All updates

[2ይ ክፋል] ክብሪ፡ ጽንብል ናጽነት 24 ግንቦት!

23/05/2022

1. “ሃገር ኣይነበረትን ዝብሉ ኣለዉ፡ ሃገር ኢያ ነራ ኤርትራ። ናይ መን ሃገር ደኣ ከድና ክንምንጥል። ናይ ባዕዲ ሃገር መኣስ ኮይና ከንምንጥል ከድና።” ዘውዲ ገብረሚካአል ካብ ወግረት

2. “ረፈረንደም ምግባርና ከም ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ክልተ ነገር እዩ ዘንጸባርቅ። 1ይ ብሕጋውነት እንኣምን ህዝቢ፡ 2ይ ጽባሕ ተገምጢሎም ‘መን ዝሃበኹም ናጽነት ሓርነት ትጀሃሩልና ዘለኹም’።” ሓው ዜን ሾካይ ካብ ስቶክሆልም

3. “ህዝቢ ኤርትራ ኣይትምጹኒ ኣይመጻኹምን’የ እዩ ዝብል ብሰላም ንንበር ዝብል ህዝቢ እዩ።” ሰለሙን ገረሱስ ካብ ባር ቶሪኖ

4. “ብደረጃ ኤርትራ ምሕሳብ ቀጥታ ንዓና ዘርባሓና’ዩ፡ ብደርጃ ዞባ ምሕሳብ ብሓባርን ንከባቢናን ንጎረባብትናን ዘርብሕ’ዩ። ብደርጃ ኣፍሪቃ ምሕሳብ ከኣ ብምሉኡ ነቲ መበቆል ሕ/ሰብ ዓለም ስለ ዝኮነ፡ ንሕና’ውን ኣካሉ ስለ ዝኮና።”  ናትናኤል ስዩም ዓራርብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ።