All updates

BBC News: ትግባረ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ናብ ሰላም ከምርሕ ይግባእ

07/06/2018

… ኤርትራዊ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ብወገኖም፡ ውሳነ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ እቲ ኣብ ሞንጎክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ንከብቅዕ ዘኽእል ተባዕን ኣፍ ደገ ሰላም ዝኸፍትን እዩ ብምባልእዮም ዝንእድዎ።

"እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኩናት ኣይመድለየን ነይሩ፡ እቲ ፀገም ብዘይ ኩናት ክፍተሐሉዝኽእል ዕድላት ነይሩ'ዩ፡ ግና ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕድል ኣይተጠቐምሉን ዝብሉ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ዘይምዃኑ ድማ፡ ንኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ዓብይ ምኽንያት ከምዝኾነ እዮም ዝገልፁ።

"ድሕሪ እቲ ኩናት ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢልናዮ ኢሉ፡ ደሓር ግና እቲ ብኮሚሽንዶብ ዝተወሰነ ናይ ምድራት ዶብ ብምንፃጉ እቲ ኮሚሽን 'ቨርቹዋል ዲማርኬሽን' ገይሩ እዩ ወዲእዎ፡ እዚ ድማንክልቲአን ሃገራት ቀያድን ናይ መወዳእታን እዩ" ይብሉ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ16 ዓመታት ዝፈረመቶ ውዕሊ ኣልጀርስ ክትቅበልእያ ምባሎም 'ነጥቢ መቀይሮ' እዩ ብምባል ድማ ይገልፅዎ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ከምቲ ዝፈረመምዎ ስምምዕ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብዘይውልውልን ክንትግብሮ ቅሩባት ኢና ምባሉ፡ ናይ ብሓቂ ነጥበ መቐይሮ'ዩ ክበሃል ይከኣል፤ ተባዕ ስጉምቲ እዩ።እዚ ስለዝጎደለ እዩ እቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት ክሳብ ሕጂ ክቕፅል ጸኒሑ" ይብሉ።

ብዘይ ቅድመ ኩነት ምትግባር ማለት ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዝፀንሐ ልዑላዊ መሬትኤርትራ ክስሕብ ይግባእ ይብሉ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን። …

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ብደም፣ ብባህሊ፣ ብታሪኽ ብረብሓን ብስትራቴጂንዝተኣሳሰራ ስለዝኾና ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበራሉ ሰላማዊ ኩነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሕብር።

"ምእንቲ እዚ ረብሓ እዚ ክልቲአን ሃገራት ናብ ፅቡቕ ጉርብትና ክምለሳ፣ ናብ ሓድሽ ዝምድና፣ ናብ ፖለቲካዊምትሕግጋዝን ቁጠባዊ ውህደትን ክፈጥራ፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብደረጃ ቀርኒኣፍሪቃ ክረአ ዝኽእል ሕመረት ቁጠባዊ ውህደት ኮይነን ከገልግላ ዝኽእላን ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበራሉኩነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣሎ" ክብሉ መፃኢ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ይገልፁ። …

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ከኣ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰሓበሉ እዋን ዝምድናናብ ንቡር ምምላስ ይከኣል እዩ ክብል ስለዝጸንሐ፡ ነዚ ውሳነ እዚ ክርዕሞን ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ከውዕልክተሓበበር ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን" ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ክህብ ትጽቢቶምይገልጹ። …

ነቲ ምሉእ ዓንቀጽ ንምንባባ ኣብዚ ዚስዕብ Link ጠውቑ: