All updates

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2018 - መኽፈቲ መደረ

15/12/2018
ፍራንክፉርት፡ ጀርመን
15 ታሕሳስ 2018
ሲምፖዝዩም ኤርትራ - ኣድላዪነት ሓባራዊ ስራሕ
መኽፈቲ መደረ (PDF)
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

 

ሰላም፣ ደሓን ዶ ሓዲርኩም፧ ከመይ ኣለኹም፧

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ፡-

ኣቕዲመ፡ ኵሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ሃገራውያን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኵርናዓት ዓለም፡ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋናዊ ሲምፖዝዩም’ዚ ንምስታፍ ዝመጻእኩም፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ኣብዚ ድሮ ድርብ ኣውደ-ኣመታት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ውልቃውን ስድራቤታውን ውራይኩም ኣወንዚፍኩም፡ ብዛዕባ ኣድላዪነት ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምዕዛዝ ሓባራዊ ቃልስና ንፍትሒ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ኵሉ-መዳያዊ ምቅርራብ ንለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ ብሓባር ንምዝታይ ናብዚ ምምጻእኩም ብልቢ አመስግን።

እዚ ሲምፖዝዩም’ዚ፡ ኣብዚ ንልዑላውነት ሃገርናን መጻኢ ህዝብናን ኣብ ቃራና መንገዲ ኣእትዩ ዘሎ ፈታኒ መድረኽ’ዚ ምክያዱ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ቀንዲ ዕላማ ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2018 - ኣድላዪነት ሓባራዊ ስራሕ፡ ሓበሬታውን ትምህርታውን ኰይኑ፣ ከም መመላእታ ናይቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኪስርሓሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ሓባራዊ ራእይ ናይታ ናይ መጻኢ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝምስረት ሓባራዊ ስራሕ ምድራኽ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ እዚ ሲምፖዝዩም’ዚ፡ ኣብ መሳርዕ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታትን ባእታታትን ኤርትራ፡-

  1. ሓባራዊ መረዳእታ ህሉው ኵነታት ሃገርና ንምምዕባል፣
  2. ሓባራዊ ራእይ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ንምሕያል፣
  3. ሓባራዊ ግንዛበ እዋናዊ ብድሆታትን ዕድላትን ደሞክራስያዊ ስግግር ንምድራኽ፣

ዝሓለነ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቶም ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምምካትን ነቶም ዝኽፈቱ ዕድላት ንምጥቃምን ዘኽእል ኣድማዒ ስትራተጂ ንምድህሳስን፣ ሃገራዊ ሸቶታትና ንምውቃዕ ዝሕግዙ ኣማራጺ መንገድታት ንምምማይን ዝዓለመ ኢዩ።

በብወገንና ተገንዚብናዮ ከም ዘለና፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ብታሪኻዊ ግድላት ዚልለ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ግዳማዊ ጀኦፖለቲካዊ ረብሓታት ዝደረኾ፣ ብቕልጡፍ ናህሪ ዝተቐልቀለ ሰንሰለት ሃንደበታዊ ፍጻሜታት ርኢና። ኣብቲ ፈለማ፡ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ሓንጎፋይ ኢሉ ብደስታ ተቐቢሉዎ።

ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዞባና፡ ሰላም ምስ መዳውብትና ሃገራት፡ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ዝትምነዮን ሃረር ክብሎ ዝጸንሐን ኵነት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝያዳ መብዛሕትኦም ህዝብታት ዓለም፡ ኲናት ሕጋውነት ዚለበሰ ኣልማሚ ዕንወትን ጃምላዊ መቕዘፍትን ምዃኑ ካብ ተመኵሮኡ ስለዝፈልጥ፣ ኲናትን ህውከትን ዛንታ ኰይኑ፣ ሰላም፡ ርግኣት፡ ፍትሕን ቅሳነትን ክሰፍን እቲ ዝዓበየ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ናይቲ ክስተት ዝነበረ ተስፋን ትጽቢትን ግን፡ ግዜ ከይወሰደ፡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ናብ ሻቕሎትን ስግኣትን ተቐይሩ። ብሓጺሩ፡ እቲ ብመራሕቲ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝጐደሎ፣ ግቡእ ሕጋውን ፕሮቶኮላውን ቅጥዒ ዝሰሓተ ፍጻሜታት፡ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሓደገኛ ስግኣት ዚእምቱ ምልክታት ሓዚሉ መጺኡ። እዚ መንግስታዊ መስርዕ ዘይሓዘ፣ ውሕስነት ቀጻልነት ዘይብሉ፣ ብተቐያያሪ ዊንታን ንግዝያዊ ረብሓን ናይ ሓደ ዘይርጉእ ውልቀ-መላኺ፡ ኪኸይድ ዝጸንሐ ርሱን ዳንኬራታት፣ ድግማ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኲናትን ህውከትን ከየስዕብ፡ ንመብዝሕትኡ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዘሻቕል ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።  

እቲ ህዝብና ዝደልዮ ትግባረ ስምምዕ ሰላም፡ ንጹር ግዝኣታዊ ዶብ፡ ሃገራዊ ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሰላም ኢዩ። እቲ ህዝብና ዝደልዮ ሰላም፣ ሓርነት፡ መሰልን ፍትሕን ኣብ ሃገሩ ዘስፍን ሰላም ኢዩ። እቲ ህዝብና ምስ ጐራባብቱ ሃገራት ዝደልዮ ምሕዝነት፡ ንረብሓ ሃገር፡ ህዝብን ዜጋታትን ዘውሕስ፣ ዘቤታዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ዘተባብዕ፣ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታት ኤርትራ ብቐዳምነት ኣብ መዓላ ምምሕያሽ ደረጃ መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ህዝቢ ኤርትራ ዘውዕል፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት ምዕሩይ ዝምድናታትን ሓባራዊ ጥቕምታትን ዘፍሪ ምሕዝነት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ልዑላዊ ናጽነት ሃገርን ሰብኣዊ ድሕነት ህዝብን ዘረጋግጽ ምሕዝነት ኪኽውን ኣለዎ።

ኮታ፡ እቲ ህዝብና ዝብህጎ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ብወግዒ ዝፍለጥ፣ ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ሃገር ዘውሕስ፣ ግቡእ መንግስታዊ ኣገባብ ዝሓዘ፣ ሕጋዊ ተፈጻምነቱ ዘየጠራጥር ስምምዕ ኢዩ። ስለዚ፡ እቲ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ህያው መታን ኪኸውን፣ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ሕጋውነት ክህሉዎ፣ ንዅሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ኪኸውን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኰነ ኵሉ በዓል ሰናይ ድሌት ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ይጠልብ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት፡ ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ምእንቲ ራህዋ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ተቓሊሱ፣ ሳላሳ (30) ዓመታት ካብኡ ብዕጥቂ ብረት። እቲ ዘሕዝን ታሪኻዊ ግሪምቢጥ ግን፡ እቲ መበገሲ ዕላማታት ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሱ ተጠሊሙ፣ ኵሉ መሰረታዊ መሰላቱ፡ እንተላይ እቲ መሰል ናይ መሰል ምህላው፡ ተነፊጉ፣ ብኣረሜናዊ መድቈስቲ ናይ ሓደ ሕገ-ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት እናተዳህከ፣ ኣብ ሓሳረ-መከራ ናይ ክቱር ድኽነት፡ ስእነትን ስግኣትን ክነብር ተገዲዱ ጸኒሑ። እዚ ስግንጢራዊ ክዉንነት’ዚ ውጽኢት ጥልመት ምልካዊ ስርዓት ኢዩ። ‘ንበዓል ነጐዳ በርቂ ወስኮ’ ከም ዝበሃል፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ጥልመት መበገሲ ዕላማታት ታሪኻዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከይኣክል፡ ሎሚ ክድዓት ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ የንጸላሉ ኣሎ።

እቲ ህሉው ስርዓት ቅዋማዊ መንግስቲ ንዘይምምስራት፣ ሕጋዊ ደረቱ ዝጠሓሰ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምስግዳድ፣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዘይእዉጅ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ንምትካል፣ ከም መመሳመሲ ኪጥቀመሉ ዝጸንሐ ኵነተ ‘ኣይኲናት፡ ኣይሰላም’ ኣብቂዑ ኣሎ። እቲ ነቲ እቲ ስርዓት ባዕሉ ዚፈጠሮ ቍጠባዊ ውድቀት ኤርትራን ሕሰም መነባብሮ ህዝብን ከም መመኽነይታ ኪጥቀመሉ ዝጸንሐ ‘እገዳ’ እውን ተላዒሉ ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሓቶ፣ ህዝባ ብሰላም፡ ብፍትሒ፡ ብቅሳነት፡ ብራህዋ ኪነብረላ ዘይክእል ምድራዊት ገሃነም ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ዘይኵነታዊ ትግባረ ‘ውዕል ሰላም’ ተኣዊጁ ከብቅዕ፣ ‘ምምልካት ዶብ ኣገዳስነት የብሉን’ እናተባህለ፣ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ጌና ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ጐበጣ ኢትዮጵያ ኣሎ። ‘እገዳ ሕሃ’ ተላዒሉ ኣሎ። ይዅን’ምበር፡ ሃገረ ኤርትራ ኰነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጌና ኣብ ትሕቲ እገዳ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣከያይዳ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ዘቤታዊ ጕዳያት ይዅን ኣብ ቍጠባዊ ምሕደራ ናይቲ ስርዓት ዝተራእየ ዝዀነ ምልክት ወይ ኣመት ናይ ለውጢ የለን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ እቲ ስርዓት፡ ብሓደ ወገን፡ እቲ ሓሳድ ባህርይ መራሒኡ ኣወንታዊ ምዕባለ ከምጽእ ስለ ዘየፍቅድ፣ በቲ ካልእ ድማ፡ ብዘይ ህውከት ስልጣን ገቢቱ ኪነብር ከም ዘይክእል ስለ ዝኣምን፣ ድሮ ሓደስቲ መዓስከራት ወተሃደራዊ ስልጠና ተቓወምቲ ሱዳን ከዳሉ፣ ኣብ ውሽጣዊ ግርጭታት ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ ኲናት ሓድሕድን ህውከትን ከሳውር፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቱዎም ኲናታት ሓድሕድ ጐረባብቲ ሃገራት  መዝሓል ጥይት ኪገብር ህርድግ ይብል ኣሎ።   

ፈቲና ጸሊእና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ቐረባ እዋን ለውጢ ኪመጽእ ኢዩ። ግን፡ ንሕና ንዕኡ ተቐሪብና ኣለና ዲና፧ እቲ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኤርትራ ለውጢ ንምቅልጣፍ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ‘ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ዝተረፈ’ ከም ዝበሃል፡ ንሕና ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ጥራይ ዘይኰነ፣ ከመይ ጌርና፡ እዚ ስርዓት’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ እቲ ናይ መወዳእታ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ስርዓት ከም ዝኸውን ነረጋግጽ ኢልና ክንሓስብ ክንክእል ኣሎና። ስለምታይ ኢዩ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1940ታትን 1950ታትን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከረጋግጽ ዘይከኣለ፧ ስለምንታይ ኢዩ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝጠሓለ፧ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ መዋእለ ናጽነት ምልካዊ ስርዓት ሳዕሪሩ፣ ጥልመት መበገሲ ዕላማታት ብረታዊ ተጋድሎ ከይኣክል፡ ድነ ክድዓት ናይቲ ብመሪር ቃልሲ ዝተረኽበ ሃገራዊ ልዑላውነት ዘንጸላሉ ዘሎ፧ ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል፡ ክንመራመር፡ መልሲታት ከነናዲ፡ ዝግባእ እመስለኒ።

ሰኣን ስትራተጅያዊ መሪሕነት፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቃልሲና፡ ብኣፈላላይ ዝልለ፣ ቐንጻሊ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ዝመልኦ ኢዩ። እቲ ኣፈላላይ ሃይማኖታዊ፡ ዞባዊ፡ ብሄራዊ፡ ወዘተ.፡ መልክዕ ዝሓዘ ይኸውን። መልክዑ ብዘየገድስ ግን፡ ጕጅላውነት ንሜላ ‘መቓቒልካ ግዛእ’ ምቹእ ባይታ የጣጥሕ፤ ሳዕቤኑ ድማ ‘ተመቓቒልካ ተጨፍለቕ ወይ ተረገጽ’ ይኸውን። ሎሚ’ውን ካብ ታሪኽና ዝተመሃርና ኣይንመስልን። ምኽንያቱ፡ ህሉው ክዉንነት ፖለቲካ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ብጕድለት ስትራተጅያዊ መሪሕነት፣ ብቐንጻሊ ኣተሓሳስባን ተግባራትን፣ ብጕጅላዊነት፣ ዚተሓመሰ ስለ ዝዀነ። ዝውታረ ጻዕዳ ሓሶት፡ ውጹእ ጠቐነ፡ ስርጭት መርዛም ከፋፋሊ ፕሮፓጋንዳ፡ ወዘተ.፡ ንቡር መሳርሒታት ናይ ገለ ፖለቲካዊ ሸቃጦን ጕጅላዊ ባእታታትን ኰይኖም ጸኒሖም። ከመይ ኣቢልና ኢና ነዚ ልምዲ ናይ ቅንጸላ፡ ጸለመ፡ ጕጅላዊነት፡ ወጊድ ኢልና፣ ሃገራዊ መኣዝን ንሕዝ፧ ሓድሽ ጕዕዞ ናይ ዜግነታዊ ሃገራዊነት ነበግስ፧ ኢልና ክንሓስብ ክንክእል ኣሎና።    

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓፋኒ ጭቈና፣ እቲ ኣብ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ዚቀላቐል ዘሎ ክስተት፣ እቲ ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዝፋሓፋሕ ዘሎ ጀኦፖለቲካዊ ፈዀዅታን ኣሰላልፋ ሓይልታትን፡ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ኰነ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓደገኛ ብድሆታት ዚሓዘለ’ኳ እንተዀነ፣ መስኮት ብርቂ ዕድል’ውን ዝኸፍት ኢዩ። ነቲ ወርቃዊ ዕድል፡ ሸቶታት ሓባራዊ ዕላማና ንምውቃዕ መታን ክንጥቀመሉ ግን፣ ቅኑዕ መኣዝን ምሓዝ የድሊ። ማለት፡-

(1) ካብ ፖለቲካ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ምግልጋል፤

(2) መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኣመለኻኽታን ኣሰራርሓን ምትእትታው፤

(3) ዳግመ-ገምጋም ኣከያይዳን ዳግመ-ስርርዕ ቀዳምነታትን ምግባር፤

(4) ጥርናፈ ኣተሓሳስባን ጽንባረ ጸጋታትን ምርግጋጽ፤ ይጠልብ።

ብሓጺሩ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ዘማእከለ ሓባራዊ መረዳእታ ምህላው፣ ኣብ ሓባራዊ ራእይ ዝተመስረተ ሓባራዊ መደብ ስራሕ ምስልሳል፣ ሓርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሓዳስ ኤርትራ ንምምጻእ  ወሳኒ ኢዩ።

ሎሚ ግዜ ኣብ ጐድንና ስለ ዘየለ፡ በዚ ቅኑዕ መኣዝን’ዚ፡ ለውጢ ንምቅልጣፍ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ፣ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ በብዓቕምና እጃምና ከነበርክት፣ ቅሩባት ክንከውን ይግባእ። ብፍላይ መንእሰያት። ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ብመሪር ቃልስን ዓቢ መስዋእትን መንእሰያት ኤርትራ ከም ዚመጸ ምግንዛብ የድሊ። ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኤርትራ’ውን ከምኡ፡ ብቃልስን መስዋእትን መንእሰያት ኢዩ ክዉን ኪኸውን። ኣብዚ ዕማም’ዚ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ከም ወረስትን ሃነጽትን ናይታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ መጠን፡ መሪሕ ተራ ከተበርክቱ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለኩም። ቀንዲ ዕጥቅኹም ንቕሓት፡ ተወፋይነት፡ ሓድነት ኪኸውን ይግባእ። ተመኵሮ ዚምህሮ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ፡- ተሃላላኺ ድምጺ ንሓድሕዱ ይዳቐስ፣ ምቑል ሓይሊ መፍቶ ጸላኢ ይኸውን፤ ስሙር ድምጺ ዓቢ መቓልሕ ይዝርግሕ፣ ስሙር ሓይሊ ጸላኢ የንበርክኽ። እቲ ቁምነገር፡ ከምቲ ምስላ ኣቦዋት፡ ‘ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ’ ኢዩ።  

እዚ ሎሚ ንግሆ ንፍልሞ ዘለና ናይ ክልተ መዓልቲ ሲምፖዝዩም ሽዱሽተ (6) ውዕሎታት ዝሓዘ ኢዩ።

1.     ግዝኣተ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን፡-

·       ሰረታዊ መትከል ግዝኣተ ሕጊ፤

·       መሰረታዊ ኣምር ዘይገሃስ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት፤

·       ፍጹም ብኵራት ግዝኣተ ሕግን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ።

2.     ምህናጽ ዓለማዊ ዜግነታዊ መንግስቲ፡-

·       ምፍልላይ መንግስትን ሃይማኖትን ኰነ ትምህርትን ሃይማኖትን ፤

·       መንግስታዊ ዘይምትእትታው ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት፤

·       ምውሓስ መሰል ሃይማኖት፡ እምነትን ኣምልኾትን፤

·       ምህናጽ ንዅሉ ዜጋ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዘውሕስ፣ ማዕረ ደሞክራስያዊ ውክልና ዘረጋግጽ ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ስርዓት።

3.     ስግግራዊ ፍትሕን ሃገራዊ ዕርቅን፡-

·       ምርዓም ኣሕዋዪ ወይ ፈዋሲ ፍትሒ ዶ (restorative justice) ወይስ ፍዳዊ ወይ መቕጻዕታዊ ወይ ቀጻዒ ፍትሒ (retributive justice)፧

·       ምምዝዛን ኣድላዪነት፡-

            ·       ምኽሓስ፡ ምሕዋይ ቍስሊ፡ ምዕጻው ሓዘን፡ ግዳያትን ገበንን ግፍዕን፤

            ·       ቀጥታውን ውልቃውን ተሓታትነት፡ ግሉጽ ጣዕሳ፡ ገበነኛታትን ገፋዕትን፤

            ·       ሃገራዊ ዕርቅን ማሕበራዊ ሰላምን - ኣይናይ ኣማራጺ ኢዩ ዓዲ ዘጋብር፧

4.     ስትራተጂ ደሞክራስያዊ ስግግር፡-

·       ኣድማዒ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ ብኸመይ፧

            ·       ሰላማዊ ተቓውሞ፧

            ·       ጐነጻዊ ቃልሲ፧

            ·       ዝንቕ ሰላማውን ጐነጻውን ተቓውሞ፧

5.     ተራ መንእሰያት ኣብ ደሞክራስያዊ ስግግር፡-

·       ወሳኒ ተራ መንእሰይ ኣብ መስርሕ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ኤርትራ፤

·       መንእሰይ ከም ቀንዲ ኣፍራዪ ሓይሊ፤

·       መንእሰይ ከም ቀንዲ ተጣባቒ ፍትሒ፤

·       መንእሰይ ከም ከም ኣበሳሪ፡ ወራስን ሃናጽን መጻኢ።

6.     ኣድላዪነት ሓባራዊ ስራሕ፡-

·       ምዅስኳስ ሓባራዊ መረዳእታ ዘመናዊ ታሪኽን እዋናዊ ሃለዋትን ሃገርናን ህዝብናን፤

·       ምስራጽ ሓባራዊ ራእይ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፣

·       ጽምዶ ኣብ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ ንለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

-------------------------------------------------------------------