All updates

Bergen Seminar - Amb. Andebrhan Welde Giorgis

14/12/2022

10 ታሕሳስ 2022

በርገን ሰሚናር

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ሰላም፡ ከመይ ኣለኹም።

ኣቐዲመ፡ ነቶም ነዚ ሰሚናር’ዚ ብምውዳብ፡ ብዛዕባ ንሃገርናን ህዝብናን ዘገድሱ እዋናዊ ጕዳያት ኣብዚ ምሳኹም ንምዝታይ ዝዓደሙኒ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣሕዋት አመስግን። ነዚ ዕድል’ዚ ብምርካበይ ድማ ዓቢ ደስታ እስምዓኒ።

ኣብዚ ሰሚናር’ዚ፡ ኣብ 3 ቀንዲ ጕዳያት ዘተኰረ ሓጺር ሓፈሻዊ መግለጺ ከቕርብ እየ። ብድሕሪኡ መደረኽ ንዘተ ኪኽፈት ኢዩ።

  1. ኣድላይነት ምምስራት ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ፣
  2. ኣገዳስነት ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣
  3. ምብርባር ቍጠባ ኤርትራ።

1. ኣድላይነት ምምስራት ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ

ቅዋም ኤርትራ፡ ከም መሰረታዊ ሕጊ ናይ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ፡ በቲ ብሓቛፊ ውክልና ዚቘመ ቅዋማዊ ባይቶ ጸዲቑ። እቲ ቅዋም መሰረት ናይቲ ዚህነጽ ሕጋዊ ስርዓት የንጽፍ። ምንጪ ናይ ኵሉ ግቡእ ስልጣን፡ ናይ ኵሎም ሕግታትን ሕጋጋትን ሃገረ ኤርትራ የቕውም።

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ነቲ ቅዋም ረጊጹ፡ ልዑላውነት ህዝቢ መንጢሉ ብሃውራዊ ትእዛዝ ዘመሓድር፣ ንዅሉ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ህዝብና ኣብ ፍጹም ቍጽጽሩ ኣእትዩ ዚርምስ፣ ሓሳረ-መከራ ህዝብና እናሓደረ ዘስፍሕን ዘዕምቝን፣ ንሰበ-ስልጣን መንግስትን ተራ ዜጋታትን፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ ኣገባብ ኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ዚምቍሕ፣ ግዝኣተ ሰብ ሰፊኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ምስዚ ዅሉ ግፍዕታት፡ መሰረታዊ ጠለባት መነባብሮ ህዝቢ ኰነ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከቕርብ ዘይክእል፣ ንህዝብና ኣብ ጸልማት ዘመን ናይ ሕሱም ድኽነት፡ ስእነት፡ ጥሜት፡ ወዘተ. ሸሚሙ ንሃገርና ናብ ቍልቍለት ዚነቍት ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ ስርዓት ነጊሱ ጸኒሑን ኣሎን።

ትንሳኤ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ኤርትራ ከም ሃገር ኰነ ሓርነት፡ ራህዋን ቅሳነትን ህዝብና፡ ንግዝኣተ ሰብ ብግዝኣተ ሕጊ ምትካእ ይጠልብ። ብዘይ ቅዋማዊ ስርዓት ግዝኣተ ሕጊ ዚበሃል የለን። ስለዚ፡ ትግባረ ቅዋም መበገሲ ምስረታ ግዝኣተ ሕጊ ኢዩ።

ግዝኣተ ሕጊ ዚኽተል፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘሰላስል ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስ ምፍጣር ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እቲ ኣብ 19 ግንቦት 1993 ዚወጸ ኣዋጅ 37/1993 .6 ምጽዳቕ ቅዋም ኤርትራ ኣብ 23 ግንቦት 1997 መፈጸምታ ናይቲ መሰጋገሪ መድረኽን መፈለምታ ናይ ብህዝባዊ ውክልና ዚቐውም መንግስትን ኣዊጁ ከም ግቡእ፡ ትግባረ ቅዋም ሓድሽ ደሞክራስያዊ ኣካይዳ ኪጽንብል ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚተመስረተ ኣጠቓቕማ ግቡእ ስልጣን ከተኣታቱ ዓቢ ንቀውታ ይሩ

ቅዋም ኤርትራ 3 ቀንዲ መምርሒታት ኣለዉዎ፦

(1) መዋቕር መንግስቲ ይውስን (1.1) ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል፣ (1.2) ሕጋዊ ስልጣን ፈጻሚ፡ ሓጋግን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ የነጽር፣ (1.3) መዝነታትን ዕማማትን ኣካላት መንግስቲ ይዝርዝር፣ (1.4) ስልጣናት መሓውራት መንግስቲ ይድርት፣ (1.5) ብዝሕን ጀኦግራፍያዊ ኣከፋፍላን ምምሕዳራዊ ኣሃዱታት ሃገረ ኤርትራ ይውስን፤

(2) መሰረታዊ ናጽነታት ዜጋታት የውሕስ (2.1) ባእታዊ መሰላት ዜጋታት ገልጽ (2.2) ሃገራዊ ግቡኣት ዜጋታት ይዝርዝር (2.3) መንግስቲ ከውሶም ግዴታ ከም ዘለዎ የቐምጥ፤

(3) ቅዋም ኤርትራ ሕጋዊ ሰረት ሃገረ ኤርትራ የቕውም (3.1) ቅዋም ኤርትራ መኽዘን ላውነት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፣ (3.2) ምንጪ ናይ ግቡእ ስልጣን ኢዩ (3.3) መሰረት ናይ ኵሉ ሕግታትን ሕጋጋትን (በርጌሳዊ፡ ገበናዊ፡ ንግዳዊ) ኤርትራ ኢዩ።

ብመሰረት’ቲ ቅዋም፡ ሃገራዊ ባይቶ ልዑል ሓጋጊ ስልጣን ኢዩ (1) ቅዋም የመሓይሽ፣ (2) ኣዋጃት፡ እንተላይ ኣዋጅ ኲናት፡ የውጽእ (3) ሕጋጋት ይድንግግ፣ (4) ዘቤታውን ግዳማውን ሜላ የማእዝን፣ (5) ኣህጒራዊ ውዕላትን ስምምዓትን፡ እንተላይ ውዕል ሰላም፡ የጽድቕ

ብሓጺሩ፡ ቅዋም ንህዝብን መንግስትን ዘጣምር ማሕበራዊ ውዕል (social contract) ኢዩ። ስለዚ፡ ትግባረ ቅዋም፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና መበገሲ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ንምትግባር ዚሰርሕ፣ ልዑላውነት ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ተግባራዊ ትካላት ዚሃንጽን ዚኣልን፣ ግቡእ መንግስቲ ንምቛም መሰረታዊ ረቛሒ ኢዩ።  ትግባረ ቅዋም፡ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚምስረ ደሞክራስያዊ መትከላት ዚኽተል፣ ኵሉ መሰላት ህዝቢ ዘውሕስ፣ ብማሕበራዊ ውዕል ቕየድ፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምስራት ባይታ ዚምድምድ ኢዩ

2. ኣገዳስነት ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ መንጎ ሃገራት፡ እተን ዚምልከተን መዳውብቲ ሃገራት ብወግዒ ዚእመናሉ፡ ብንጹር ዚተደረተን ዚተመልከተን ኣህጕራዊ ዶብ ኪህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ብዓይኒ ኣህጕራዊ ሕጊ፡ ዶብ (1) መፈላለዪ ሓድሕዳዊ ልዑላዊ ስልጣን ወይ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ሃገረ መንግስታት ስለ ዚዀነ፣ (2) ሃገራዊ መንነት ወይ ዜግነት ናይ ሓደ ህዝቢ ዚድርት ስለ ዚዀነ፣ (3) ነቲ ኣብ ወሰናስን ዶብ ዚነብር ህዝቢ ኣየናይ ሃገረ መንግስቲ ኣድለይቲ ምምሕዳራዊ፡ ጸጥታዊ ኰነ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ዘቕርብ ዚውስን ስለ ዚዀነ።

ፖለቲካዊ ካርታ ዓለም 195 ሃገራት [193 ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክልተ ዘይኣባላት ተዓዘብቲ ሃገራት (ቫቲካንን ፍልስጤምን)] ብዶብ ዚተፈላለያ ግዝኣታዊ ኣሃዱታት ወይ ሃገረ መንግስታት የመልክት። ጀኦግራፍያዊ ጕርብትና ሃገራት ንኣሉታዊ ኰነ ንኣወንታዊ ዝምድናታት ዕድላት ይኸፍት። ብግብሪ፡ ሓደ ኣህጕራዊ ዶብ ነተን መዳውብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ነቲ ኣብ ወሰናስን ዶብ ዚነብር ህዝቢ ድማ ብፍላይ፡ ከም ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ዘሳልጥ መራኸቢ ድንድል ወይ ድማ ግጭት ዘሳውር መፈላለዪ መንደቕ ከገልግል ይኽእል።

ሓደ ኣህጕራዊ ዶብ ንዅሉ ስግረ-ዶባዊ ምንቅስቓስ ዚዓግት ፈላላዪ መንደቕ ኪኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ድማ፡ ናጻ ስግረ-ዶባዊ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት፡ ንግዲ፡ ኣቕሑ፡ ኣገልግሎታት፡ ዕዮ፡ ርእሰማል፡ ወፍሪ፡ ወዘተ.፡ ዘሳልጥ ኣራኻቢ ድንድል ኪኸውን ይኽእል። እቲ ኣህጕራዊ ዶብ ኣራኻቢ ድንድል ዲዩ ኪኸውን ወይስ ዓጋቲ መንደቕ ዚውስን ግን፡ እቲ ዝምድናታት ናይተን ዚምልከተን መዳውብቲ ሃገራት ኢዩ።

ከም ሰናይ ድሌት፡ ዶባት ኤርትራ ምስ ኵለን መዳውብቲ ሃገራት - ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑድያ፡ የመን - ንክልተኣዊ ረብሓታት ህዝብታትና ዘዕዝዝ ኣራኻቢ ድንድል ኪኸውን ንትምነ፤ ከም ተግባራዊ ዞባዊ ሜላ ሒዝና ብትግሃት ክንሰርሓሉ ድማ ይግባእ። ካብዚ ሰናይ ድሌት’ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ንርብዒ ዘመን፡ ከም መመሳመሲ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ተጻብኦ ጸሚዱ ዚጸንሐ ክፋላት ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት’ቲ ንኣስታት ሓደ ምሉእ ዘመን ከይተተንከፈ ዚጸንሐ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ፡ ምስቲ መምርሒታት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘሳኒ ኣገባብ፡ ብስምምዕ ክልቲአን ሃገራትን ተዓዛብነት ኣህጕራዊ ኮምን፡ ኪድረት ኰነ፡ ፖለቲካውን ተክኒካውን ኵነታት ኣብ ዘፍቅደሉ ዚሓጸረ እዋን ኪምልከት፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብንጹር ዚተመልከተ ዶብ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ የውሕስ፣ ሰረት ነባሪ ሰላምን ምሕዝነታዊ ዝምድናታትን ኤርትራን ኢትዮጵያን የንጽፍ።  

3. ምብርባር ቍጠባ ኤርትራ

ቍጠባ ኤርትራ ብቐጻሊ ካብ ሕማቕ ናብ ዚሓመቐ ደረጃ ከንቈልቍል ከም ዚጸንሐ ህሉው ኵነታት መነባብሮ ህዝብና ህያው ምስክር ኢዩ። ኣብዚ መበል 21 ዘመን፡ ብኩፖን ዚቕለብ ህዝቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ። ኣፍራዪ ሓንጎልን ዓያዪ ጕልበትን መንእሰያት ኣብ ሕጋዊ ገደቡ ዚጠሓሰ ደረት-ኣልቦ ንጡፍ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘባኽን ስርዓት፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጥራይ ኢዩ። ዜጋታት ጨቐቕ ኢሎም፡ ብኽንደይ ዕዳን ዕንዲዳን ንዚሰርሑዎም ኣባይቲ ብዘይ ኣገባብን ካሕሳን ዘፍርስ፣ ብመንጽር’ቲ ኣብ ሃገርና ገኒኑ ዘሎ ኣዋጣሪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ፡ ገና ይቕጽል ንዘሎ ኣስታት 16 ዓመታት ህንጸት ኣባይቲ ዚእግድ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጥራይ ኢዩ። “ስለምንታይ” ንዚብል ሕቶ ብዘይካ ሕሰም ህዝቢ ዘስፍን “ሓሳድ” ተግባር፡ ዚዀነ ርትዓዊ መልሲ ክትረኽበሉ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ መዓላ ልምዓት ሃገርን ራህዋ ህዝብን ኪውዕል ዚኽእል ምጡን ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታት ኣለዋ። ይዅን’ምበር፡ ኤርትራ ሎሚ፡ ብዚዀነ መምዘኒ፡ ኣብ መስርዕ ናይተን ዚደሓራ፡ ዚደኸያ፡ ዚሓመቓ ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ ትርከብ። ነዚ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ክዉንነት’ዚ ንምርዳእ ሰለስተ (3) መርትዖታት እጠቅስ፦

(3.1) ብመሰረት’ቲ ኣብ 2020 ብውሕሃ ዚወጸ ኣመልካቲ ሰብኣዊ ምዕባለ (Human Development Index)፡ ኤርትራ መበል 176/191 ሃገራት ትስራዕ፤

(3.2) ብመሰረት’ቲ ኣብ 2020 ብውሕሃ ዚወጸ ኣመልካቲ ምቹእነት ምስልሳል ዋኒን (Ease of Doing Business)፡ ኤርትራ መበል 189/190 ሃገራት ትስራዕ፤

(3.3) ብመሰረት’ቲ ብትካል ሞ ኢብራሂም ኣብ 2019 ዚወጸ ነጥቢ ኣጠቓላሊ ምሕደራ (Mo Ibrahim Overall Governance score) ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ መበል 52/54 ሃገራት ትስራዕ።

ካብቲ ከምዚ ዚኣመሰለ ድሕረትን ድኽነትን ንምግልጋል እንታይ ኪግበር ይግባእ፧ ብቐዳምነት፡ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ምእላይ። ማለት፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኣቀዋውማ ናይቲ ስርዓት፣ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምሕደራ፣ ኣብ ኣሰራርዓ፡ ቅርጽን ኣመሓዳድራን ፖለቲካውን ቍጠባውን ትካላት፣ ኣብ መዝነታት ብሕታውን መንግስታውን ጽላታት፣ ኣብ ተገባብሮ ሓይልታት ማእቶትን ዝምድናታት ማእቶትን ምምጻእ የድሊ። ስዒቡ፡ ሕውየት ዘረጋግጽ ቍጠባዊ መርሓ ምስኣል፣ ኣላዪ መትከል ቍጠባዊ ምሕደራ ምንጻር፣ መኣዝን ልምዓታዊ ሜላ ምትሓዝ።

ከም ምንቅስቓስ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ጕዕዞ ልምዓት ዚድርኽ ንድፊ ቍጠባዊ ሜላ፡ ራእይ ኤርትራ 2030 (Eritrea Vision 2030) ኣዳሊና ኣለና። ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ድሕረት፡ ድኽነትን ስእነትን ብልምዓት፡ ሃብትን ራህዋን ንምትካእ፣ ነቶም ኣዝዮም ህጹጻት ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ፡ ሽቕለት ንምፍጣር፡ ሃብቲ ንምፍራይ፡ ሰረት ቀጻሊ ልምዓት ንምንጻፍ ዚዓለመ ቍጠባዊ ሜላ። ንሓበሬታ ዚኣክል፡ ጽማቝ ትሕዝቶ ቀንዲ ዓንድታቱ አቕርብ፦

  1. ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታትና ምምዕባል፡ ኣብ ግቡእ መዓላ ምውዓል፣ ሰብኣዊ ርእሰማልና ምድንፋዕ፣ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት - 1ይ፡ 2ይ፡ 3ይ ደረጃታት - ምምሕያሽ፣
  2. ስርዓታት ቀረብ ማይን ሓይሊ መብራህትን ብህጹጽ ምሕዳስ፤
  3. ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ምምሕያሽ፣ ኣድለይቲ መድሃኒታትን ዘመናዊ ናውቲ ሕክምናን ምቕራብ፣
  4. ኣድለይቲ ሃለኽቲ ኣቕሑን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ብፍላይ ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒት፡ መብራህቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ መጐዓዝያ፡ ወዘተ.፡ ምቕራብ፤
  5. ፋይናንስያዊ ጽላት ምሕዳስ፡ ልምዓት ዚድርኽ ገንዘባውን ፊስካላውን ሜላ ምኽታል፤
  6. ህንጸት ኣባይቲ ምብጋስ፣ መጠነ-ንኡስ ኣመስራሕቲ ወይ ሰናዕቲ ዘቤታዊ ኢንዳስትሪታት ምትካል፤

ኮታ፡ ራእይ ኤርትራ 2030 ቅልጡፍ፡ ሰሳኒ፡ ሓቛፊ፡ ሓምላይ ልምዓት ዚድርኽ ማክሮ-ቍጠባዊ ስትራተጂ ኢዩ። ተገዲስኩም ከተንብቡዎ፡ ኣብኡ ዚህልወኩም ርእይቶታትን ነቐፌታን ከይነሓፍኩም ከተቕርቡ ድማ እላቦ።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

[:swvar:text:838:]