8 ለካቲት 2026
ሓርነት ባጽዕ - ኣፍደገ ሓርነት መላእ ኤርትራ ዘርሓወ ታሪኻዊ ዓወት
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
እዚ ሳልስቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ መበል 36 ዝክረ-ዓመት ሓርነት ወደባዊት ከተማና ባጽዕ ዚጽንብለሉ ቅንያት በዓላት ኢዩ። ካብ 8 ክሳብ 10 ለካቲት 1990፡ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህሰሓኤ)፡ ዚተወሃሃደ በርቃዊ መጥቃዕቲ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት፡ ከቢድ ብረትን ሓይሊ ባሕርን ብምፍናው፣ ንመበል 606 ኮር መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጲያ ደምሲሱ፣ ነታ ብሉል ቀይሕ ባሕሪ እትፍለጥ ዚነበረት ስትራተጅያዊት ወደብ ባጽዕ ሓራ ብምውጻእ፡ ታሪኻዊ ዓወት ሓፊሱ። ሓርነት ባጽዕ ባና ናጽነት ኤርትራ ወሊዑ፣ ተስፋ ምዕብልቲ ሃገረ ኤርትራን ርሁው መጻኢ ህዝቢ ኤርትራን ኣበሲሩ። ዕዉት ‘ስርሒት ፈንቅል’፡ ከም መርኣያ ውሕሉል ስርሒትን ልዑል ጅግንነትን ህሰሓኤ መጠን፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ቅያታት ሰውራ ኤርትራ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራውን መላእ ህዝቢ ኤርትራን፡ ነቲ ሓርነት ባጽዕ ዘሕፈሰ ቅያ ስርሒት ፈንቅል ብሓበን ኪጽንበል ግቡእ ኢዩ።
ባጽዕ፡ እታ ኣብ መንጎ ፖርት ስዒድ ናይ ግብጽን ሞምባሳ ናይ ኬንያን፡ እቲ ዚዓሞቐ ባህርያዊ መርሳ እትውንን ስትራተጅያዊት ወደብ ኢያ። ንሓያሎ ዘመናት፡ ከም ኣዝያ ኣገዳሲት ማእከል ዞባውን ኣህጕራውን ንግዲ ተገልግል ነይራ። ሳላ’ቲ ምቹእ ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ዓሚቝ መርሳኣን፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ከም ዓባይ መደበር ዓለምለኻዊ ንግድን ኣገዳሲት ዞባዊ ማእከል ቍጠባዊ ምንቅስቓስን ከተገልግል፣ ምንጪ ሃብትን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ኪትከውን ዓቢ ተኽእሎ ኣለዋ። ነዚ ብሉጽ ሃገራዊ ጸጋ’ዚ ብግቡእ ብምጥቃም፡ ብርኩት ኣታዊታት ምውሓዝ፡ ልዑል ቍጠባዊ ልምዓት ምድራኽ፡ መነባብሮ ህዝቢ ክብ ምባል ይከኣል።
ምስ’ዚ ዅሉ ቍጠባውን ንግዳውን ተኽእሎኣ፡ ባጽዕ ሎሚ፡ ድሕሪ 36 ዓመታት ሓርነታ፡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣላ፧ እቲ ኣዝዩ ዘሐዝን፡ መዓንጣ ከብዲ መብዛሕትኡ ሃገራዊ ኤርትራዊ ዚቐርጽ፣ ባጽዕ ሎሚ ህንጻታታ ዓንዮምን ፈሪሶምን፣ መልክዓ ተደዊኑ፣ መብዛሕትኡ ህዝባ ገዲፉዋ ተሰዲዱ፣ ቍጠባዊ ይዅ ማሕበራዊ ህይወታ ዛሕቲሉ፣ ንቡር ኣተሓሕዛ ተሓሪማ፣ ብፍጹም ጽምዋ ተጐቢኣ ትርኰብ። ስለዚ፡ ተሃድሶን ምዕባለን ወደብ ባጽዕ ኰነ ትግባረ ናይቲ ዘለና ትስፉው ትጽቢት፡ ንምጽኣት ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዚጽበ ጕዳይ ናይ መጻኢ ፕሮጀክት ኰይኑ ኣሎ። ማለት፡ ዚሰርሑ ትካላት ዚሃንጽ፣ ክኢላ ሓይሊሰብ ዚዅስኵስ፣ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ - እኹል ማይ፡ ዘተኣማም ኤለክትሪሲቲ፡ ብቑዕ መጐዓዝያ፡ ስሉጥ መራኸቢታት፡ ወዘተ.፡ - ዘዋድድ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ።
ወደባዊ ኣገልግሎት ዞባውን ኣህጕራውን ንግዲ ዘሳልጥ ምንጪ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ሃገራዊ ሃብትን ልዑል መነባብሮ ህዝብን ኢዩ። ሃብቲ፡ ስልጣንን ጽልዋን ጥንታዊ ንግስነት ኣዅሱም ብቐንዱ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ኣዱሊስ ዚተመርኰሰ ባሕራዊ ንግዲ ኢዩ ነይሩ። ህሉው ሃብቲ ሲንጋፖርን ኢማራትን ድማ ዘመናዊ ኣብነት ኢዩ። እቲ ዓቢ ቍጠባዊ ተኽእሎ ወደባትና፡ ብጠንቂ’ቲ ዚጸንሐን ጌና ዚቕጽል ዘሎን ሓሳድ ኣተሓሕዛ ባኺኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ተጠቃሚ ባህርያዊ ጸጋታቱ ኪኸውን ኣይከኣለን። ዘመናዊ ትሕተቅርጺ ወደባቱ ኣማዕቢሉ፣ ስሉጥ ተወዳዳሪ ወደባዊ ኣገልግሎት ኣዋዲዱ ባሕራዊ ንግዲ ብምስላጥ፡ ኣፍራዪ ሽቕለት ከዐቢ፣ ሃብቲ ኪፈጥር፣ ራህዋ ኪጐናጸፍ ኣይከኣለን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመት-ዓመት ዘይትግበሩ መብጽዓታት ፕሮጀክትታት ልምዓት ዚደጋግም፣ ኣብ ዝኽሪ ታሪኻዊ ዓወት ጀጋኑ ሰማእታትና ኪጀሃር ዚነብር ውልቀምልካዊ ስርዓት ዘይኰነስ፣ ግዝኣተ ሕጊ ዘስፍን፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ ዘርሕው፣ ኣፍራዪ ዓቕሚ ህዝብና ዘበራብርን ዚስሕልን፣ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታትና ኣብ መዓላ ልምዓት ሃገርን ራህዋ ህዝብን ዘውዕል ቅዋማዊ ምሕደራ ከም ዘድሊዮ እዚ ዚሓለፈ ተመክሮ ናይ 35 ዓመታት ናጽነት ህያው ምስክር ኢዩ። ሸቶ መበቈላዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ንምውቃዕን ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምፍጻምን፡ ምእንቲ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝብና ከይተሓለልና ክንቃለስ ይግባእ።
መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ዚተኻየደ መሪር ቃልስን ዚተኸፍለ ገዚፍ መስዋእትን፣ ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ንምስፋን ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ተጋደልቱን ታሪኽ ኪሰርሑ’ምበር ኣብ ዝኽሪ ታሪኽ ኪነብሩ ኣይተቓለሱን። ህዝብን ተጋደልትን ኤርትራ፡ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ዚኸፈሉ፡ በቲ ታሪኻዊ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ከስፍን፣ ኵሉመዳያዊ ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ከስዕብ፣ ዚነበሮም ዓሚቝ ሃረርታን ልዑል ተስፋን ተደሪኾም ኢዮም።
ኣብዚ እቲ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ስርዓት ብልጽግና ዚኣለሞ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ደመና ህላዌኣዊ ስግኣት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ተኣፋፊ ጀኦፖለቲካዊ መድረኽ’ዚ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ብሓደ ወገን፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ንምውሓስ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ዘስፍን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ብምቅላስ፣ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታትና ኪስከም፡ ዓሚቝ ሃረርታ ህዝብና ንምምላእ ኪጽዕር ብጹእ ግዴታ ከም ዘለዎ አዘኻኽር። ንመስዋእቲ ሰማእታትናን ስቓይ ህዝብናን ዚድብስ፣ ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ይግባእ።
እቲ ሓርነት ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዘረጋገጸ ስርሒት ፈንቅል፡ ድሙቕ ታሪኻዊ ዓወት መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምንጪ ዓቢ ሓበን ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ኢዩ። ክንድ ዚዀነ፡ ዓመት-ዓመት ብሓበን ኪዝከር ግቡእ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ማዕረ-ማዕሪኡ፡ እቲ መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ዚተኻየደ ቃልሲ፡ ዚተኣትወ መብጽዓ፡ ዚተኸፍለ መስዋእቲ ኪዝከር ይግባእ። ባህግና ብናይ ትማሊ ዓወት ተዛኒና ንምንባር ዘይኰነስ፣ ዕላማና ሎሚ ንናይ ጽባሕ ውሕስነት፡ ድሕነትን ራህዋን ሃገርናን ህዝብናን ሰረት ንምንጻፍ ክንሰርሕ ከም ዚግባእ ምስትውዓል የድሊ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ !
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ !
