All updates

Change and the Transitional Political Process

05/10/2017
እቲ ኣረጊት ስርዓት ምስ ተኣልየ፣ ብሕግን ደሞክራሲን እትምራሕ፣ ሰላም፡ ፍትሒን ቅሳነትን ዚዓሰላ ሃገር ንምህናጽ፣ ካብ ሕጂ ጀሚርና እምነ-መሰረት ነንጽፍ።
A short summary of the event is available below and in PDF: Tigrinya ትግርኛ.
---------------------------

Held in Frankfurt, Germany, the public seminar discussed “Change and the Transitional Political Process” within the Eritrean context, and was guided by five key points:
  1. What do we mean by a Transitional Political Process? What is a political transition?
  2. What is our vision of a Transitional Political Process for our country?
  3. What are the key issues to address regarding change and transition in our country?
  4. The main challenges and opportunities - internal and external?
  5. The role of pro-democracy forces in the Diaspora in the change and transition process.
A video recording of the seminar is available in two parts:

ዕዉት ህዝባዊ ሰሚናር

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ኣብ ፍራንክፉርት

ብኣጋጣሚ መበል 56 ዓመት ዝክረ-ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራን መበል 16 ዝክረ-ዓመት ቀይዲ ላዕለዎት ሰብ-መዚ-ነበር መንግስትን ግንባርን፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ብሰንበት 10 መስከረም 2017፡ ህዝባዊ ሰሚናር ብምግባር፡ ዓሚቝ ናይ ዘተ መደብ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዚተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣባል ቦርድ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ፕረዚደንት ኤሪመድረኽን www.eri-platform.org ደራሲ መጽሓፍ „ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን“: ኣገዳሲ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽን ተራ ፕሮ-ደሞክራሲያዊ ተቓውሞን ኣብ ኤርትራን ኣብ ዝቐረበ መደረ ኣዝዮም ብርኩታት ዝኾኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ሓያሎ መድረኻውያን ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቦምን ብዕምቈት ተዘትዪሎምን። ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ ኣብ ኣጋ ዕርበት ዕምሪ ስልጣኑ ከም ዚርከብ ዚሕብሩ ምልክታት ይርኣዩ ኣለዉ። ውጺኢት ናይ 26 ዓመት ግጉይ ፖሊሲታቱን ዝሩግ ተግባራቱን ፍጹም ፍሽለት ኣስዒቡ፣ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ብርሰት ኣትያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሪር ስቓይን ሓሳረ-መከራን ይርከብ።

ኤርትራ፡ ድሕሪ ምእላይ ናይቲ ኣረጊት ስርዓት፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ብውሕልነት ኣልያ፡ ብሕግን ደሞክራሲን እትምራሕ፣ ስላም፡ ፍትሒን ቅሳነትን ዚዓሰላ ሃገር መታን ኪትኰነልና፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና እነቖምጦም እምነ-መሰረታት ኣገዳሲ ተራ ከም ዚህሉዎም፡ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ቃልሲ ንለውጢ ኰነ ኣብቲ ስዒቡ ዚኽሰት መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ኵለን ምእንቲ ፍትሒን ደሞክራሲን ዚቃለሳ ሓይሊታት፡ ፍልልያተን ብልዝብ ወጊንን፡ ለውጢ ንምቅልጣፍን

ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ንምውሓስን፡ ብሓባር ኪሰርሓ ተላብዩ። 

[:swvar:text:838:]
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ንዅሉ’ቲ ምእንቲ ሃገራዊ ጥርናፈ ዚተኻየደ ጻዕሪታት ኣመጒሱ። ብተወሳኺ፡ ስለምንታይ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዚተበገሰ ሃገራዊ ኣማኻሪ ዋዕላ፡ ኣብቲ ዚተመደበሉ እዋን ኪካየድ ከም ዘይከኣለ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገማት ብዝርዝር ገሊጹ። ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ማለት ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት እዚ፡ ሰፊሕ ዘተ ብምክያድ፡ኣብ ሓደ ሓባራዊ ራእይን ናይ ሓባር ዕላማን ንምብጻሕ ዚሓለነ ሰፊሕ ዋዕላ ብምውዳብ፣ ንዅለን ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ብዘይ ሌላን ጕሌላን፡ ንምስታፍ፡ ዕድመታት ድሮ ተሰዲዱ ከምዘሎ፡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡በቲ ኣብቲ መደብ ኣኼባ ዚተኻፈለ ኣባል ናይታ ኣብ ናይሮቢ ዚቘመት ኣድሆክ-ኮንታክት ግሩፕን፣ ኣባል መሪሕነት ሰሊፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራን ዚዀነ፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚተኻየደ መስርሕ ዘተን ድሕሪኡ ዚሰዓበ ጻዕሪታትን፡ ኣገዳሲ መብርሂ ኣቕሪቡ። 

እቲ ብብዝሒን ዝንቕን ተሳተፍቱ ኰነ ትሕዝቶኡ ፍልይ ዚበለ ህዝባዊ ሰሚናር ብለበዋታትን ዝክረ-ሰማእታትን ተዛዚሙ።

ያቆብ ኣብርሃም
ፍራንክፉርት ዕለት 10.09.2017