታታት እዚኣተን፡ ካብ ሓድሕደን ዘይነጻጸላ ኢየን። ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስያዊ መትከላትን ምስ ምልኪ ዘየሳንያ ምዃነን ተመክሮ ይሕብር። ካብዚ ኣስዒበ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ከብርህ ክፍትን እየ።

ብኣበሃህላ ናይቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ፈራዳይ፡ ቶም ቢንግሃም (2010)፣ ግዝኣተ-ሕጊ “ንዅሎም ሰባት፡ ትካላትን ኣካላትን፡ መንግስታዊ ይዅኑ ብሕታዊ፡ እንተላይ ነቲ መንግስቲ ንገዛእ ርእሱ፡ ብዕሊ ንዚተኣወጁ፡ ብማዕርነት ንዚትግበሩ፡ብናጽነት ንዘፍርዱ፡ ምስ ኣህጕራዊ መምዘኒታት ሰብኣዊ መሰላት ንዘሳንዩ፡ ሕግታት ተሓተትቲ ዚገብር መትከል ኢዩ”።

ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ኵሎም ሰባትን ትካላትን፡ መንግስታዊ ይዅኑ ብሕታዊ፡ ንሕጊ ይምእዘዙ፣ ኣብ ትሕቲ ፍትሒ ዘመሓድር ሕጊ ተሓተትቲ ይዀኑ። ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዚኽተል ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ተግባራት መንግስትን ህዝብን’ዩ። ኣብ ከምዚ ናትና ዚኣመሰለ ግዝኣተ-ሰብ ዚሰፈኖ ምልካዊ ስርዓት ግን፡ ምሕደራን ኣነባባርን፡ ብዊንታ ውልቀሰብ ወይ ጸቢብ ጕጅለ ውልቀሰባት ይውሰንን ይቕየርን። 

እስከ ንእዋናዊ ሃለዋት ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ኤርትራ ብመንጽር’ቲ ህሉው ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ድንጋገታት ንመልከት።

ብሃገር ደረጃ፡ ኤርትራ (1) መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ናጽነታትን ዘረጋግጽ ዚጸደቐ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስትን (2) ትሕዝቶን ኣተገባብራን ዘነጽር ሲቪላውን ገበናውን ሕግታትን ኣለዉዋ። ብኣህጕራውን ዞባውን ደረጃታት፡ ኤርትራ ኣባል ሃገር ናይ ሓያለ፡ ከም (1) ኣህጕራዊ ውዕል ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት (2002)፣ (2) ኣፍሪቃዊ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት (1999)፣ (3) ውዕል ምውጋዝ ግዱድ ሽቕለት (2000)፣ (4) ውዕል ኣንጻር ስቅያት (2014)፣ ዚኣመሰሉ ኣህጕራውን ዚባውን ውዕላት ኢያ።

እቲ ሽግር፡ ህላወ ናይዞም ሕጋዊ መሳርሒታት እዚኣቶም ኣብ ወረቐት ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ግብሪ ኣይወዓሉን። እቲ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም ዛጊት ኣይተተግበረን። እቶም ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ኰነ ኣገባባቶም፡ ብግቡእ ኣይተተግበሩን። እቶም ኣህጕራዊ ድንጋገታት ከም ዘየለዉ ተረሲዖም። ዘቤታዊ ተሓታትነት፡ ዞባዊ ክትትል ኰነ ኣህጕራዊ ኣስገዳድነት ዘረጋግጽ ኣገባብ ወይ መካኒዝም የለን።

እምበርኣርከስ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ሃዋህው ናይ ቅዋማውን ሕጋውን ባዶሽ ኢዩ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ[Report of the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea, A/HRC/32/47, 9 May 2016] ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዚቝጸሩ፡ ጃምላዊ፡ሰፊሕን ዚተዋደደን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዚፈጸሙ ንምእማን ዘኽእል ርትዓዊ መበገሲታት ከም ዘለዉዎ ዚደምደመ። እቲ ዝርዝር ክሲታት ገበን “ካብ 1991 ኣትሒዙ ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር፡ ስቅያት፡ ግፍዒ፡ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን’ የጠቓልል። 

ኤርትራ፡ መሰረታዊ ሕጋውን ትካላውን ጽገና ከይገበረት፡ ተሓታትነት ናይዞም ገበናትን ግህሰታትን እዚኣቶም ከተረጋግጽ ከም ዘይትኽእል ብምግንዛብ፣ ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኵነታት ናብ ኣኽባር ሕጊ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ (ኣ.ገ.ቤ.) ከወክሶ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (ኣ.ሕ.) ምርምር ከካይድን ኣገባብ ተሓታትነት ከቕውምን፣ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል ሃገራቱን ድማ ኣብ ሃሃገረን ንዚህልዉ በቲ ገበናት ዚጥርጠሩ ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ወይ ናብ ኣ.ገ.ቤ. ንከቕርባ ዘለወን ግዴታ ከማልኣ ተላብዩ።

ኣብዚ፡ መርማሪ ኮሚስዮን፡ ‘ገበናት ከም ዚተፈጸሙ ዘእምኑ ርትዓዊ መበገሲታት ኣለዉኒ’ ደኣ’ምበር ‘ገበናት ተፈጺሞም’ ከም ዘይበለ ምግንዛብ የድሊ። ብተወሳኺ፡ እቲ ከም መወከሲ ዚወሰዶ ገደብ ግዜ ንብምሉኡ’ቲ ቀዳማይ ዓሰርተ (10) ዓመታት ዕምሪ ኤርትራዊ ሃገርነት ዘጠቓልል ብምዃኑ፡ ብቐንዱ ድማ፡ ኣብ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ እንተላይ ንሕጋውነት ሃገረ ኤርትራ ብዘይ ግቡእ ስለ ዘካፍእ፡ ሽግራት ኣለዉዎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ዚዀነ በደል ከም ዘይብሉ ብምኽሓድ፡ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚስዮን ፖለቲካዊ መበገሲ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኤርትራዊ ዳያስፖራ ንርእሱ፡ ኣብ መንጎ ደገፍን ተቓውሞን ንመደምደምታትት መርማሪ ኮሚስዮን ተፈላሊዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ተቓዋሚ ዳያስፖራ ንሓድሕዱ ተመቓቒሉ፡ ተበታቲኑ፡ ተተፋኒኑ ብርቱዕ ውሽጣዊ ኣሉታዊ ጸዓት ከመንጩ ጸኒሑ።ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣብ ዳያስፖራ፡ ብኸመይ ፍልልያቱ ኣወጊዱ፣ ምትፍናኑ ነኪዩ፣ ኣብ ሃገርና ስሩዕ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምምጻእ፡ ኣብ ብሓባራዊ ራእይ ዚምራሕ ዚተሓተ ናይ ሓባር ፕሮግራም፡ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ኪሰርሕ ይኽእል፧ 

ከም መበገሲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ‘ሃገረ ኤርትራ’፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ’፡ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ዘሎ ፍልልያት ብግቡእ ክንግንዘብን ኣነጺርና ክንመምን ይግባእ። ‘ሃገረ ኤርትራ’ ንህዝቢ፡ ሃገር፡ መሬትን መንግስትን እትሓቍፍ መሬት ዓደቦ ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ኢያ። ‘ህዝቢ ኤርትራ’ ማለት ንዅሎም ዜጋታት ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ’ቲ ናይ ነገድ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ዞባ ብዙሕነቶም ይሓቍፍ። መንግስቲ ድማ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይምልከት።

ህዝብን ሃገርን ነበርቲ ኢዮም፣ ናጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ጸናሕቲ ኢዮም፣ እዚ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግን ሓላፊ ኢዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ከያዲ ኢዩ፣ ብርግጽ፡ ብዚቐልጠፈ ምኻዱ፡ ዚበለጸ። ዕምሪ ስልጣኑ ምሕጻር ወይ ምንዋሕ ድማ ፍጹም ኣብ ኢድና፡ ኣብ ኢድ’ቲ ኣብ ሃገርን ኣብ ስደትን ዚነብር ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ውድቀት ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ብምቅልጣፍ ሓዲሽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኣብ ኢድና ኢዩ።

ብግብሪ፡ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ፕሮ-ደሞክራሲ ሃገራውያን ኤርትራውያን፡- (1) ልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ድሕነትን ሃገረ ኤርትራ ንምዕቃብን ንምክልኻልን፣ (2) ረብሓ፡ ሓድነትን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ንምዕባይ፣ (3) ነዚ ምልካዊ ስርዓት ንምቅላዕ፡ ንምንጻጽልን ንምድኻምን ኪሰርሑ ይግባእ።

ነቲ ኣብ መንጎ ሃገር፡ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ፍልልያት መሚና ምስ እንግንዘብ፡  ኮሚስዮን ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከም ዘይከስስ ክንርኢ ንኽእል። ንብምሉኡ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣይከስስን ኢዩ። ንውሑዳት ሰበስልጣን መንግስቲ ጥራይ ኢዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ስለዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ገበን ፈጺሞም ኪብል ዚኸስስ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚስዮን፡ግቡእ ኣገባብ ዚኽተልን ሓደ ክሱስ ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዚረጋገጽ ንጹህ ምዃኒ ዚኣምንን ሕጋዊ መትከላት የኽብር ኢዩ። ከምኡ ክንድ ዚዀነ ድማ ኢዩ፡ መርማሪ ኮሚስዮን ነቲ ተፈጺሙ ተባሂሉ ዚጥርጠር ገበናት ንምጽራይ፡ ተሓታትነት ንምጽራይ፡ ነቶም ዓመጽ ዚወረዶም ግዳያት ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ሕጋዊ ስጕምቲታት ንኪውሰዱ ዚተላበወ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ጸብጻብ መርማሪ ኮሚስዮን; ፍትሒ ንምስፋን ክልተ (2) መንገድታት ከም ዘለዉ ይሕብር፡- (1) ፍትሒ ንምምሕዳር፡ ተሓታትነት ናይ ዚተጻረዩ ገበናትን ግህሰታትን ንምርግጋጽ፡ ንግዳያት ገበንን ግህሰትን ዚድብስ ግቡእ ካሕሳ ንምውሃብ፡ ዘኽእል መሰረታዊ ሕጋውን ትካላውን ጽገና ዚገበረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ። ወይ (2) ብመንገዲ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ገበናት ህልቂት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ገበናት ኲናት ንምምርማርን ንምፍራድን ዚተመዘዘ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ። ይዅን’ምበር፡ ክልቲኡ መንገድታት ምምሕዳር ፍትሒ፡ ብርቱዕ ቀጻሊ ጻዕሪ ዚሓትትን፡ ዓወቱ ኣቐዲምካ ምርግጋጽ ዘየተኣማምንን ኢዩ።

እቲ ዘይተዓረቕ ሃገራዊ ረብሓታት ናይተን ሓያላት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናይተን ቀወምቲ ኣባላት ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት (ፒ5)፡ ህሉው ጀኦፖለቲካ ናይቲ ስትራተጅያዊ ግን ከኣ ዘይርጉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ደቡባዊ ሓውሲ-ደሴት ዓረብን፡ ነቲ ብምሉእ ድምጺ ናይተን ቀወምቲ ኣባላት ኪሓልፍ ዘድሊ ውሳኔ ምልኣኽ ናብ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣጸጋሚ ወይ’ውን ዘይከኣል ይገብሮ።

ብተወሳኺ፡ ኣሰራርሓ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ፡ ንተኣማንነቱ ፍሒቑዎ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ናይ ሓራዪ ኣመማምያ ተኸሰስቲ፡ ፍሉይ ኣድህቦኡ ኣብ ኣፍሪቃውያን ክሱሳት[1] ምትኳሩ፡ ማለት፡ እቲ ኣዳላዊ ኣተሓሕዛኡ፡ ኣብ ተኣማንነቱ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን መብዛሕትአን ኣባል ሃገራቱን ዘስዓቦ ክሳራ፡ ነቲ ብመንገዲ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምንዳይ ኪካየድ ዚሕሰብ ኣማራጺ ኣብ ክፍለ-ዓለምና ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ንምምስራት፡ ምትሕብባር ናይዚ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ይሓትት፤ መንግስቲ ኤርትራ ኪተሓባበር ማለት ድማ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብግዲኡ፡ እቲ ሃገራዊ ኣማራጺ መንገዲ ናብ ፍትሒ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ መትከላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ዚተመርኰስ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ምሕደራ ይጠልብ።

ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ ንሕና ፕሮ-ደሞክራሲ ኤርትራውያን ሓደ ስትራተጅያዊ ምርጫ ክንገብር ይግባኣና። እንታይ ዓይነት ፍትሒ ከም እንደሊ ክንውስን የድሊ - ፈዳይ ሕነን ቀጻዕን ፍትሒ ዶ ወይስ ኣራምን ኣሐዳስን ፍትሒ፧ ሕነ ምፍዳይ ዶ ዕርቂ ምስፋን፧ ኣብቲ ኣረጊት ጸልማት ናይ ትማሊ ምንባር ዶ ወይስ ናብቲ ብሩህ ሓዲሽ ናይ ጽባሕ ምምራሽ፧ ኣብ ሓደ፡ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ዚካየድ፡ ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ ብምጽማድ፣ ንህዝብና ጐይታ መጻኢ ዕድሉ ንምዃን ዘብቅዕ፣ ንዚተበደለ ፍትሒ ዘረጋግጽ፣ ንሃገራዊ ዕርቂ፡ ግስጋሰን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል፣ ስትራተጅያዊ ምርጫ ንምግባር ንጽዋዕ ኣለና።

ብመንጽር’ዚ ድሕረ-ባይታ’ዚ፡ እስከ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ከብጽሑና፣ ብሓባር ንምስራሕ ሰረት ንምንጻፍ፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ውድቀት ምልኪን ምጽኣት ሓዲሽ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንምቅልጣፍ፣ ኪሕግዙና ዚኽእሉ ሓድሓደ መሰረታዊ ሓቅታት ንመልከት። ሕጽረት ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሰለስተ (3) ክሲታት ገበን፡ ማለት፡ (1) ባርነት፡ (2) ማእሰርቲ፡ (3) ስቅያት፡ ኣሕጽር ኣቢለ ርእይቶይ  ክህብ እየ።

ባርነት

ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓለንጊ ስቓይ መንእሰያት ኤርትራውያን ኰይኑ ጸኒሑ። ንቃልን መንፈስን ኣዋጅ 1995 ብዚጻረር ኣገባብ እናተተግበረ፣ መንእሰያት ንቡር ኣተዓባብያ ኰነ ግቡእ ትምህርቲ ከይረኽቡ፡ ዓቕሞም ከየማዕብሉ ዕድል ነፊጉ። ኣብ ርእሲኡ፡ ሃገራውን ዘቤታውን ቍጠባ ኣዕንዩ፣ ልምዓት ሃገር ሓንኲሉ፣ ንናይ ነዊሕ እዋን ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ፈጢሩ። መወዳእታ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መጻኢ መንእሰያትና ሰሪቑ። እቲ ብዘይ ግቡእ ሃፈ-ጻማ ዚካየድ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መልክዕ ዘመናዊ ጊልያነት ብምሓዝ ዳርጋ ናብ ባርነት ተቐይሩ ። እዚ ድማ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ ኢለ እኣምን። ንስኻትኩም ከ፧

 ማእሰርቲ

እቶም ፖለቲካዊ እሱራትን ዚተቐየዱ ጋዜጠናታትን ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ኢዮም ተኣሲሮም። ዊንታዊ ማእሰርትን ገደብ-ኣልቦ ማሕቡስን ብኣፈ-ቃል፡ ብዘይ ዚዀነ ጽሑፍ ወይ ዚተፈረመ ትእዛዝ፡ ኢዮም ዚፍጸሙ። ማእሰርቲ ናቶም ኣባላት ናይቲ ዚደስከለ መሰጋገሪ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዚነበሩ’ሞ፡ ንጹር ግህሰት መትከል ፓርላማዊ ዘይተተንካፍነት ዘረጋግጽ ኢዩ። ማእሰርቲ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ቀይዲ ብዘይ ፍርዲ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዮም።

ኪኖ’ቲ ሰረት-ኣልቦ ጠቐነታት ናይ ክድዓትን ምንዕዓብን፡ እቶም ፖለቲካዊ እሱራት ብወግዒ ኣይተኸሰሱን፡ ኣብ መጋባእያ ሕጊ ንፍርዲ ኣይቀረቡን። ሓንሳእ ምስ ተኣስሩ፡ ደሃዮም ከይተሰምዐ፡ ፍጹም ጠፊኡ። ምስ ዚዀነ ሰብ ከይራኸቡ ተኸልኪሎም፡ ኣብ ብሕቱው ቀይዲ ተታሒዞም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣበይ ከም ዘለዉ ይዅን ሃለዋት ኣካላውን ኣምሮኣውን ጥዕናኦም ዚዀነ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ብስድራኦም ይዅን ብከም ኣህጕራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ዚኣመሰሉ ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዚዀነ መሰል ናይ ምብጻሕ የብሎምን። ንደቂ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጺኻ፡ኣብኡ በልዮም ኪድርበዩ ኣይትገድፎምን ኢኻ! ኣነ እዚ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኑ እኣምን።

ስቅያት

መርማሪ ኮሚስዮን ዘስካሕክሕ ዛንታታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራትን ተራ ቅዩዳትን ዚፍጸም ስቅያት ካብ ቃላት ናይቶም ግዳያት ባዕላቶም ብምእካብ ሰሪዓ ኣቕሪባ ኣላ። ገደብ-ኣልቦ ቀይዲ፡ ካብ ኵሉ ርክባት ምስ ሰባት ምሕራም፡ ንሰብ በይኑ ነጺልካ ብጽምዋ ምሓዝ፣ ምንፋግ መሰረታዊ መሰል ናይ ህይወት፡ ናጽነት፡ ድሌት ደስታ ኢዮም። ካብቶም ብዚኸፍአ ጭካነ ዚልለዩ ዓይነታት ስቅያትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኢዮም። እስከ ነንገዛእ ነብስኹም ንሓንቲ ህሞት ትኣክል ብሓሳብ ኣብ ቦታኦም ኴንኩም ርኣይዋ!  

ብርግጽ፡ ኤርትራ ህዝባ ኪነብረላ ዘይክእል ሃገር ኰይና ኣላ! ብቍጠባዊ ጸበባ ዚተሰነየ ጃምላዊ፡ ሰፊሕን ዚተዋደደን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብብዝሒ፡ ህይወቶም ኣብ ዓቢ ሓደጋ እናውደቑ፡ ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ንኪሃድሙ ይደፍኦም ኣሎ። ገለ ኣሰጋገርቲ ይጥቀሙ፤ ካልኦት ብእግሮም ይምርሹ። ብዙሓት ኣብቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ምደረበዳ ሳሃራ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብወቕዒ ጸሓይ ይሃልቁ፣ ኣብ ምስግጋር ናብ ሓውሲ-ደሴት ዓረብ ወይ ኤውሮጳ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ፣ ወይ ንምህርቲ ኣካላት ኣብ ሲናይ ይቕዘፉ። ትራጀዲ ላምፐዱዛ ኵላትና እንዝክሮ ኢዩ።  

ብንጹር፡ እቶም ካብ ሃገሮም ዚሃድሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ስደተኛታት ኢዮም። በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚወርድ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ጭኰናን ዘጋጥሞም ፍጹም ተስፋ ምቝራጽን ተደፊኦም’ምበር፡ብተኽእሎ ናይ ዚሓሸ መነባብሮ ኣብ ካልእ ቦታታት ተሳሒቦም ኣይኰኑን ዚስደዱ። ከም ካናዳ ዚኣመሰላ ሃገራት ድማ፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኪቕበላኦም፡ ዑቝባ ኪህባኦም፡ ኪከላኸላሎም ግዴታ ኣለወን።  

ዞባዊ ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት

እቲ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ህውከት ይርከብ። ቀርኒ ኣፍሪካ፡ እቲ ሕመረት (ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን) ይዅን እቲ ዓቢይ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ኡጋንዳን)፡ እቲ ጐረቤቱ ዚዀነ ደቡባዊ ሓውሲ-ደሴት ዓረብን፡ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ይርከብ። እዚ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኰነ ኣብ መንጎ ሃገራት እናገደደ ዚኸይድ ግጭታት ይዅን ደማዊ ኲናታት ሃይማኖታዊ ጕጅለታት፡ ተረሚሱ ዚርከብ ናይ ህውከት ዞባ’ዚ፡ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ሃገርናን ብልጽግና ህዝብናን ሓያል ኣሉታዊ ስንብራት ከም ዚህሉዎ ክንግንዘብ ይግባእ።

ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ኣብ ካናዳ

ኤርትራውያን ካናዳውያን ንመንግስቲ ካናዳ ሎቢ ኪገብሩ ይግባ፡-

Ø  ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራትን ቅዩዳት ጋዜጠኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንኪፍትሑ ክጽውዕ።

Ø  መንግስቲ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ንከተኣታቱ፡ ነቶም ዚኣተዎም ዞባውን ኣህጕራውን ውዕላት ኪትግብርን ንህዝቡ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ከውሕስን።

Ø  ካብተን ኣብ ዕደናዊ ጽላት ኤርትራ ተዋፊረን ዘለዋ ኩባንያታት ካናዳ ኣብ (1) ኣከባብያዊ ሜላ፡ (2) ኣብ ኣተሓሕዛ ሰራሕተኛታት፡ (3) ኣብ ምምቕራሕ እትዋትን ፋይናንሳዊ ትውጊታትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኪጠልብ።

Ø  ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ንምግባር ሎቢ ኪገብር፡-

፩. ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት ኣዋጅ 1995 ከመሓድር፤

፪. ንዅሎም ፖለቲካዊ እሱራት፡ ቅዩዳት ጋዜጠኛታት፡ ናይ ሕልና እሱራትን ቅዩዳት ተራ ዜጋታትን ብቕጽበትን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ኪፈትሕ፤

፫. ዊንታዊ ማእሰርቲ፡ ስቅያት፡ ብዘይ ፍርዲ ምቕታልን ኣስገዳድ ምስዋርን ደው ከብል።

Ø  ኣብ መወዳእታን ዚዓበየ ኣገዳስነት ዚሕዝን ድማ፡ ኣብቲ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚስስን፡ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዚካየድ ሃገራዊ ጻዕሪ ብንጥፈት ምስታፍን፣ ንህንጸት ቅዋማዊት፡ ገስጋሲትን ራህዋ ዚሰፈናን ሃገረ ኤርትራ ንምብርካትን ጸዓሩ።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንሰማእታትና!

ስለ’ቲ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ፡ አመስግን።

[1] ኣብተን ዛጊት ተታሒዘን ዚጸንሓን ሕጂ ዚበጋገሳ ዘለዋን ሽዱሽተ ጕዳያት፡ ኣህጕራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ኢዩ ከሲሱ ዘሎ። እዚ ተርእዮ'ዚ ድማ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ስለምንታይ ነቲ ቤት ፍርዲ ብኣሉታ ከም ዚጥምታን ካብኡ ንምንስሓብ የፈራርሓ ከምዘለዋን ይገልጽ።