All updates

ታሪኽ ጀጋኑ ሰማእታትና ነባሪ ኢዩ!

20/02/2018

ነቶም ንእስነቶም ወፍዮም፡ ዘይስገር ሰጊሮም፡ ዘይጽወር ተጻዊሮም፡ ሃገር ዘምለሱ ከም በዓል ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ዚኣመሰሉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ብህይወቶም ዚቐብር ገበነኛ ስርዓት፡ ክንደይ ነዊሕ ከይጸንሕ!

እቲ ሓበላ ሃገር፡ መንሽሮ ህዝቢ ዚዀነ ፍንፉን ስርዓት ኣብ ጐዱፍ ናይ ታሪኽ ኣብ ዚጐሓፈሉ፣ እቶም ጀጋኑ ሓርበኛታት ንዘልኣለም ኣብ ወርቃዊ መዝገብ ታሪኽ መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ኪዝከሩ ኪነብሩ ኢዮም።

 ንስድራቤታት ጀጋኑ ሰማእታት ብፍላይ፡ ንመላእ ደላይ ጽቡቕን ገባር ሰናይን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ ጽንዓት ይሃብ።