All updates

Eritrean Ride for Justice in Brussels

06/05/2019
ERITREAN RIDE FOR JUSTICE - ኤርትራዊ ጕዕዞ ብሽግለታ ንፍትሒ

ብውፉያት ኤርትራውያን መንእሰያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ (ካብ ቦሎኛ)፡ ዘርኣይ ኪሮስ (ካብ ፍራንክፉርት)፡ ሳምሶን ሰለሙን (ካብ ፍራንክፉርት)፡ ወዘተ.፡ ዚተወደበ፡ 17 መንእሰያት ዚሓቘፈ ጋንታ ኣፍሪቃ (Team AfriQA) ዚብል ኣርማ ዘለዎ መለዮ ለቢሶም ኣብ ኣጋግዘ 5 ግንቦት 2019 ኣብ ፓርክ ማክሲሚላን፡ ብራሰልስ፡ ብሰላም በጺሖም። ኣብቲ ፓርክ ኣብ ዚበጽሑሉ እዋን፡ ብርክት ዚበሉ ኣብ በልጁም ዚርከቡ ኤርትራውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት፡ እንተላይ በልጁማውያን ፈተውቲ፡ ምዉቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ንጽባሒቱ፡ 6 ግንቦት 2019 ድማ፡ ብብዙሓት ካብ ዚተፈላለዩ ኵርናዓት ኤውሮጳ ዚመጹ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኤውሮጳውያን ፈተውትን ተሰንዮም፡ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈት ኤውሮጳዊ ሕብረት (ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ኤውሮጳዊ ቤት ምኽሪ፡ ኤውሮጳዊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት) ተሰሪዖም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብዛዕባ ኵነታት ናይቶም ኣብ ሊብያ ግዳያት ባርነት፡ መሸጣ፡ መቕተልትን ካልእ ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ብምዃን ዚሳቐዩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ኤርትራውያን ስደታኛታት ድማ ብፍላይ፡ ኣቤቱታ፡ ጥርዓን፡ ቅሬታን መረረን ዘስምዐ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብብዝሒ መንእሰያት ዚተዓብለለ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ምስ ዚምልከቶም ሓለፍቲ ኤውሮጳዊ ኮሚሽንን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ኤውሮጳን ብኣካል ብምርኻብ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይቶም ኣብ ሊብያ ብዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ዚሳቐዩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከም ዚኽበር ኰነ ሽግራቶም ብህጹጽ ከም ዚፍታሕ ንምግባር ግቡእ ቈላሕታ ገይሩ ኪሰርሕ ግዴታ ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር መልእኽቲ ብጽሑፍ ኣቕሪቦም።

እወ፡ ሎሚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ሃገሮም እናነበሩ ተጠቀምቲ ግቡእ ኣተዓባብያን ትምህርታዊ ኵስኰሳን ዚዀኑ፣ ንቡር ሰብኣዊ መሰል ተነፊጉዎም፡ ግዳያት ግፍዕታትን ሓሳረ-መከራን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኰይኖም ፈቐዶኡ ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ውፉያት መንእሰያት ጕዕዞ ብሽግለታ ‘ጋንታ ኣፍሪቃ’ ኣብተን ንእግረ-መንገዶም ዘዕረፉለን ከተማታት ጀርመን፡ ሆላንድን በልጁምን ዚተገብረሎም ምዉቕ እቀባብላ፡ ህያው መንፈስ ኤርትራዊ ፍቕርን ስኒትን ብግብሪ ከም ዚረኣዩ ገሊጾም። እዚ ድማ መንእሰያትና ምስ ዚሰርሑ፡ ዓወትና ዓጋቲ ከም ዘይብሉ ዘረጋግጽ ኢዩ።