All updates

"ፖለቲካ ንየው በሎ፣ ካልእ ጕዳይካ ግበር” - ማዕዳ ዚመስል ምንእኣስ

18/04/2018

"ፖለቲካ ንየው በሎ፣ ካልእ ጕዳይካ ግበር”  - ማዕዳ ዚመስል ምንእኣስ

ሰላም ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ንመንሰያት። ኣነ ርግጸኛ እየ፡ ከምዚ ንዓይ ዘጋጠመኒ ዘሎ፡ ንዓኩም ከኣ ከምኡ ዓይነት ዚመስል መልእኽትታት፡ ማዕዳ ዚመስል ምንእኣስ ይመጸኩም ይህሉ ይኸውን እዩ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጕዳይ ዓድና ክንዘራረብርሉ ወይ ዘሕምመና ቀንዲ ጕዳይና ኣብ ክንዘረበሉ እንፍትን እዋን፣ “እዚ ፖለቲካ ኢዩ ንየው በሎ፣ ከይትዛረብ ፖለቲካ ካልእ ጕዳይካ ግበር” ይብሉኻ። 

የግዳስ፡ ንሳቶም ፖለቲከኛታት ኪዀኑ እግዚኣብሄር ዚፈጠሮም ኰይኑ ኢዩ ዚስምዖም። ንዓና፡ንዓኹም ንኩላትኹም እንታይ ይብሉና፧ “ፖለቲካ ኣይትዛረቡ።” ፖለቲካ ከኣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጕዳይ ዓድና ከኣ፡ ጕዳይ ሓዳርና ኢዩ ኰይኑ ዘሎ በዚ ሎሚ። ስለዚ፡ ናተይ ርእይቶ ጥራይ ዘይኰነ፡ ለበዋ ክህቦ ዝደሊ ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ግን ንመንእሰያት፤ምክንያቱ፡ ናትና ግዜ’ዩ ባዕላትና ከነመሓድሮ ዝግበኣና። ናህና ህይወት ንሕና ኢና ክንዉስኖ ዝግበኣና። ንሳቶም ግና ኣብ ቦታና ኣቲዮም ወሲኖም ጥራይ ዘይኰነ፡ ህይወትና ኣጥፊኦም ኣብዚ ኣብጺሖምና ኣለዉ።ስለዚ ሕጂ’ውን ዋላ ኣብ ስደት ኮይና ንከይንዛረበሉእዮም ኢዶም ዝሰዱልና ዘለዉ።

እወ፡ ፖለቲካ ንዛረብ ብድፍረት! እንታይ ኢዩ ፖለቲካ፧ ንዛረበሉ፣ ጕዳይ ዓድና፡ እንታይ ይኸውን ኣሎ ዓድና፧ ናበይ ኢዮም ዚመርሑዋ ዘለዉ፧ እቶም “ንሕና ኢና ንፈልጥ” ዚብሉና ዘለዉስ፡ዓድና ናበይ ገጾም ይመርሑዋ ኣለዉ፣ ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለና፡ ንርእዮ ኣለና።ንሕና ኣበይ ኣለና፧ ሰብ ኣበይ ኣላ፧ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንእሰይ  ኣብ ሱዳን ዘሎ መንእሰይ እሞ ከኣ በቲ ዚከፍአ ምረቱ ይነብር ኣሎ።ንሱ ድዩ እቲ ናቶም ፖለቲካ፧ ሰብ ኣብ ዓድና ብዘይ ፍትሒ ንመዋእሉ ይእሰር ኣሎ።ንሱ ድዩ እቲ ናቶም ፖለቲካ፧ ኣብ መንገዲ ሰሃራ ሰብ ይጠፍእ ኣሎ፤ ካብኣቶም ኪጠፍእ፣ “ካብ ምስኣቶም ብጊላነት ዝነብርሲ፡ ናብ መንገዲ ሓርነት እናኸድኩ እጥፋእ” ኢዩ ዚብል ዘሎ። ንሱ ድዩ እቲ ናቶም ፖለቲካ፧

ኣብ ዓድና ትምህርቲ ንኸይንረክብ ኣጸልሚቶሞ፣ ዓድና ብምሉኡ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዮም፡ ኮለጃት ዓጽዮም፡ ናቶም ንዕኦም ዚመስል ኮለጃት ከፊቶም። ንሱ ድዩ ፖለቲካ፧ እታ እንኮ ከም ወዲ ሰብ ኰይንና እነተንፍሰላ ህይወትና እዉን ንዓኣ፡ ከይንዛረብ “ፖለቲካ” ኢሎሞ፧ በቲ ዚኸፍአ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሒዞምና። ንዓና ኣብ ሓደ ጸልማት ላምፓዲና ኣሕዲጎም፡ ኣብ ሓደ ጸልማት ሰንዲዮም ናህና ቡሶላ ኣሕዲጎም ጥፉእ ወለዶ ኢሎምና። ካብቲ ጸልማቶም ግን ወጺእና፤ እንተ ብሃሰስ ድዩ እንዳቐተሉና ድዩ፡ ወጺእና። ኣብ ስደት ኴንና ሰባት ክንከውን ንጽዕር ኣለና።

ነታ ንመዋእል ዘሕደጉና፡ ዘጥፍኡዋ ህይወትና ክንመልስ ንጽዕር ኣለና። ኣብዚ መጸኦም ከኣ ብዛዕባ ጉዳይ ዓድኩም ኣይትዛረቡ ይብሉና ኣለዉ። መን ኢዮም ንሶም፧ ንምዃኑ መን’ዮም፧ ዚዀነ ይዅን ሰብ ብዛዕባ ዓድኻ ኣይትዛረብ ዚብለካ፡ ሕልፍኻ እንታይ ኢያ እትብጽሖ ኤርትራ ንዕኡ፧ ስለዚ ንዛረብ፡ ንዛረብ፣ ግን ብሱል ዘረባ ንዛረብ፤ ፍረ ዘምጽእ ዘረባ ንዛረብ።ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ነቲ ‘ትንፈር እምበር ጤል ኢያ’ ዚብለና ሰብ፡ካብታ ጤል ከይፈለና ንዕኡ ጐሲና ኣብ መስመርና ነትክል። ብዛዕባ ጕዳይ ዓድና ሎሚ ንዛረብ፡ሎሚ ኢዩ ግዚኡ። ምኽንያቱ፡ እታ ሎሚ ዓድና ንብላ ጽባሕ ንግሆ ኣይንረኽባን ኢና። ብኸምዚ ሒዞሞ ዘለዉ ኣካይዳ ጽባሕ ንግሆ ዓዲ የብልና ዓውዲ የብልና ኮይና ክንተርፍ ኢና ኣብ ስደት። ስለዚ ንዛረብ! ንዛረብ! ንዛረብ! ንተንትኖ።

ህይወትና እንታይ ኢዩ ዚኸውን ዘሎ፧ እንታይ ኢዩ ኸ ንዓና ዘዋጽኣና፧ ለዉጢ ብኲናት ጥራይ እዩ ዚመጽእ ዚብል ሰብ ኪኖ 1991 ይሕሰብ። ኲናት እንታይ ዓይነት ዕንወት ከም ዘምጽእ ንኤርትራዊ ዚምህሮ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ውጽኢት ናይ ኲናት ካባና ንላዕሊ ዚፈልጦ ምረት የለን። ብኲናት ዚመጽእ ሰላም ከኣ ነባሪ ኣይኰነን። እቲ ሓቀኛ ሰላም፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኸ ከመይ ኢዩ፧ ምናልባት፡ ኢድካ ኣጣሚርካ ዚመጽእ ሰላም የለን ኪብሉኹም ዚኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኪዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

ሎሚ ግዜ ተቐይሩ እዩ። ተክኖሎጂ እንተ ሃልዩካ፡ ኵሉ ኣብ ኢድካ ኣሎ። ሓይሊ ኣብ ሚድያ ኣሎ፤ሓይሊ ኣብ ጥምረት፣ ሓይሊ ኣብ ምስምማዕ ኣሎ። ኣብዚ ሎሚ ዘለናዮ ግዜ ንሓደ ኣብ ስርዓት ኮፍ ኢሉ ህላውነትካ ከጥፍእኣካ ዚፍትን ዘሎ ስርዓት ምናልባት ቀሊል ኣይኸውንን’ዩ። ግን ኩሉ ግዜ መንገዲ ኣሎ። ስለዚ ኣይፋል ንኲናት! ድምጽና ግን ሎሚ ነስምዕ፤ ድምጽና ሎሚ ነስምዕ፡ “ይኣክል! ይኣክል!” ንበል። ፖለቲካ ንዛረብ፡ፖለቲካ ሕይወትና ኢዩ። ሓረስቶት፡ ነጋዶ ኣጥፊኦሞም፤ መማህራን ኣጥፊኦሞም፤ ሓካይም ኣጥፊኦሞም፤ ተመሃሮ ኣጥፊኦሞም። ሕጂ ከኣ ንሓረስቶት ኣቲዮሞም ኣለዉ። ስለዚ ህዝቢ እንታይ ኢዩ ኪበልዕ፧ ጥፍኣት ምዃኑ እዝስ ንመን ኪጠፍኦ ይኽእል፧ የጥፉኡና ከም ዘለዉ ይርደኣኩም ኣሎ ዲዩ፧ የዕርቡና ከም ዘለዉ ይርደኣኩም ኣሎ ድዩ፧

ሰብ ጌርና!

ሰብ ጌርና ከም ዘለና ይርደኣና ኣሎ ዲዩ፧

ሰብ ጌርና ከም ዘለና ይርደእና ኣሎ ዲዩ፧

ንኤርትራ እሓመላ እየ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሰሉ እየ፣ ዚብል ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣይከይድን ኢዩ። ድሕሪ ህይወትካ ምጥፋእ ህይወት የለን። ሃገር የላን። ንስኻ ዘይትኸብረሉ፡ ኣነ ዘይኸብረሉ ሃገር፡ ሃገር ኣይኰነን። ሃገር ማለት ኣነን ንስኹምን ኢዩ። ንሕና ዘይንኸብረሉ፡ ንሕና ዘይንነብረሉ፡ ህይወትና ዘጥፋኣሉ ዓዲ እንተ ኰይኑ ዓዲ ኣይኰነን። ስለዚ፡ እታ ንሕና እንሓልማ ዓዲ ንመስርት። እታ ንሕና ክትኰነልና እንደሊ ዘለና፡ ንዓና ጥራይ ዘይኰነ ንምሉእ ንብሕጂ ዚመጽእ ወለዶታት ሰላም ከውህበና ዚኽእል ሓሳብ ሕጂ ንጀምሮ። ግን፡ ብኣና ንጀምሮ። ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ከኣ ራእይ ይሃስወና። 

ሰባት ኣይነነኣእስ፤ ክብሪ ሰባት ኣይንግፈፍ፤ ክብሪ ኣለና። ምጽራፍ መግለጺ ናይ ስልጡን ወለዶ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ወለዶና ጥፉኣት እንድዮም ዚብሉና ዘለዉ፣ ንሕና ጥፉኣት ኣይኰንናን። ከጥፉኡና እንዲዮም ፈቲኖም፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ኣብ ጸልማት ኣእቲዮም ቡሶላና ኣሕዲጎም፣ ኣንፈትና ከይንፈልጥ፡ ካብ ጸልማት ከይንወጽእ፡ ላምፓዲናና ኣሕዲጎም ኢዮም ጥፉኣት ወለዶ ኢሎምና። ንሕና ግን ካብቲ ጸልማት ዓዘቕቲ ናቶም ወጺእና ኢና። እንተ ብጥይት እናተሳሓትና፣ እንተ ብጨወይቲ እናተጨወና፣ ናብቲ ንኣምነሉ ሓርነት ኣለዎ ንብሎ ዓለም በጺሕና ኣለና። ሕጂ ኣብ ሓርነት ከለኻ’ኸ  ነጽቅጥ ዶ፧ እቲ ዘጽቅጥ ከጽቅጥ ኢዩ። ‘ዝብኢ ይበልዓካ ኣሎ’ ኢሎሞ፡ ‘ኖ ብእግረይ ኢዩ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ርእሰይ ኣይበጽሐን’ ኢሉ መሊሱሎም ይበሃል። ስለዚ እግርና ሓሊፉ፡ ሰለፍና ወዲኡስ፡ ናብ ርእስና ኢዩ ዚመጽእ ዘሎ ።

እሞ ኸ ድኣ፡ ንጥፋእ ዶ’በኣ ኣቢልና፧ ሃገርን ዓውድን ዘይብልና ንዅን፧ ከምዞም ጂፕሲ ዚበሃሉ፧ መሳኪን ህዝቢ ጽባሕ ንግሆ መደንገጽ ዓለም ዶ ንዅን፧ ‘ኣየ እዞም ኤርትራውያን ዚበሃሉ ዚነበሩ  ብሕመቖም ዚጠፍኡ ህዝቢ’ ዶ ንበሃል፧  ኣይመስለንን! እቶም ንጽሕፍ ንጽሓፍ፤ ነንብብ ነንብብ፤ ንመሃር ንመሃር፤ ጽባሕ ንግሆ እታ ሃገር ሃገር መታን ክንገብራ። ነቲ ህዝቢ ‘ህዝቢ ኢኻ’ ኢልና ክብሩ ክንመልሰሉ። ንመሃር፡ ንመሃር፡ ንጽዓር ልዕሊ ዅሉ ከኣ ንከባበር። እቶም ‘ጥፉኣት ወለዶ’ ጥፉኣት ከምዘይኰንና ብዅሉ ኢዮም ዚልክዑና ዘለዉ። ኵሉዩ ኣንጻርና ተበጊሱ ዘሎ። ዋላ እቶም ገለ ስድራና ትብሎም፡ ኣሕዋትና ንብሎም እውን ‘ጥፉኣት ውለዶ’ እናበሉ ኣብ ገጽና ይድርጕሑልና ኣለዉ። ንሕና ጥፉኣት ይኰናን። ጥፉኣት ክንከውን እንተዄንና ግን ኣፍና ንተዓበስ። ኣፍና ተዓቢስና ከም ገረብ ንንበር እንተዀነ፡ እወ ጥፉኣት ወለዶ ኢና ክንከውን።

ስለዚ ግዜኡ ኢዩ ክንመርጽ።  ጥፉእ ዲኻ፧ ጥፍእቲ ዲኺ፧ ጥፉእ ዲየ፧ ጥፉኣት ወለዶ ዲና፧ መልሲ ኣብ ተግባርናን መልሓስናን ኢዩ ዘሎ። ኣነ ጥፉእ ወለዶ ኣይኰንኩን፣ ነቲ ወለዶይ ከይጠፍእ ከኣኒ ዝከኣል ክጽዕር እየ ሂወተይ። ንስኹም ከ፧ ሃየ ምስ ነብስና ንመራመር፣ ምስ ነብስኹም ተመራመሩ፣ ምስ ነብስኺ ተመራመሪ፣ ምስ ነብስኻ ተመራመር። ብዛዕባ ጕዳይና ንዛረብ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ምዝራብ ኵሉ ግዜ መፍትሒ ኣሎ፤ ኣብ ስቕታ ግን ስቕታ ኢዩ። ስቕታ ሕሱም እዩ። ኣብ ስቕታ ዘልማ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ስቕታ ጥፍኣት ኢዩ ዘሎ።       

ሂወት ከም ጸወታ ዳማ ኣብ ክፉት ጣውላ