All updates

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣

13/06/2019
12.06.2019
 
30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣
ብዛዕባ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፈን
 

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ባይቶ ጸብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ጽሒፈን።

እተን ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ትካላት ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝጸሓፈኦ ደብዳቤ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲተን።

ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምቲ ዝነበሮ ኣብ ሕማቕ ከምዝርከብ ኣገንዚበን።

ናጻ ፕረስ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ 16 ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣጥፊኣ ከምዘላ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ መበል 40 ስሩዕ ጉባኤ ናይቲ ባይቶ፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዝርዝር ምቕራቡ ኣዘኻኺረን።

እተን ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘለወን ትካላት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ተዛንዩ ክርእዮ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲበን።

ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቐሳ ሃገራት ኣብ ኣባልነቱ ዝሓቖፈ ሓድሽ ባይቶ፣ ኣብ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ይሰርሕ ከምዘሎ ብተግባር ከርኢ’ውን ተማሕጺነን።

ኤርትራ፣ ምስቲ ኣባሉ ዝኾነት ባይቶ ምትሕብባር ከምዘይጸንሓ ብምምልካት ድማ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ልኡኽ ወይ ስፔሻል ራፖርተር ካብ ዝመዘዘለን 22 ሃገራት፣ እታ ነቲ ልኡኽ ምቕባል ዝኣበየት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ከም ኣብነት ጠቒሰን።

ኣብዚ ዝመጽ ስሩዕ ዋዕላ፣ ኣባልነት ካብ ተሓታትነት ዘድሕን ዘይኮነ፣ ንትግባረ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ሓለፍነት ዘሰክም ኮይኑ ክቐርብ’ውን ጸዊዐን።

መበል 41 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 24 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ ኣብ ጄኔቫ ክካየድ’ዩ።

ነዚ ደብዳቤ ዝጸሓፋ 30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዘን ዝስዕባ’የን፣-

1. AfricanDefenders (the Pan-African Human Rights Defenders Network)
2. Amnesty International
3. ARTICLE 19
4. Cairo Institute for Human Rights Studies
5. Center for Reproductive Rights
6. CIVICUS
7. Civil Rights Defenders
8. Committee to Protect Journalists
9. CSW (Christian Solidarity Worldwide)
10. DefendDefenders (the East and Horn of Africa Human Rights Defenders Project)
11. Eritrea Focus
12. Eritrean Diaspora in East Africa (EDEA)
13. Eritrean Law Society (ELS)
14. Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR)
15. Front Line Defenders
16. Geneva for Human Rights / Genève pour les Droits de l’Homme
17. Global Centre for the Responsibility to Protect
18. Human Rights Concern – Eritrea (HRCE)
19. Human Rights Defenders Network – Sierra Leone
20. Human Rights Institute of South Africa (HURISA)
21. Human Rights Watch
22. International Commission of Jurists
23. Information Forum for Eritrea (IFE)
24. International Refugee Rights Initiative
25. International Service for Human Rights
26. Network of Eritrean Women (NEW)
27. Odhikar, Bangladesh
28. Release Eritrea
29. Reporters Without Borders
30. World Organisation Against Torture (OMCT)

(Original Source)