All updates

ወጊድ ንኣሸባሪ ጐነጽ!

23/08/2022
[:swvar:text:838:]

ወጊድ ንኣሸባሪ ጐነጽ!

እቲ ኣብ ከተማ ጊሰን፡ ጀርመን፡ ኣብ 20 ነሓሰ 2022 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ባህላዊ ምርኢት ዚተፈጸመ ውጡን መጥቃዕቲ፡ ሕግን ስርዓትን ዚገሃሰ፡ ብዅሉ በዓል ሰናይ ድሌትን ሓቀኛ ደላይ ፍትሕን ኤርትራዊ ኪዅነን ዚግብኦ ኣሸባሪ ጐነጽ ኢዩ። ብዛዕባ’ቲ ዚተፈጸመ ጐነጽ ግቡእ ምርምር ተኻይዱ፡ እቶም ነቲ ኣሸባሪ ጐነጽ ዚወጠኑ፡ ዘጐሳጐሱ፡ ዚደገፉ፡ ዘሳለጡ ኰነ ዚፈጸሙ ሰባት፡ ብመሰረት ገበናውን ሲቪላውን ሕጊ ጀርመን ኪሕተቱ፡ በብመጠን ክብደት ተግባራቶም፡ ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተሳተፍቲ ዚተፈጸመ ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ኪስከሙ ይግባእ።

እቲ ብስም ‘ተቓውሞ’ ን‘ተቓውሞ’ ዘነውር ጐነጻዊ መጥቃዕቲ፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ብኤርትራዊ ተግባራዊ ዓቕሚ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ ደሞክራስያዊ ኣከያይዳን ቅዋማዊ ምሕደራን ንምትካል ዚካየድ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይቃዶ፡ ንስኒት ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዚዘርግ፡ ንዕላማ ተጻባእቲ ጓኖት ዘገልግል፡ ፋሉላዊ ዓመጽ ኢዩ። ነዞም ኣብ ዳያስፖራ እንነብር ኤርትራውያን፡ ተቓውሞ ይዅን ደገፍ ነቲ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ኣብ ብሕታዊ ሕልናን ማሕበራዊ ንቕሓትን ዚምርኰስ ውልቃዊ መሰል ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ሕግን መሰል ካልኦትን ብዘኽብር ሰላማዊ ኣገባብ ኪግለጽ ይግባእ።

ምእላይ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብኤርትራዊ ሓይሊ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ዘረጋግጽ፡ ንዓቢ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘርብሕ ምዕባለ ስለ ዚዀነ፣ ቀንዲ ፖለቲካዊ ስራሕ ቀጽሪ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ተግባራዊ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ምሕያል ኪኸውን ይግባእ። እዚ ፖለቲካዊ ስራሕ’ዚ፡ ምእንቲ ዚለዓለ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን፡ (1) ነቶም ጸግዒ ተጻባእቲ ግዳማዊ ሓይልታት ዚሓዙ፡ ነቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ጸግዖም ኪነቕሑሉ፤ (2) ነቶም ነቲ ህሉው ሓሳረ-መከራ ህዝቢ እናፈለጡ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዚድግፉ፣ መርገጺኦም ብምቕያር ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ደው ኪብሉ፤ (3) ነቶም ኣብቲ ‘ስቕተኛ ኣብዝሓ’ ዚተደጐሉ፡ ኣብቲ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዚካየድ ቃልሲ ንፍትሕን ቅዋማዊ ምሕደራን ኪጽንበሩ፣ ብብልሓት ከጐሳጕስ ይግባእ።

ኤርትራ ሃገርና ንዅሉ ኤርትራዊ ማዕረ እትብጻሕ፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ዚትከለሉ ድማ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕርነት ዚነብረላ ናይ ሓባር ዓደቦ ኢያ። እቶም ከም ባሕቲ መስከረም፡ መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ልደት፡ ፋሲካ፡ ዒድ ኣል ፈጥር፡ ዒድ ኣል ኣድሓ፡ ወዘተ.፡ ዚኣመሰሉ ሃገራዊ በዓላት ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ይዅን ፖለቲካዊ ምትእስሳሩ ብዘየገድስ፡ ብማዕረ ዚብጽሑን ብሓባራዊ ስኒት ኪኽበሩ ዚግብኦምን ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ኢዮም። ኵሎም ድማ ጸጋታትን ሕላገት ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም።

ብተወሳኺ፡ ፈስቲቫላት ኰነ ባህላዊ ምርኢታት ኣብ ዳያስፖራ፡ እቲ ካብታ ዘፍቅራ ሃገሩ ርሒቑ፡ ካብ ዘፍቅሮም ወለዱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ተፈልዩ ብናፍቖት፡ ጽምዋን ተነጽሎን ዚሳቐ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፡ ነንሓድሕዱ ዚራኸበሉ፣ እቶም ኣብ ንእስነቶም ዚተሰደዱ ኰነ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዚዓብዩ መንእሰያት ተራኺቦም ዚላለዩሉ፣ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ዚፈጥሩሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህላዊ ጽንብላት ኢዩ። እቲ መድረኻት በቲ ዓመጸኛ ስርዓትን ደገፍቱን ኪውደብ፡ ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ናይቲ ስርዓት ኪምዝመዝ፡ ድኻም ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓንኬል ሓድሕዳዊ ቍርቍስ ዕንክሊል ኪብል ዚጸንሐ “ደምበ ተቓውሞ” ዘመልክት ተርእዮ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ፈስቲቫላትን ባህላዊ ምርኢታትን ዚሳተፍ ኤርትራዊ ደጋፊ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ጥራይ ከም ዘይኰነ ዚሕብሩ መርትዖታት ኣለዉ። ክንዲ ዚዀነ፡ ቀጽሪ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ንዅሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኤርትራውያን ዚፍጸም ጐነጻዊ ተግባራት ብትሪ ብምቅዋምን ብምዅናንን፣ ነቲ ግጉይ ኣረኣእያ ዘለዎ ዜጋ ብምእራም፡ ነቲ ቅኑዕ ዘሎ ተቓላሳይ ብምትብባዕ፣ ንዅሉ ደሞክራስያዊ ኤርትራዊ ናብ መሳርዕ ኣድማዒ ተቓውሞ ንምስላፍ ብዚተወደበ ኣገባብ ንምጕስጓስ ብብልሓት ኪጥቀመሉ ይግባእ።