All updates

Building a National Democratic Movement & the Geopolitics of Our Region

04/12/2017

ባይቶ ኦታዋ ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ብዛዕባ ምህናጽ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስን ጀኦፖለቲካ ዞባናን፡ ኣብ ኦታዋ፡ ካናዳ፡ ትማሊ ሰንበት 03 ታሕሳስ 2017 ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ስዒቡ፡ እቲ ከም መበገሲ ሓባራዊ ዘተ ዚቐረበ ሓጺር መግለጺ ይቐርብ።

__________________________________

ኦታዋ፡ 03 ታሕሳስ 2017

ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስን ጀኦፖለቲካ ዞባናን

ኣብ ዓመት መመላእታ፡ ኣብዚ ኣዳራሽ’ዚ፡ ንካልኣይ ግዜ ምሳኹም ተራኺበ፣ ብዛዕባ ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን፡ ንምዝታይ ጽቡቕ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስምዓኒ። ነቶም ተበግሶ ወሲዶም፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ብምውዳብ፡ ዚዓደሙኒ፣ ካብኡ ሓሊፎም፡ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክዉን ዚገበሩ ባይቶ ኦታዋ ድማ፡ ብልቢ አመስግን።

ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘተና፡ ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስን ጀኦፖለቲካ ዞባናን ቅድሚ ምእታወይ፣ ብዛዕባ ክብሪ ናይ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ሓጺር መዘኻኸሪ ከቕርብ እፈቱ።

ከምቲ ኵላትና እንፈልጦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዚተናውሐ፡ ጽንኩርን ዚተሓላለኸን ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ኣካይዱ፤ ዓቢ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ሃገራዊ ቍጠባኡ፡ ከቢድ ሃስያ ደረጃ መነባብሮኡ፡ ዘይተኣደነ ዝርገት ስድራቤታዊ ህይወቱ፡ ከፊሉ፣ ሃገራዊ ናጽነት ኣምጺኡ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን፣ ድሕሪ ናጽነት፡ ጻማ መስዋእቱ ዚረኽበሉ፣ ባህጉ ንሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ራህዋን ዘማልኣሉ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣይከኣለን። መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ሃገር፡ ብመንገዲ ረፈረንደም፡ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ህዝቢ፡ ናጻ ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ፡ ዚደለዮ መንግስቲ ከቕውም ዕድል ኣይረኸበን።

እቲ በቲ ምልካዊ ስርዓት ዚተፈጸመ ጥልመት መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲን ክድዓት ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነትን ዘስዓቦ ኣደራዕ ሓሳረ-መከራ ከይኣክል፤ ከምቲ ‘ዕግርግር ዕዳጋ ንሰራቒ ይጥዕሞ’ ዚበሃል፣ ሎሚ ምብሕጓግ ሕጋውነት ፍትሓዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ዚዕላምኡ፡ ከይሲ መደብ ምንሻው ብረታዊ ቃልሲ፣ ምቍንጻብ ፋይዳ ናጽነት ሃገር፣ ምክሽማሽ መስዋእቲ ሰማእታትና፣ ምክፋእ ወፈያ ጀጋኑ ሓርበኛታትና፣ ሰፊሕ ዘመተ ኪካየደሉ ንዕዘብ ኣለና።

ስለ’ዚ፡ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘተና ቅድሚ ምስጋረይ፣ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ኰነ ህላወ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ብብርቱዕ ጻዕርን ከቢድ መስዋእትን ተጋዳላይን ህዝብን ዚተረኽበ፡ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፡ ደጋጊመ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ረዚን ቁምነገር ኢዩ። ኤርትራ፡ ከም ዓለማ፡ ኣብ መስርዕ ኣህጕራዊ ኮም ናይ ናጻ ሃገራት ግቡእ ቦታኣ ምሓዝ ኣገዳሲ ሃገራዊ መሰል ከም ዚዀነ ፈጺሙ ኪዝንጋዕ ወይ ኪቈናጸብ ኣይግባእን። ተሓታቲ ብዛዕባ’ቲ ህሉው ኵነታት ሃገርና፡ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ህዝብና፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት’ምበር ናጽነት ኣይኰነን።

ኣብዚ፡ ኣብ ሃገርና ውድዓውን ባዕላውን ኵነታት ንለውጢ በሲሉሉ ዘሎ እዋን፣ ለውጢ ምምጻእ፡ ሃገርን ህዝብን ካብ ምልካዊ ኣደራዕን ስቓይን ምድሓን፡ ናይ ኵሉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ኤርትራዊ ሓላፍነት ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ለውጢ ምምጻእ ቀሊል ዕማም ከም ዘይኰነ፣ ኪኖ ለውጢ’ውን፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ስግግር ጽንኩርን ዚተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዚቕየረሉ እዋን፡ ነቲ ብሉይ ስርዓት፡ ምስ ኵሉ ሕግታቱ፡ ትካላቱን ኣከያይዳኡን ንምእላይ፣ መተካእትኡ ዚኸውን ሓድሽ ስርዓት ንምትካል፡ ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ ከድሊ ኢዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ለውጥን ቀጻልነትን ጠሚሩ ኪሓቍፍ ኣለዎ። ለውጢ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፣ ቀጻልነት ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ። ነቲ ሓድሽ ስርዓት ንምድልዳል፣ ዚሰርሑ ትካላት መስሪትካ ምህናጽ፤ ብዘተኣማምን መንገዲ ንምሕያሎም ድማ፡ ገደቡ ዚሓለወ መዳለዊ ግዜ ወይ ፍሉይ መሰጋገሪ መድረኽ ይሓትት።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ፖለቲካዊ ስግግር ካብ ሓደ ጨቋኒ ወይ ምልካዊ ስርዓት ናብ ሓደ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘመሓላልፍ መስርሕ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ መስርሕ ብትሕዝቶ፡ ቅርጽን ውጽኢትን ኪፈላለ ከም ዚኽእል ምግንዛብ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ ከምዚ ናትና ክዉንነት፡ ሰለስተ (3) ተኽእሎታት ወይ ሲናርዮታት ክንጽበ ስለ እንኽእል።እቲ ሓድሽ ስርዓት፡-  

(1) ተመሳሳሊ ወይ መልክዑ ዚቐየረ መቐጸልታ ናይቲ ብሉይ፤ (2) ካብቲ ብሉይ ዚኸፍአ፤ (3) ካብቲ ብሉይ ዚሓሸ፡ ማለት፡ ኣብ ቅዋም ዚተመስረተ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ንቡር ደሞክራስያዊ መትከላት፣ መባእታዊ መሰል ዜጋታትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዘኽብር ስርዓት፤ ኪኸውን።

ኣብ ኤርትራ፡ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ኣብ ምምጻእ፡ ሓያሎ ዘቤታውን ጀኦፖለቲካውን ብድሆታት ከጋጥሙ ይኽእሉ። እቶም ዘቤታዊ ብድሆታት ወሰንቲ ኪዀኑ እንከለዉ፣ እቶም ጀኦፖለቲካዊ ብድሆታት ጸለውቲ ኢዮም።

እቶም ቀንዲ ዘቤታዊ ብድሆታት፡ ምስ ባህርይ ናይቲ ስርዓት ዚተኣሳሰሩ ኢዮም።

(1) ሕሉፍ መዝማዚ ስርዓት፡- ፍጹም ስልጣን ዚበሓተ ውልቀ-ምልካዊ፣ ብግቡእ ዚሰርሑ መንግስታዊ መሓውር ይዅን ትካላት ዘይብሉ፣ ብዚተፈላለዩ ኣገባባት፡ ዚተፈላለዩ ምስምሳት እናመሃዘ፡ ገንዘብን ንብረትን ህዝቢ ዚዘምትን ዘባኽንን።

(2) ዝሩግ ስርዓት፡- መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ዘየማልእ፡ ዘሕፍር ናይ ኩፖን ቍጠባ ዘመሓድር፤ ብክቱር ብልሽውና ዚልለ።

(3) ሓሳድ ስርዓት፡- ንዅሉ ባህርያዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጸጋታት ሃገር ገቢቱ፣ ኰነ ኢሉ ድኽነት ሃገርን ሓሳረ-መከራ ህዝብን ዘዕምቝን ዘስፋሕፍሕን።

(4) ብድዐኛ ስርዓት፡- መሰረታዊ ደሞክራስያዊ፡ በርጌሳውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ረጊጹ፡ ህድግለነ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ሓይሊ እናኣዘውተረ፡ ዚገዝእ።

እቶም ቀንዲ ጀኦፖለቲካዊ ብድሆታት ምስ ኵነታት ዞባና ዚተኣሳሰሩ ኢዮም።  

ዞባና፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዘለዎ፣ ሃገራቱ፡ ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ ቀጻሊ ዘቤታዊ ቅልውላውን ሓድሕዳዊ ባእስን ዚጠሓላ፣ ህዝብታቱ ብሓፈሻዊ ድሕረትን ዘስካሕክሕ ድኽነትን ዚሳቐዩ፣ ብኲናት፡ ህውከትን ዘይርግኣትን ዚልለ ዞባ ኢዩ።

እዚ ሃብታም ስትራተጅያዊ ዞባ’ዚ፡ ክልተ ንኡሳን ዞባታት የቕውም። እቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ሓውሲ-ደሴት ዓረብ፡ ብፍላይ፡ ብውሽጣዊ ቍርቍስ ጥሩፍ እስላማዊ ስነሓሳብን ዚተወሳሰበ ምሕዝነታቱን ዚተረመሰ ዞባ ኢዩ። እቲ ስነሓሳባዊ ቍርቍስ፡ ኣብ ክልተ ጽፍሕታት ይግሃድ። (1) ኣብቲ ኣብ መንጎ ሺዓን ሱኒን ዘሎ ታሪኻዊ ምምቕቓልን ህልኽን፣ (2) ኣብቲ ኣብ መንጎ ወሃቢዝምን (Wahabism) ሕውነት ሙስሊምን (Muslim Brotherhood) ዘሎ ውድድርን ባእስን። እዚ ስነሓሳባዊ ባእስታት’ዚ፡ በብግዜኡ፡ ብተቐያያሪ ዞባዊ ምሕዝነታትን ቀጻሊ ኣህጕራዊ ምትእትታውን እናተጐሃሃረ፡ ኣብቲ ዞባ ኲናት፡ ህውከት፡ መቕዘፍትን ዕንወትን ይዘርእ [ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ፍልስጤም፡ የመን፡ ሶርያ፡ ምስሪ - ሲናይ]። (3) እቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብኣሉታዊ ስንብራት ናይቲ ስነሓሳባዊ ቍርቍስ ጥሩፍ እስላማዊ ዝምባሌታት ዚጽሎ’ኳ እንተዀነ፣ ኣብ ታሪኻዊ ኣስፋሕፋሒ ህርፋንን ዕብለላን ዚድርኾ፡ ግዳማዊ ምትእትታው ዘጋድዶ፡ ዘቤታዊ ህውከትን ሓድሕዳዊ ኲናትን ተጸሚዱ [ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ኤርትራ-ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ-ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ኬንያ-ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን-ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሶማልያ] ኣብ መንጎ እተን ሃገራት፡ ብተዛማዲ፡ ዚሓሸን ዚኸፍአን ኵነታት’ኳ እንተሃለወ፡ ብምሒር ድሕረትን ድኽነትን ዚሳቐ ዞባ።                                    

ኣብ ክሊ እዞም ዘቤታውን ጀኦፖለቲካውን ብድሆታት እዚኣቶም፡ እቲ ቀንዲ እዋናዊ ዕማም ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነቲ ብሉይ ስርዓት፣ ርግኣት ሃገረ ኤርትራ ብዘውሕስ መንገዲ ብምእላይ፣ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ ምቅላስ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ትንታኔ፡ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ነዞም ዚስዕቡ ዕላማታት ከውሕሱ ይግባእ።

(1) ቀጻሊ ህላወ  ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ፤

(2) ድሕነት፡ ርግኣትን ጸጥታን ሃገረ ኤርትራ፤

(3) ዳግመ-ቅየሳ ቅርጽን ትሕዝቶን መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፤

(4) ምምሕዳር መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ግዳያት በደል ንምኽሓስን ሃገራዊ ዕርቂ ንምስፋንን፣

(5) ምድልዳል ደሞክራስያዊ ውክልና ዘለዎም፣ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዅሉ መዳያት ብዙሕነቱ፡ ዘሳትፉ፣ ብግቡእ ዚሰርሑ ትካላት ፖለቲካውን ቍጠባውን ምሕደራ ።

ነዞም ኣገደስቲ ዕማማት እዚኣቶም ብብቕዓት ንምፍጻም ዚሰርሕ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ምህናጽ እዋኑ ዚኣኸለ እመስለኒ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እጃሙ ንምብርካት ድማ፡ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ዳያስፖራ ካብ ኣብ ናይ ትማሊ ፋይዳ-ኣልቦ ምስትንታን ኰነ ካብቲ ኣሉታዊ ፖለቲካ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ተገላጊሉ፡-

(1) ብመንገዲ ኣሳታፊ ልዝብ ሓባራዊ ራእይን ናይ ሓባር ስራሕን ንምዅስኳስ፤

(2) ደሞክራስያዊ ለውጢ ብኤርትራዊ ዋንነት ንምድራኽ፤

(3) ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ንምሕያል፤

(4) ኪኖ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ መስርሕ ዳግመ-ቅየሳ መንግስትን ህንጸት ሃገርን ንምዕዋት ተሳትፎኡ ንምዕዛዝ፤ ሃገራዊ ሕልናን ጽንዓትን ተዓጢቑ ኪሰርሕ ይግባእ።

እዚ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ’ዚ ሸቶኡ መታን ኪወቅዕ፡ ብውሓዱ፡ ኣብዞም ዚስዕቡ መሰረታውያን መትከላትን ቀንዲ ክብርታትን ኪምርኰስ ኣድላዪ ይኸውን።

 (1) ኤርትራ፡ ናይ ሓባር ሃገር ናይ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ስለዚዀነት፣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብማዕረ መሰል፡ ማዕረ ግዴታ፡ ማዕረ ዕድል ዚነብረላ ናይ ጽባሕ ሃገረ ኤርትራ ምርግጋጽ፤  

(2) ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካል። ቅዋም ሰረት ግዝኣተ-ሕጊ፣ ውሕስነት መሰረታዊ መሰላት፣ ማዕከን ልዑላውነት ህዝቢ፣ ምንጪ ኵሉ ሕጋዊ ስልጣን ኢዩ።

(3) ኣሳታፊ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዚውክል፣ ብናጻ ድሌት ህዝቢ ዚቐውምን ዚፈርስን፣ ንመሰላት ደቀንስትዮን ውሑዳትን ፍሉይ ውሕስነት ዘረጋግጽ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምቛም።

(4) ህዝቢ መዓልታዊ መነባብሮኡ ብድሌቱ ንምስራዕን፣ ንፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወቱ ኣብ ዘገድሱ ውሳኔታት ድምጹ ንምስማዕን ዘኽእል፣ ዘይምእኩል ስርዓተ ምምሕዳር ምትእትታው።

(5) ቅልጡፍ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ ማክሮ-ቍጠባዊ ፖሊሲ ቐይስካ ብምትግባር፣ መነባብሮ ህዝቢ ምምሕያሽን ራህዋ ምስፋንን፤

(6) ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ፣ ናብ ሓድሽ ዞባዊ ዝምድናታት ናይ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ዘተኰረ፣ ሰላማዊ ሓባረ-ምንባርን ጽቡቕ ጕርብትናን ምዅስኳስ።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ ብልቢ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሓበንን ንሰማእታትና!

[:swvar:text:838:]