All updates

[EN/TG] Building a National Democratic Movement for Political Transition

18/12/2017

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ምስ ገዳይም ተጋደንቲ ኣቶ ሕሩይ ተድላን ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታን፡ ኣባላት ቦርድ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ብሓባር፣ ብዛዕባ ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንስግግር፡ ኣብ ስቶክሆልም፡ ሽወደን፡ ትማሊ ቀዳም 16 ታሕሳስ 2017፡ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ስዒቡ፡ እቲ ከም መበገሲ ሓባራዊ ዘተ ዚቐረበ ሓጺር መግለጺ ይቐርብ።

------------------------

ህዝባዊ ሰሚናር
ስቶክሆልም፡ ሽወደን
16 ታሕሳስ 2017

ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ኤርትራ


ሰላም። ከመይ ኣለኹም፧

ኣብዚ፡ ምስ ክቡራት ገዳይም ተጋደልቲ ብጾት ብሓባር፣ ብዛዕባ ህሉው ኵነታትን መጻኢ ክስተታትን ሃገርናን ህዝብናን፡ ንምዝታይ ጽቡቕ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስምዓኒ። ነቶም ላዕልን ታሕትን ኢሎም፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ዚወደቡ ህርኩታት ኣሕዋት ድማ፡ ብልቢ አመስግን።

ከም መእተዊ ንናይ ሎሚ ኣኼባና፡ ብዛዕባ ኣወዳድባን ውጽኢትን ናይቲ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ 20-22 ጥቅምቲ ዚተኻየደ ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር፡ሕጽር ዚበለ መግለጺ ከቕርብ እየ። ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ እንተላይ ነተን ኣብኡ ዘይተሳተፋ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሳትፍ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ኣብ ሕዳር 2015 ዚተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ኢዩ ተወጢኑ ነይሩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኪካየድ ተሓሲቡ ዚነበረ ዋዕላ፡ ብጠንቂ ዚተፈላለዩ ምኽንያታት፡በብእዋኑ ኪመሓላለፍ ይግደድ ከም ዚነበረ ኵሉ ዚፈልጦ ሓቂ ኢዩ። 

ኣብቲ ፈለማ መዓልቲ፡ እቲ 25 ዚኣባላቱ ሓድሽ ቦርድ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ መስራቲ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ዚሰዓበ ክልተ መዓልቲታት ድማ፡ እቲ 42 ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዚተሳተፉዎ ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ሃገራዊ ዘተኡ ብምስልሳል ናይ ሓባር መዘክር ምርድዳእ ብምውጻእ ዕዮኡ ዛዚሙ። ትሕዝቶ ናይቲ መዘክር፡ ብመንጽር’ቲ ኣቐዲምና ዘንበርናሉ ትጽቢት፡ ዚተማልአን ሓያልን’ኳ እንተዘይኰነ፣ ኣብ መስርሕ ጥርናፈ ኣረኣእያ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት የመልክት።    

ምስ’ዚ ሓጺር መእተዊ’ዚ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘተና፡ ማለት፡ ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ስግግር ቅድሚ ምእታወይ፣ ምምጻእ ናጽነትን ቀጻሊ ህላወ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራን፡ ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ርእሰ-ውሳኔ ዘረጋግጽ፡ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት ምዃኑ ኣስሚረ ከዘኻኽር እፈቱ። 

ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ (1) ብዚተናውሐ፡ ጽንኩርን ዚተሓላለኸን ብረታዊ ቃልሲ፤ (2) ብዓቢ መስዋእቲ ብሉጻት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ (3) ብሰፊሕ ዕንወት ሃገራዊ ቍጠባ ኤርትራ፣ (4) ብከቢድ ማህሰይቲ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ፣ (5) ብዘይተኣደነ ዝርገት ማሕበራውን ስድራቤታውን ህይወት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዚተረኽበ ድሙቕ ዓወት ኢዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ጻማ መስዋእቱ ዚረኽበሉ፣ ባህጉ ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ራህዋን ዘርውየሉ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣይከኣለን። መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ሃገር፡ ብመንገዲ ረፈረንደም፡ ምስ ኣረጋገጸ፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ህዝቢ፡ ብመንገዲ ናጻ ሃገራዊ ምርጫ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ኪኣሊ ይዅን ነቲ ዚደልዮ መንግስቲ ከቕውም ዕድል ኣይረኸበን። 

እቲ በቲ ምልካዊ ስርዓት ዚተፈጸመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲን ክድዓት ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነትን፡ ኣደራዕ ሓሳረ-መከራ ኣስዒቡ። እቲ ሕሱም ስቓይ ከይኣክል፣ ከምቲ ‘ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቒ ይጥዕሞ’ ዚበሃል፣ ሎሚ ሰፊሕ ዘመተ ምንሻው ብረታዊ ቃልሲ፣ ምቍንጻብ ክብሪ ናጽነት ሃገር፣ ምምርሳሕ መስዋእቲ ሰማእታትና፣ ምክፋእ ወፈያ ጀጋኑ ሓርበኛታትና፣ ኪካየድ ንዕዘብ ኣለና። ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ተጻባኢ ዘመተ’ዚ ድማ፡ ምብላል ሕጋውነት ፍትሓዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ከም ዚዀነ ኪስሓት የብሉን።

ስለ’ዚ፡ ናብቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣርእስቲ ዘተና ቅድሚ ምእታወይ፣ (1) ናጽነት ኤርትራ ብብርቱዕ ጻዕርን ከቢድ መስዋእትን ተጋዳላይን ህዝብን ዚመጸ፡ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፤ (2) ቀጻሊ ህላወ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ከም ብሌን ዓይንና ክንከላኸለሉ ዝግባኣና ቅዱስ ሃገራዊ ግዴታ ምዃኑ፣ ኣብዚ ደጊመ ከስምር እፈቱ። ኤርትራ፡ ከም ዓለማ፡ ኣብ መስርዕ ኣህጕራዊ ኮም ናይ ናጻ ሃገራት ግቡእ ቦታኣ ምሓዝ ኣገዳሲ ሃገራዊ መሰል ከም ዚዀነ ፈጺሙ ኪስሓት፡ኪዝንጋዕ ወይ ኪቈናጸብ ኣይግባእን። ጠንቂ ናይቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ህሉው ክዉንነት ሃገርና፡ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ህዝብና፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት’ምበር ናጽነት ኣይኰነን።

ኣብዚ፡ ኣብ ሃገርና ውድዓውን ባዕላውን ኵነታት ንለውጢ በሲሎሙሉ ዘለዉ እዋን፣ (1) ነቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት፣ (2) እቲ ዚትከል ሓድሽ መንግስቲ ደሞክራስያዊ ስግግር ከም ዘፈጽም ምርግጋጽ፣ (3) ሃገር ካብ ምንቍልቋል፡ ህዝቢ ካብ ኣደራዕ ሓሳረ-መከራን ስቓይን ዘድሕን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ምትካል፣ ናይ ኵሉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ኤርትራዊ ሓላፍነት ኢዩ። ከምዚ ኪበሃል እንከሎ ድማ፣ ሰለስተ ነገራት፡ ማለት፡ (1) ስሩዕ ለውጢ ምምጻእ ከቢድ ዕማም ምዃኑ፤ (2) እቲ ድሕሪ ለውጢ ዚስዕብ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ስግግር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ካብኡ ዚኸበደ፡ ጽንኩርን ዚተሓላለኸን ምዃኑ፣ (3) ኣድማዒ ኣፈጻጽማኡ ዓቢ ውሕልነት ከም ዚሓትት፣ ምግንዛብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። 

እቲ ኣብዚ ንዓና ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ቁምነገር ድማ፡ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ (1) ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ዚከኣል ምዃኑ ምእማን፣ (2) ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ብጻዕርን ቃልስን ግድነት ኪመጽእ ምዃኑ ምትእምማን ኢዩ። ህላወ ተስፋ፡ እምነትን ምትእምማንን፣ ሓቦ ዘስንቕ፡ ጽንዓት ዘሕይል፣ ወሳኒ ረቛሒ ናይ ዓወት ኢዩ።

ነቲ ብሉይ ስርዓት፣ ምስ ኵሉ ሕግታቱ፡ ትካላቱ፡ ኣከያይዳኡ፡ ወዘተ.፡ ብምእላይ፣ ሓድሽ ተካኢ ስርዓት ኣብ ምትካል፣ ውሱን ገደብ ዚሓለወ መዳለዊ ግዜ ወይ መሰጋገሪ መድረኽ ከድሊ ኢዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ለውጥን ቀጻልነትን ጠሚሩ ኪሓቍፍ ኣለዎ፤ ለውጢ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፣ ቀጻልነት ናጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ሓድሽ ስርዓት ምድልዳል፣ ዚሰርሑ ትካላት ምምስራት፡ ምህናጽን ምሕያልን ከድሊ ኢዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ፖለቲካዊ ስግግር ካብ ሓደ ድሑር፡ ጨቋኒ ስርዓት ናብ ሓደ ምዕቡል፡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘመሓላልፍ መስርሕ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ መስርሕ ብትሕዝቶ፡ ቅርጽን ውጽኢትን ኪፈላለ ከም ዚኽእል ምግንዛብ የድሊ። ስለምንታይ፧ ኣብ ከምዚ ናትና ክዉንነት፡ ሰለስተ (3) ተኽእሎታት ወይ ሲናርዮታት ክንጽበ ስለ እንኽእል።

እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት፡-  

  1. ተመሳሳሊ ወይ፡ ንይምሰል፡ መልክዑ ዚቐየረ መቐጸልታ ናይቲ ብሉይ፤
  2. ካብቲ ብሉይ ዚኸፍአ፤
  3. ካብቲ ብሉይ ዚሓሸ፡ ኪኸውን፤ ይኽእል።

ካብዞም ሰለስተ ተኽእሎታት’ዚኣቶም፡ እቲ ንሕና እንደልዮን፡ ክዉን ንምግባር እንቃለሰሉን ዕላማ፣ ብቅዋም ዘመሓድር፣ ግዝኣተ-ሕጊ ዘስፍን፣ ደሞክራስያዊ መትከላት ዚኽተል፣ መባእታዊ መሰላት ዜግነት ዘኽብር፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘውሕስ፣ ስርዓተ-ምሕደራ ምምጻእ ኢዩ።  

ኣብ ኤርትራ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቕያር ኰነ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምምጻእ፣ ሓያሎ ዘቤታውን ዞባውን ብድሆታት ከጋጥሙ ከም ዚኽእሉ ምግንዛብ፣ ነቲ ኣሉታዊ ስንብራቶም ብኣግኡ ብምምካት ዕድል ዚህብ፡ ንዓወት ሓባራዊ ቃልስና ወሳኒ ረቛሒ ኢዩ።

ብቐዳምነት፡ ካብ ባህርይ ናይቲ ስርዓት ዚምንጭዉ፡ ሽዱሽተ (6) ቀንዲ ዘቤታዊ ብድሆታት ከነለሊ ንኽእል። እዚኣቶም ድማ፡(1) ምሒር ምልኪ፡ (2) ሕሉፍ ዓመጽ፡ (3) ሕሉፍ ብኽነት፡ (4) ምሒር ዝሩግነት፡ (5) ምሒር ሓሳድነት፡ (6) ሕሉፍ ብድዐ፡ ኢዮም። 

  1. ምሒር ምልኪ፡- እዚ ዘሎ ስርዓት፡ ፍጹም ስልጣን ዚገበተ፣ ብግቡእ ዚሰርሑ መንግስታዊ መሓውር ኰነ ትካላት ዘይብሉ፣ ስልጣኑ ብጐነጻዊ ሓይሊ ዘርግእ፣ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ።
  2. ሕሉፍ ዓመጽ፡- ንዅሉ ባህርያዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጸጋታት ሃገር ብሒቱ፣ ብዚተፈላለዩ ኣገባባት፡ ዚተፈላለዩ ምስምሳት እናተጠቕመ፣ ባህርያዊ ጸጋታት ሃገር፡ ንብረት መንግስቲ፡ ገንዘብ ህዝቢ፡ ዚዘምት ዓማጺ ስርዓት ኢዩ።
  3. ክቱር ብኽነት፡- ኣፍራዪ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሃገር፣ ኣታዊታት ባህርያዊ ሃብቲ ሃገር፣ ንዋት፡ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ፡ ብፋሉላዊ መንገዲ እናዘረወ፡ ዘባኽን ስርዓት ኢዩ።
  4. ኣመና ዝሩግነት፡- መሰረታዊ ጠለባት መነባብሮ ህዝቢ ዘየማልእ፣ ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ዘመን፡ ዘሕፍር ናይ ኩፖን ቍጠባ ዘመሓድር፤ ብክቱር ብልሽውና ዚልለ፣ ጃህራ ዚድራሩ፣ ዝሩግ ስርዓት ኢዩ።
  5. ምሒር ሓሳድነት፡-  ኣብ ኤርትራ፡ ንዚዀነ ጽቡቕ ንቕሎ ወይ ሰናይ ምዕባለ ብግስ ክብል እንከሎ ዚቕንጥስ፣ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኰነ ኢሉ ድኽነት ሃገርን ስቓይ ህዝብን ዘዕምቝን ዘስፋሕፍሕን ሓሳድ ስርዓት ኢዩ።
  6. ሕሉፍ ብድዐ፡- መሰረታዊ ደሞክራስያዊ፡ በርጌሳውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ረጊጹ፣ ህድግለነ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ሓይሊ እናተጠቕመ፣ ብዘይ ዚዀነ ሕጋዊ ቀይዲ ወይ ሞራላዊ ሕልና ዚገዝእ ብድዐኛ ስርዓት ኢዩ።

ኣብ ርእሲ’ዞም ዚተዘርዘሩ ሽዱሽተ ቀንዲ ዘቤታዊ ብድሆታት፣ ካልኦት ከጋጥሙ ዚኽእሉ፡ ምስ ኵነታት ዞባና ዚተኣሳሰሩ፡ ከነስተብህለሎም ዚግባእ፡ ጀኦፖለቲካዊ ብድሆታት’ውን ኣለዉ።

ዞባና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኣለዎ።እተን ኣብቲ ዞባና ዚርከባ ሃገራት፡ ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ ቀጻሊ ዘቤታዊ ቅልውላውን ሓድሕዳዊ ባእስን ዚጠሓላ፣ ህዝብታተን ብሓፈሻዊ ቍጠባዊ ድሕረትን ዘስካሕክሕ ድኽነትን ዚሳቐዩ፣ ብኲናት፡ ህውከትን ዘይርግኣትን ዚልለያ ኢየን። እዚ ጀኦፖለቲካዊ ክዉንነት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሃገርና ስርዓት ንምቕያርን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምምጻእን ዚካየድ ቃልሲ ኣሉታዊ ስንብራት ኪህሉዎ ከም ዚኽእል ምግንዛብ፣ ብኣግኡ ንምምካቱ ምድላው፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ነዞም ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት እዚኣቶም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ብሉይ ስርዓት፣ ርግኣት ሃገረ ኤርትራ ብዘውሕስ መንገዲ ብምእላይ፣ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ ምቅላስ፣ እቲ ቀንዲ እዋናዊ ዕማም ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ ለውጥን ስግግርን ነዞም ዚስዕቡ ዕላማታት ከውሕሱ ይግባእ።

  1. ቀጻሊ ህላወ ናጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ፤
  2. ድሕነት፡ ርግኣትን ጸጥታን ሃገረ ኤርትራ፤
  3. ሓድሽ ቅርጺ፡ ደሞክራስያዊ ኣቃውማን ትሕዝቶን መንግስቲ ኤርትራ፤
  4. ምምሕዳር መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ግዳያት በደል ምኽሓስ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ንምስፋን፣
  5. ምድልዳል ደሞክራስያዊ ውክልና ዚሓዘሉ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዅሉ መዳያት ብዙሕነቱ፡ ዘሳትፉ፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎም ትካላት ፖለቲካውን ቍጠባውን ምሕደራ፣ ብግቡእ ዚሰርሑን ጠለባት ህዝቢ ዘማልኡን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት።

ነዞም ኣገደስቲ ዕማማት እዚኣቶም ብብቕዓት ንምፍጻም ዚሰርሕ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ምህናጽ ሎሚ እዋኑ ዚኣኸለ እመስለኒ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እጃሙ ንምብርካት ድማ፡ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ብቐዳምነት፡ ካብ ኣብ ናይ ትማሊ ፋይዳ-ኣልቦ ምስትንታን ኰነ ካብቲ ኣሉታዊ ፖለቲካ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ኪገላገል ይግባእ። ሃናጺ መኣዝን ብምሓዝ ድማ፡-   

  1. ብመንገዲ ኣሳታፊ ልዝብ ሓባራዊ ራእይን ናይ ሓባር ስራሕን ንምዅስኳስ፤
  2. ደሞክራስያዊ ለውጢ ብኤርትራዊ ዋንነት ንምድራኽ፤
  3. ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ንምሕያል፤
  4. ኪኖ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ መስርሕ ዳግመ-ቅየሳ መንግስትን ህንጸት ሃገርን ንምዕዋት ተሳትፎኡ ንምዕዛዝ፤ ሃገራዊ ሕልናን ጽንዓትን ተዓጢቑ ኪሰርሕ ይግባእ።

እዚ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ’ዚ ሸቶኡ መታን ኪወቅዕ፡ ብውሓዱ፡ ኣብዞም ዚስዕቡ መሰረታውያን መትከላትን ቀንዲ ክብርታትን ኪምርኰስ ኣድላዪ ይኸውን።

  1. ኤርትራ፡ ናይ ሓባር ሃገር ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ስለዚዀነት፣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብማዕረ መሰል፡ ማዕረ ግዴታ፡ ማዕረ ዕድል ዚነብረላ ናይ ጽባሕ ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ፤  
  2. ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካል። ቅዋም ሰረት ግዝኣተ-ሕጊ፣ ውሕስነት መሰረታዊ መሰላት፣ ማዕከን ልኡላውነት ህዝቢ፣ ምንጪ ኵሉ ሕጋዊ ስልጣን ኢዩ።
  3. ኣሳታፊ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዚውክል፣ ብናጻ ድሌት ህዝቢ ዚቐውምን ዚፈርስን፣ ንመሰላት ደቀንስትዮን ውሑዳትን ፍሉይ ውሕስነት ዘረጋግጽ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምቛም።
  4. ህዝቢ መዓልታዊ መነባብሮኡ ብድሌቱ ንምስራዕን፣ ንፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወቱ ኣብ ዘገድሱ ውሳኔታት ድምጹ ንምስማዕን ዘኽእል፣ ዘይምእኩል ስርዓተ ምምሕዳር ምትእትታው።
  5. ቅልጡፍ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ኤርትራዊ ሓይሊሰብ ዘበራብር ማክሮ-ቍጠባዊ ፖሊሲ ቐይስካ ብምትግባር፣ መነባብሮ ህዝቢ ምምሕያሽን ራህዋ ምስፋንን፤
  6. ልኡላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ፣ ናብ ሓድሽ ዞባዊ ዝምድናታት ናይ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ዘተኰረ፣ ሰላማዊ ሓባረ-ምንባርን ጽቡቕ ጕርብትናን ምዅስኳስ።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ ብልቢ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንሰማእታትና!