All updates

8 መጋቢት ዳግማይ ምረሻ፡ መኸተ ንክድዓት

07/03/2019
8 መጋቢት
ዳግማይ ምረሻ፡ መኸተ ንክድዓት
 
ዝኽርን ክብርን ኤርትራዊት በዓልቲ ቅያ
ዝሰርሐት ተኣምር፡ንናጽነት ተወፍያ
ግፍዒ ጸላኢ መኪታ
ዛጊት ከይረኸበት ሩፍታ።
ዘንጸላልዋ ዘሎ ክድዓት
ዳግማይ ደግሲ ደልሃመት።
 
ዝኽርን ክብርን ኤርትራዊት በዓልቲ ሞያ
ኩለንትናኺ ዘበርከትኪ ብዘይ መሃያ
ዝተቓለስክሉ ክብርዙ ብዘይ ንሕስያ።
 
መብጽዓኺ ተጠሊሙ ኴንኪ ግዳይ
ኪዳንኪ ተጨውዩ፡ ተበቲኖም ስድራ ፈቐዶ ቀላይ።
 
ኣበደን ንምልኪ ንተምበርከኽቲ ኣብ ጽሞና
መብጽዓና ነሐድስ፡ ነውሕስ  ልዑላዊነትና።
 
ኣብ ዝኽሪ 8 መጋቢት ዳግም ንበገስ
መስዋእቲ ሰማእታትና ኪድበስ።