All updates

ምስልኺ ምለሲ ሓርበኛ ኤርትራዊት!

02/03/2018
ምስልኺ ምለሲ ሓርበኛ ኤርትራዊት!
 
ሓርበኛ ኤርትራዊት ዘምጻእኪ ናጽነት
በጃ ሃገር ተወፈኺ ንፍትሒ፡ ንማዕርነት
ዝሰንከልኪ እወ፡ ወፊኺ ክቡር ንእስነት
በጃ ህዝብኺ ዝሓለፍኪ ተነቢኺ ዓወት
ማህጸንኪ ዘምከንኪ ክትኰኒ ኣብነት
ተኣምር ዝሰራሕኪ ብተባዕ ጅግንነት
እቲ ምንታይ መጻኢ ወለዶ ኪነብር ብቅሳነት
ኤርትራ ሃገርኪ ክትስራዕ ምስ ላዕለዎት
ድምጽኺ ክስማዕ ንመሰል ንሓርነት።
 
ኣይተቓለስክን ንውሑዳት ሰብ ምልኪ
ግርምቢጥ ኰይኑ ውጽኢት ጕዕዞኺ
እናረኣኺ ከውደኽድኹ ብመብጽዓኺ
ዕልል ክትብሊ እናተዓመጽኪ
ገዲፍኪዮም ኪጅሃሩ፡ ብውዕሎኺ
እናኣጥፍኡ ምልምል ምሩጻትኪ።
 
ገጽኪ ምለሲ ኤርትራዊት ብዓልቲ ቕያ
ስንክልናኺ ወሪዱ ንዕዳጋ መዲያ
ዚተቓለስክሉ ዕላማ ኰይኑ ንሰብ መሃያ
መኣዝንኪ ኣጥፊኦም ገዲፎምኺ ብዘይ ሞያ።
 
ምስልኺ ምለሲ ኤርትራዊት ዋዕሮ ነብሪ
በዅሪ ውላድኪ እቲ ወዲ ሕድሪ
ዚተባህለ ኪኸዉን ከፋት በሪ
ሃገር ኣውሒሱ ፈጺሙ ዕማሙ ብክብሪ
እንተ ሎሚ ኰይኑ ተሃዳኒ ብጥይት በራሪ።
 
ባህርይ ተፈጥሮኺ ኣበይ ኣቢሉ
ንውጹዕን ብዱልን ወገንኪ ተማጐትሉ
ኣለኹ በልዮም ኣብ ማሕዩር ንተበደሉ
ፍትሒ ስኢኖም ብህያዎም ዚተቐትሉ
ሃገር ኣንቈልቊላ ህዝቢ ተዘናቢሉ
ንቡር ናብራ ተሓሪሙ ፋሕፋሕ ኢሉ።
 
ኣውያቱ ከቃልሕ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ
ሰሃሮ በሊዑዎም ናይ ሰብ ኣሞራ
ኢድ በደዊን ሓሪዱዎም ብሽቶል ብኻራ
ጸማም እዝኒ ሂብኪዮ ኪቃላዕ ንሓሳረ-መከራ
ረዳኢ ስኢኑ ኣብ ቀዝሒ ላምፓዱሳ ኪሃልቕ ብሓበራ
ማዕበል ውቅያኖስ ወሲዱዎም ብኵምራ
ሬስኡ ከይትርእዪ ኣዒንትኺ ዓወራ
ኣዋልድኪ ኪዀና ግዳይ ሰብ ጽሩራ
ንስኺ ክትዕልሊ ኣብ ናይ ምልኪ ዳንኬራ
ስድራኺ ተበቲና ስኢና ንቡር ናብራ።
 
ዘገርም’ዩ ንጸልማት ክትብሊ ወጊሑልና
ክትዝይሚ ትውዕሊ ሃገርና ኣልሚዕና
ክትብሊ ንዓለም ገዲፍናያ ተወንጪፍና
ክትውድሲ ትውዕሊ ንድሕረት ንጭቈና
ሕልና ኣበይ ኣትዩ ንዕረ መዓር’ዩ ክትብልና
ይኸሱ ኣለዉ ዚተሰዉኡ ኢሎም ተጠሊምና
ማእገርኪ ነፊሕኪ ከም ዘይተቓለስኪ ብውሕልና።
 
ዓወት ንውጹዓት ደቀንስትዮ!