All updates

መስከረም ደሃይ ሃቢ!

17/09/2022

መስከረም ደሃይ ሃቢ!

መስከረም መስከረም ኴንክና ዳስ ጭዉያ

ትእምርትኺ ነይሩ ተስፋ ብካዕቦ
ክራማት ወጺኡ ብስራት ቀውዒ ዚሕፈሶ
ብሓምሊ ተሓሊፉ ዚትርከሶ ብገዓት ብቦሶ
ጠምዩ ዚተሰደደ ዚምለሶ
ሓረስታይ ተፈሲሁ ክርኢ ጻማ ዚሓረሶ።

ባህርኺ ተቐይሩ ከም ፖለቲካ  ዘመንና
ዓርከ-መሓዛ ኴንኪ ምስ ህግደፍ መንጠሊና
ህዝቢ ዘብርስ ዘይብሉ ሕልና
መጓዕዝቱ ዚኸትር ኣብ ደበና
መቓልስቱ ዘጥፍእ ተመዅሊዩ ብገደና
ንፈተውቱ ዚቓጸ ኣብ ጐደና
ንዚሰገዱሉ ዚቐልዕ ብቡኛ
ንዘገልገሉዎ ዚድርቢ ከም ባሊና።

ብርሃን ኣሎ ክትብሎ ዘጸልምት
ሰላም ኰይኑ ክትብል ዘኽትት
ብሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ ዘጽንት።

መስከረም መስከረም ኴንክና ዳስ ጭዉያ!

 ብጃምላ ወሲድኪ ዘይመለስኪ መራሕቲ
ኣስዓብኪዮም ደኣ ደረስቲ ሰነድቲ
ወሓጥኪዮም ተስፋ መጻኢ ወለዶ ተካእቲ
ዓበስኪዮም ውዕሎ ዚትርኹ ሊቃውንቲ
ዓገብ ዚበሉ ኵሎም ዓበይቲ
ኣቦን ኣደን ተጥፍኢ ብሓንቲ
ደቂ ሓንቲ ማህጸን ትስውሪ ዘይብሎም ነጋሪ
ንዚሰንከሉ ከይነሓፍኪ ትጀሃሪ
ንጠበቓ ትነቚትዮ ናብ ጓህሪ
ንሽማግለ ተዀርምይዮ ኣብ ምድሪ
ቀሽን ሸኽን ትውግዚ ብትሪ
ንፓትርያርክ ትኸሲ ኣብ ዘይብሉ መስካሪ
ንህጻናት ተዘኽትሚ ዘይብሎም ጠዋሪ
ነዴታት መበለት ትገብሪ።

ንተስእ ሃገራዊያን ኣለሊናዮ ኣሎና ጸላኢና
ነጊሩና ኢዩ ከም ዘይኰነ ናትና
ከዳዓት ዚበሎም ኰይኑዎ መናውሒ ከኒና
ኣይንጠራጠረሉ ባዕሉ’ዩ ነጊሩና
ኣይርከብን’ዩ ፍትሒ ካብ ጸላኢና
ነዳዲ ንወስኸሉ ተበግሶና
ኢድ ንኢድ ንስራሕ ንለዉጢ ሓቢርና
ቅዋም’ዩ ፍትሒ ንኹልና።

ፍትሒ ንእሱራትና  
ራህዋ ንህዝብና
ንቃለስ ንቅዋምና።

ኣልጋነሽ ተወልደ
18 መስከረም 2022